ኣቶም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ምስ እንዳ ሻዕብያ ዝኾኑ እንዳ ወያኔ፣ ዘይተነግረ እምበር፣ ዘይተገብረስ የልቦን!።

ሓደ እዋን ፖሊት-ቢሮ ወያኔ፣ ንጉዳይ ልዑላውነት ኤርትራ ዝጻረር ሓደ ስዉር ኼባ ኣካያዱ። ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ ዝነበረ ኣጀንዳ ድማ፣“እዚ ልዑላውነት ኤርትራ ዝብል፡ብወገና ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና፣ መኽንያቱ ተጽዕኖ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ስለዘሎና ከቢድ ጸገም ክስዕበና ስለዝኽእል፣ ብልዑላውነት ኤርትራክንኣምን የብልናን“ ዝብል ነበረ። ኣብዚ ዝርርብ እዚ ኣቶ ታምራ ላይነ፣ ነቲ ውሳኔ ፖሊት ቢሮ ወያኔ (ኢህኣዴግ) ብትብዓት ተቓወሞ። ኣቶ ታምራ ላይነ፣ ነቲ ብፖሊት ቢሮ ወያኔ (ኢህኣዴግ) መርገጽ ጸረ ልዕላውነት ህዝቢ ኤርትራ ዘቕረቡዎ ክሕደት ብትብዓት ስለዝተቓወሞ ብውዲት ብዘይተኣደነ ሓሶት ተወንጂሉ፣ ካብ 1ይ ሚንስተርነት ኢትዮጵያ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ተገብረ። እቲ ዘቕረበሎም ተብዕ ተቓሞ ድማ ከምዚ ዝስዕብ መኽንያት ነበረ፣-

“እዚ ትብሉዎ ዘሎኹም ርእይቶ ቅቡል ኣይኮነን፣ መኽንያቱ ቅድሚ ሎሚ መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ይኹን ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ፣ ብሰንኪ ሰውራ ኤርትራ ካብ ስልጣኖም ከምዝተኣልዩ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ታርኻዊ ሓቂ እዩ። እሞ ንሕና ከም ኢህኣዴግ ፓርቲ መጠን፣ ነዚ ሓቂዚ እንዳፈለጥና እንተድኣ ንልዕላውነት ኤርትራ ተቓዊምና ጽባሕ ብጊሓት ከምቲ ንመንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ይኹን ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ ዘጋጠሞ ውድቀት ከጋጥመና ከምዝኽእል ክንግንዘብ ኣሎና“ ክብል ተቓውሞኡ ገለጸ። ብተወሳኺ ዘቕረበሎም መጎታዊ ርእይቶ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ:- “ንሰውራ ኤርትራን ንራእዪን ህዝቢ ኤርትራ ብቐረባ ንፈልጦ ንፈልጦ ኢና። ሰውራ ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ.) ክሳብ ኣብ ዓወት ዝበጽሕ፣ ገና ኣብ ሜዳ ከሎና ዛጊት ብነጻነት ኤርትራ ዝእመና ክንስና፣ ሎሚ ከምዚ ዓይነት ክሕደት ኣብ ልሊ ህዝቢ ኤርትራ ከነርኢ ከሎና፣ እቲ ዕዳ ከምቲ ንመንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴን፣ ንግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስትን ዘጋጠሞም፣ ጽባሕ ብጊሓት ኣብ ልዕሌና ክወርድ እዩ“።

ብድሕሪዚ ሕቡእ ኣኼባ ፖሊት ቢሮ ኢህ.ኣ.ዴ.ግ.፣ ተኣምራት ላይነ ብሓሶት ተወንጂሉ ንዓመታት ክእሰር ብሓሶት ተፈርደ። እቲ ውዲት ግና ብመሃንድሳት ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ዝተኣልመ እዩ ዝነበረ። መራሕቲ ወያነ ድማ ካብ ኣምሆ ዘመን ንሜዳ ዝወፈሩ፣ ንውዲትን ተልእኾን ኢሰያስ ደጊፎም ንኤርትራ ኣብዝተናውሐ ጉዕዞ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር እዩ። ካብቶም ዓበይቲ ጸረ ልዑላውነት ኤርትራ ዝኾና ኣጀንታታ ወያኔ ከም ኣብነት እዘን ዝስዕባ 3 ምቕራብ እኹላት እየን፣

