ምብጻሕ ዶር ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ። ጉዕዞ ንቀርኒ ኣፍሪቃ  ንፕሮጀክት ዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ንምትግባር ዝኸድ ዘገምታዊን ውዲታዊን መስርሕ።

US Deputy Assistant Secretary Yamamoto Travel to East Africa

https://youtu.be/jtXb3G16FM8

ዶር. ዓቢዪ ኣሕመድ ንኤርትራ ኣትዩ፣ ብህዝቢ ኣስመራ ድማ ምውቕ ኣቀባብላ ተገሩሉ። እዚ ድሕሪ ዑደት ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ብፍላይ ንቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራን ኣዲስኣበባን፣ ጂቡትን በጺሑ ምስተመልሰ፣ ድሕሪ ፍሉይ ኣምባሳደር መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዶናልድ ያ. ያማሞቶ (Donald Y. Yamamoto) ንኤርትራን ኢትዮጵያን ምብጻሕ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ንኣስታት 18 ዓመታት ዝወሰደ ዶባዊ ግርጪትን ምስሕሓብን፣ ተስፋ ዝህብ ተርእዮ ተኸሲቱ ። ቅድሚ ምብጻሕ Donald Y. Yamamoto ንኢትዮጵያን ኤርትራን ግና፣ ስለምንታይ ወያኔን ህደፍን ተዋስኦ ክግብሩ ጸኒሖ????Senior United States official for African Affairs Ambassador Donald Y. Yamamoto, the country’s Principal Deputy Assistant Secretary, is making a rare visit to the politically isolated Eritrea Monday before moving on to Djibouti and Ethiopia.

ኣብ ኢትዮጵያ ብዶር. ዓቢዪ ኣሕመድ  ክካየድ ንርእዮ ዘሎና ወፍሪስ፣ ብሓቂ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትግራይን ፍጹም ሰላምን ዓወትንዶ  የምጽእ ይኸው? ክንብርኩት ከይንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ

ኣብቲ ዶር. ኣሕመድ ንኣሥመራ ዝኣተወሉ ስዓት ህዝቢ ኣስመራን ወዘራዝር ህግደፍን ብድሙቕ ዓጀባ ክቕበሉዎ ተዓዚብና። ድሕሪ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና መንግስቲ ህግደፍን ኢሃኣዴግን ኣብ ታሪኽ ተመርኲስና ተኻታቲልናዮ ግና፣ ዋላኳ ካብ እዋን ሰውራ ጀሚሮም መራሕቲ ህግደፍን ወያኔን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ እንተነበሩ፣ እቲ ሰራዊት ክልቲኦም ግና ብረቂቕ ስለላዊ ውዲት ፈላሊኻ ግዛእ እዩ ዝጓሰ ነይሩ። ርግጽዩ እቲ ብክፍሊ ሙዚቃ ወያኔን ሻዕብያን ዝዝርጋሕ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳዊን ኣእምሮ ሓጻብን ግና ሓደ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓቀኛ ውህደትን ስምረትን ክልቲኡ ሰራዊት ግና እቲ ዝምድና፣ ከልብን ድሙን እዩ ነይሩ። ከምኡ እንተዘይነብር እቲ ክልቲኡ ሰራዊት ነስመራን ንኣዲስ ኣበባን መቐለን ምስኣቶ፣ ብውዲት መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ተዓሽዩ፣ ዋጋ ዘይብሉ ኲናት ባዱመ ኣይምወልዐን። ሰራዊት ክልቲኡ ውድባት ወይ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍን፣ መንግስቲ ኢሃኣዴግን ኣብ ኲናት ባድመ ተጠቢሱ ኣይምሃለቐን። ሻዕብያን ጀብሃን ሕቡራት እንተዝነብሩ መሳርሒ ጽዮናውያን ኣይምኾነን። ውድብ ጀብሃ ነበረ ተባሂሉ ኣይምተነግረሉን። ህግደፍን ኢህኣዴግን ድማ  ብቅኑዕ ስትራተጂካዊን ግንከኣ ንረብሓ ባዕዳውያን ዘይኮነስ፣ ብሓፈሻ፣ንረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ከኣ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝውዕል ቅኑዕ ፕሮግራምን ፕሮጅርክትን ሒዙ እንተዝቃለስ ነይሩ ሎሚ ኣብዛ በጺሖማ ዘለው ጻዕረሞት ኣይምበጽሑን ነይሮም።

