ስለምንታይ ግን ኢሰያስ ብፍላይ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ከሎ፣ ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ?

እቲ ን50 ዓመታት ዝኣክል ሰላዪ መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ፣  ግንከኣ ንህዝቢ ንምዕንጃል ንኣሜሪካ ከምዝጸልእ ኮይኑ ድራማ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ሎሚ ነቲ ካብ 1966 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ብስዉር ክሰርሖ ዝጸንሐ ስለላዊ ስራሕ፣ ብግህዶ ብፍላይ ንስትራተጂካዊ ረብሓ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ብሓፈሽ ድማ ንምዕራብ ኤውሮጳባውያን፣ ኣብተን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን፣ ጅቡቲን፣ ኬንያን እንዳተወናጨፈ ወኪል ጽዮናውያን ኮይኑ ክለኣኣኽ ንዕዘቦ ኣሎና። ኣብዚ እዋንዚ ግና ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብተን 360 ዝኣኽላ ኣብያተ ማሰርትታት ብዘስካሕክሕ ባርባራዊ ስቓይ እንዳተሳቐየን፣ መንእሰይ ሃገር ገዲፉ ንስደት እንዳውሓዘን፣ ባህርያዊ ጸጋ ህዝቢ ኤርትራ፣ ከም ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን ብባዕዳውያን ሃገራት ተመዝሚዙ እንዳተጋሕጠን፣ ህዝቢ ኤርትራ ግና ዝስተማይን መብራህትን ጨኒቑዎ ዝሳቐየሉ ኩነት ዩ ዘሎ። መርዓት ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ! ከምዝብሃል ግና ኢሰያስ ወኪል ጽዮናውያን ኮይኑ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዑደታት ይፍጽም ኣሎ።

US delegation met with President Isaias Afwerki & other officials ...ድሕሪ ምብጻሕ ላaለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ መስርሕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይቃላጠፍ ኣሎ።  ቅድሚ ሃጸያውያን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቆጻጸሩዎ ንግዚኡ ብኣውትሶርሲንግ የካይዱዎ ኣለው። ካብቶም ንግዜኡ መንገዲ ጸረግቲ መርሲኔሪ ሓደ ከኣ ገዲም ሰላዪ ኣሜሪካ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ።