እቲ ሓቀኛ ታሪኽ መሳፍንትን ነገስታትን ኢትዮጵያን ትግራይን ከመይ ነበረ? እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን ዝፍጽሙዎ ዘለው ግብረ ሽበራከ፣ ምስቲ ኣባሓጎታቶም ኣብ ልዕሊ ጥንታዊት ምድረባሕሪ፣ ሎሚ ሓዳስ ኤርትራ፣ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ክድዓት ክወዳደር ከሎ ይመሳሰልዶ? ሰናይ ንባብ

ንጉስ ቴድሮስ ካብ 1855 ክሳብ 1886 ዓ.ም.ፈ.

Téwodros II - 2.jpg
ካሣ ኃይለ ጊዮርጊስድ፣ዳግማዊ ንጉስ ቴድሮስ (ኣባ ታጠቅ)

ንጉስ ቴድሮስ ካብ 1855 ክሳብ 1886 ዓ.ም.ፈ. ብኣወንታዊ ታሪኽ ክዝከር ዘለዎ ንጉስ ኢትዮጵያ እዩ። መኽንያቱ ድማ፣ ካብ ኩሎም መሳፍንትን ነገስታትን ኢትዮጵያ፣ ካብ ሃገረይ ብባዕዳውያን እንግሊዛውያን ትግዛእ ሞት ይሕሸኒ ኢሉ፣ ባዕሉ ሽጉጡ ሰትዩ ንኢትዮጵያ ሃገሩ በጃ ዝሓለፈ ጅግና ሃገራዊ ንጉሥ እዩ ዝነበረ። ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኢትዮጵያ፣ “ሃጸይ ቴድሮስ ጨካን ገዛኢ እዩ ነይሩ“ ዝብል እኳ እንተተጻሕፈ፣ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ግና ኣይኮነን።ብርግጽ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንኹሎም መሳፍንትን ሸፋቱን ሰጥ ከምዘበሎም ይትረኽ እዩ። ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ከሊዎ ዝነበረ ኣረሜን ደግያት ውቤ እንተኾነውን ብጅግና ንጉስ ጠድሮስ ቀንጺሉዎ። ንጉስ ቴድሮስ፣ ብዘይካ ግብሪ ምኽፋል ኣብ ኤርትራ መግፋዕቲ ፈጺሙ ዝብል ታሪኽ ክሳብ ሎሚ የልቦን። እኳድኣ ነቲ ኣረሜን ደግያት ውቤ ሃጸይ ቴድሮስ ስለ ዝቐንጸሎ፣ ንግዜኡ ህዝቢ ኤርትራ እፎይ ክብል ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ብሓገዝ ትግራዋይ ንጉስ የውሃንስ 4ይ፣ ብባዕዳውያን ኮሎንያል እንግልዝ ከምዝስዓር ኮነ። ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ንንጉስ ቴድሮስ ብግሁድ ውዲት ምስ ኣቐንጸለ፣ ኣብ ሳልስቱ ብ19 ሚያዝያ 1868 ዓ.ም.ፈ. መረብ ሰጊሩ ኣብ መራጒዝ ሰራየ ንደግያት ሃይሉ ብዓል ጸዓዘጋ ሓደጋ ወዲቑ ማረኾም። ብድሕሪኡ ድማ፣ ንክልተ ኣሕዋት ሃዘጋን ጸዓዘጋን ፈላሊዩ ኣባኣሶምን ኣጻልኣምን። መጻሓፍቲ ታሪኽ ከምዝምስክሮ፣ ንጉስ የውሃንስ ካብታ ብንግስቲ ቪክቶርያ ሓገዝ ዝረኸበላ እዋን ጀሚሩ ሰላዪ ኮሎንያል እንግሊዝ እዩ ነይሩ። ተዃሉ ስለላ መርበብ እግሊዝ ግና ንኽጥቀምሉ እንተዘይኮይኖም ከምዘይሕግዙዎ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም። ጎኒ ጎኒ ንጉስ የውሃንስ ድማ ምስቲ ባርያ ዳግማዊ ምነሊክ ጽኑዕ ስለላዊ ርክብ ገሮም ነይሮም እዮም።

ንጉስ ቴድሮስ ብሰንኪ ጠላም ንጉስ ትግራይ ኣብ ኢድ ቶዃሉ ሰራዊት እንግሊዝ እንተዘይውድቕ ነይሩ፣ ንንጉስ የውሃንስ ምቀንጸሎ ነይሩ። ኮሎንያል ጣልያን ድማ ንምድረባሕሪ ኣይምወረረን ነይሩ። ቶዃሉ መሃንድሳት ስለላ መርበብ እንግሊዝ ግና፣ ንጠላም ንጉስ የውሃንስ ኣኽራሪ ኣስላማዊ ሓይሊ ካብ ሱዳን ንመተማ ልኢኾም ኣቐንጺሎሞ። ካብኡ ከምቲ መደቦም ንኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ከምዝኣቱ መንገዲ ጸሪጎምሉ። ብርግጽ፣ ንጉስ ቴድሮስ ብህይወቱ እንተዝነብር ነይሩ ግና፣ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ (ኤርትራ) ብልኡኽ ንጉስ የውሃንስ 4ይ ብሸቃ ኣሉላን፣ ደግያት እምባየን ኣይምተደፍረን ነይሩ። ኮሎንያል ጣልያን ድማ ምድረ ባሕሪ መቓብሮም ምኾነ ነይሩ። ብሰንኪ ጠላማት መሳፍንቲ ትግራይ ግና ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ክቆጻጸር በቒዑ። ጸኒሑ ድማ ንኢትዮጵያ ተቖጻጺሩ። እዚ ኩሉ ድም ብሰንኪ ሸፋቱ መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ጥራይ እዩ።

