እቲ መሸቀጢ ህግድፍን ወያኔ ኮይኑ ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ባዱመ፣ ካብ 200000 ንላዕሊ መንእሰያት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስበልዐ፣ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፊኢት ደርፊ” ከምዝብሃል፣ብድፍኢት መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ኲናት ባዱመ ድማ ደው በለ። ክውላዕ ከሎ መን ከምዝወልዖ ግና ተፈሊጡ እዩ። እቶም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ፣ ንህዝቢ ንምድንጋር ግና ከም “ተጻባእቲ” ዝፍለጡ፣ “ግዝያዊ መንግስቲ” ህግደፍን መንግስቲ ወያኔን፣ ኣዋድቓ ፈረስ ወዲቖም መላገጺ ጽዮናውያን ድኣ ኮኑ። እቲ ኩነታት ከኣ ኣብ መወዳእታ እይኲናት ኣይውግእ፣ ሓዲግ መዲግ ኮይኑ ድኣ ተሪፈ።

ወግዓዊ መደምደምታ ይኣይ ንኽግበረሉ ተባሂሉ፣ኣብ ሃገር ኣልጀርያ ድማ፣ሕዳሪናይ መለስ ዜናውን፣ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ብድፍኢት ወጻኢ ሚንስተር ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ይሁዳዊት ወይዘሮ ኦልብራይትን፣ ብመንጎኝነት ፕረሲደንት ሃገር ኣልጀርያ፣ ዓብዱዓዚዝ ቡተፍሊቃን፣ኣብ ከተማ ኣልጀርስ ሰላም ንኽግበር፣ እዞም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን፣ንህዝቢ ዘይተገልጸ ውዕል ተፈራሪሞም።

ኮይኑ ግና ክሳብ ሎሚ እቲ ከባቢ ኣይውግኣ ኣይሰላም ኮይኑን ድኣ፣ ዛጊት 17 ዓመታት ሓሊፉ። ድሕሪ ዶባዊ ግርጭት ኢትዮ-ኤሪትራ ድማ ዛጊት 15 ዓመታት ሓሊፉ። ኮይኑ ግና እቲ ዶብ ክሕንጸጽ ኣሎዎ እንዳተባህለ ይሽቀጥ ከምዘይነበረ፣ ዛጊት ክሳብ ሎሚ ተረሲዑ ተሪፉ። ሒዳሪናይ መለስ ዜናዊ ካብ ዝመውት ጥራይ እንሆ 5 ዓመታት ሓሊፉ። እቲ ፕሮፈሶር ፕረሲደንትEEBC ዝነበረ፣ Sir Elihu Lauterpacht ከኣ ሞይቱ። ፕረሲደንት ሃገር ኣልጀርያ (Abdulazziz Bouteflika) ዓብዱልዓዚዝ ቡተፍሊቃ ድማ ድሮ ወዲ 80 ዓመት ኮይኑስ ምስቀልቡ እንተሃልዩ እዩ።

እቲ ብህዝቢ ዘይተመርጸ፣ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ግንከኣ ብስም “ፕረሲደንት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ” ጥራይ  ንኣስታት 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ደቀባት ተወጢሑ ዘሎ፣ብዶብ እንዳሸቀጠ ጥራይ፣ሓንሳብ ኣብ ቊሸት ዓዲሃሎ፣ ሓንሳብ ንከተማ ቐጠር እንዳኮብለለ ድሮ ወዲ 71 ዓመት ዕድመ ደፊኡ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ጉዳይ ግና፣ንሱ ክሳብ ዝሳናበት ድዩ እቲ ምሕንጻጽ ዶብ ክድንጒ? ወይስ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ጨሪሹ ዝጸንት ክናዋሕ እዩ? እወ፣ ነቲ ገርሀኛን ግንከኣ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ግና፣ን”ሰይቲ ዕዉር ብኾፉ ዝስዕምሉ፣ ንሰይቲ ጸማም ድማ ብኾፉ ዝጽውዑሉ” ኮይኑዎ ኣሎ።

