ብዓል ሓጎስ ገብረሂየት (ክሻ)፣ ኣብ ግዜ ቃልሲ ህ.ግ..ሓ.ኤ. ብራሾ ማይ ዘየቕበሉ፣ ካብ መሸጣ ቆሎን ዋርድያ ማካይንን ሓሊፎም፣ ሎሚ ሚንስተር ቁጠባን ወናኒ ዕደና ወርቂ ኤርትራ ኮይኖም ብልኡኽ መላኺ ክሽየሙ ከለዉ፣ ሓርበኛታት ደቂ ሃገር ከኣ ንሃገር ክብሉ ዝኣረጉ፣ መቕበሪ ሬስኦም 2 ሜትሮ መሬት ተነፊጉዎም  ግና በብሓደ ሰብ ውሓደ ይኾኑ ኣለው።
እቲ ኣብ ስደት ዝነብር ተቓውሞ ኤርትራ ድማ ፣ እቶም ገዳይም መራሕቱ በብቑሩብ ሓዲጎሞ ይኸዱ ኣለው። Dr. Habte Tesfamariam እውን ካብቶም ተጸውእዕቲ ሓለፍቲ ውድብ ዝነበረእዩ። ግንከኣ ድራር ዕለት ዝረኽበሉ ወግዓዊ ስራሕ ኣብ ሃገር ዱባይ እዩ ዝነበረ። ኣብ ትርፊ ግዜኡ ድማ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ሃገራዊ ድሕነት ዝብሃል ውድብ፣ ኣሕመድ ናስር ካብ ዝመውት ጀሚሩ ዋርሳይ ኮይኑ ክመርሖ ጸኒሑ እዩ።ኣኼባታት ውድብ ኣብ ስደት ዝመርሕ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ክነሱ ግና፣ ሎሚ ዝቕበረሉ መቓብር ዓዱ ተነፊጉዎ ኣብ ስደት ኣብ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን ዓሪፉ ኣብኡ ድማ ክቕበር እዩ። ሑሴን ከኪያ ድማ ምስ ኢሰያስ ይሕሸኒ ኢሉ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብትእዛዝ ኢሰያስ ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ማሲኑ። ካብኡ ተፈቲሑ ንሱዳን ተሰዲዱ። ኣብ ሃገር ሱዳን ድማ  ሎሚ ዓሪፉ፣ ንሱውን ኣብ ሱዳን እዩ ክቕበር ማለት እዩ።  እዞም ደቂ ሃገር እዚኦም ብሰንኪ ወዲ ወሰን ኢሰያስ መቓብር ሃገሮም ከይተረፈ ተነፊጉዎም እዩ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ክቕበሎም ግና ጸሎትና ንብጽሓሎም።

በጺሕናዮ ዘሎና ዘመን፣ ዘመን ኣካሒዳን ዓመጽን ውዲታዊ ቅትለትን ስደትን ባርባራዊ መግዛእትን፣ ስነኣእምራዊ ውግእን እዩ። እወ፣  ንዋና ባህርያዊ ጸግኡ ዝኾነ ህዝቢ ኣጽኒትካ ባህርያዊ ጸጋ ሃገሩ ዘሚትካ ምንባር እዩ ኮይኑ ዘሎ። ነዚ ፕሮጀክት እዚ ንኸተግብሩ ድማ፣ እንዳህግደፍ ተዓጢቖም ንባዕዳውያን ይኽድምሎም ኣለው። እወ፣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ እቲ ሞት ትርጉም ከምዘይብሉ ዝርኣየሉ ዘሎ መዋእል ኢና ኣርኪብና። ቀታልን ቀንጻልን ኣባል ህግደፍ ክመውት ከሎ ጥሩምባን መለኸትን ሃሪሞም የፋንዉዎ፣ ካብ እንዳ ጀብሃን ካብ ሓርበኛታት ተቓወምቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. እንተድኣ ሞይቶም፣ ወላ 2 ሜትሮ ትኸውን መቕበሪ ሬሳኦም መሬት ይንፈጉ፣ ወይድማ ሕማቕ ታሪኽ ብዛዕብኦም ይንበብ።

እወ፣ እቶም መራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. መብዛሕትኦም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክበልዩ ከለው፣ ብዙሓት ጀነራላትን ላዕለዎት ሓለፍትን ከኣ ብስምን ብፈውስን ሓሊፎም። ንመረዳእታ፣ ናይዝጊ ክፍሉ ዝብሃል ገዲም ተጋዳላይ፣ ኣምሆ ዘመን ኣብ ሳሕል፣ ምስ ኢሰያስ ብውዲት ንጹሃት ደቂ ሃገር ዝመንቍስ ዝነበረ ክነሱ፣ ምስጢራዊ ሰነዳት ኣብ ለንዶን ስለዝሕብአ፣ ልኡኽ መላኺ ኣብ ለንደን ድኣ ቅበርዎ እምበር ኣብዚስ ኣይፍቀድን እዩ ኢሉ ስለዝነፈጎ፣ ኣብ ለንደን ተቐቢሩ። ጓሉ ግና ነስመራ ከይዳ ሓመድ ኤርትራ ተሰኪማ መጺኣ፣ ኣብቲ መቓብሩ ከኣ ነስሊሳትሉ።

ልኡኽ መላእኺ ኢሰያስ ክሳብ ዘሎ ጉድ ህግደፍ ገና ክቕጽል እዩ። ብቐዳማይ ኢንባሲ ኢሰያስ ኮይኑ ኣብ ዋሺንግቶን ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገለ ገዲም ተጋዳላይ ግርማ ኣስመሮም፣ ብርቕቕ ዝበለ ውዲታዊ ምስማም ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ምስጢር ግና ክዱን በኣፈ ስላሴ እዩ ኮይኑ ተሪፉ። ኣብ ግዜ ቀብሪ ስነስርዕቱ ድማ እቲ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈውርቂ፣ ምስ ስለላ መርበብ ሞሳድን ሲ.ኣይ.ኤ.ን፣ ኣብታ መደበር ስለላ መርበብ ጽዮናውያን ዝኾነት ቅያር ቨርጂንያን ፔንታጎንን ሃገር ቀጠር፣ ቆጸራ ስለዝነበሮ ኣብ ቀብሩ ኣይውዓለን። ከምቲ ዝረኸብናዮ ወረ ዝሕብሮ ግና፣ ፈርኦን ልኡኽ ጽዮናውያን መላኺ ኢሰያስ፣ ማንክን፣ ቻርሊን፣ ክሻን፣ በጃኻ “ንናይዝጊ ክፍሉ ዝገበርናዮ ከይኣክልስ ሎሚኽ ሰብ እንታይ ክብለና እዩ፣ በጃኻ ግደፎ ኣብዚ ይቀበር“፣ ኢሎም ስለዝለመኑዎ እዩ ኣብ ኤርትራ ንኽቕበር ፈቒዱ።ንጀነራል ጠዊል ብስሚ ምስቀተሎ ግና፣ ኣብ መቝቓብር ሕርበኛታት ክንዲ ዝቕበር፣  ኣብ ሓዝሓዝ ድፈንዎ ኢሉ ኢሰያስ እዚዙ።

  1. ስዩም ሓረስታይ ተሰሚሙ ሓሊፉ፣ ኣብታ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ብምድረባሕሪ እትጽዋዓ ዓዲ ጀጋኑ፣ ብጣልያን ግና ብባዕዳዊ ቃል “ኤርትራ“፣ ተባሂላ ዝተጠመቐት፣ በቶም መቕቀጸልታ ኮሎንያል ጣልያን ዝኾኑ ጭፍራ ህግደፍ ድማ “ሓዳስ ኤርትራ“ እትጽዋዕ፣ እቶም ደቂ ወሰን ግና ደቂ ማእከል ዝኾኑላ ሃገር፣ ክልተ ሜትሮ እትኸውን መቕበር ኣስከሬኑ ጉድጓድ ተነፊጉዎ። ኣብ ዓዲ ባዕዳውያን ሃገር ሆላንድ ድማ ሓመድ ኣዳም ንኽለብስ ተገዲዱ።

  1. ኣሕመድ ናስርውን ኣብ ሃገር ስዊድን እንዳነበረን ንሓዲሽ ኣበባ እንዳተማላለሰን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብሃንደበታዊ ሞት ሞይቱ ተባሂሉ መርድእ ተረዲኡሉ። ጸኒሑ ዝተረኽበ ሓበሬታ ግና ብውዲታዊ ሜላ ብስሚ እዩ ሓሊፉ ተባሂሉ።

  2. ዶክተር በየነ እንተኾይኑውን ሕማሙ እንታይ ምዃኑኳ ብወግዒ እንተዘይተፈልጠ፣ ሓሊፉ ተባሂሉ ኣብ ሃገር ባዕዲ ሃገር ጀርመን ተቐቢሩ።

  3. ሎሚ ከኣ ዶክተር ሃብተን ሑሴን ከክያን ስዒቦሞም ተባሂሉ መርድእ ተረዲኡ።

  4. ብዘይካቲ ልኡኽ መላኽን ወይጦታቱ ብዓል ማንክን፣ ኩሎም በብሓደ ይሓልፉ ኣለው። ግናውን ካልኣ ክንሰምዓ ኢና። እንዳ ህግደፍ ሰንካማት ክሳብ ዘለው በብሓደ ሰብ ውሓደ ክኽውን እዩ። ምናልባት ድኣ ብኣምላኽ ዝመጽእ ምትእትታው ሓይሊ (ዲቫይን ኢንተርቬንሽን) እንተዘይኮሊፉዎም እምበር፣ ንሶምሲ ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ ዝብል መደብ ዕዮ ጎይቶቶም ንምትግባር ከምዝኾነ ወፍሮም፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና እንፈልጦ ሓበሬታ እዩ።

እቶም ቀንዲ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከም ባልዕ ባርኖሳይ ኮይኖም፣ ብዘይ ንሕስያ ንህዝቢ ኤርትራ ንኸጽንቱዎ ምስ ባዕዳውያን መብጽዓ ኣትዮም ዕንክሊል ዝብሉ ዘለው ግና፣ ጎይትኦም ኢሰያስ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ክሞቱ ከለዉ ብጡሩምባ ዓጂቡ ነቲ ሓሶት ታሪኽ ህይወቶም ከም ቅዱስ ገሩ ከንብበሎም እዩ።

ዘመን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ!!

እዚ ኣብ ኤርትራ ብስነኣምራዊ ውዲት ዝፍጸም ዘሎ ፍጻሜታትሲ፣ እቶም ቀንዲ ስዉራት መሃንድሳት ብዓል መን ከምምዃኖም ትፈልጡዎዶ?

ብሓልዮ መርበብ ደቀባ-ኣግኣዝያን 15.01.2017 ዓ.ም.ፈ.