ስለምንታይ ግን ኢሰያስ ብፍላይ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ከሎ፣ ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ?
እቲ ን50 ዓመታት ዝኣክል ሰላዪ መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ፣ ግንከኣ ንህዝቢ ንምዕንጃል ንኣሜሪካ ከምዝጸልእ ኮይኑ ድራማ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ሎሚ ነቲ ካብ 1966 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ብስዉር ክሰርሖ ዝጸንሐ ስለላዊ ስራሕ፣ ብግህዶ ብፍላይ ንስትራተጂካዊ ረብሓ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ብሓፈሽ ድማ ንምዕራብ ኤውሮጳባውያን፣ ኣብተን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን፣ ጅቡቲን፣ ኬንያን እንዳተወናጨፈ ወኪል ጽዮናውያን ኮይኑ ክለኣኣኽ ንዕዘቦ ኣሎና። ኣብዚ እዋንዚ ግና ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብተን 360 ዝኣኽላ ኣብያተ ማሰርትታት ብዘስካሕክሕ ባርባራዊ ስቓይ እንዳተሳቐየን፣ መንእሰይ ሃገር ገዲፉ ንስደት እንዳውሓዘን፣ ባህርያዊ ጸጋ ህዝቢ ኤርትራ፣ ከም ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን ብባዕዳውያን ሃገራት ተመዝሚዙ እንዳተጋሕጠን፣ ህዝቢ ኤርትራ ግና ዝስተማይን መብራህትን ጨኒቑዎ ዝሳቐየሉ ኩነት ዩ ዘሎ። መርዓት ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ! ከምዝብሃል ግና ኢሰያስ ወኪል ጽዮናውያን ኮይኑ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዑደታት ይፍጽም ኣሎ።
ድሕሪ ምብጻሕ ላaለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ መስርሕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይቃላጠፍ ኣሎ። ቅድሚ ሃጸያውያን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቆጻጸሩዎ ንግዚኡ ብኣውትሶርሲንግ የካይዱዎ ኣለው። ካብቶም ንግዜኡ መንገዲ ጸረግቲ መርሲኔሪ ሓደ ከኣ ገዲም ሰላዪ ኣሜሪካ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ።
-
ስለላን ኮለላን ኢሰያስ ኣብታ ዝወደቐት ሃገር ሶማል ንስትራተጂካዊ ረብሓ ምዕራባውያን ይኽድም ኣሎ። ፕረሲደንት እታ ዝወደቐት ሃገር ሶማል ailed Nation ተራኺቡ ስትራተጂካዊ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንረብሓ ምዕራባውያን ዝውዕለሉ ውዲት የካይድ ኣሎ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ረሲዑ “መርዓት ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ” ከምዝብሃል ምዕራባውያን ዝልኣኽዎ ተልእኾ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ይካይድ ኣሎ።
-
ምዕራባውያን ነቲ ስትራተጂካዊ ረብሓ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ባዕሎም ኣብ ክንዲ ዝሰርሑዎ ነዞም 3 ሰለልቲ ልኢኾም የካይዱዎ ኣለው። ስለላን ኮለላን ኢሰያስ ምስቲ ፕረሲደንት ዝወደቐት ሃገር ሶማልን፣ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢዪ ኣሕመድን፣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ምዕራባውያን ጉያ ዝተወሰኾ ዕንክሊል ይብሉ ኣለው። እቲ ቀንዲ ዛዕባ ድማ ጉዳይ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረብሓሉ ዘይኮነስ፣ ንስትራተጂካዊ ቦታ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንረብሓ ምዕራባውያን ዝውዕለሉ ሃልኪ ጥራይ እዮም ዝፍጽሙ ዘለው። ብፍላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ረሲዑ “መርዓት ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ” ከምዝብሃል ምዕራባውያን ዝልኣኽዎ ተልእኾ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ እዩ ከም ቀዳምይ ዕማም ወሲዱ ዝዋናጨፍ ዘሎ።
ፕረሲደንት ኡሁሩ ኬንያታ ምስ ኢሰያስ ተራኺቡ ስትራተጂካዊ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንረብሓ ምዕራባውያን ዝውዕለሉ ተዛትዮም። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ረሲዑ “መርዓት ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ” ከምዝብሃል ምዕራባውያን ዝልኣኽዎ ተልእኾ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ይካይድ ኣሎ።
-
ስለምንታይ ግን ኢሰያስ ብፍላይ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ከሎ፣ ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ? ብዙሓት መራሕቲ ሰውራ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘይፈጸምዎ ገበን፣ ኢሰያስ ጥራይ ስለ ዝፈጸሞ፣ ብፍላይ እኳድኣ ነቲ ንወራር ኣዕራብ ብ700 ዓ.ም.ፈ. መኪቱ ንመላእ ህዝቢ ሓበሻ ካብ ምስልምና ሃይምኖት ዝተኻልኸለ። ንወራር መሓመድ ግራኝ ብ1540 ዓ.ም.ፈ. ኣባህሪሩ ዝሰዓረ። ንወራር ቱርኪ ብ1570 ዓ.ም.ፈ. ካብ መሬት ኤርትራ ጸራሪጉ ፋሕብትን ዘእተው። ንወራር ግብጺ ብ1875 ዓ.ም.ፈ. ጀለብዪኡ ነኺሱ ከምዝጠፍእ ዝገበረ። ንወራር ኮሎንያል ጣልያን ብፍላይ ኣብ ዶጓሊ ብ1887 ዓ.ም.ፈ. መላስ ኣውያት ዘይብሉ ዝገበረ። ንመስፍናዊ መግዛእቲ ንጉስ ሃይለ ስላሴ፣ ብ1974 ዓ.ም.ፈ. ዘዳኸመን ካብ ስልጣኑ ብቐስብ ንኽወርድ ዓቢ እኋም ዝተጻወተ። ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ነቲ ክሳብ ዓንቀሩ ብዘመናዊ ኣጽዋር ሶቭየት ሕብረት ዓጢቑ ንሰውራ ኤርትራ ንሓዋሩ ንኸጥፍኦ ዝመደበ መኪቱ ዝስዓረ ክነሱ፣ ሎሚ ግና ሰላሊ ኢሰያስ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ወዲህዝቢ ተመሲሉ ንራእዪን ዓላማን ህዝቢ ኤርትራ ጠሊሙን ሰሪቑን ንህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ወዲቑዎ ዘሎ ውድቀት ስለዘብጽሖ፣ ከም ገጸ በረኸት ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ከምዚ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ረኺቡዎ ዘሎ ስቓይን ህልቀትን ንኽረክብ፣ ምዕራባውያን መሃንድሳት ኣዕጢቖም ፈኒዮሞ ኣለው።
Recent Comments