3ይ ምዕራፍ 4

የካቲት 2018 ዓ.ም.ፈ.

ካብ ቅ.ል.ክ. ጀሚሮም ክሳብ መዋእል ንግስቲ ዮዲት 800 ክፍለ ዘመን፣ ካብ ድሕሪ ምቕሃም ዮዲት ጀሚሩ ከኣ ክሳብ 18 ክፍለዘመን፣መላእ ምድረ- በሓሪ ብባሕረ-ነገስታት እዩ ዝመሓደር ዝነበረ። ብፍላይ እኳድኣ ኣብዛ ሎሚ ኤርትራ ትብሃል ዘላ ሃገር፣ ክሳብ 1740 ዓ.ም.ፈ. ማለት ክሳብቲ መወዳእትታ ስልጣን በሓረ-ነጋሲ ዘብቀዓሉ እዋን፣ ንሱ ድማ በሓር-ነጋሲ ኢስቕ ዘመሓድረሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ከምዚ ሎሚ ወኻሩ ብዓል ኢሰያስ ንታሪኻዊ መለለዪ ጀጋኑ ኤርትራ ደምሲሶም፣ ብኣየውፍር ኣየእቱ ፍልስፍና ማፍያ ከም መምሪሒ ወሲዶም፣ ነቲ ውርዙ ባህልን፣ ጅግንነታዊ ኒሕን ደምሲሶም ብስለላን ብኮለላን ከይተክኡዎ ከለው፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም 400 ባሕረነገስታት ብድልየት ህዝቢ፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ  እንዳ ተዋራረሱ ንምድረ- በሓሪ ብፍትሒ የማሓድሩ ከምዝነበሩ ታሪኽ ዝምስክሮ (F. FRANCESCO ALVAREZ ትርጉም ብሃይለ በዂረ፣ ሩፊሎ ፐርኒ ትርጉም መረብ ምላሽ ገጽ 22 ክሳብ26 ተወከሱ) ሓቂ እዩ። ብሰፊሑ ድማ ብዛዕባ ታሪኽ ባሕረ-ነገስታት ኤርትራ ንምርካብ፣ ብፍላይ ኣብ ሃገር ፖርቱጋል፣ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኡብሳላ ዩኒቨርሲቲ ሃገር ስዊደን፣  ኣሃገር ጣልያንን፣ ኣብ ሙዘይም ኤደንቡርግን እንግሊዛውያን ንሃጸይ ተድሮስ ምስ ወረሩ፣ ዘሚቶም ዝወሰዱዎ ሰነዳት ታሪኽ፣ ውብየ ዘሚቱዎ ዝነበረ ብብራናታት ዝተጻሕፈ ክቡር ባህላዊን ሃይማኖታዊን፣ ታሪኻዊን ሰነዳት ክርከብ ይከኣል። ኣብ ሃገርና ድማ ክሳብ ሎሚ ኣብ ውሑዳት ገዳምት ካህናት ቀቢሮም ሓቢኦሞ ዝጸንሑ ይርከብ እዩ። መኽንያቱ ብዙሓት መጻሕፍትን ኣብያተ መጻሕፍትን፣ በታ ኣረሜን ዮዲትን፣ ብግራኝን፣ ብመሳፍንቲ ትግራይን፣ ቱርክን፣ ግብጽን ነዲዶም ስለዝኾኑ። ካብ እዋን ሰውራ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ድማ፣ እቲ እኩብ ድማር ኮሎንያል ገዛእቲ ዝኾነ ድያብሎስ ጭፍራ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ክብገስ ከሎ ጀሚሩ  ጸረ ባህልን መንነትን ጅግንነትን ህዝቢ ምድረባሕሪ ስለዝኾነ፣ ብቐሊሉ ዘይርከቡ ማእለያ ዘይብሎም ቅዱሳት መጻሕፍትን፣ መጻሕፍቲ ታሪኽን፣ ሕጊንዳባን ካልኦት  ብብራናታት ዝተጻሕፉ ሰነዳትን ከካብ ገዳማት እንዳሰረቐ  ኣጥፊኡዎም እዩ።

ብዛዕባ ታሪኽ ምድረባሕሪ ይኹን  መንነት ህዝቢ ምድረባሕሪ ዝገልጽ ታሪኽ፣ ብጽዮናውያን ዝተላእኩ ፈለስትን ሰለልትን ጥራይ እዮም ዝጽሓፍ ነይሩ። መኽንያቱ ሊቃውንቲ ምድረባሕሪ ብሰንኪ ወረርቲ ስለዝጠፍኡ። ኣብ እዋን ኢሰያስውን እንተኾነውን ካብ እዋን ሰውራ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ፣ ምሁራትን ሊቃውንትን እንዳቀረመ ስለዘጸነቶም ታሪኽ ዝጽሕፉ ኤርትራዊ ክሳብ ሎሚ የልቦን። እቶም ፕሮፈሶራት ዝብሃሉ ኤርትራውያን ድማ፣ ግዙኣትን ዕሱባትን ጽዮናውያን ስለዝኾኑ፣ ብዛዕባ መንነት ህዝቢ ምድረባሕሪ ዝትንትን መጻሕፍቲ ኣይጸሓፉን። እንተጸሓፉውን ብባዕዳዊ ቋንቋ እንግሊዝኛ ጎይተቶም ንኽመራመሩሉ ጥራይ እዮም ዝጽሕፉ እማበር፣ ካልእ ብዛዕባ ዓዶም ኣይጽሕፉን እዮም። በዚ መኽንያት እዚ ድማ እዩ  ብሉጽ ዝኾነ ታሪኽ ጅግና ህዝቢ ምድረባሕሪ ዘይርከብ።

እወ፣ ካብቶም ባዕዳውያን ጽሓፍቲ ታሪኽ፣ሓደ  ኮንቶ ሮሲኒ ዝብሃል እንግሊዛዊ፣ ከም ዝብሎ፣ “ምድረባሕሪ ብፌደራላዊ ምሕደራ እንዳተመሓደረ ዝነብር ዝነበረ ሃገር እዩ። ክሳብ 55 ዝኾኑ ባሕረ-ነገስታት ኣመሓደርቲ ድማ ነበሩዎ” ይብል።  እቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክስሊ ዝተላእከ ብ1750 ዓ.ም.ፈ. ጀምስ ብሩስ እንተኾነውን፣ ዋላኳ ጸላኢ ህዝቢ ምድረባሕሪ aንተነበረ፣ “ህዝቢ ምድረ ባሕሪ በቲ ባዕሉ ዝሓንጸጾ መናበሪ ቅዋም ሕጊ ዝመሓደር ህዝቢ ነበረ”፣ እንዳበለ እዩ ዝምስክር። እቲ ኣብ መዋዳእታ ንምድረ-ባሕሪ፣ ብፍላይ እኳድኣ ኣብ ቤተ መንግስቱ ከተማ ድባርዋ ዘመሓድር ዝነበረ፣ ባሕረ-ነጋሲ ኢሳቕ ዝተባህለ ነበረ። እዚ ጅግና ባሕረ-ነጋሲ እዚ ብስርዓተ ሕግን ፍትሕን እንዳመሓደረ፣ ንወራር ቱርኪ ንኣስታት 15 ዓመታት ዝኣክል በዘይ ሓገዝን ረዲኤትን መሳፍንቲ ትግራይን ኣምሓራን: ካብ ሕርጊጎ ንከበሳ ገጹ ብግስ ከምዘይብል ገሩ ዝመከተ ጅግና ነበረ። ባሕረነገስታት ኤርትራ ንመሳፍንቲ ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም  ስልጣኖም ከደልዱሉሎም ጸኒሖም እዮም። ጠላማት መሳፍንቲ ኣምሓራን ትግራይን ግና፣እንተ ጸገሞም ኡይ!! ርድኡና!! ይብሉ፣ ሓይሎም ክድልድል ከሎ ድማ ኣመል ፍትነቶም ይቕጽሉ።  ንምድረባሕሪ ክወሩ ጥራይ ከኣ ይቀዳደሙ ነበሩ።

ብ1542 ዓ.ም.ፈ. ወራር ኣረሜን መሓመድ ግራኝ ንመላእ ኢትዮጵያ ወሪሩ ንህዝበ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብቀስብ ከመስልሞ ምስቀረበ፣ ባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ እዩ ንፕርቱጋላውያን ካብ ሕርጊጎ ሓገዝ ለሚኑ፣ ኣብ ዘንተራ ዝተባህለ ኣብ ቤገምድር ዝርከብ ቦታ፣ ምስ ፖርቱጋላውያን ተላፊኑ ሰዓሮ። ኢትዮጵያ ድማ ካብ መሓመድ ጋራኝ ብሳላ ጅግና ባሕረነጋሲ ኢሳቕን ፖርቱጋላውያንን ሓራ ኮነት። እቲ መዘና ዘይነበሮ ባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ ድማ ዓወት ተጓናጺፉ ንኤርትራ ተመልሰ።

እንተኾነ ግን፣ ብወራራት መሳፍንቲ ሽዋን፣ እቶም ብደቂ ናይብ ዝጽውዑ ደቂ ሕርጊጎ፣ ወኪል ቱርካውያን ኮይኖም ንቱርካውያን እንዳመርሑዎም፣ ንህዝቢ ምድረባሕሪ ካብ መሳፍንቲ ትግራይ ገዲዶሞም ነበሩ። ስለዚ ቱርኪ ንወደብ ባጽዕን ንዳንካልያን ተቝoጻጸረ። ብሰንኪ ወራር ቱርኪ ድማ ምድኻም መንግስቲ ባሕረነጋሲ ኣስዓበ። ባሕረ ነገስታት ዘመሓድሩዎ ዝነበሩ መሬት፣ መሬት ምድረ ባሕረነጋሲ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።

እቲ ምድረባሕር ተባሂሉ ዝጽስመ ዝነበረ መሬት፣ መሬት መንሳዕ፣ በጎስ፣ ማርያ፣ ሰምሃር፣ዓዲ ሓባብ፣ሰዋኪን፣ ምጽዋዕ፣ ደሴታት ዳህላክ፣ ብምዕራብ ከኣ ክሳብ ፈለግ ኣትባራ ዝርከብ መሬት እዩ ዘጣቓልል ዝነበረ። እዚ ሎሚ መሬት ሱዳን ኮይኑ ዘሎ ሰዋኪን ዝብሃል ከባቢ መሬት ኤርትራ እዩ ነይሩ። (F. FRANCESCO ALVAREZ ትርጉም ብሃይለ በዂረ

ፖርቱጋላውያን ንወራር መሓመድ ግራኝ ንኽካላኸሉ ንኤርትራ ክመጹ ከለው፣ ብሳላ ባሕረነጋሲ ኢሳቕ እዮም መጺኦም። ካብ ሕርጊጎ መሪሑዎም ከኣ ንድባርዋ ኣኣትዩዎም። ድሕሪ ምድምሳስ መሓመድ ግራኝ ድማ ኣብ ከተማ ድባርዋ ንኣስታት 6 ዓመታት ጸንሑ።

ብዛዕባ ባሕረ- ነገስታት ኤርትራ ክምስክሩ ከለው ከኣ ከምዚ ይብሉ፣- “እቲ ሕፉር ገጽ ዘለዎ ባሕረነጋሲ ብኣስታት 200 ዝኾኑ ፈረሰኛታትን ኣጋርን ተዓጂቡ ንሕርጊጎ መጺኡ ተቐበለና። ንእግረ መንገድና፣ ዘደንቕ መነባብሮን ባህልን ደብረብዜን ረኣና። እቶም ፈለስቲ ዝተፋላለዩ ኣእዋም ኮኑ ወይኒ እንዳተኸሉ፣ ዝናበሩሉ ስፍራ ኣታኽልትን ዕንባባታትን ነበሮም። እታ ሃገር ምድረባሕሪ ዝኾነ ይኹን ፍሬታትን ኣዝርእትን ከተፍሪ ትኽእል እያ። ድባርዋ እታ ቀንዲ ቤተመንግስቲ ባሕረነገስታት ዝነበረት ጽብቕቲ ከተማ እያ። በብመዓልቱ ክሳብ 300 ዝኾኑ ሰባት ንመጋብኣያ ይመጹ ነበሩ። ዝኾነ ይኹን ጋሻ ሓላፍ መገዲ ዋላ እንተተሃወኸ በቕሉ ተወጢሑ ክሓልፍ ከሎ፣ኣብ ቕድሚ ቤተክርስታይን ምስበጽሕ ካብ በቕሉ ወሪዱ፣ ተላቢሱ፣ ንቤትክርስትያን ሰጊዱእይ ዝሕልፍ ነይሩ። ሓደ ባሕረ ነጋሲ፣ ክሳብ 15 ሽሕ ዝኾኑ፣ ቀስትን ዋልታን ዝሓዙ ሰራዊት ከሰልፍ ይኽእል። ራእሲ ማለት ኣዛዚ ኩሎም ወተሃደራት ኮይኑ፣ ልክዕ ከም ዕጡቕ ወተሃደር ኮይኑ ይርአ። ባሕረነጋሲ ጐይታ ጐይቶት ኮይኑ፣ ሰፊሕ መሬትን ብዙሕ ህዝብን ዝቆጻጸር እዩ“….ወዘተ….።

 እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመነ ባሕረነገስታት ኤርትራ ዝነበረ፣ ባሕረነጋሲ ይስሃቅ ዝብሃል ነበረ። ንሱ ድማ ምስ ወራር ቱርኪ እንዳተዋግኤ ከሎ፣ መሳፍንቲ ሽዋ ኣብ ኲናት ጠንጢኖሞ ስለዝሃደሙ፣ ንሰራዊት ቱርኪ ስዒሩ ከብቅዕ፣ ኣብ ዓዲ ቆራይ ዝብሃል ኣብ ተኸላ ዝርከብ ቦታ ኣብ ኲናት ተወጊኡ ሞተ። ንመሳፍንቲ ሽዋን ትግራይን ግና ባሕረነገስታት ኤርትራ ኣብ ጸገሞም እንዳረድኡዎም እዮም ንመዋእል ህላዌኦም ኣረጋጊጾምሎም።  ብፍላይ መሳፍንቲ ትጋይን፣ ብሓፈሻ ድማ መሳፍንቲ ኣምሓራን ግና ብታሪኽ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ጠላማት እዮም።

ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ መለለዪኦም፣ ገመል ዘይኮነስ ሰጋር ፍበቕልን ኣንበላይ ፈረስን እዩ ዝነበረ።


ሰጋር በቕልን፣ ዋልታን ቀስትን ጠመንጃን ምልክት ጅግንነት ደቂ ምድረባሕሪ እዩ 

ኮንቶ ሮሲኒ ብዝዕባ ደቂ ምድረ ባሕሪ ክምስክር ከሎ፣ “ምድረባሕሪ ብፈደራላዊ ሪፓብሊክ ኣመሓዳድራ ዝማሓድሩ ዝነበሩ ክሳብ 55 ባሕረነገስታት ነበሩዋ” ይብል። ጀምስ ብሩስ’ውን፣ “ደቂ ምድረባሕሪ ብሕታዊ መናበሪ ሕገንዳብ ወይ ቅዋም ዝነበሮም ህዝቢ እዮም” ክብል ይምስክር። ደቂ ምድረባሕሪ ምልክቶም፣ ፋረ ኣንበሳ እዩ። ቍምጣ ስረ ክዳኖም። ዝናርን፣ ዋልታን ሴፍን ጭማራን ድማ መሳርያኦምን ዕጥቆምን ነበረ። ሰጋር በቕልን ኣንበላይ ፈረስን እምበር፣ ከምዚ ኣብ ዘመነ ኢሰያስ ፈዛዝ ንርእዮ ዘሎና ምልክት ጅግንነት ፈረስ ወይ በቕሊ እምበር ገመል ኣይነበረን።

