ነዊሕ ተጸቢና መጺእኩምዶ
ክንደይ ሳዕ ድኣ’ሞ ማዕዶ-ማዕዶ

  ኢሰያስ (ህግደፍ) እከይ ብዓል ሕማቕ ዛንታ
መቓብርካ ኣኺሉ ስዓታ
ቋሬጣኻስ ባዕልኻ ሰንክታ!!!

ኣእምሮኻ ኩሉ ተደፊኑ
ካብዚ ኹሉ ዝብሃል ስኢኑ
እነኹልኩም ውሰዱኒ ኰይኑ

ሓዲግ-መዲግ ኣይ ስራሕ ኣይ ብዓል
መጽሓፍካ ተደርብዩ ደብተር ምትላል
ኩሎም ኢሎሙኻ ድሓን ውዓል

በል ርኣዮም ፍንጫሕ መሰንገልና
መንዮሙኻ ሰጊሮም ኣባና
መጺእኩምዶ ንደርፍ ኣለና

ምድሪ ቤትና ክጸሪ ጀሚሩ
ብሰንክኻ ተበላሽዩ ነይሩ

ኣስኮባ ረኺቡ ተዀስቲሩ
ኣንታ ጽሉል! ትሰምዕዶ’ለኻ?
ላምና ተመሊሳ ካብ በረኻ
ምርኻብ ጀሚራ ምስ ምራኻ

መጺኣ’ወ ተሓላቢት ላምና
እምባሕ-እምባሕ ንሰምዕ ኣለና
ጻልጣና ክንሰቲ ተፋይትና

እልል በሊ ኤርትራ ሃገርና
ነዊሕ እንድዩ ሓሊቡኪ ጓና
ሕጂስ ኩሮ ጓጒድ ንስድራናመዋእልኪ እምብለይ ክትብሊ
መጻእናኪ ጸባኺ ዓድሊ
ማሕለኻ ዘይብሉ ሕራይ በሊ

ንብዓት ይትረፍ እልል ጀምርዮ
ደቀይ ጠፊኦም’ዮም ዝበልክዮ
ደቀይ መጺኦም’ዮም ቀይርዮ

ኣልቦ ዕፉን ሱማ ተሪፉኪ
ብበሊሕ ኣስናኑ ተጋሂጽኪ
ተሓፋሪት መርዓት ተደፊርኪ

ጽንዓት ይሃብ ዝብል ሰሚዕኪዶ
ብጀካ ሴፍ ሕረዶ-ሕረዶ
መዋእልኪ ተሰካሚት ጋዶ

ዕረፍቲ ዘይብሉ ጽኑዕ ብርኪ
ደይደቅኺ ክትሓቝፊ ረብሪብኪ
ሕጅስ ፍረ ማህጻን መጺኡልኪ

ግዲ የለን ኤርትራ ሃገርና
ርሑቕን ቀረባን ዝነበርና
ሰብ ናብ ሰቡ ክንብል ጀሚርና

ዓመጽትና ብዓል ሃቡ-ሃቡ
ይርሓቑልና በይኖም ይዛረቡ
ናቶም ይኹን ዝብኢ ኣብ ገረቡ

ክኽፈት’ዩ ኩሉ ዝተዓብጠ
ክእቶ’ዩ ምድርቤት ውሻጠ
ክፈልጥ’ዩ ኩሉ ዘይፈለጠ

ደስ ይበልኪ ኤርትራ ሃገርና
ተቐበሊ ንመጽእ ኣለና
ክተርፍ’ዩ ግዱድ ዕሰክርና
እዚ ሰይጣን ጽባሕ ክቕበር’ዩ
ሓመድ  መለኽቲ ክለብስ’ዩ
ወዮ ብኽያት ስሓቕ ክቕየር’ዩ

ክትስእ’ዩ ንጒሆ ኣቦይ ሸኽና

ከም ድላዩ ቍርኣን ክቐርኣልና

ኣላህ ክብል ከምቲ ናይ ቀደምና

ቀሺ ምስ ፈላሲ ተቐባበል
ተዳሎ በልዎ ብዓል ደወል
ከም ቀደሙ ህዝብና ክምህለልድሕሪ ኹሉ ከይንተርፍ ታሕቲ
ክኽፈት’ዩ ኩሉ ቤት ትምህርቲ
ኮለጅ ይኹን ምስ ዩኒቨርሲቲ