ኣስተብህል፣ ኣብ ምርምርን ታሪኻዊ መጽናዕትን ዝተመርኮሰ ፍልጠት ሒዝና እንተድኣ ንወያኔን ህግደፍን ኣስተብሂናሎም፣ ሎሚ ብህግደፍን ብወያኔን ዝግበር ዘሎ ግፍዒታት ካብቲ መሳፍንቲ ትግራይ ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ ፍጻሜታት እንተዘይገዲዱ ከምዘይውሕድ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እወ፣ እዞም መሳርሒ ጽዮናውያን ዝኾኑ ተዛረብቲ ኣቑሑት እዚኦም፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ብምዕብል ዝበለ ስለላን ኮለላን ዝሰልጠኑ ስለዝኾኑ፣ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዝተመሳቐለ ኮይኑና ኣሎ። ንዘስተብህል ሰብ ግና፣ እዞም ኣገልገልትን ከደምትን ጽዮናውያን እዚኦም፣ ግሁድ ታሪኽ እዮም ዝደግሙ ዘለው። እዞም ክናናን ምናናን ኮራዂር ጽዮናውያን እዚኦም፣ ተዃሉ ጽዮናውያን ኣብ መወዳእታ፣ መሳርሒ ተጠቒሞም፣ ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን መንቊሶም፣ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክቆጻጸሩዎ ከምዝኾነ ሕልሞም ገና ኣይተሰቆሮምን። እዞም መሳኪን እዚኦም ዋላኳ ንግዜኡ ገንዘብ ኣብ ወጻኢ ባንክታት፣ ኦፍ ሾር ባንክታት ንቐምጠልኩም ኣሎና ኢሎም እንተጠበሩዎም፣ ነቲ ተቐሚጡልኩም ኣሎ ዝብሃል ገንዘብ፣ ከይበልዑዎ እዮም ክሓልፉ። እታ ሓንቲ ጥቕሚ ዘላቶም ግና፣ በቲ ዝዘመቱዎ ገንዘብ ኢንሹራንስ ስለዝኣተው፣ ብዋርድያታት ጽዮናውያን ስለዝሕለው ጥራይ እዮም።

ድሕሪ ሞት ንጉስ ቴድሮስ መግዛእቲ ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4 ኣርኪቡ። ብሰንኩ ከኣ እቲ ብጀነራል ናምፒር ዝብሃል ኣባል ፍሪሜዞን ዝነነበረ ዝምራሕ 4000 ሰራዊት እንግሊዝን፣ 8000 ሰራዊት ከኣ ደቂ ህንዲ ብጠቕላላ 12 000 ሰራዊት ኣዕጢቑ ንምጽዋዕ ኣተወ። ብሓገዝ ንጉስ የውሃንስ ንመቕደላ ክኣቱ ከኣለ። ጀነራል ናምፒር፣ ማእለያ ዘይብሎም እንስሳታት ንመጓዓዝያ ዘገልግላ፣ 1757 ኣፍራስን  16000 ኣባቕልን፣ ሓራምዝን፣ ኣእዱግን 70 ሽሕ ንቀለብ ሰራዊት ኣኻኺቡ እዩ ወሪሩ።

ጀነራል ናምፒር፣ ንኢትዮጵያ ክወርር ከሎ፣ ብፍላይ ንፍሉይ እስትራተጂካዊ ረብሓ ፍሪመዘን (መሃንድሳት ጽዮናውያን)፣ ብሓፈሻ ድማ ንረብሓ እታ መሳርሒ ፍሪመዘን ዝነበረት፣ ንግስቲ ቪክቶርያ እትብሃል ገዛኢት ዓባይ ብሪጠንያ ንምሕላው እዩ ዝነበረ። እቲ ጠንቂ መበገሲ ጀነራል ናምፒር ንኢትዮጵያ ድማ፣ ንጉስ ጠድሮስ ሰለይቲ ኣባላት ቤተመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ስለዝኣሰረ ዝብል ውዲት እዩ። እቲ ሓቅ ግና “እንተዘይደፋእኒ ኣይምወደቕኩን“ ከምዝብሃል፣ ኮሎንያል መንግስት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሰለይቲ ንንጉስ ቴድሮስ ልኢኾምሉ። ንሱ ድማ ከም ሃገራዊ መጠን ነቶም ሰለልቲ እንግሊዛውያን እንታይ ደሊኹም ኣብ ዕዓዲ እንድማትኩም መጺእኩም ኢሉ ኣሲሩዎም።

ኣስተብህል፣ ኢትዮጵያውያን ከምዞም ሰለልቲ እንግሊዛውያን  ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ክስልዩ ንሎንዶን እንተዝኸዱ ነይሮምከ፣ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊኦም እንታይ ምፈጸመት ነይሩ? እቲ ኣብ ዘይ መሬትካን ሃገርካን ከድካ ምውራርን ምዝማትን፣ ብሓፈሻ ኣብ ኤውሮጵዋያን፣ ብፍል ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ከም ኣመል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም ባህልን፣ ባህርን፣ ስትራተጂን ስለዝቚጸር ነውሪ ኣይኮነን። ሰለልቲ እንግሊዛውያን ኣብ ዘይ ሃገሮምን መሬቶምን ከይሓፈሩ ስለዝመጹ ግና፣ ጅግና ሃገራዊ ንጉስ ቴድሮስ “ኣይፋልኩምን እዚ ኣይ ሃገርኩምን እዩ፣ እንታይ ደሊኹም መጺእኩም“! ኢሉ ኣሲሩዎም። ኮሎንያል እንግሊዝ ግና፣ “ኩሉ ኣብ ኢድና እንድዩ፣ ዘሕመቖ ኣለኒ በትሪ ሃቡኒ ኢሎም፣ ብኣጽዋርን ሚሊሽያ ህንድን ተኣማሚኖም፣ ልዕሌና ካልእ ሓይሊ የልቦን“ ካብ ዝብል ተበግሶ፣ ምስ ንጉስ ትግራይ ተመሳጢሮም ነቶም ኣብዘይ ሃገሮምን መሬቶምን ንክስልዩ፣ ብመደ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንኢትዮጵያ ዝተላእኩ ሰለልቲ እንግሊዛብውያን ድማ ንጉስ ቴሮስ ኣሲሩዎም። እሞ ኣብዚ ንጉስ ቴድሮስ ድዩ ተጋጊዩ፣ ወይስ መንግስቲ ኮሎንያን ዓባይ ብሪጣንያ?

