ማእከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህወሓት/ ንሰለስተ ኣባላት ፖሊት ቢሮ  ካብ መዝነቶም ኣውሪዱ እምበር ካልእ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምጽእ ዝኽእል ፍታሕ ኣየምጽአን። ካብ እንዳ ህግደፍ ከምዝ ሓይሽ ጥራይ እዩ ሜላዊ ኣኼባ ኣካይዱ።  እታ ሓንቲ ሓዳስ ነገር ዝገበራ ግና፣ ንዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ኣቦ መንበር ህወሓት ክመርጽ ክኢሉ። ንወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ምክትል ኣደ መንበር ከኣ ሓርዩ። ካልእ ዝተፈጸመ ጉዳይ ግን ወይከ። ካልእ ሓዲሽ ዝተፈጸመ ነገር እንተሎ ግና፣ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ፣ ኣቶ ኣቶ ኣስመላሽ ወ/ስላሴ፣ ኣቶ ዓለም ገ/ዋህድ፣ ዶ/ር ኣብራሃም ተከስተ፣ ወ/ሮ ኬርያ አሕመድ፣ ዶ/ር ኣዲስዓለም ባሌማን ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኮይኖም ኣለው። ውሃ ቅዳ ውሃ መልስ። ወይከኣ ንዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ንስሙ ውድባዊ ጉባአ ህግደፍ ስለዘይገበረ፣ ንሕና ግና ገርና ኣሎና ንምባል ጥራይ እዩ እቲ ውድባዊ ጉባአ ተገሩ። ጎኒ ጎኒ ውድባዊ ጉባአ ህውሓት ግና ‘ቅኒት መዝሙር ሰላም ንህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን’ ዝብል ውዲታዊ ኣኼብኡ ኣቃኒዑ። ክብ ዝባiዶ ዓጽሚ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህወሓት/ ንሰለስተ ኣባላት ፖሊት ቢሮ ካብ መዝነቶም ከም ዘውረደን ንክልተ ድማ መጠንቀቕታ ከምዝሃበን ናይ ክልል ትግራይ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ገሊጹ።

በዚ መሰረት ኣቦ መንበር ህውሓት ኣቶ ኣባይ ወልዱ ካብ ኣቦመንበርነትን ኣባልነት ፖሊት ቢሮን ወሪዶም ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኖም ክቕፅሉ ህውሓት ወሲኑ’ሎ።

ብተመሳሳሊ በዓልቲ ቤት ነፍስሄር ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ኣቶ መለስ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ትእምትን ዝኾና ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ካብ ኣባልነት ፖሊት ቢሮን ማእኸላይ ኮሚቴን ወሪደን ተኣጊደን ንክፀንሓ ተወሲኑ’ሎ።

ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ትእምት ኣቶ በየነ መኩሩ እውን ካብ ፖሊት ቢሮ ወሪዶም ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኖም ክቕፅሉ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ’ሎ።

ምኽትል ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣዲስኣለም ባሌማ እውን ከቢድ መጠንቀቕታ ከምዝተውሃቦም ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ምንጭታት ዝገለፁ ክኾኑ ከለው ገለ አባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ከምተወስደሎም ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ቅድሚ ሎሚ ምስ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ካብ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ረጊፆም ዝወፁ ኣቶ ብርሃነ ኪዳነማሪያም/ብርሃነ ማረት/ ካብ ማእኸላይ ኮሚቴነት ተኣጊዶም ኣለው ኢሎም።እቲ ኣኼባ ሕዚ እውን ቀፂሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

‘ቅኒት መዝሙር ሰላም ንህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን’ ኣኼብኡ ኣቃኒዑ። ሓባእ ቍስሉ ሓባእ ፈውሱ። (ህመሙን የሸሸገ መድሃኒት የለውን)።

‘ሰለብሪቲይ ኢቨንትስ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ኣዲሳበባ ዘሳለጦ ፈላማይ ኣኼባ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያን ብቕድሚት ሳሓባይ ብድሕሪት ደፋኣይ ዘይብሉ፣ ኣብ ክንድኡ ኣብ ድለየት ሰላም ክልቲኦም ህዝቢታት ዝተመርኮሰ’ዩ’ ይብሉ ተሳተፍቲ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ።

‘እቲ ዝምድናታት ንጹር መታን ክኾን ንሕና ኤርትራዊያን ብዛዕባ ሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ክልቲኡ ህዝቢታት ንግደስ ብወለንታና ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክንሳተፍ ፈቃደኛታት ዝኾና ሰባት ኢና’ ይብል ኣቶ ይስሃቅ ዮሴፍ ብተርኡ።

ኣቶ ሃፍቶም ብወገኑ ‘ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ሆቴል ሓርነት ዝተካየደ ኣኼባ ወከልቲ ክልቲኦም ህዝቢታት ንዓለም ዘፍለጥናሉ ጊዜ’ዩ ነይሩ። ናይ ነዊሕ ጊዜ ተበግሶ’ምበር ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ስራሕ ኣይኮነን’ በለ።

‘ቅኒት መዝሚር ሰላም ንክልቲኡ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ስለስተ ምዕራፋት ዘለዎ፣ እቲ ቀዳማይ ኮንሰርት ሙዚቃን መድረኽ ምምይያጥን፣ ካልኣይ ትካል ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ቆይሙ እማመ ሰላም ክሳዕ ምድላው፣ እቲ ሳልሳይ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዘሎ ጸገም ተረዲእካ ፍታሕ ምስተረኸበ እቲ ዝምድናታት ናብ ንቡር ንክምለስ ምሰራሕ’ ዝብል’ዩ።