ብማሕበር ገዳይም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ተጸኒዑ ብቪድዮ መልክዕ ብወግዒ ኣብ ዩቱብ ዝተዘርግሐ ታሪኻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኢሰያስ ኣፈወርቂ። ብርግጽ ቅድሚ ሎሚ እውን እንተኾነ፣ ብሕዳሪናይ ተስፋሚካኤል ጆርጆ ኢሰያስ ሰላዪ ከምዝኾነ ብሰፊሑ ተተንቲኑ ነይሩ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፣ ተስፋሚካኤል ጆርጆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ብሓፈሻ ብትእዛዝ ኢሰያስ፣ ብፍላይ ድማ ብትእዛ ስለላ መርበብ ሲኣይኤ ብ1992 ዓ.ም.ፈ. ብጉጅለ ቅንጸላ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብቐትሪ ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድምጺ ዘይብሉ መሳርያ ተቐንጺሉ እዩ።

ነዚ ትሕዝቶ እዛ ቪድዮ እዚኣ ብኣድህቦ እንተድኣ ተኻታቲልናዮ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ 1966 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ፣ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜሪካን፣ እስራአልን፣ ዓባይ ብሪጣንያን ተመልሚሉን ሰልጢኑን ተሰንዩን፣ ነዊሕ ዓመታት ዝኸደ ሰውራ ዝመርሐ ሰብ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ቀንዲ ዓላማ ምዕራባውያን፣ንኢሰያስ ኣፈወርቂ መልሚሎም ከዋፍሩዎ ዝመደቡ፣ኣብ ዝተናውሐ ዓመታት፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብትሕቲ ቕጽጽሮም ንምእታው እዩ እምበር፣ ንኤርትራ ነጻ ንምውጽእ ዓጂቡዎም ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፣ እዚ ድሕሪ 1993 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኤርትራ ዝተኸስተ ብስም ነጻነት ኤርትራ ዝብሃል ኩነታት፣ሎሚ ክንዕዘቦ ከሎና፣ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባርነት እምበር ኣብ ነጻነት ከምዘይለ ኣብሪሁ ይሕብረና። ኢሰያስ ድማ ነቶም ኩሎም ንሓርነት ኤርትራ ዝተቓለሱ ደቂ ሃገር ቀንጺሉ፣ ገና ድማ ሓዲሽ ቅዲ ቃልሲ የካይድ ከምዘሎ እንዳበርሃልና መጺኡ ኣሎ። ንመረዳእታ፣ ዝምድና ምስ ውድባት ኣምሓራ ከምብዓል ግንቦት 7፣ ምስ ውድባት ኦሮሞ፣ ምስ ወያኔ ዘለዎ ምስጢራዊ ዝምድና፣ ምስ ሃገራት ኣዕራብ ዝገብሮ ዘሎ ርክባት ብምክትታል፣ ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራን፣ ንነጻነት ኤርትራን ኢሉ ንሜዳ ከምዘይወጸ ኣዝዩ ይበርሃልና። ህዝቢ ኤርትራ ግና ክሳብ ሎሚ ተሃሚሉ ብምጽንሑ፣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እዩ። ዝኾነ ኮይኑ ግና፣ ኩሉ ግዜ ሓዲሽ ኮይኑ ዝነብር ነገር ስለዘየለ፣ ማለት እዋኑን መድረኹን ምስበጽሐ ዘይቅላዕ ምስጢር ስለዘየሎ፣ ካብ ሎሚ ንኔው ግና፣ እቲ ምስጢር ተልእኾ ኢሰያስ ብንጹር ተጋሂዱ ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኢሰያስ ጸላኢኡ ምዃኑ ኣለልዩ፣ ክምክቶ ግድነት ይኸውን። ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦዅራ ትጽሕጽሕ።

ንሓበሬታ ዝኣክል፣ ብቋንቋ እንግሊዝኛ

1. https://youtu.be/gnHRMvVuoXU

2. https://youtu.be/Vhc3qO37ga8

How Richard / Miles Copeland of the CIA Agent Recruited Isaias …Jan 9, 2013 And this alternative was plotting against and sabotaging Ethiopian unity, in collaboration with Ato Isaias Afewerki. This account may not be trusted by our readers. And yet this account is the truth as told by no other than Tesfamichael Giorgio, then a governor of a district in Eritrea, who had participated in the …

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ 5 የካቲት 2018 ዓ.ም.ፌ።