ሓደ ካብቶም ብዙሓት ጀጋኑ ደቂ ድንበዛን፣ ጅግና ድግያት ሓድገምበስ ወዲ ግልወት ንመዝካር ዝኣክል።

ሓድገምበስ ወድኻ ግልወተ
ዘማት ራማ ዘማት ዓደርባዕተ
ጽባሕ ዝመውት ሎሚ ዘይሞተ።


ዓደርባዕተ ፈለማ ክትወርዳ
ሽመት እምበር እንታይ ነይሩካ ዕዳ
በቕልኻ እንታይ ሽማ ኣይረፍዳ
ጠመንጃኻ እንታይ ሽማ ኮርዒዳ
ጒራዴኻ እንታይ ሽማ ዓጺዳ።

ወዲ ጉልበት ሓድገምበሳ ስሙ
ዓራትን ሽመትን ናቱ ብቐደሙ
ዓደርባዕተ ክኸይድ ረምሪሙ
ስረ ከይዓጥቕ ኣገልዲሙ
ንሰብኡት ዝሓርዶም ኣጋዲሙ።

ሎሚ ግና ኩሉ ጅግንነት ንሓደ ተንበናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጥራይ ድዩ ተዋሁቡ? ደቂ ድንበዛን ድኣሞ ሎሚ ኣበይ ኣበሉ፣ ዘኹሪዕ ታሪኽ ከምዝነበሮም ድዮም ረሲዖም ወይስ ከነርክበሉ ኢና ኢሎምዮም ዝጽበዩ ዘለው?

ደጃዝማች ክፍለየሱ ጎፋር ጅግና ኤርትራዊ ዓዱ ለጎጭዋ

ሎሚ ግና እዞም ብፈዛዝ ኢሰያስ ዝምርሑ ደቂ ደቆም ንመሳፍንቲ ትግራይ ብዓል ክናናን ምናናን፣ ነቲ ምልክት ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ኣንበላይ ፈረስን ሰጋር በቕሊን፣ ኮነ ኢሎም ደምሲሶም ይኣይ ተዋሕሊሉለይ፣ በታ ማኪና ሰበኽ-ሳግምን፣ ኣዕራብ ዝኾነት ገመል ከም ዕቢ ሎጎ ተኪኦሞ ኣለው።


ካብቶም ጀጋኑ ደቂ ድንበዛን ሓደ ፊትወራሪ ኣረይ ብዓል ዓዲ ተከሌዛን፣ ጅግና ሓድገምበስ ብኮሎንያል ጣልያን ንናዅራ ተወሲዱ በጃ ሃገሩ ምስሓለፈ፣ ምስ ብጾቱ ከም ብዓል ጅግና ደግያት aaበራ ወዲ ወዶም ንደግያት ሃይሉ፣ ብዓል ጸዓዘጋ ብ3 ነሓሰ 1992 ዓ.ም.ፈ. ላዕላይ ዓንሰባ ዋልታ መድሓኒት aaብ ከባቢ ደቂሽሓይ ዝርከብ ክቃለስ ሕነ ጅግና ሓድገምበስ ንኽድፈዲ ዓረደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ሽዑ እዋን ኣማሓዳሪ ሓማሴን ዝነበረ በትኒ ዝብሃል ኢጣልያዊ፣ ኣብ ፈረሱ ከሎ ብጥዪት መንጢሉ ሕነ ሓዉ ዝፈደየ ጅግና ድንበዛናይ ነበረ ኣብቲ ገዛኢ ኤርትራ ዝነበረ ፈርዲናንድ ማርቲኒ ዝተዳለወ መዘክር (ድያርዮ) ተወከሱ ።

እቶም ዋርሳይ መሳፍንቲ ትግራይ ዝኾኑ መራሕቲ ወያኔ፣ ድሕሪ ብሳላ ህዝቢ ትግራይ ን26 ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኦም፣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ምንታይ ኲነታት ከምዘለዉ ዝሕብር ቪድዮ እስከ ንከታተሎ።

ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብግቡእ እንተ ተመራሚርና ኣጽኒዕናዮ፣ ብዘይ ትምክሕቲ ጅግንነት ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀንዲ ዓዱ ኣብ ምድረ ባሕሪ ጥራይ እዩ። ብግብሪ ድማ ተራእዩ እዩ። ባሕረ ነገስታት ምድረባሕሪ፣ ካብ 13 ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ክሳብ 18 ክፍለዘምን ብዘይ ሓገዝ ትግራዎትን ኣምሓራን ንግዝኣት ቱርክን ግብጽን ጥልያንን ክምክቱዎ ከምዝጸንሑ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ክሳብ ሎሚውን ብሕይወቶም ዘለው ጀጋኑ ኤርትራውያን፣ ብዘይካ ነጻነት ካልእ ዘይፈልጡ ዝነበሩ። ውጽኢት ጅግንነቶም ግና ሎሚ መላገጺ ሓደ ልኡኽ ጽዮናውያን ኢሰያስ ልኮይኑ ኣሎ። እምኰድኣ እቶም ሎሚ ብሕይወቶም ደስኪሎምን ተጸልጺሎም ዘለውን፣ ውዲት ልኡኽ ኢሰያስዶ ገና ኣይተሰቆሮምን ኮይኑ እዩ።

ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ምስ ተቖጻጸራ፣ እቶም ኢታልያውያን ጽቡቕ ጫማ ክወድዩ ከለዉ ነቶም ዓስከር ጣልያን ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣቦታትና፣ ግና ብፍላይ ኣብቲ ጀመርያ መዋእል ፋሢስቲጣልያን  ብዘይ ጫማ የገልግሉ ነይሮም።


ጀጋኑ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤርትራ ኣብ ኲናት ፈንቅል (ባጽዕ) ብ1987 ዓ.ም.ፈ.. ሎሚ ግና ብብዕል ማንኪን ክሻን ካሳን ስብሓት ኤፍረምን ተተኪኦም ኣለው።

ጀጋኑ ብዓል ዋዕሮ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ። ሎሚ ግና ብጕሒላ ልእኽ መላኺ ኢሰያስ ተደርብየን ዘለዋ።

ብ01 መጋቢት 1989 ዓ.ም.ፈ. ድማ ኲናት ዓድዋ ብሓገዝ ጀጋኑ ኤርትራውያን እዩ ተዓዊቱ። ኮሎንያል ጣልያን ኣብ ኲናት ዓድዋ ምስተሳዕረ ግና፣ መስፍን መንገሻ ወዲ ንጉስ የውሃንስ እቶም ሰራዊት ጣልያን ብዓጀባ ነስመራ ክፋነዉ ከለው፣ ነቶም 450 ኤርትራውያን ግና የማናይ እግሮምን ጸጋማይ ኢዶምን ቆሪጾም ኣፋኒዮሞም ። እዚ ከኣ እዩ እቲ ጭካኔ መሳፍንቲ ትግራዎት። ትማሊ ድማ ብ1998 ዓ.ም.ፈ. መራሕቲ ወያኔ ምስ ኢሰያስ ተሰማሚዖም፣ ነቶም ንኣስታት 70 ክሳብ 80 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ብመሳፍንቲ ኣምሓራ ዘይተፈጸመ ግፍዒ፣ ንብረቶም ዘሚቶም ብኢሰብኣዊ ዝኾነ ተግባር ግዳይ ኢሰያስ ንክኾኑ ሰጒጎሞም። ራዛ ናየብኡ ሓዛ ከምዝብሃል ድማ ታሪኽ ኣባሓጎታቶም ደጊሞም።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ በልዮም ዘለው ኣባላት ፖሊት ቢሮ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሎሚ ህግደፍ

ካብቶም 13 ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ህ.ግ.ሓ. ኢሰያስን ኣፈወርቅን፣ሮሞዳን መሓመድ ኑርን፣ ስብሓት ኤፍሬምን ጥራይ እዮም ብሕይወቶም ዘለው።

ኣብ ዝቕጽል 4ይ ምዕራፍ ክስዕብዩ ……