ብዓል ነጻነትዶ ብዓል ባርነት ?

እንዳ ህግደፍ፣ ኣብታ ብ1890 ዓ.ም.ፈ. ኮሎንያል ጣልያን  ዋና ከተማ ኤርትራ ኢሉ ዝደኮና፣ ከምኡን ብዋና ከተማ እውራጃ ሓማሴን እንዳተፈልጠት ክሳብ ህግደፍ ዝቕልቀልሉ ከተማ ደቀባትን ደቂ ማእከልን ኮይና ዝጸንሐት፣ ሎሚ ግና እቶም እኽብካብ ደቂ ወሰን፣ ጭፍራ ህግደፍ፣ ንደቂ ማእከል ሰጒጎም፣ ንሶም ደቂ ማእከል ኮይኖም ዝላገጹላ ዘለው ከተማ ኣስመራ፣ መበል 27 ብዓል ነጻነቶም ኣብዒሎም።

እዛ ዕለት 24 ግንቦት ኢዚኣ፣ ህዝቢ ኤርትራ ደሙን ኣዕጽምቱን ከስኪሱ ዘምጽኣ ስለዝኾነት፣ ዝንየተላን ዝኾርዓላን ክትከውን ከላ፣ ብኣንጻሩ ግና እቶም ነጻነት ኤርትራ ዘይኣምኑን፣ ገና ከኣ ዘይተዋሕጠሎምን ጽዮናውያንን ኮራኹሮም እንዳ ህግደፍን እንዳ ወያኔን ግና ዝሓፍሩላ ዕለት እያ!!

መኽንያቱ እቲ ታሪኻዊ ጅግንነት ዝፈጸመ ህዝቢ ኤርትራምበር ባዕዳውያን ስለዘይኮኑ፣ እንሆ እምብኣር ባዕዳውያን ብህልኽ ነታ ህዝቢ ኤርትራ ዘምጽኣ ነጻነት፣ ብዘገምታዊን ግንከኣ ብወፍሪ ስነኣእምራዊ ሽበራን ደምሲሶም፣ ባዕሎም ዝመሃዙዋ ሓዳስ ኤርትራ ንኽምስርቱ ብውዲት ገረብ ብሓኽላ ይረባረቡ ኣለው።

https://youtu.be/jsolJvprTRY

https://youtu.be/gnHRMvVuoXU

ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣንጻር ዝተፈላለዩ ገጀፍቲ ወራራርት ካብ 600 ቅ.ል.ክ. ክሳብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ብጅግንነት መኪቱ ዝሰዓረ ህዝቢ እዩ፣ ብምንም ተኣምር ክድምሰስ ዘይኽእል ንቡር ታሪኽ ከኣ ጽሒፉ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ዋላኳ ከምቲ ዝሓሰቦ እንተዘይኮነ፣ ነዛ ብህግደፍ ተጨውያ ዘላ ነጻነት ደም እንዳጠዓሞ ምስ ህግደፍ ኮይኑ ዓመት ዓመት መላገጺ መደረ ኢሰያስ ዝሰምዕ ዘሎ። እዚ ላግጽን ኣራባራብን ኢሰያስ ምስኣብቅዐ ግና፣ ህዝቢ ኤርትራ ብግቡእ ዝኾርዓሉን ዝሕበነሉን መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ሓደ መዓልቲ ከብዕሎ እዩ። እወ፣ ነዚ ሎሚ ብሰላዪን ኣባል መሃንድሳት ጽዮናውያ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተጨውዩ ብህግደፍ ዝብዓል ዘሎ፣ ዝተሰናንዐ ብዓል ደምሲሱ፣ ዓሚቕን ሃገራዊ መንነትን መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላትን ዝሓቕፈ፣ ትርጉም ህዝባዊ ቃልሲ ዝገልጽ መዓልቲ ነጻነት ሓንቲ መዓልቲ ከብዕል እዩ። በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን እያ።

ኣብዚ እዋንዚ፣ እዚ ሰብዚ፣ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈውርቂ፣ መሃንድሳት ጽዮናውያን ብረቂቕ ስነኣእምራዊ ውዲት ኣዳልዮም ዝምሃዙዎ ፍልስፍና ማፍያ ተኸቲሉ ንህዝቢ ኤርትራ እኳ ኣእምሮኡ ሰሊቡን ኣደንቊሩን ኣላሽ ከብሎ እንተፈተነ፣ እቲ መኸተን መንነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግና ንሓዋሩ ቅሂሙ ማለት ዘበት እዩ። ከምዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ሃጓፍ መድረኽ እኳ ቅድሚ ሎሚ ካብ 600 ክሳብ 1300 ቅ.ል.ክ. ብኣዕራብን ኣስላምን፣ ኣብ ኤርትራ ገጂፍ ሃጓፍ መድረኽ ተኸሲቱ ነይሩ እዩ። ነቲ ብሰንኪ ባርባራውያን ኣስላም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድረባሕሪ ዝተፈጸመ ዘይተኣደነ ሃጓፍ መድረኽውን ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ሰጊሩዎ እዩ። እዞም ካብ ኣምሆዘመን ጀሚሮም ህዝብና ብገርሁ ከሎ፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተመልሚሎም ዝሰልጠኑ፣ ካብ ብኣእምርኦም ከኣ ብኸብዶም ዝሓስቡን፣ ንረብሓ ጽዮናውያን ጥራይ ድማ ብዋጋ ደም ህዝቢ ኤርትራ ዝኽድሙን፣ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ የማነ ማንኪን፣ ስብሓት ኤፍሬምን፣ ኣብርሃ ካሳን ስምኦን ገብረ ድንግልን፣ ካልኦት ኮራኹሩን፣ ሎሚ ገረብ ብሓኽላ ዝብል ውዲት ተጠቒሞም ንወለዶ ህዝቢ አርትራ የጽንቱ ኣለው። እዚ ድማ ሓደ ዓቢ ሃጓፍ ኣብ መድረኽ ምቕጻል ህዝቢ ኤርትራ ፈጢሩ ኣሎ። ንህዝቢ ኤርትራ ክኣ እዚ ኢህግደፍ ፈጢሩዎ ዘሎ ሃጓፍ ሓዲሽ ስለዘይኮነ ሓንቲ ምዓልቲ ሓንቲኣ ኣላ ክሰግሮ እዩ።