ንጉስ የውሃንስ 4ይ (ሊጅ ካሣ መርጫ) ካብ 1861 ክሳብ 1889 ዓ.ም.ፈ.

Emperor Yohannes IV
ንጉስ የውሃንስ ምራራጭ 4ይ (በዝብዝ ካሣ)
ንንጉስ የውሃንስ ኣብ ስልጣን ክድዪብ ዝኽኣለ፣ በቶም ጀጋኑ ራእስታት ሃዘጋን ጽዓዘጋን ነበረ። ኣብ መወዳእታ ግና ጠሊሙዎም፣ ድሕሪ ሞት ህጸይ ቴድሮስ ንምድረባሕሪ ወረራ።

እቶም ኩሎም ጨካናት መሳፍንቲ ትግራይ በብሓደ ምስዓረቡ፣ ንጉስ የውሃንስ 4ይ (ሊጅ ካሣ መርጫ) ብ1861 ዓ.ም.ፈ.ንንግስቲ ቪክቶርያ ዓባይ-ብሪጣንያ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ርክብ ጀመሩ። ካብ 1871 ክሳብ 1888 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ትግራይ ነገሰ። እዚ እዋንዚ ንጉስ የውሃን መጀመርያ ርክብ ምስ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝገበሩሉ ክኸውን ከሎ፣ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ግና ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ውዲት ተጠቒሞም ስለላዊ ርክብ ገበሩ። ኣብቲ ንጉስ የውሃንስ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ከሎ፣ ኣብ ሽዋ መንእሰይ ዳግማይ ሚነሊክ ነበረ። ኣብ ጎንደር መቕደላ ከኣ ንጉስ ቴድሮስ ሓይሉ የደልድል ነበረ። ንጉስ የውሃንስ ድማ ካብ ንጉስ ቴድሮስ ከቢድ ስግኣት ነበሮ። ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዘሎና፣ ንጉስ ቴድሮስ ብእንግሊዛውያን ክስዓር ከሎ፣ ንጉስ የውሃንስ ንሰራዊት እንግሊዝ ንመቕደላ ክወሩ ከለው ተሓባቢሩዎም እዩ። ስለዚ ኣብ መጎት ተመርኲስና ዕሙቕ ዝበለ ምርምር እንተድኣ ተኻታቲልና፣ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን ምስ ንጉስ የውሃንስ ግዝያዊን ድልዱልን ርክብ ከምዝገበሩ ክንርዳእ ንኽእል። ኮነ ድማ እቲ ንመቕደላ ዝደየበ ብጀነራል ናምፒር ዝእዘዝ ሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንንጉስ ቴድሮስ ኢድካ ሃብ ኢሉ ኣዘዞ። ንጉስ ቴድሮስ ግና ኣብ ክንዲ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ኢደይ ዝህብ፣ ሽጉጠይ ሰትየ በጃ ሃገረይ ኣሓልፍ ኢሎም፣ ሽጉጦም ሰትዮም በጃ ሃገሮም ሓለፉ። ንጉስ ቴድሮስ ምስሓለፉ ድማ ሓይሊ ንጉስ የውሃንስ ደልደለ። ኣብቲ እዋንቲ ከኣ ኮሎንያል ኣንግሊዝ ምስ ንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ ስለላዊ ርክብ ገበሩ። እዚ ድማ ንንጉስ የውሃንስ ንምውዳቕ ነበረ፣ ኮነ ድማ። ብ1888 ዓ.ም.ፈ. ኮሎንያል ጣልያን ድሕሪ ኣብ ኲናት ዶጓሊ ምስዓሩ፣ እንደገና ካብ ምጽዋዕ ንኤርትራ ንክወርር ሰራዊትን ኣጽዋርን ካብ ሃገር ጣልያን ንምጽዋዕ ይጓርት ነበረ። ስለላ መርበብ እንግሊዝ ድማ ምስ ኣኽራሪ ሓይሊ ማህዲ ብውዲት ንኢትዮጵያ ንክወርር ወደቦም። ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ኮሎንያል ጣልያን ንምጽዋዕ ንክወሩ ቀጠልያ መብራህቲ ዝወልዕሎም ባዕሉ እዩ። ካብኡ ንሰራዊት ኣስላማዊ ኣኽራሪ ሓይሊ ዶርቡሽ ካብ ሱዳን ተላዒሉ ንኢትዮጵያ፣ ከባቢ በጌምድር ከምዝወርር ብውዲት ኣለመ። ንጉስ የውሃንስ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ርድኡኒ ዝብል መልእኽቲ ልኣኸሎም።

ኣስተብህል፣ ኮሎንያል ጣልያን ኣብ ድጓሊ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ዝደምሰሱዎ መብዛሕትኦም ደቂ ምድረባሕሪ እዮም ዝነበሩ።ኣብቲ እዋንቲ ጣልያን እንደገና ነስመራ ክወርር ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ክነሱ፣ ሰራዊት ምድረባሕሪ ኤርትራ ሃገሩ ገዲፉ ንመተማ ምስ ንጉስ የውሃንስ ከተተ። ኣብ መተማ ኣንጻር ደርቡዕ ኲናት እንዳተኻየደ ከሎ ድማ፣ ጣልያን ተኻላኻሊ ሓይሊ ከየጋጠሞ ነስመራ ኣተወ። ንጉስ የውሃን ድማ ብውዲት ስለላ መርበብ እንግሊዝ ኣንጻር ደርቡሽ ተዋጊኡ ተዓዊቱ ከሎ፣ ክሳዱ ብሴፍ ተሰየፈ። ድሕሪኡ ንጉስ ምነሊክ ምስ እንግሊዝን ጣልያንን ዓቢ ስለላዊ ዝምድና ገበረ። ምስ መንግስቲ ኮሎንያል ጣልያን ድማ ኣብ ውዕል ውጫሌ፣ ንመረብ ምላሽ ኤርትራ ንክገዝኡዋ ፈረመሎም።