 ውሳኔ ምሕንጻጽ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንይምሰል ብዕለት 13 ምያዝያ 2002 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ዴንሃግ ተበዪኑ ተባሂሉ። መራሕቲ እንዳ ወያኔ ድማ፣ “ቅድሚ ምሕንጻጽ ዶብ ኣቐዲምና ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልና ክንዛተ ኣሎና”፣ ብማለት ነቲ ምሕንጻጽ ዶብ ሓዲግ መዲግ ከምዝተርፍ ገሮሞ። ኢሰያስ ድማ ይኣይ መኽንያት ረኺበ ኢሉ፣ “ዶብ ከይተሓንጸጸ ምስ ወያኔ ሰላም የለን”። ሕገ-“መንግስቲ ከኣ ኣይጸድቕን እዩ” እንዳበለ፣ ንህዝብን ሰራዊትን ዕንክሊል ይብሎም ኣሎ።

እቲ  ነቲ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመራመርን፣ ውዲት ጎይቶት ወያኔን ህግደፍን ዝፈልጥን ሰብ ግና፣ እቶም ወሰንቲ ጒዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ብጎይተቶት ወያኔን ህግደፍን ከምዝውሰን እይስሕቱዎን እዮም። 

ስለዚ ኣፈጨለ ኢሰያስ ግና ከይሓነኸ፣ “ዶብ ከይተሓንጸጸ፣ ሕገ-መንግስቲ ኣይጸድን እዩ እንዳበለ ንህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራን ክሕጭጭ ጥራይ፣ እንሆ ኣስታት 17 ዓመታት ሓሊፉ። ጕዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ግና እቶም ጎይቶት ኢሰያስን ወያኔን ስለዘይደልዩዎ ጥራይ እዩ እምበር፣ ብዓል ክናናን ምናናንሲ ተዛረብቲ ኣቝሑት ጽዮናውያን ስለዝኾኑ በየናይ ኣእጋር በየናይ ኣሰጋጋር ከይፈልጡዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ፍታሕ ንኸምጽእ ስልጣንን መሰልን የብሎምን። እታ ሓንቲ  ጽቡቕ ገሮም ሸምዲዶማ ዘለው ፕሮፓጋንዳ ድማ፣ነቲ መስኪን ሰራዊት ኤርትራ፣ “ወያኔዶ ጠራሮዶ፣ መሬትካ ከይወሩኻ ተዳሎ“ ይብሉዎ። ነቲ ሰራዊት ወያኔ ድማ ህግደፍ ከይወሩኻ ተዳሎ እንዳበሉ ይዝምሩሉ። መስኪን ሰራዊት ክልቲኡ ሃገራት ከኣ ሓቂ መሲሉዎ፣ ምስ ዕንቅሪብትን ኣትማንን ኣብ በረኻታት ግዳይ ስነ-ኣእምራዊ ጭንቀት ኮይኑ እቲ ወያኔ ከምጽዎ ክሓልም፣ እቲ ድማ ህግደፍ ከይመጹዎ ሕልሚ ደርሆ ክሓልም ይነብር ኣሎ። እወ፣ እቶም ሰራዊት ወያኔ ይሕሹ ይኾኑ እምበር፣ እቲ ሰራዊት ህግደፍ ግና፣ ምስደቁ ንስደት እንዳምርሐ፣ እቲ ካልእ ክፋል ድማ  ዓሕ! ተደመሮ ዓሕ! እንዳቆዘመ ጥራይ እዩ ዝነብር ዘሎ።

በዚ መኽንያት እዚ ድማ ጉዳይ ዶብ ንዕድመ መራሕቲ ህግደፍን ወያኔን ንመዋእል ንኸናውሕ ብውዲት ባዕዳውያን ጎይቶት ኢሰያስ ዝተኣልመ ፕሮጀክት እዩ። ጒዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንተድኣ ተፈጺሙ ድማ፣ ዕድመ ኢሰያስን ወያኔን ከኸትም ስለኾነ፣ ከምኡ ኢሉ እቲ “ምሕንጻጽ ዶብ” ዝብሃል ከይተተግበረ፣ ግንከኣ ከም ዓቢ ፖለቲካዊ መሸቀጥን መናውሒ ስልጣን ኢሰያስን መራሕቲ ወያኔን ኮይኑ፣ክሽቀጠሉ ክኸርምን ክሓግን እዩ።

ይቕጽል

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
6 ግንቦት 2017 ዓ.ም.ፈ.

 መወከሲ፤ ምሕንጻጽ ዶብ፣ Eritrea-Ethiopia Boundary Commission