ካብ ማሕበራዊ መርበብ ፈይስቡክ ዝተረኽበ

1.) ካብ አዲ አምሓራ ዝመፅ እኽሊ ከይሓለፍ እናተገበረ ንሕና ቢራ ናያቶም እናምፃእና ግጥም ነብሎለና።

2) ማካይን ትግራይ እናተወረሳ ማካይን አምሓራ ግና በሰላም አትየን ይወፃ አለዋ።

3) ተጋሩ ተምሀሮ ሬሶኦም እናመፀ ንሕና ግን አመሪቅና ንሰድድ ኣሎና።

4 ኣፅዋርን ወተሃደራትን ዝጽዓና ማካይን እናወፃ፣ ሱቅ ኢልና እናራአና ጦርነት አይገጥመናን ኢልና ክንሓስብ የብልናን።

5)ምስ ኤርትራ ሙሉእ ሰላም ዘይብሉ ዶብ መን ይሕልዎ ኣሎ?  ነዚ መንግስቲ ክትኣምኖስ ይካአል ዶ?

6) ሕገ መንግስቲ ተጣሒሱ እንዳሃለወ፣ ሕጊ ይከበር እናበልና ክንሓልፎ ዲና?

7) ተጋሩ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለው ንብረቶምን ሂወቶምን ንምድሓን ብሚስጥራዊ መንገዲ እታይ ንሰርሕ ኣሎና?

8) ጦርነት እናመፀ ብናይ ቀደም ታሪኽና ንኽሽፍኖ እንተሓሲብና ዕድል ሞት ጥራይ እዩ ዝገጥመና። ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ካብ ምጅሃር፣ ታሪኽ ክንሰርሕ አለና።

9) ንወታደር ተጋሩ ታይ መልእኽቲ ነብፅሕ ኣለና ወይስ ከም ደርጊ ዝነበሩ ተጋደልቲ ክዋጉኡና እዮም ብቤተሰቦም መልእኽቲ (ድፍኢት) ክወፁ አለዎም።

10) ትግራይ ኢትዮጵያ ኾይና ክትቅፅል ብምንታይ መንገዲ ኢልና ክንሓስብ ንፈትን።

11) ብሔር ብሔረሰብ ኢልና ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ረሲዖምዎ፣ ደዲም እንኸፍሎ መስዋእቲ ክህሉ ኢልኻ ክሕሰበሉ ድዩ?

12) መንግስትና nብሎ ዝደሊ ማንም ትግራዋይ ካብ ዓዱ ወፃኢ ዘሎ ንዓዱ ከምዘይሓስብ ክመስለኩም ይኽል ዩ: ግን ድቃስ ዝስእን ብዙሕ ዩ። ተምሃራይ ሞይቱ ነጋዳይ ሞይቱ፣ ክበሃል እንሎ ፣ ዘሎ ሕማሶ ንፀላእትና ዘይኾነ ፅልእና ንመንግስትና ዩ። ስለዚ ህይወት ወገናትና ብዘይ ረብሕ ክሓልፍ የብሉን። ስለዚ ሕሰቡሉ መንግስቲ ዘድልዮ ነገር ክንሕግዝ ድልዋት ኢና። ማንም ትግራዋይ አይሕግዝን ዝብለሉ መንገዲ የለን። ሓገዝ ዘድሊ እተኾነውን ድማ ገና ፀሓይ ተይዓረበት ክኾውን አለዎ።

ወያናይ ሰላምታይ ይብፃሕኩም!