ዘ ሕ ም ቖ  ኣ ሎ ኒ  በ ት ሪ   ሃ ቡ ኒ፣ ኣነ ዝበልኩኹም ከኣ እመኑኒ

እዘን 3 ምኵሓት ሃጸያውያን መንግስታት፣ ከምቲ ልሙድ ጻዕዳ ሓሶተን፣ “ፕረሲደንት ልዑላዊት ሃገር ሱርያ ኣሳድ ስሚን ጋዝን ንህዝቡ ስለዝነስነሰ ክውቃዕ ኣለዎ” ካብዝብል ምስምስ፣ ንገርሀኛ ህዝቢ ኣሜሪካን ዓለምን ብዜና ማዕከናተን ድሕሪ ምዝርጋሕ፣ ትማሊ ኣብ ቀዳም ዘውግሕ ስዓት 4 ንግሆ ንልዑላዊት ሃገር ሶርያ፣103 ሚሳይላት ወንጪፈን ክወቕዓ ምስ ጀመራ፣ እቲ መከላኸሊ ሚሳይል ሃገር ሶርያ ግና፣ ካብቲ 103 ሚሳላት ዝተወንጨፈ ሚሳይላት፣ 71 ሚሳይላት ቆሊቡ ኣፍሺሉ። እቲ ዝወደቕ 32 ሚሳይላት ከኣ 4 ሲቪላውያን ክቐትል ከሎ፣  71 መንግስታዊ ትካላት ድማ ኣዕንዩ። ብሪፖርተር ማርክ ታሊያኖ

Syrians take to the streets of Damascus to show their support for President Assad the morning after Western air strikes “ፕረሲደንት ሕቡራት ሃገራት ትራም ሓደ “ረሳሕ ጸወታ” ይጻወት ኣሎ” ክብሉ ክኢላታት ስትራተጅን ፖለቲካn ሓቢሮም። ማርክ ታሊያኖ ዝተባህለ ኣባል ምርምር ትካል ማእከላይ ዓለምለኻዊ ምርምር፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ደማስቆስ ከምዚ ክብል ሓቢሩ። “ኣብ ዝሓልለፈ ለይቲ ዕለት 14.04.2018 ኣ.ም.ፈ. ኣብ ከባቢ ስዓት 4፤00 ወጋሕታ፣ ኣብ ቀዳም ዘውግሕ ማለትዩ፣ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ፈረንሳን ተዛራርየን፣ 103 ሚሳይል ኣብታ ልዕላዊት ሃገር ሲርያ እዝኒበን። ብፍላይ እኳድኣ ይብል ማርክ ታሊያኖ፣ ንከተማታት ደማስቆስን፣ ሆምስን፣ ሚስያፍን ዝብሃላ ከተማታት፣ ብዙሕ ጉድኣት ኣብ ልዕሊ 71 ኣብያተ ትካላት መንግስቲ ሶርያ  ኣስዒቦም። ኣብቲ ዕርድታት ሩስያን ኢራንን ሒዝቦላን ግና ሚሳይል ኣይወንጨፋን” ይብል ማርክ ታሊያኖ። እዚ በዘን 3 “ዓንተራት ፖሊስ ዓለም” ኢና ኢለን ንባዕለን ዝሰመያ ጽዮናውያን፣ ዝተወንጨፈ ሚሳይላት፣ ንኣስታት 4 ሲቪላውያን ሰባት ቀቲሉ።  ዛጊት ድሕሪቲ ዝተፈጸመ ን3ይ ኲናት ዓለም ዘምርሕ ቀዛፊ ኲናት ከኣ፣ እቶም ብISIS ዝጽውዑ፣ ግንከኣ ብመንግስቲ እስራኤልን ኣሜሪካን እንግሊዝን ተመልሚሎም ዝተሰንዑ፣ ሃገረ ኣስላም ግብረሽበራ”፣ ካብቲ ያሙክ ዝብሃል መዓስከሮም ተበጊሶም፣ ንኣስታት 8 ኪ.ሜ. ካብ ማእከል ከተማ ደማስቆስ ኣጥቂዖም። እዚ ከምቲ ቅድሚ 15 ዓመታት “ፕረሲደንት ሃገር ዒራቕ ሳዳም ሑሴን  ስሚ ወይ ጋስ ኣብልዕሊ ሲቪላዊ ህዝቢ ዒራቕ ነስኒሱ” ኢሎም ንህዝቢ ዓለም ኣደንቒሮም ዝፈጸምዎ ኣሬመናዊ ኲናት፣ ከምኡ ድማ ንፕረሲደንት ሃገር ሊብያ፣ መዓመር ቓዛፊ ዝፈጸምዎ ኢሰብኣዊ ፍጻሜታት ከይእኽሎም፣ ሎሚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶርያ ንክትበልዓ ዝደሌኻስ ዛግራ ትብላ ከምዝብሃል፣ ኣል ኣሳድ ንህዝቢ ከሚካል ስሚ ነስኒሱ ቆልዓ ሰበይቲ ስለዝቐተለ ክውቃዓ ኣለዎ ኢሎም ዛጊ ኣብልዕሊታ ልዑላዊት ሃገር ሶርያ በደል ክፍጽሙ ጀሚሮም ኣለው። ብሰፊሑ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ንምክትታል ኣብዚ ዝስዕብ መራኸቢ ብዙሃን ጽቐጡ ወይ ጠውቑ።

ምንጪ ሓበሬታ ግሎባል ረሲርች

ተወሳኺ ሓበሬታ፣ ካብ መርበብ ሓበሬታ www.darkmoon.me  ዝተረኽበ

ብዳቪ ኣይክ ዝቐረበ ርእይቶ ብቪድዮ
https://youtu.be/EO-EoBH9aTU

PRESIDENT TRUMP LAUNCHES PRECISION STRIKES ON SYRIA WITH UK & FRANCE Speaking From The White House, On Friday Evening, Shortly After 9 PM E.D.T., President Trump Announced That Beginning Of Military Strikes On Syria.

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 15.04።2018 ዓ.ም.ፈ.