ኣስተብል፣ ኣምሓሩን ትግራዎትን ታሪኽ ኢትዮጵያን ትግራይን ክጽሕፉ ከለው፣ ንጅግንነት ኤርትራውያን ረሲዖም እዮም ዝጽሕፉ። ምዕራባውያን እንተኾኑውን፣ ንክትበልዓ ዝደሌኻ ኣባጉንባሕስ ዛግራ ትብላ ከምዝብሃል፣ ንጅግነት ኤርትራውያን ኣጸቢቖም ስለዝፈልጡዎ ክዝከር ኣይደልይዎን እዮም።

ነቲ ሓቂ እንተድኣ መጻሕፍቲ ታሪኽ ገናጺልና መጽናዕቲ ኣካይድና ግና፣ ንኢትዮጵያን ንትግራይን ዝሕልዉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ጥራይ እዮም ዝነበሩ። ነዚ መረጋገጺ ዝኾነና ድማ ኣንጻር ኢማም ኣሕመድ ግራኝ፣ ኣንጻር ወራር ቱርኪ፣ ኣንጻር ወራር ግብጺ፣ ኣንጻር ወራር ኣኽራሪ ኣስላማዊ ኮሎንያል ጣልያን ኣብ ደጓሊ። ትማሊ እንተኾነውን፣ ንሰራዊት ወያኔ ኣሰንዩ ንኣዲስ ኣበባ ዘእተወ እዩ።

ንጉስ የውሃንስ ኣብ ትግራይ ኣብ ስልጣን ክበጽሕ ዝኸኣለ፣ ብሳለ ጀጋኑ ደቂ ጸዓዘጋን ሃዘጋን እዩ። ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ ከምዝብሃል ድማ፣ ነቶም ጽቡቕ ዝገበሩሉ ጀጋኑ መራሕቲ ሃዘጋን ጸዓዘጋን ግና ሓደገኛ ዝኾነ ፈላላዪ ውዲት ብምግባር ሃስዮሞም እዩ።ንጉስ የውሃንስ 4ይ (ሊጅ ካሣ መርጫ) ኣዝዩ ጎራሕ መስፍን እዩ ዝነበረ። ብጅግንነት ምድረባሕሪ ድማ ኣዝዩ ቀናእ ነበረ። ካብ ንጉስ ቴድሮስ ድማ ዓቢ ፍርሕን ራዕድን ስለዝነበሮ፣ ምስ ስለላ መርበብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብምትዕርራኽ፣ ንጉስ ቴድሮስ ብወራር ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝስዓር ገበረ። ድሕሪ ሞት ንጉስ ቴድሮስ ኣብ ሳልስቱ ንምድረባሕሪ ወረረ። ንጉስ ቴድሮስ ብህይወቱ እንተዝነብር ንጉስ የውሃንስ ንምድረባሕሪ ክወርር ኣይምኽኣለን። መኽንያቱ፣ ንጉስ ቴድሮስ ብወራር ዓባይ ብሪጣንያ እንተዘይስዓር ነይሩ፣ ንጉስ የውሃንስ ድማ ኣብ ስልጣን ኣይምጸንሐን ነይሩ። ኮሎንያል ጣልያን ድማ ንኤርትራ ክወርር ኣይምኽኣለን ነይሩ።

ንጉስ የውሃንስ ንስልጣኑ እምበር ሃገራውነት ዘይነበሮ መስፍን ነበረ። ግንከኣ ብሃይማኖት ኦርቶክስ ከምዝሕለቕ መሲሉ ይገርአ ነበረ። ብፍላይ እኳድኣ እቲ ቀዳማይ መሳርሒ መንግስቲ ቪክቶርያ, ምኳኑ ዘረጋገጸ ድማ ን ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ዝነበረ። ቶዃሉ መሃንድሳት ዓባይ ብሪጣንያ ግና፣ ካብ ልቦም ዝተላዕለ ዝምድና ዘይኮነስ ንኽጥቀምሉ ኢሎም እዮም፣። ኣብ ክንዲ ንሃገር ንገንዘብን ንስልጣንን ብሕሳብ ግና ምስ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ ብምውጋን፣ ንንጉስ ቴድሮስ ኣቈንጺሉ ንደቂ ምድረባሕሪ መሳርርሒ ገሩ፣ ክሳብ ምቕልቃል ኮሎንያል ጣልያ ስልጣኑ ከናውሕ ክኢሉ።

ኣብ ትግራይ ቅድሚ እቶም ሠፋቱ መሳፍንቲ ትግራይ፣ ብፍላይ ክሳብ 1730 ብባሕረነገስታት ኤርትራ እያ ትመሓደር ነይራ። ካብ 1735 ጀሚሩ ግና ህዝቢ ትግራይ ብሸፋቱ መሳፍንቲ ጥራይ እዩ ዝግዛእ ዝነበረ። ንግዝነት ትግራይ ካብ ንጉስ የውሃንስ ምርጫ እዩ ተጀሚሩ። እወ፣ ንጉስ የውሃንስ ዋላኳ ንጉስ ጽዮን ተባሂሉ ይጸዋዕ እምበር፣ ንተመን ሸቃ ኣሉላ ንምድረባሕሪ ልኢኹ፣ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድረባሕሪ ዝገበሮ ሽርሒን ዓመጽን ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ሸቃ ኣሉላ፣ ካብ 1878 ክሳብ 1888 ዓ.ም.ፈ.

