በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን እያ።

እቲ መበል 45 ፕረሲደንት ሕቡራት ሃገራትኣሜሪካ፣ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝብሃል፣ ዋላኳ ኣብቲ ዝምረጸሉ እዋን ኣሜሪካ ትቐድም፣ ዝብል ጭርሖ ሒዙ እንተተበገሰ፣ ግና ንሓፋሽ ህዝቢ ኣሜሪካ ንምድንጋር እምበር፣ሓቂ ከምዘይብሉ ተመራመርትን፣ሊቃውንቲ ታሪኽን ከምዘረጋገጹዎ ተፈሊጡ። እዚ ሰብዚ እቲ ቀንዲ ንብረት እታ ንእሽቶ ሃገር ጽዮናዊት እስራኤል እምበር፣ ንህዝቢ ኣሜሪካ ከምዘይውክል  ዘረጋግጽ ቪድዮ ዘርጊሖም። ስለዚ ሓበሬታ ክትረኽቡ እትደልዩ ግዱሳት ተኻታተልቲ፣ መርበብ ሓብሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ብኽብረትኩም ነዛ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሓ ዘላ ቪድዮ ንኽትከታተሉ ንላበወኩም።
ሰናይ ምክትታል!

በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን እያ። ግዜ ድማ ንኹሉ ሓሶታትን ምድንጋራትን ገዝኣቲ፣ኣብቲ እዋኑ እዩ ዝኸሽሖ። ንሓደ ህዝቢ ውሑድ ግዜ ከተታልሎ ትኽእል፣ ብዙሕ ግዜውን ከተደናግሮ ትኽእል፣ ንዘልኣለም ከተታልሎ ግና ኣይከኣልን እዩ። መኽንይቱ ኩሉ ግዜ ሓፋሽ ምስ ግዜ ክነቅሕ፣ ባህርያዊን መጎታዊን ስለዝኾነ። ደቂ ሰባት ግና ንስልጣንን ንገንዘብን ክብሉ ኩሉ ግዜ ንሓደ ህዝቢ ንምድንጋር ገልዳሕ እዮም ዝብሉ።

ብሓልዮት መርበብ ደቀባት ኤርትራ፣ 5 ንሓሰ 2017 ዓ.ም.ፈ.