Indigenous peoples, also known as first peoples, aboriginal peoples, native peoples, or autochthonous peoples, are ethnic groups who are descended from and identify with the original inhabitants of a given region, in contrast to groups that have settled, occupied or colonized the area more recently. The Deqebat are the aboriginal peoples or ethnic groups (AGAZIAN) who were descended in particular from Yemen or Jordan and generally from Middle East to Medrebahri then emigrated to northern Ethiopia (Tigray, Wello, Begemdir and Gojam.

ደቀባት ዝብሃሉ፣- ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፣ ኣቐዲሞም ኣብ ሓደ ሃገር ጥርሑ ዝነበረ ወይከኣ ዋና ዝይነበሮ መሬት መጺኦም ነቲ ቦታ ብስሞም ስም ሂቦም ዝውንኑ እዮም። ጸኒሖም ድማ መሬቶም መቲሮም (ብመጽዓንን ብሜትሮን ዓቂኖም)፣ ገባሮም ከኣ ቆጺሮም፣ ብማዕርነት ነቲ ዝወነንዎ መሬት ብፍትሒን ማዕርነትን ንውሉዶም እንዳመቐሉን፣ ግንከኣ ንውሉድ ወለዶኦም እንዳመሓላለፉን፣ ዝነብሩ ህዝቢ እዮም ደቀባት ተባሂሎም ዝፍለጡ። እቶም ድሒሮም ክዕምጹን ክወሩን ዝመጾዎም ድማ መኪቶም ይጉሕፉዎም። እቶም ተረፍ መረፍ ድማ ማእከላይ ዓሌት ወይድማ ድቀ ኣርብዓ ተባሂሎም ይጽውዑዎም። ብንዝህና ምስቶም ቅድሚኦም ዝጸንሑ ተላዚቦም ዝነብሩ ግና መሰል ደቀባት ኣለዎም። ንመረዳእታ ኣብ ሃገር ጀርመን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዝነብሩ ደቀባት ጀርመናውያን ይብሃሉ። ኣብ ኣሜሪካ ግና እቶም ደቀባ ሬድ ኢንድያንስ ክነሶም፣ እቶም ካብ ኤውሮጳ ንኣሜሪካ ዝወረሩ ሸፋቱ፣ ንሬድ ኢንድያንስን መክሲኮን መንቊሶም፣ ነቲ ሃገር “ኣሜሪካ” ዝብል ስም ሂቦም፣ ደቀባት ኮይኖም ይነብሩ ኣለው። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ድማ ህግደፍ ድቓላ ወዲ ድቕል ክንሶም፣ ነቶም ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ኣብ ምድረባሕሪ ዝነብሩ ዝነበሩ ደቀባት ምድረባሕሪ፣ ማለት ኣብታ ኮሎንያል ጣልያን “ኤርትራ” ኢሉ ዝሰመያ፣ ሎሚ ከኣ መቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን ጭፍራ ማፍያ ህግደፍ “ሓዳስ ኤርትራ” ኢሉ ኣጠሚቑዋ ዘሎ ሃገር፣ ዝነብሩ ዝብነበሩ ደቀባት፣ ማለት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ክሳብ ገበተ! ዘማቲ! ማፍያ ህግደፍ ነስመራ ዝኣቱ፣ ብዓደብኦም ዝጽውዑን ክጽውዑ ዝጸንሑ፣ ኣከለጉዛይ፣ ደቂ ኣከለን ጉዛይን፣ ሓማሴን፣ ሄሚቲክን ሴሚቲክን፣ ድንበዛን ደቂ ድንበዛን ዝብሃል ልዑል ኣቦ፤ ሰራየ፣ ደቂ ኣከለ ምልጋእ፣ ደቂ ተኸላ፣ ዓዲ መንጎቲ፣ ደቂ መራጉዝ ወዘተ፣…ዝነበሩ፣ ሎሚ ብዞባ ይጽውዑ ኣለዉ። ብሓጺሩ ጭፍራ ህግደፍ ደቂ ወሰን ዝነበሩ፣ ደቂ “ማእከል” ኮይኖም፣ ኣብቲ “ዞባ ማእከል” ኢሎም ዘጠመቑዎ ሕምብርቲ መሬት ሓማሴን ጽባሕ ክሳብ ዝዕርቡ ንግዜኡ ጥንቅልዓሾ ደቂሶም ኣለው። እቲ ደቀባት ዝብሃል ስም ድማ ክሰምዑዎ ኣይደልዩን እዮም። ቅልውላው መንነት ስለዘለዎም ቀንዲ እዩ እቲ ቀንዲ መኽንያት።
ክቡር Admin
ሕማም ኤሪትራ ጉዳይ ደቀባትን ናይ ምዃንን ዘይምዃንን ኣይኮነን ምስ መበቆልውን ርክብ የብሉን። እቲ ሕማም ኣብ ዘይንስኻ ምዃንን ንዓረባዊን ንሌጋሲ ፋሺዝም ጥልያንን ኣብ ምምላኽ ይምስረት። ሰብ መንነቱ እንተረሲዑ እንተክሒዱ ምስ ነብሱ ይበኣስ ምስ ሓዉ ይበኣስ ንነብሱ ይጸልኣ ንሓዉ ይጸልኦ። ንቲ መንነቱ ዘዘኻኽሮ ኣይደሊን። ክምቲ ዝበልካዮ ከምቲ ጥልያን ንነብሱን ዲቓላታቱን ኤሪትራዊ መንነት ዝሃበ ግን ድማ ዝፈሸሎ መቐጸልታ ኮሎንያል ጥልያን ዝኾነ ሻዕቢያ ህግደፍ ንነብሱ ከም ጥልያን ከም ፍሉይ ፍጥረት ስለ ዝቖጽራ ንነብሱ ባዕዳዊ ኤሪትራዊ መነንት ሂቡዋ ኣሎ። ስለዚ ድማ ባዕዳዊ ኤሪትራዊ መነንት ክፈጥር ሃይማኖት ባህሊ ልምዲ ስርዓተ ክብሪ ሕብረተሰብ ላሕ ይብል ወዘተ ከፍርስ ፋሽሽታዊን ምእዙዝን “ኤሪትራዊ ሰብ” ክፈጥር መገዲ ፋሺዝም ምስ መገዲ ማኦን መራሕቲ ስሜን ኮርያን ሓዋዊሱ ምድሪ ብርእሳ ተኺሉዋ። ስለዚ ድማ ፈውሲ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ መንነቱ ኣብ ምልላይን ናብ መንነቱ ኣብ ምምላስን ኣሎ። ሓንጎሉ ብይሃማኖት ወይ ድማ ብዓረባውነት ኮነ ፋሺሽትነት ፖለቲካ ዝተሓጽበ ሰብ መበገሲኡ ዘየገድስ ንምእላዩ ግን ከም ዝሓንገደ ብዕራይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣይንረስዕ። እዚ ክቱር ሕማም ድማ ኣብ ቀሊል ዘይበሃል ኣብቲ ኤሪትራዊ እንበሪ ሓበሻ ኣይኮንኩን ዝብል መንእሰይ ህግደፍ (YPFDJ) ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ቀሊል ዘይበሃል ህዝቢውን ተኣታትዩ ኣሎ። ሎሚ ሎሚ ግን ሳላ ውሑዳት ስላ ከማኻውን ዝበሉ ጻዕራማት ሰብ ናብ መንነቱ ናብ መሰረቱ ይጥምት ኣሎ ህዝቢ ኣንጻር ጭቆናን ዕብለላን ደኣ እንበር ኣንጻር መንነቱ ታሪኹ ቛንቁኡ ባህሉ ሃይማኖቱ ልምድታቱ ክወፍር ከምዘይብሉ ይርዶኦ ኣሎ። ኣምላኽ ምሉእ ምሕረት የውርድ። ጽላሎት ባዕዳዊ መግዛእቲ ከይፈላለዮም ሓንገርቲ ስነ ሓሳባት ኮሎንያሊዝም ከይፈናጨሉዎም ህዝቢን ሃገርን ኣግኣዚያን ክነብሩ እዮም።
ሕማም ኤሪትራ ካብ ራቢጣ ክሳብ ጀብሃን ሻዕቢያን ህግደፍን ዝተፈላለየ ዘይኮነስ ዝተተሓሓዘ ትምኒት ባዕዳውነት ትምኒት ዘይትፈልጦ ምድላይ እዩ። እዚ ድማ ሕማም ሰብ ኣይፈሊን መበቆል ኣይፈሊን ሃይማኖት ኣይፈሊን ዓዲ ኣይፈሊን። ባቃ ሕማም እዩ።