እዚ በረኸት ስምኦን ዝብሃል ሰብዚ ንምዃኑ መንዩ?  በብኡን በዲኡን ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከተማ ጎንደር ተወሊዱ ዝዓበየ፣ ኢትዮጵያዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኢትዮጵያዊ ዜጋ እዩ። እዚ ሰብዚ፣ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሐ ንኢትዮጵያ ንክቃለሰላ ኢሉ፣  ኣብ ኢ.ህ.አ.ፓ. (EPRP) Ethiopian People’s Revolutionary Party የኢትዮጵያ ሕዝባዊ አብዮታዊ ፓርቲ: ህዝባዊ ሰውራ ኢትዮጵያ ዝብሃል፣ ገስጋሲ ሰልፊ ኢትዮጵያ ተጸንቢሩ ክቃለስ ጀመረ።

ድሕሪ ሓያለይ ግዜ ግና እዚ ሰልፊዚ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ምዕራባውያን ስለዝፈለጡ፣ ንኽምብቊሱዎ መደብ ዕዮ ስለዘውጽኡ፣ ብውዲት ብምዕራባውያን፣ ብውሽጢ ኢትዮጵያ፣ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወቒዑ፣ እቲ ዝተረፈ ሓይሊ ድማ ብጭፍራ ወያኔ ተደምሲሰ። ካብኡ ካብቶም ብሕይወት ዝተረፉ ኣባላት ኢ.ህ.አ.ፓ. ሓደ በረኸት ስምኦን ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣዩ ድማ፣ ታምራት ላይነ ነበሩ። ክልቲኦም ኤርትራውያን ነበሩ። ካብኡ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ወያኔ ሰለሙ። ወያኔ ንኢትዮጵያ ምስተቛጻጸራ ድማ ዝዓለ ሥልጣን ዝተዋህቡ እዞም ክልተ ኤርትራዊ መበቆል ዝነበሮም ሰባት እዮምን። ብፍላይ በረኸት ስምኦን ኢ ልዑል ስልጣን ብወያኔ ክውሃቦ ከሎ፣ ብስለላን ኮለላን ሲኣይኤ ዝሰልጠነ ውልቀ ሰብ ምኻኑ ጥራይ እዩ።

ስለዚ ጭፍራ ወያኔ ኣብ ዙፋን ንጉስ ሃይለ ሥላሴ ምስ ደየበ፣ ኣብቲ ዝላዓለ ስልጣን መንግስቲ ወያኔ ዝደየበ ሰብ በረኸት ስምኦን እዩ፣ እቲ ቅንዲ ሓላፍነት ሥልጣኑ ድማ፣ ኢንፎርመሽን ሚንስተር ኮይኑ፣ ግንከኣ ኣማኻሪ 1ይ ሚንስተር ነበር፣  ሒዳሪናይ መለስ (ለገሰ) ዜናዊ እዩ ዝነበረ።  እቲ ኣውራ መዓልታዊ ሥርሑ ድማ፣ ስለላዊ ሓበሬታ ኣኻኺቡ፣ ነቲ ሽዑ ግዜ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ  መለስ (ለገሰ) ዜናዊ  ምቅብባል እዩ ዝነበረ።

ካልእ ድማ ንህዝቢ ክጾሉ ዝኽእል ዓንቀጻት፣ ብብርዒ ስም እንዳተጠቕመ ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዝጽሕፍ ዝነበረ በረኸት ስምኦን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ፌስቡክን ኣብ ፕቃልቶክን ብብርዒ ስም እንዳተጠቕመ ንመንእሰይ ዝታልል ብዙሕ ውዲታዊ መልእኽቲ ዘምሓላልፍ ዝነበረ በረኸት ስምኦን። እዚ ሰብዚ ኣብቲ ምስጓጕ ወይ ምጥራዝ 80 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ዋና ኣጋፋሪ ዝነበረ ብኤርትራውነት ዘይኣምን ከዳዕ ሰብ እዩ። ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ድማ ኣብ ማእከሎም እንዳ ኣተወ ንኸይቃለሱ ዘቃልሶም ዝነበረ ሰላዪ እዩ።ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ከምዝብሃል ድማ እንሆ ምዓልቱ ኣኺላ ተኣሲሩ። ቅድሚ ሎሚውን ብስነኣእምራዊ ሕማም ይሳቐ ስለዝነበረ፣ ንደቡ ኣፍሪቃ እንዳተመላለሰ እዩ ዝሕከም ነይሩ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
31 ጥሪ 2019 ዓ.ም.ፈ.