ብኻልእ እገላልጻ እቲ ብ600 ክሳብ 750 ዓ.ም.ፈ. ዝነበረ ታሪኽ ኣራዊታዊ ወራር ኣዕራብ፣ ግንከኣ ብኣኽረርቲ ኣመንቲ ምስልምና ዘውረዱዎ ዕንወት፣ ወራር መሓመድ ግራኝ፣ ወራር ቱርኪ፣ ወራር ግብጺ፣ ወራር ማህዲ፣ ወራር ኮሎንያል ጣልያንውን ተሰጊሩ እዩ። ሎሚ ግና እኩብ ድምር ወፍሪ ባዕዳውያን ብገረብ ብሓኽላ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝሓንጸጽዎ ረቂቕ ውዲታዊ ፕሮጀክት፣ ብህግደፍ ይድገም ኣሎ። “ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ቦኽራ ትጽሕጽሕ” ከምዝብሃል ግና፣ እዞም ፈዛዛት (ዞምቢ) ህግደፍውን ዋላኳ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን እንተ ተሓለው፣ ንሶምውን መድረኾም ምሳኣኸለ ክጠፍኡ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነቲ ብህግደፍ ዝተደጋገመ ሃጓፍ መድረኽ ግድነት ሓደ እዋን ክሰግሮዩ፣ ከድግመሉ ከኣ እዩ!!

ንመዛናግዒ ካብቲ መደረ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ

ካብቲ ንኢሰያስ ብክኢላታት ተዳልዩ ዝቐረበሉ፣ ኣብ ብዓል ነጻነት ህግደፍ ከኣ ተጠሊዑ ዘንበቦ ጽሑፍ እስከ ነስተብህለሉ፣  “ንርዱእ ምኽንያታት፡ ናይ ክልተ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ናፍቖት ኪህልወና ኣይክእልን“….ይብል  ኢሰያስ

መንገዲ ጽርግያ ሓዲሽ ዓለማዊ ሥርዓት (New World Order) ዝጸርግ ዘሎ ድኣ እቲ ኣባል ሓዲሽ ዓለማዊ ሥርዓት ኮይኑ ዝተኸትበ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከይከውን?
ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን።

“ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ስለዝሰገርናዮ”……ይብል ኢሰያስ ኣፈወርቂ aaብቲ መደረኡ

ጸማም ሓደ ደርፉ። ሕድሪ ስውኣት ካብ ዝጥለም ድኣ 27 ዓመታት እንድዩ ገሩ።

“ግዝኣተ-ጫካ ውሑዳት ገበትቲ ወጻኢ“ ይብል ኢሰያስ…….

እዚኦም ድኣሞ ጽዮናውያን ጎይቶት ኢሰያስ፣ ባህርያዊ ጸጋ ሃገርና ከም  ዕደና ወርቂ ብሻን፣  ዛራን ዝዘምቱ ዘለው ዘይኮኑን? ህዝቢ ኤርትራ ማይ ተሳኢኑ መብራህቲ ጸልሚቱ ክብል እንዳውዓለን እንዳሓደረንሲ፣ ብኸመይ ድኣዩ እሞ “ገበቲ” ኢሉ ነቶም ጎይቶቱ ዝውንጅሎም ዘሎ፣ ሸቃሊኦም ደይኮነን? ንመን ከዓንጅል እዩ ድኣ ዕንክሊል ዘብል ዘሎ?

“ልዑላዊነትን ፍትሒን ዝኸብረሉ ስርዓት ኪኸውን፡ ናይ ኩሉ ህዝቢታት ዓለም ሕርያ’ዩ“። ይብል ኣብቲ መደረኡ ኢሰያስ ኣፈወርቅ

 ኣብ ኤርትራ ድኣሞ ድሮ 27 ዓመታት እንድዩ ሓሊፉ፣ ብግዝያዊ ምንግስትን፣ ብዘይ ሓጋጊ ኣካልን፣ ፈራዲ ኣካልን፣ ፈጻሚ ኣካል ደይኮነትን ኤርትራ ትግዛእ ዘላ? ብኸመይ ድኣዩሞ ኣብ ኤርትራ “ልዑላዊነትን ፍትሒን ዝኸብረሉ ስርዓት ኪኸውን“

ኣየላግጺ ኣየ ክእለት ዘረባ!!!!

ፍጹም ነጻነትን ሓርነትን ንህዝቢ ኤርትራ!
ፍሽለት ንጽዮናውያንን ኮራኹሮም ህግደፍን ወያኔን!!!!!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 26 ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ.