ሰሜን ኮርያ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ሩስያን፣ ቻይናን ዝዋዳደር ኒኩላር ቦምብን፣ ካልእ ከቢድ ኣጽዋርን ክህልዋ ከሎ፣ እንዳ ህግደፍ ግና፣ እታ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ እትገርፍ ስላዕን፣ መዳጎኒ ንጹሃት ኣብያተ ማእሰርትን ጥራይ እዩ ዘለዎም እንተበልና ምግናን ኣይኮነን።

እታ ሓንቲ መንፍዓት ህግደፍ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ልቡን ቀልብን ብስነ- ኣእምራዊ ወፍሪ ሰሊቦም፣ ሓዲግ-መዲግ ንምግባርን፣ ንምጽናቱን ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ ብመደብ ጽዮናውያን፣ ዝተኣልመ ኮይኑ፣ ሎሚ ብህግደፍ ዝጥለፍ ዘሎ ውዲት እዩ። እወ፣ ሓደ ንጹር መደብ ዕዮ ኮይኑ፣ ግንከእ ብዘገምታዊ መስርሕ ዝፍጸም ዘሎ እዩ።

እዞም ክናናን ምናናን ዝኾኑ ኣገልገልቲ ጽዮናውያን ጭፍራ ህግደፍ፣ ህዝቢ ኣጥፊኦም ክጠፍኡ እንተዘይኮኑ ካልእ ህዝባዊን ሃገራዊን ዓላማን ራእዪን የብሎምን።

እዞም ፈዛዛት ንብረት ዝጽዮናውያን እዚኦም ከይጠፍኡ ድማ፣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራን እትዮጵያን፣ ብሓፈሻ ድማ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሃገራት ኣፍሪቃን ሰላም ጥራይ ዘይኮነስ ምጽናት ህዝቢ ከስዕብ እዩ። ሓለውንት ጋስይቲ እዞም ንብረት ህጽዮናውያን ዝኾኑ ኣቑሑት እዚኦም፣ ብሳላ ስለላን ኮለላን መሃንድሳት ጽዮናውያን እዞም ክሳብ ሎሚ ዕድመ ገሮም ጸኒሖም።

መኽንያቲ እቲ ካብ 1884 ዓ.ም.ፈ. ኣምሆ ዘመን ማለትዩ፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ኣብ ከተማ በርሊን ዝተሓንጸጸ ምሽማው መላእ ኣፍሪቃ ዝብል መደብ፣ ብኣካልን ብቅድመ ግንባርን ኮይኖም ዘተግብሩዎ ዘለው ከዳሞ ጽዮናውያን፣ በቲ ነፋጥ ኢሰያስ ዝምራሕ ጭፍራ ህግደፍ እዩ።