Ras Alula Aba Nega,the greatest African general
ራስ እሉላ እንግዳ ዕቝቡ (ኣባ ነጋ)
እተን ኣብ ግዝኣት ንጉስ የውሃንስ ወይ ካሳ፤ ሰብኡተን ብሰንኪ ሸቃ ኣሉላ ፍትሒ ስኢኖም ዝጠፍኡወን ኣንስቲ ደቂ ምድረባሕሪ ከምዚ እንዳበላ ንኣሉላን ንጎይትኡ የውሃንስ ይቝዝማሎም ነበራ።

ወይለይ ብእኒ ገረኪዳን እኒ ኣሉላ
መሶብ እንተርኣዩ ንዒ በላ
ምዓር እንተርኣዩ ንዒ በላ
ስቡሕ እንተርኣዩ ንዒ በላ
ጥርዓን እንተርኣዩ ወድያ በላ።
መጻውይቶም ገብራይ ኣሉላይ
መባልዕቶም ቀሸይ ደብተራይ ።
መጻልእቶም ብዓል ጽምዲ ብዕራይ
ከይገፉኒ እታ ጨርቀይ ብላይ
ከይቆርጹኒ ሓንቲ ኢደይ ቆራይ።
ለካ ካሳስ (ንጉስ የውሃንስ ማለተን እየን) ደግያት ጉሒላ
መንግስትኻ ብዝብዝ የብላ!

ካብኡ ግና ኣይጸንሐን፣ ኣብ ኲናት መተማ ድኣ መወዳእታኡ ኮነ፣ ትግራይ ድማ ድሕሪ ሞት ንጉስ የውሃንስ ኣብ ስደትን፣ ኣብ ጥሜትን ዓጸቦን ወደቐት። ብፍላይ እኳድኣ ድሕሪ ሞት ንጉስ የውሃንስ 4ይ፣ ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ንጉስ መነሊክ ኮነ።

ኢለን እንዳተራገማ ይበኽያ ነበራ። እዚ መርገም እዚ እምብኣር ፍትሒ ኣብ እዋን ንጉስ የውሃንስን ሸቃ ኣሉላን ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ከምዘይነበረ እዩ ዝሕብር። ሎሚኸ ደቂ ደቆም ንብዓል ኣሉላ፣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ፣ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሒዶ ይገብሩ ኣለው?

ሸቃ ኣሉላ፣ ኣብ ክንዲ ከምቲ ጀጋኑ ኤርትራውያን ዝኽደኑዎ ዝነበሩ ስረ ዝኽደን፣ ከም ሰበይቲ ቀሚሽ እዩ ዝኽደን ዝነበረ። ነዚ ድማ ይኣይ ከም ጅግንነት ተወሲዱ፣ ካብ ግብጻውያን ዝቐድሖ እዩ። እዚ ሰብዚ ብንጉስ የውሃንስ 4ይ መዓርግ ሸቃ (ሓለቓ ሽሕ ሰራዊት ማለትዩ) ተሸሙ፣ ንምድረ ባሕሪ ተላኢኹ። ኣብ ምድረባሕሪ ድማ ብውግእ ዘይኮነስ ብውዲት እዩ ንመሬት ሓማሴን ዝረገጻ። ኣብ ሓማሴን ምስ መጸ ከኣ ፣ ንጅግና ራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሞን ብዓል ሃዘጋ፣ ብማሓላ ኣታሊሉን መጽሓፍ ቅዱስ ኣጥቂዑን እዩ ኣብ ጎይትኡ ንጉስ የውሃንስ ኣቕሪቡዎ aምበር ተዋጊኡ እይኮነን ስዒሩዎ።
ብዓሎቕ ምስማረኾ ዝተሸሞ ሽመት ድማ “ራእሲ ኣሉላ“ ተባሂሉ። እዚ ተመናይ ተንቤናይ ሸቃ እሉላ እዚ፣ ካብ ተራ ሓረስታይ ዝውለድ ደንቆሮ ተንቤናይ እዙ ዝነበረ።

ካብቶም ላዕለዎት መሳፍንቲ ተንቤን ስለዘይውለድ ዝነበረ፣ በቶም ኣትማን ደቂ ተንቤን መሳፍንቲ ትግራይ ተቐባልነት ዘይነበሮ ተራ ሓረስታይ እዩ ዝነበረ። ኣብ ኲናት ካብቶም መሳፍንቲ ዘይሰንፍ ስለዝነበረ፣ ብጎይትኡ ተመናይ ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ፣ ብ1878 ዓ.ም.ፈ. ምስሌነ ራእሲ ኣርኣያ ኮይኑ ንምድረ ባሕሪ ክገዝእ ዝተላእከ ጎራሕን ጨካንን መስፍን እዩ ዝነበረ። እቲ ጸረ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ዝኾነ፣ ሰላዪ ሞሳድ ፕሮፈሶር ሃጋይ ኤርሊክ ግና፣ ንኣሉላ ከም ጅግና ገሩ እዩ ኣብቲ ጽውጽዋይ መጻሕፍቱ ዝገልጾ። “ንኽትበልዓ ዝደሌኻ ኣባጒንባሕስ ዛግራ ትብላ” ከምዝብሃል፣ ብዛዕባ ጅግንነት ደቂ ምድረባሕሪ ግና ኣብቲ ጽውጽዋይ ጽሑፉ ፈጺሙ ኣይተንከፎን። ድቂ ምድረ ባሕሪ ግና እዚ ኣባል ስለላ መርበብ ሞሳድ ዝኾነ ፕሮፈሰር እዚ፣ ግልቡጥ ታሪኽ እንተተረኸ ቅር ኣይብሎን እዩ። በትሪ ሓቂ ድማ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን ስለዝኾነት።

እዚ ብዓሎቕ ራእሲ ዘበለ ምስፍን ትግራይ እዚ፣ ኣብ ምድረ ባሕሪ ን10 ዓመታት ካብ 1878 ክሳብ 1888 ዓ.ም.ፈ. ብጭቆና ገዝአ። እዚ ሰብዚ፣ ኣብ ምድረ ባሕሪ፣ “ደቂ ኣርብዓ“ ዝብል ስርዓት ዝተኸለ መስፍን ነበረ። “ደቂ ኣርብዓ“ ማለት ትርጉሙ፣ እቶም ምስ ሸቃ ኣሉላ ንምድረ-ባሕሪ ዝመጹ ወተሃደራት፣ ኣብ ትግራይ እንተድኣ ተመሊሶም ጥሮታን ደሞዝን ስለዘይረኽቡ፣ ኣብ ምድረ ባሕሪ ተጣይሶም፣ ሓያማት ደቂ ኣንስትዮ ደቂ ምድረ-ባሕሪ ተመርዒዮም፣ መሬት ተማሲሖም ክነብሩ ኣሉላ ዝፈቐደሎም ዓቀይቶ ትግራዎት ማለት እዩ። ሽዑ እዮም እቶም ደሞዝ ዘይነበሮም ግንከኣ ዘሚቶም ጥራይ ዝነብሩ ዝነበሩ ዓቀይቶት (ሰራዊት) ኣሉላ፣ ርስቲ ደቂ ምድረ-ባሕሪ መንጢሉ፣ረብሓኦም ስለ ዝሓለወሎም፣ ንኣሉላ ከምዚ ኢሎም ይዋጥዩሉ ነበሩ፣- “ዕድመ ከም ማቱሳላ፣ ጽድቂ ከኣ ከም ላሊበላ፣ ዳጉሻ ከም ዓይላ፣ ስጋ ከም ኣሞራ፣ ፍትሒ ከም ኣሉላ“ ከብቲ ከም ሓበላ (ህዝቢ ሓበላን ዴዳን ሊባን፣ ወተሃደራት ኣሉላ ዘሚቶም ዘይውድኡወን፣ ብዙሓት ከብቲ ዝነበሮም ህዝቢ እዮም።) እንዳበሉ ይኣይ ንሸቃ ኣሉላ የመጉስዎን ነበሩ። ሓያሎ ተወሊጄ ትግራዎትን፣ ገለ ገለ ገርሀኛታትን ዘይመራመሩን ሓቀኛ ሓበሬታ ዝትሕዝቶኦም መጻሕፍቲ ታሪኽ ዘየንበቡን፣ ነቲ ታሪኽ ሸቃ ኣሉላ ከኣ ብግቡእ ዘይፈልጡን፣ ነዚ ብሂል እዚ ከም ፓፓጋሎ እንዳደጋገሙ “ኣሉላ ፍትሐኛ እዩ ነይሩ፣ ክብሉ ክትሰምዕ ከሎኻስ፣ ነታ ምስላ ጀርመናውያን፣ “ደንቆሮ ተወሊዱ፣ ደንቆሮ ዓብዩ፣ ደንቆሮ ምዃኑ ከይተረድኦ ከኣ ብድንቍርናኡ ሞይቱ“ የዘኻኽረካ። ዝኾነ ኮይኑ፣ ሸቃ ኣሉላ፣ ነቲ ሕጊንዳባ ምድረ ባሕሪ ድኣ ኣርከሶ እምበር ዝተኸሎ ፍትሒስ ከቶ ኣይነበሮን። ብዛዕባ ዘይፍትሓውነት ኣሉላ ብዙሕ ምተጻሕፈ ግና ብመጽሓፍ ደረጃ ክቐርብ ይሓይሽ ብምባል ንሎሚ ገዲፍናዮ ኣሎና።

ንመረዳእታ ግና ብመጠኑ ብኸምዚ ከንቕርቦ ኢና፣
1ይ.) ኣብተን 10 ዓመታት ካብ 1878 ክሳብ 1888 ዓ.ም.ፈ. ሸቃ ኣሉላ ብትእዛዝ ተመናይ ንጉስ ትግራይ የውሃንስ፣ ንምድረ ባሕሪ ንሓምሴን ብዘይ ፍትሕን ሕጊንዳባን ዝገዝኣሉ ዝነበረ፣ “ሜስ መስተ መኳንንቲ ትግራይ ስለዝኾነ፣ ኣብ ህዝቢ ሓማሴን ሜስ ክሰቲ ኣይፍቀደሉን እዩ“፣ ኢሉ ኣውጁ ነበረ። ደግያትሓድገምበስ ወዲ ግልወት ዝብሃል ጅግና ወዲ እታ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ምምጽእ እንዳ ህግደፍ፣ ዋና ከተማ ወረዳ ድንበዛን ዝነበረት፣ ዓዲ ተከሌዛን፣ ሎሚ ከኣ ብዓመጸኛታት ደቂ ደቁ ንሸቃ ኣሉላ ህ.ግ.ደ.ፍ. ስማ ንምድምሳስ፣ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ተገዲዳ ኣትያ ዘላ ዝተወልደ ደግያት ሓድገምበስ ወዲ ከንቲባ ግልወት ክምርዖ ከሎ፣ ሜስን ከውድቍ ዝሕላ ስቡሓት ከብቲ ሕሩድ ክቕርብን ምስ መደበ፣ ህዝቢ ዓዲ ተከሌዛን ብኣሉላ ከይተውርረና፣ ኣብ መርዓኻ ሜስ ኣይተውድቕ፣ እዚ ነቲ ኣዋጅ እሉላ ዝጻረር እዩ ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ግና “ኣነ ሓድገምበስ ወዲ ግልወት፣ ከብትን ምዓርን ሃብቲ ድንበዛን እዩምበር፣ ሃብቲ ዕድዋን ዓደውዓላን ኣይኮነን፣ ኣብ ገዛእ ዓደይን መርዓይን ሜስ ንኸየውድቕ ዝኽልክለኒ ሰብ ክርኢ እየ ኢሉ፣ ንኣዋጅ ሸቃ ኣሉላ ነጸጉ፣ ውራይ መርዕኡ ብሜስን ብዝሕላን ጥብሳን ኣሰንዩ ፈጸመ።

ካብኡ ደግያት ሓድገምበስ ውራይ መርዕኡ ምስ ኣሕለፈ፣ ሸቃ ኣሉላ ምስ ሰምዐ፣ ሰራዊቱ ንዓዲተከሌዛን ልኣኸ። ጅግና ደግያት ሓድገምበስ ግና ኣብ ኢድ ብዓል ጀለብያ ክወድቕ ስለዘይደለየ፣ ሰራዊቱን መርዓቱን ሒዙ ንሓባብን ሓልሓልን ዓረደ።

2ይ.) ኣብ እዋን መግዛእቲ ሸቃ ኣሉላ፣ ኣቶ ዘገርጊሽ ወዲ ግላገርጊሽ ዝብሃል፣ ሓደ ለባምን ሃብታምን፣ ብፍላይ ብዙሓት ከብትን፣ ንህብን ዝነበሮ ወደባት ዓዲተከሌዛን ከኣ ነበረ። ሓደ እዋን፣ ሸቃ ኣሉላ ምዓርን ስብቡሓት ከብትን ሓማሴን ምዝማት ኣመሉ ስለዝነበረ፣ ጻዕዳ ምዓር ካብ ኣቶ ዘገርጊሽ ከምጽኡሉ ዓቀይቶቱን ደጉዕዑን ንዓዲ ተከሌዛን ሰደደ። እቶም ዓቀይቶቱ ድማ፣ “ኣቶ ዘገርጊሽ ላባኹም መጺእናታ እኔና፣ ጎይታይ ኣሉላ ጻዕዳ መዓር ካብ ኣይተ ዘገርጊ እዩ ልግነሞ፣ ከድካድኩም ኣምጽኡታ ኢሎማታ ኢና መጺእናኩም ዘሎና“ በሉዎም። ካብኡ ኣተ ዘገርጊሽ “ሐራይ ኣጆኹም ርኸቡ ኣይትስኣኑ በሎም። ንብዓልቲ በቱ ድማ፣ “በሊስከ ነታ ዓባይ ዕትሮ ዒባ ከብቲ ምልእያ እሞ፣ ብላዕሊ ግና ጻዕዳ ሰፈፍ ምዓር ሸፊንኪ ሓቲምኪ ሃብዮ ሃብዮም” በላ። ብዓልቲ ቤቱ ድማ ከምታ ብዓል ቤታ ዝበላ ዒባ ዝመልአ ዕትሮ ቀረበትሎም። ዒባ ዝመወዮ ዓዐይቶት ድማ ኣብቲ ውሽጢ ዕትሮ ዝነበረ፣ ዒባ ከብቲ ወይ ብቋንቋ ዓቀይቶት ላሕሚ ምህላዉ ከይተሰቆሮም፣ ነቲ ሓፍ ዘይብል ኣርባዕተ ሰባት ኮይኖም ከም ኣጻውራ ሬሳ ተሰኪሞሞ ኣብ ሸቃ ኣሉላ ተመለሱ። ካብኡ እተን ሸቃሎ ኣሉላ ሜስ ከዳልዋ ጻዕዳ ምዓር ተረኽቡ ኢለን፣ ነቲ ዕትሮ ከፊተን ኢደን መለሳሉሞ፣ ወያ እቲ ዕትሮ ዒባ ከብቲ መሊኡ ረኸብኦ። “ወየ ጒድ ! ወየ ጒድ!” ኢለን ድማ ኣውየያ። ካብኡ ሸቃ ኣሉላ ሰምዐ እሞ: „እንታይ ተገንዩ” በለን። “እዛ ካብ ዘገርጊስ ልመጸት ምዓር ዒባ ላሕሚ መሊኣ ለኾነት ኣግኒናያ” በልኦ። ካብኣ ኣሉላ “ዓሻ ሓማሴናይ ከመይ ገሩ ከምዚ ይገብር” ኢሉ ተቝጥዔ። ንኣቶ ዘገርጊሽ ኣሲሮም ንኸምጽኡዎ ከኣ ንዓቀይቱ ኣዘዞም። ንሶም ድማ ብትእዛዝ ጎይትኦም ኣብ ዘገርጊሽ ከዱ። “ጎይታይ ንዑታ ኢሎም ኣዚዞምኹም እሞ ሒዝናኩም ኣብ ጎይታይ ኣሉላ ክንውስደኩም?” በሉዎ። ዘገርጊሽ ከኣ “ሐራይ፣ ሒጂ ግና ብዕራይ ክሓርደልኩም፣ ሜስ ከውድቐልኩም እሞ: ቅድም ክትበልዑ ክትሰትዩ ኣለኩም” በሎም። ዓቀይቶት ኣሉላ ድማ “ሐራይ” ኢሎም፣ ዝሕላኦምን፣ ጥብሶምን በሊዖም ሜሶምን ምስሰተዩ፣ ጥንቅልዓሾ ደቀሱ። ንጽባሒቱ ንግሆ፣ እቶም ዓቀይቶት ስጋ በሊዖም ሜስ ሰትዮም ጥንቅልዓሾ ደቂሶም ከለው፣ ኣቶ ዘገርጊሽ ኣንጊሁ ከብቲ ሒዙ ክብገስ ከሎ፣ ሓደ ካብቶም ደቂሶም ዝነበሩ ዓቀይቶት፣ ተበራቢሩ፣ “ኣይተ ዘገርጊሽ ላበይ ድኣ ኢኹም ትኸዱታ ለለኹም?” በሎ:: ኣቶ ዘገርጊሽ ድማ፣ “ነዘን ከብቲ ሳዕሪ ከብልዐን እየ፣ ቀልጢፈ ክምለስ እየ“ ብሎም:: እቲ ዓቀይታይ ከኣ፣ ምዓስከ ክትምለሱታ ኢኻትኩም? በሎ፣ “እወ ዓደይ ገምገም ዘርአይ ስገም: ዕዝር እንተበልካ ዕዝር እዩ፣ ኣጆኹም ግን ክምለስ እየ” በሎም። ኣቶ ዘገርጊሽ ግና፣ ከብቲ ከብኪቡ ድኣ ንሓልሓል ተዓዝረ።

ወዮ ደጓዑ ዓቀይቶት ኣሉላ ግና፣ ካብ ድቃሶም ተንሲኦም ንኣቶ ዘገርጊሽ ክምለሶም ብዙሕ ድሕሪ ምጽባይ ቀቢጾም፣ ኣብ ኣሉላ ተመልሱ። ኣሉላ ድማ “ኣበይ ድኣሎ ዘገርጊሽ”? ኢሉ ምስሓተቶም፣ “ነተን ላሕሚ ስዕሪ ከብልዓተን ኢላትም ምስከዱማ የተመልሱን” በሉዎ።

እንታይከ በለኩም፣ “ዓደይ ገምገም ዘርአይ ስገም ዕዝር እንተበልካ ዕዝር እዩ፣ ግና ክምለሰኩም እየ: እያቶም ልበሉና“ በልዎ። “ዋየ ዋየ፣ ዓሻ ሓማሼናይ እባ ተጻዊቱለይ” ኢሉ ነቶም ዓቀይቶቱ ኣሰሮም” ይብሃል። እዚ ታሪኽ እዚ ድማ ብኣፈ ታሪኽ ዓበይቲ ዓዲ ዝትረኽ ሓቀኛ ዘይኮነስ፣ ብደቀባት ዓበይትን ለባምትን ዝተተረኸ ታሪኽ እዩ እምበር፣ ብጽዓዱን ብፈለስቲ ካቶሊክን ዝተተረኸ ጽውጽዋይ ታሪኽ ኣይኮነን።

ኣስተብህል፣
ኣብዘን 10 ዓመታት፣ ሸቃ ኣሉላ ብትእዛዝ ቴምቤናይ ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ንምድረ ባሕሪ ብውዲት እንተዘይገዝእ ነይሩ፣ ማለት ህዝቢ ምድረባሕሪ ከኣ ብነብሱ ሓዲሩ ሓራ ኮይኑ እንተዝነብር ነይሩ፣ ኮሎንያል ጣልያን ፈጺሙ ነስመራ ክኣቱ ኣይምኸኣለን። ብሰንኪ ንጉስ የውሃንስ ግና፣ ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ከምዝተቖጻጸረ፣ ባዕሎም ሰበስልጣን ጣልያን ብግህዶ መስኪሮም እዮም። ንመረዳእታ፣ ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ምስ ኣቶ፣ እቲ ሽዑ ዝነበረ ሲቪላዊ መራሒ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፣ ህዝቢ ኣኪቡ ከምዚ ክብል እዩ መስኪሩ፣ “እዛ ካብ ንግስነት ኣኽሱም ጀሚራ ክሳብ ሎሚ (ክሳብ ንሕና ንወራ)፣ ብባዕዳውያን ግብሪ ገቢራ ዘይትፈልጥ ምድረባሕሪ፣ ብሳላ መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ክንወራ በቒዕና፣ እሞ ምስጋን ይብጽሓዮም ” ኢሉ። ብመም. ይስሃቅ ዮሴፍ፣ ንግስነት ምድረ ባሕሪ ገጽ 277 ክሳብ 278 ተወከሱ።

ስለዚ እቲ ሓቂ፣ ብሰንኪ ወራር ንጉስ የውሃንስ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ከም ሽሙ ዝጠፍአ ንህቢ ፋሕ ብትን ስለዝኣቶዎ፣ ነዚ ዘጽንዑ ስለላ መርበብ እንግሊዝ ድማ ንኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ንክኣቱ ብስለላን ኮለላን ሓገዞምዎ። ሎሚ ድማ ነዞም ክናናን ምናናን ጭፍራ ወያኔንን ህግደፍን፣ ታሪኽ ኣባሓጎታቶም ንኽደግሙ፣ ብመደ ኣሰልጢኖም ገረብ ብሓኽላ ኣዋፊሮምልናኣለው።

ኣስተብህል፣ ገለ ገለ ሰባት “ንጉስ የውሃንስ ንጉስ ጽዮን እዩ፣ ንሃይማኖት ተዋህዶ ተኻላኺሉላ እዩ“ ክብሉ ይስምዑ እዮም።

እዚ ኣባሃህላ እዚ ግና፣ ካብ ታርኽ ዘይምፍላጥ ዝተላዕለ እዩ። ንወራር መሓመድ ግራንኝን፣ ወራር ቱርክን፣ ማህድን፣ ግብጽን ደቂ ምድረባሕሪ እንተዘይምክቱዎም ነይሮም፣ ህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራይን ዛጊት ኣብ 15 ክፍለዘመን ጀሚሩ ኣብ ምስልማ እምነት ምጥሓለ ነይሩ። ንጉስ የውሃንስ ድማ ኣብ ኲናት መተማ ኣንጻር ማህዲ ክኸትት ከሎ፣ ንጉስ ሽዋ ዳግማዊ ምነሊክ ኣማዕድዩ እዩ ዝዕዘቦ ነይሩ እምበር፣ ምስኡ ሓቢሩ ኣይከተተን። ጀጋኑ ኤርትራውያን ግና ንሃገሮም ግዳይ ኮሎንያል ጣልያን ገሮም እዮም ኣብ ኲናት መተማ ቅያ ዝሰርሑ። ንበይኑ ንጉስ የውሃንስ ግና ንወራር ማህዲ ኣይምስዓሮምን ነይሩ። እቲ ኩሉ ንጉስ የውሃንስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣርትራ ዝፍጽሞ ዝነበረ ወራራት፣ ብፍላይ ድሕሪ ሞት ንጉስ ቴድሮስ፣ ብምኽሪ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ። ኤርትራውያን ኣብቲ ኲናት መተማ እንተዘይነብሩ ነይሮም፣ ሎሚ ህዝቢ ኢትዮጵያም መስሊሙ ምሃለወ ነይሩ። ኮሎንያል ጣልያን ድማ ነስመራ ኣይምኣተወን ነይሩ። እዝዩ እቲ ሓቂ።

መተሓሳሰቢ፣

ታሪኽ መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ብግቡእ ከይፈለጥና፣ ነዞም ሎሚ ታሪኽ ኣባሓጎታቶም ዝደግሙ ዘለው መንነተ ኣልቦ ተረፍመረፍ ክንርድኦም ኣይንኽእልን ኢና።