ድንቍርና ምእንቲ ክቕበር
ክምለስ’ዩ ኤርትራዊ ዶክተር
ንሃገሩ መታን ክመራመር

ጥራይ ንሕና ንሰማማዕ’ሞ
ክምለስ’ዩ ኩሉ ፋለኛሞ
ብዓል መጋዝ ህግደፍ ዝጠለሞ

እወ! ንሕና ንከባበር ጥራይ
ክጅምር’ዩ ኩሉ ብዓል ውራይ
ብዓል ሜትሮ ነዳቓይ ኣላማይ

ክምንቆስ’ዩ እዚ ርጉም ስራይ

ማዕጾ ክኽፈተ’ዩ ዋንኡ ነጋዳይ

ወዮ’ምብለይ ክቕየርዩ ሕራይ

ኩለን ከተማታት ሃገርና
ኩለን ተፋሒረን ተዓንቂፍና
ክሕደሳ እየን ክጽገናኣደ ወላድ መታን ከተዕርፍ
ኣሰይ-ኣሰይ ህዝብና ክደርፍ
ንዓኒ’ምበር ኪደለይ ክተርፍ

መንእሰይና ውረስ’ምበር ውረስ
ስመር’ሞ ዓድኻ ተመለስ
ኰዳዕ-ኰዳዕ ኣራግጻ ፈረስ

ኒየው በለለይ! ሕድሕዳዊ ባእሲ
መዋእልካ ጥንሲ ብዘይ ሕርሲ
ፍርያት ዘይብሉ መኻን ፈልሲ

ጓል ሃገረይ ኣንቲ ሰፋሕ ልቢ
ቀሪብኪ’ምበር ድላይኪ ክትረኽቢ
ጸሩይ ማይ ጓቑመን ክትሕጸቢ

ተበጊሱ ኩሉ ምንእሰይ ብዕስለ
ሆየ-ሆየ ጎበዝ እንሆለ
ጸላኢናስ ካባና ይፈለ

ወዲ ገዛውተይ ብዓል ወኒ
ፓሊናዶ ’ሕሸካ ፍጒሪኒ
ናፊቐን’ድየ ’ስመራ ትዝ ኢሉኒ

ሑፍራዶ ’ሕሸካ ኣሪማንዶ
ስመር’ምበር ክልቲኡ ውሰዶ
ክጠፍኡ’ዮም ብዓል በጋሚንዶ

በቲ ሓደ ኮርሶ ብችክለታ
በቲ ሓደ ክኣ ኲችነታ
ከም ድላይካ ህግደፍ እንተ መይታ!

ክንደይ ክብሎ ደርዘን’ዩ ብደርዘን
ብዀናትል መሊኡ ዝምዘን
ንስራሕ ጥራይ ናይ ሓድነት መኽዘን

ጥዑም ግዜ ተኒስ ምስ ፓሎኒ
ኲዕሶ’ምበር ዘይድርበዮ እምኒ
ክምለስ’ዩ ክምስ ክብል ስኒ

እዚ እከይ ነጋዳይ ኰላሊት
ብልመና ዝስቀል ነፋሪት
ክእሰር’ዩ ብእንኲ-እንኲሪት


ኤርትራና ምቅላስ ልማዳ
የግድፉኺ ትወልዲ ዝያዳ
ሕጂስ ኩሎም ክኸፍሉ’ዮም ዕዳ

ክምሕለልኪ ክብል’የ ብኡነት
ጽንዓት ክውለድ’ዩ ክንዲ ጥልመት
ጽጋብ ክወርሶ’ዩ ነቲ ጥምየት
ንበልዖ ’ግበረና ኣየ ስበት!!!

እወ! ነዊሕ ተጸቢና መጺእኩምዶ
ክንደይ ሳዕ ድአ’ሞ ማዕዶ-ማዕዶ!!

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)
መስከረም 03.2018 ዓ.ም.ፈ.