ምብጻሕ ዶር ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ። ጉዕዞ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንፕሮጀክት ዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ንምትግባር ዝኸድ ዘገምታዊን ውዲታዊን መስርሕ።
US Deputy Assistant Secretary Yamamoto Travel to East Africa
https://youtu.be/jtXb3G16FM8
ዶር. ዓቢዪ ኣሕመድ ንኤርትራ ኣትዩ፣ ብህዝቢ ኣስመራ ድማ ምውቕ ኣቀባብላ ተገሩሉ። እዚ ድሕሪ ዑደት ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ብፍላይ ንቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራን ኣዲስኣበባን፣ ጂቡትን በጺሑ ምስተመልሰ፣ ድሕሪ ፍሉይ ኣምባሳደር መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዶናልድ ያ. ያማሞቶ (Donald Y. Yamamoto) ንኤርትራን ኢትዮጵያን ምብጻሕ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ንኣስታት 18 ዓመታት ዝወሰደ ዶባዊ ግርጪትን ምስሕሓብን፣ ተስፋ ዝህብ ተርእዮ ተኸሲቱ ። ቅድሚ ምብጻሕ Donald Y. Yamamoto ንኢትዮጵያን ኤርትራን ግና፣ ስለምንታይ ወያኔን ህደፍን ተዋስኦ ክግብሩ ጸኒሖ????Senior United States official for African Affairs Ambassador Donald Y. Yamamoto, the country’s Principal Deputy Assistant Secretary, is making a rare visit to the politically isolated Eritrea Monday before moving on to Djibouti and Ethiopia.
ኣብ ኢትዮጵያ ብዶር. ዓቢዪ ኣሕመድ ክካየድ ንርእዮ ዘሎና ወፍሪስ፣ ብሓቂ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትግራይን ፍጹም ሰላምን ዓወትንዶ የምጽእ ይኸው? ክንብርኩት ከይንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ
ኣብቲ ዶር. ኣሕመድ ንኣሥመራ ዝኣተወሉ ስዓት ህዝቢ ኣስመራን ወዘራዝር ህግደፍን ብድሙቕ ዓጀባ ክቕበሉዎ ተዓዚብና። ድሕሪ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና መንግስቲ ህግደፍን ኢሃኣዴግን ኣብ ታሪኽ ተመርኲስና ተኻታቲልናዮ ግና፣ ዋላኳ ካብ እዋን ሰውራ ጀሚሮም መራሕቲ ህግደፍን ወያኔን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ እንተነበሩ፣ እቲ ሰራዊት ክልቲኦም ግና ብረቂቕ ስለላዊ ውዲት ፈላሊኻ ግዛእ እዩ ዝጓሰ ነይሩ። ርግጽዩ እቲ ብክፍሊ ሙዚቃ ወያኔን ሻዕብያን ዝዝርጋሕ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳዊን ኣእምሮ ሓጻብን ግና ሓደ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓቀኛ ውህደትን ስምረትን ክልቲኡ ሰራዊት ግና እቲ ዝምድና፣ ከልብን ድሙን እዩ ነይሩ። ከምኡ እንተዘይነብር እቲ ክልቲኡ ሰራዊት ነስመራን ንኣዲስ ኣበባን መቐለን ምስኣቶ፣ ብውዲት መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ተዓሽዩ፣ ዋጋ ዘይብሉ ኲናት ባዱመ ኣይምወልዐን። ሰራዊት ክልቲኡ ውድባት ወይ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍን፣ መንግስቲ ኢሃኣዴግን ኣብ ኲናት ባድመ ተጠቢሱ ኣይምሃለቐን። ሻዕብያን ጀብሃን ሕቡራት እንተዝነብሩ መሳርሒ ጽዮናውያን ኣይምኾነን። ውድብ ጀብሃ ነበረ ተባሂሉ ኣይምተነግረሉን። ህግደፍን ኢህኣዴግን ድማ ብቅኑዕ ስትራተጂካዊን ግንከኣ ንረብሓ ባዕዳውያን ዘይኮነስ፣ ብሓፈሻ፣ንረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ከኣ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝውዕል ቅኑዕ ፕሮግራምን ፕሮጅርክትን ሒዙ እንተዝቃለስ ነይሩ ሎሚ ኣብዛ በጺሖማ ዘለው ጻዕረሞት ኣይምበጽሑን ነይሮም።
ንመረዳእታ፤- ብ1982 ዓ.ም.ፈ. ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ብትእዛዝ መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊስን፣ እስራኤልን፣ ካብ መሬት ኤርትራ ተላፊኖም ክሰጉዋ ከለው፣ ብ1989 ዓ.ም.ፈ. ን3 ወራራት ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ፣ ማለት ነተን መሃንድሳት ሶብየት ሕብረት ዝተመወሉ፣ ግብረ ሃይል ውቃውን፣ ግበረሃይል ናደውን፣ ግብረ ሃይል መብረቕን ዝብሃሉ ገጀፍቲ ሓይሊ ሰራዊት፣ ክምክቱዎም ከለው በቲ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ነበር፣ ጂሚ ካርተር ዝሃቦም ስትራተጂካዊ ፕሮጀክት ተመርኵሶም እዮም ተላፊኖም ስዒሮሞ። እቲ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ወያኔን ግና ኣብ ውሽጡ ስሙር ውህደት ኣይነበሮን፣ እቲ መሪሕነት ግና ብሕቡእ ኣጀንዳ ስምምዕን ውዲታዊ ርክብን ነይሩዎም።
ዶር. ዓቢዪ ኣሕመድ መንዩ? መንዮም መልሚሎምን ኣሰልጢኖምን ኣዳልዮሞ? ንምኻኑ ዾር. ዓቢዪ ካብ ወጻኢ ሃገር ድዩ ንኢትዮጵያ ተላኢኹ? ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተመሪጹ ድዩ 1ይ ሚኒስተር ተሸሙ? ወይስ ማንጁስ ኢህኣዴግ ኮይኑ እዩ ኣብ ውሽጢ ኢህኣዴግ ዓብዩ?
መልሲ ብኣውድዮ ቪድዮ
ብፍላይ ንጉዳይ ኤርትራ ዘርኢ ውዲታት ዕንክሊል ንምባል፣ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ወኪሎም እንዳተቓያየሩን እንዳ ተባራረዩን ፣ ካብ 1952 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም ክሳብ 2018 ዓ.ም.ፈ. ተታሓሒዞሞ ዝጸንሑ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1ይ. ጆን ፎስተር ዱለስ፣ እቲ ቀዳመይን በዂሪ ወኪል መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ፣ ጸረ ነጻነት ኤርትራ ዝኾነ ንጹር መትከል ዝነበሮ ጸላai ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ብ1952 ዓ.ም.ፈ. “ኤርትራ ንረብሓ ኣሜሪካ ክንብል ምስ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትጽንበር ኣለዋ……”።
Recent Comments