እቲ ቅኑዕ ታሪኽ ግንከኣ ብተዃሉ ኤውሮጳውያን “ሊቅውንቲ” ብፍላይ እቶም ዓንጠረኛታት ወይ ፍሪሜሶንስ ዝብሃሉ፣ ኣብ ጥንቆላን ኣስትሮልጂን ዝኣምኑ፣ ዝተደምሰሰ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ እኳድኣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ኣኽሱምን፣ መጠራን፣ ቁሓይቶን፣ ቡርን፣ ይሓን ወዘተ…ዝርከብ። ኣብ ኢትዮጵያንውን ኣብ ላሊበላን፣ ጎንደርን ወዘተ…፣ ኣብ ሱዳን ከኣ ኣብ መሮየ፣ ኑብያ ወዘተ…. ኣብ ግብጺ ድማ ኣብ ከምኔት ዝብሃል ታሪኻዊ ቦታታት ክሳብ ሎሚ ዖናታቱን መዘክሩን ኣሎ። እቲ ከሚስትሪ ዝብል ዓይነት ትምህርቲ፣ግሪኻውያን ካብ ኬምኒት ዝቐድሑዎን ዝዘመቱዎን እዩ፣ እምበር ኬሚስትሪ ብኣፍሪቃውያን ሊቃውንቲ እዩ ተማሂዙ።ንብረት ኣፍሪቃ ክንሱ ግና ኤውሮጳውያን ዘሚቶም ከም ናቶም ገሮም ይጥቀሙሉ ኣለዉ።

እስከ ነዘን ዝስዕባ ቪድዮታት ብኣድህቦ ንከታተለንሞ ሓቅን ሓሶትን ፈላሊና ክንፈልጥ።

African History Egypt, Ethiopia & Sudan

 

ቅድሚ ክርስትና እቲ ሓቀኛ እምነት ኣበይ እይ ዝነበረ?

 

ዘመነ  7 ሽማግለታት እምነት፣ 33  ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ

 ብ325 ድ.ል.ክ. ክሳብ  ብ600 ክፍለዘመን እምነት ኣምላኽ ደስኪሉሉ ዝነበረ መዋእል ነበረ። ኣብቲ ዘመንቲ ከኣ መሓመድ ዝብሃል ምስልምና ሃይማኖት ኣታእታተወ። ካብ 787 ድ.ል.ክ. ከምኡውን ክሳብ 1054 ድ.ል.ክ. ከምኡ ድማ ክሳብ 1139 ቅ.ል.ክ ኣብ መላእ ዓለም ተዋህዶ ሃይማ ኖት ጥራይ እዩ ዝነበረ።

ካብ 1139 ቅ.ል.ክ. ግና መስቀላውያን ዝብሃሉ ኣብ ኤውሮጳ ናዕቢ ጀሚሮም፣ ካብኡ ንድሓር ሃይማኖት ካቶሊክ ዝብሃል ሃይማኖትተኣታትዩ።

ካብ 1517 ድ.ል.ክ. ሪፎርመሽን፣ ሃይማኖት ከኒሻ ዝተኣታተወሉ ዘመንነበረ።

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘሎና ግና ሓደ ኣገዳሲ ዝኾነ ነጥቢ እዩ፣ ንሱ ድማ ኦሪታዊ ሃይማኖት ወይ ተዋህዶ ሃይማኖት ካብ እዋን ክርስቶስ ቅድሚ ምውላዱ ዝነበረ ኣሽሓት ዓመታት ጀሚሩ እዩ ዝነበረ። ሎሚ ዘሎ ማሕበር ቫቲካን ብፍላይ ካብ 1139 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ክንደይ ደም ንጹሃት ኣመንቲ ኣፍሲሱ እዩ ኣብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ በጺሑ ዘሎ።