ንመረዳእታ፤-  ብ1982 ዓ.ም.ፈ. ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ብትእዛዝ መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊስን፣ እስራኤልን፣ ካብ መሬት ኤርትራ ተላፊኖም ክሰጉዋ ከለው፣ ብ1989 ዓ.ም.ፈ. ን3 ወራራት ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ፣ ማለት ነተን መሃንድሳት ሶብየት ሕብረት ዝተመወሉ፣ ግብረ ሃይል ውቃውን፣ ግበረሃይል ናደውን፣ ግብረ ሃይል መብረቕን ዝብሃሉ ገጀፍቲ ሓይሊ ሰራዊት፣ ክምክቱዎም ከለው በቲ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ነበር፣ ጂሚ ካርተር ዝሃቦም ስትራተጂካዊ ፕሮጀክት ተመርኵሶም እዮም ተላፊኖም ስዒሮሞ። እቲ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ወያኔን ግና ኣብ ውሽጡ ስሙር ውህደት ኣይነበሮን፣ እቲ መሪሕነት ግና ብሕቡእ ኣጀንዳ ስምምዕን ውዲታዊ ርክብን ነይሩዎም።

ዶር. ዓቢዪ ኣሕመድ መንዩ? መንዮም መልሚሎምን ኣሰልጢኖምን ኣዳልዮሞ? ንምኻኑ ዾር. ዓቢዪ ካብ ወጻኢ ሃገር ድዩ ንኢትዮጵያ ተላኢኹ? ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተመሪጹ ድዩ 1ይ ሚኒስተር ተሸሙ? ወይስ ማንጁስ ኢህኣዴግ ኮይኑ እዩ ኣብ ውሽጢ ኢህኣዴግ ዓብዩ?

መልሲ ብኣውድዮ ቪድዮ

ብፍላይ ንጉዳይ ኤርትራ ዘርኢ ውዲታት ዕንክሊል ንምባል፣ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ወኪሎም እንዳተቓያየሩን እንዳ ተባራረዩን ፣ ካብ 1952  ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም ክሳብ 2018 ዓ.ም.ፈ.  ተታሓሒዞሞ ዝጸንሑ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1ይ. ጆን ፎስተር ዱለስ፣ እቲ ቀዳመይን በዂሪ ወኪል መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ፣ ጸረ ነጻነት ኤርትራ ዝኾነ ንጹር መትከል ዝነበሮ  ጸላai ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ብ1952 ዓ.ም.ፈ. “ኤርትራ ንረብሓ ኣሜሪካ ክንብል ምስ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትጽንበር ኣለዋ……”።

2ይ. ፕረሲደንት ጆን ኤፍ ኬነዲ

ጆን ኤፍ ኬነዲ፤ ብ1962 ዓ.ም.ፈ. “ኤርትራ መሬታምበር ህዝባ ኣየድልየናንዩ”። ንኣሜሪካ ድኣዩ ውሩይ መራሒ ዝነበረምበር፣ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ግና ንስትራተጂካው ረብሓ ኣሜሪካ ክብል ኣሉታዊ መትከል እዩ ዝኽተል ነይሩ።

3ይ.
Richard / Miles COPELAND ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ብስም ፕሮጀችት “ፈልሲ” Nercery” C.I.A.ኤጀንት ገሩ ዝሓጸዮን ዝመልመሎን፣ ስዉር ኣጀንዳ ወይ ውዕል ዝኣተወሉን።


Paul Henze ወኪል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ኮይኑ፣ ካብ 1969 ክሳብ 1991 ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቅን ሃገራት ኣዕራብን ዘገልግል ዝነበረ ልዑል ወኪል መንግስቲ ኣሜሪካ።  ኤርትራ ነጻነታ ክትረክብ የብላን ኢሉ ዝተጣብቐ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

4ይ ፓወል ሂንሰ ኣማብል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ሲኣይኤ።

Image result for paul henze

ፓውል ሂንሰ ኣባት ነብሲ (God Father) ኢሰያስን መለስን::

5ይ.

FILE - Former U.S. President George H.W. Bush arrives on the field to do the coin toss ahead of the start of Super Bowl LI between the New England Patriots and the Atlanta Falcons in Houston, Texas, Feb. 5, 2017.

ጆርጅ ቡሽ ንብዙሕ ዓመታት ብጀነራል ዳይረክተር መዓርግ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምንባር ብ1980 ዓ.ም.ፈ. ምክትል ፕረሲደንት ሮላንድ ሬጋን ዝነበረ፣ ብ1980  ዓ.ም.ፈ. ምስ መራሕቲ ሻዕብያን ወያኔን ኣብ ካርቱም ሱዳን ተራኺቡ፣ ተላፊኖም ንጀብሃ ክወቕዕዋ ከምዘለዎም ኢሉ ዝኣዘዘ ብዓል ስልጣን። ሎሚ 93 ዕድሜ ገሩ ኣብ ጻዕሪ ሞት ይርከብ ኣሎ።

6ይ.ፕረሲደንት ሕቡራት ኣሜሪካ ነበር ጂሚ ካርተር

Image result for President Jimmy Carter

ፕረሲደንት ጂሚ ካርተን ንጉዳይ ኤርትራ ብሓላፍነት ንኽከታተል ብ1985 ዓ.ም.ፈ. ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ሥልጣን ተዋህቦ። ብ1985 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ምስ መራሕቲ ወያኔን ሻዕብያን ኣብ ካርቱም ሃገር ሱዳን ተራኺቡ፣ ነቲ ብሶቭየት ሕብረት ተታሒዙ ዝነበረ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንረብሓ መንግስቲ ኣሜሪካ ንምውዓል፣ ወያኔን ሻዕብያዝን ከም ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ነቲ ብሶቭየት ሕብረት ዝምወል  ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ንክምክቱዎ፣ ምሉእ ስትራተጂካዊን፣ ቁጠባዊ ሓገዝ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝውሃቦም ዘሰማምዐን ሕቡእ ኣጀንዳ ዝተሰማምዐን ነበረ።

7ይ. ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን ዎኪል መንግስቲ ኣሜሪካ

Image result for African representant hermann cohen
ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን ዎኪል መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ሃገራት ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ዛጊት ኣብ ድሮ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ለንደን፣ ምስ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ መለስ ዜናዊን፣ ተስፋየ ዲንቃ ኣባል ስዑር መንግስቲ ደርጊ፣ ስዉርን ግንከኣ እንዳጸንሐ ዝግሃድ ውዲታዊ ዝኾነ ጸረ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ውዒል ዝገበረ ገበረ።

8ይ.ልክዓ ካብ 1952 ዓ.ም.ፈ. ጀሚርና ክሳብ ሎሚ 2018 ዓ.ም.ፈ. 66 ዓመታት ሓሊፉ። እንሆ እምብኣር ድሕሪ 66 ዓመታት ሎሚዘመን ኣብ2018 ዓ.ም.ፈ. ፍሉይ ኣምባሳደር መንግስቲ ኣሜሪካ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ: ዶናልድ ያ. ያማሞቶ Donald Y. Yamamoto ዝተባህለ፣ ብዝረቐቐ ውዲት ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ንምፍታ” ብዝብል ውዲት ምስ መራሒ ግዝያዊ መንግስቲ ሓዳስ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ምስ መራሕቲ ወያኔን ተራኺቡ፣ ብዘመሓላለፈሎም ትእዛዝ፣ ኣብዚ እዋንዚ ብዶር. ዓቡዪ ኣሕመድ፣ ሓዲሽ “ሰላማዊ”! “ፍቕራዊ”! “መደመር”! “መደማመር”! ዝብሉ ጭርሖታት ንልብን ቀልብን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሰልብ ገልዳሕ ይብል ንዕዘብ ኣሎና። ኣብግብሪ ክትርጎም ድዩ ንዝብል ሕቶ ግና፣ ብግርህነትን ስምዒትን፣ ለዋህነትን ምምላስ ዘይኮነስ፣ ብንቕሓት፣ ግንከኣ ነቶም ብዛዕባ ፍታሕ ሽግር ኤርትራን ተባሂሎም ን66 ዓመታት ብውሑድ 8 ልኡኻት መንግስቲ ኣሜሪካ ከካይዱዎ ዝጸንሑ ሰንሰለታዊ ውዲታት ወይ ፖለቲካዊን ስለላዊን መስርሓት መንግስቲ ኣሜሪካ ብኣድህቦ ብምጽናዕ ጥራይ ኢና መሰረታዊ ሰላም ብሓቂ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክመጽእ ድዩ ወይስ ብኣንጻሩ ውግእን ወረ ውግእን ክኸውን እዩ ኢልና ክንምልስ እንኽእል። ዝኾነ ፣ ክንብርኩት ከይንብርኩት ኣብ ማይ ዘለዎ ቦታ ጥራይ ንብጻሕ።

ተመራሚርናን ታሪኽ ኣጽኒንዕናን  እንተዘይ ፈሊጥና፣ ድሕሪ ምፍላጥና ድማ፣ ንጸላእትና ከነለሊ እንተይዘይክኢልና፣ ከምቲ  ጀርመናውያን ክምስሉ ከለው፣ “ደንቆሮ ተወሊዱ፣ ደንቆሮ ዓብዩ፣ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ደንቆሮ ምዃኑ ከይተረድኦ ብድንቁርናኡ ምማቱ እዩ”  መላገጺ ጽዮናውያንን፣ ምዕራባውያንን፣ ሃጸያውያንን  ኮንና ንተርፍ።