እንካብ ንእስነቱ መዋእል ቍልዕነት
ኣብ ልቡ ዝሓደረ ቅልውላው መንነት
ወዲ ማይ ጠላሚት ዘይኣምን ሰባት
ኣይተዋህቦን ዕርክነት ሕውነት

ሰናይ ግብሪ ዘይፈልትጥ ቅንዕና ሓቅነት
ኣምሆ ዘመን እዋን ሰብዓታት
ደልዮም ረኺቦሞ ውዲታውያን ጽዮንነት
ኣንቆራ ምስ ፈለ ካብ ውድብ ሓርነት
ኣምሆ ዘመን ሓኪሉ ኣብ ዓላ ኣብ ጸሊም ጎቦታት
ሎሚውን ኣይገደፎን ቆሊኡ ኣብ ቍሸት ዓዲ ሃሎ ኮብሊሉ ከም ጓሶት

መራሒኦም ኮይኑ ንጓሶት ሓረስቶት
ሽዑ ምስጀመሮ ሕማም ዕብዳን ሽመት
ምቕታል’ምበር ዘይፈልጥ ምሕረት
ነዊሕ ከይሰጎመ ከይጸንሐ ዓመታት

ነንዝመጽዎ ምሁራን ኣካላት
“መንካዕ” “የሚን” ሰኒዑዩ መጸለሚ ቃላት
ኣብ ሽንጭሮ ሳሕል ቦታ ሞት ስቅያት
ብድሕሪ ምኽትካት ምስጣይ ኣካላት
ኣብ ዝዅዓቶ ጉድጓድ ስዉር ካብ ሰባት
ደፊኑዎም ጀጋኑ ሓመድ ትሕቲ መሬት
እዚ ጨካን ፍጥረት መዘና ኣራዊት
ዝዓበደ ብስስዕቲ ሽመት
ምቕታል እምበር ኣይፈልጥን ምሕረት!!

ወዮ ሕማም ሽመት መሊሱ ገዲዱ
ብድሕሪ ነጻነት እምብዛ ሰዊዱ
ህዝብና ብኹሉ ቅሳነት ስኢኑ ተዋሪዱ
ነዛ ንኽዕልል ፈሪሑ ርዒዱ
ቍሊሕ-ምሊሕ ይብል ኣብ ካልእ የማዕዱ
ገለ እንተበለ ከኣ በዚሖም ዋህዮታት ዘረባ ዝወስዱ
ቤት ማእሰርቲ ኮይና ካልኣይቲ ዓዱ፣

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባ- ኣግኣዝያን
ካብታ ሃገራዊ ቅዋምዶ ሰብ’ዩ መዋቲ? እትብል ሓዳስ መጽሓፍ ዝተቐድሐ