ነዊሕ ተጸቢና መጺእኩምዶ
ክንደይ ሳዕ ድኣ’ሞ ማዕዶ-ማዕዶ
ኢሰያስ (ህግደፍ) እከይ ብዓል ሕማቕ ዛንታ
መቓብርካ ኣኺሉ ስዓታ
ቋሬጣኻስ ባዕልኻ ሰንክታ!!!
ኣእምሮኻ ኩሉ ተደፊኑ
ካብዚ ኹሉ ዝብሃል ስኢኑ
እነኹልኩም ውሰዱኒ ኰይኑ
ሓዲግ-መዲግ ኣይ ስራሕ ኣይ ብዓል
መጽሓፍካ ተደርብዩ ደብተር ምትላል
ኩሎም ኢሎሙኻ ድሓን ውዓል
በል ርኣዮም ፍንጫሕ መሰንገልና
መንዮሙኻ ሰጊሮም ኣባና
መጺእኩምዶ ንደርፍ ኣለና
ምድሪ ቤትና ክጸሪ ጀሚሩ
ብሰንክኻ ተበላሽዩ ነይሩ
ኣስኮባ ረኺቡ ተዀስቲሩ
ኣንታ ጽሉል! ትሰምዕዶ’ለኻ?
ላምና ተመሊሳ ካብ በረኻ
ምርኻብ ጀሚራ ምስ ምራኻ
መጺኣ’ወ ተሓላቢት ላምና
እምባሕ-እምባሕ ንሰምዕ ኣለና
ጻልጣና ክንሰቲ ተፋይትና
እልል በሊ ኤርትራ ሃገርና
ነዊሕ እንድዩ ሓሊቡኪ ጓና
ሕጂስ ኩሮ ጓጒድ ንስድራናመዋእልኪ እምብለይ ክትብሊ
መጻእናኪ ጸባኺ ዓድሊ
ማሕለኻ ዘይብሉ ሕራይ በሊ
ነዊሕ እንድዩ ሓሊቡኪ ጓና
ሕጂስ ኩሮ ጓጒድ ንስድራናመዋእልኪ እምብለይ ክትብሊ
መጻእናኪ ጸባኺ ዓድሊ
ማሕለኻ ዘይብሉ ሕራይ በሊ
ንብዓት ይትረፍ እልል ጀምርዮ
ደቀይ ጠፊኦም’ዮም ዝበልክዮ
ደቀይ መጺኦም’ዮም ቀይርዮ
ኣልቦ ዕፉን ሱማ ተሪፉኪ
ብበሊሕ ኣስናኑ ተጋሂጽኪ
ተሓፋሪት መርዓት ተደፊርኪ
ጽንዓት ይሃብ ዝብል ሰሚዕኪዶ
ብጀካ ሴፍ ሕረዶ-ሕረዶ
መዋእልኪ ተሰካሚት ጋዶ
ዕረፍቲ ዘይብሉ ጽኑዕ ብርኪ
ደይደቅኺ ክትሓቝፊ ረብሪብኪ
ሕጅስ ፍረ ማህጻን መጺኡልኪ
Recent Comments