1ይ. ንነጻነት ዘድመጹ ኤርትራውያን ካብ ከተማታት ኢትዮጵያ ገፊፎም ንኤርትራ ምጥራዝ፣

2ይ. ብዶብ ባዱመዶ፣ ብዶብ ጸሮናዶ :ብዶብ ቡሮን፣ ጢዖን ኣሳቢቦም፣ ኲናት ብምውላዕ ካብ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ንላዕሊ መንእሰይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መንቊሶም።  ነቲ ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ  ዝበዝሕ ኣብቲ ከባቢ ዶባት ንመዋእል ክነብር ዝጸንሐ ህዝቢ  ኣዛናቢሎሞ።

3ይ. ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንኸይቃለሱ ከምዝቃለሱ ገሮም ፋሕ ብትን ብምእታው ዘምዘርሞ ኣእትዮምሎም።

ሎሚ ግና ከምቲ ተኣምራት ላይነ ዝተነበየሎም ትንቢት፣ እንሆ ብሰንኪ ኤርትራ ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ወዲቖም ንዕዘቦም ኣሎና።

ሓበሬታ፣

“ታምራት ላይነ” በብኡን በኣዲኡን ወዲ ሓላይ ኣከለጒዛይ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ሓላይ ኤርትራዊ ኣቡኡ ብንእስነቱ ከሎ ምስ ሞቱ፣ ኣዲኡ ወላዲቱ ኤርትራዊት ሒዘንኦ ንጎንደር ተሰዲደን፣ ኣብ ጎንደር ድማ ንደጃዝማች ላይነ ዝብሃሉ ኣምሓራይ ወዲ ጎንደር ተመርዕየን። ካብኡ  “ታምራት ላይነ”፣ እታ “ታምራት” እትብል ስም፣ ስም ሓደ ተጋዳላይ ኢፒኣርፒ እዩ ከም ዋርሳይ ወሲዱ። እታ “ላይነ” እትብል ስም መጸውኢ ስም ድማ፣ ስም ሰብኣይ ኣዲኡ ወዲ ጎንደር ደጃዝማች ላይነ ዝብሃሉ እዮም።

አቶ መለስ ዜናዊ ልጄን ብሌንን ምክር ቤት ሄዴህ ካልተናገርህ እንገድልብሀለን አለኝ! አቶ ታምራት ላይኔ

ፍሉይ ሓበሬታ

ኣብ ጭፍራ ወያኔ ንመግዛእቲ መለስ ዝቃወሙን፣ “ጉዳይ ልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ግብሪ ክውዕል  ኣሎዎ” ኢሎም ዝቃወሙ ሓርበኛታት፣ ብትእዛዝ ሰላዪ መለስ ዜናዊ  ይእሰሩ። ድሕሪ ማእሰርቶም ግና ነቲ ዝጠለቡዎ ጠለብ ወይ ተቓውሞ ክጠዓስሉን፣  ፎርም  ጣዕሳ ክመልኡን ክፍርሙሉን ይግደዱ። ነቶም ፍቓደኛታት ኮይኖም ፎርም  ዝመልኡን ዝፈረሙን ውልቀሰባት፣  ንወጻኢ ክወጹ ቪዛ ተዋሂቡዎም ካብ ኢትዮጵያ ይወጹ። እቶም እምቢ ካብ መርገጽና ኣይንቕዪርን ኢና ዝበሉ ግና፣ ብሓሶት ስሞም  ድሕሪ ምኻፋእ፣ ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ፣ ወይከኣ  ይቕንጸሉ። ካብቶም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ.፣ ድሕሪ ማእሰርቶም፣ ብውዲታዊ ሜላ ተፈቲሖም ክሳብ ሎሚ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዘለው፣  ከም ብዓል ገብሩ ኣስራት፣ ስየ ኣብርሃ፣ ታምራት ላይነ ወዘተ…….እዮም።

ኣስተብህል፣

መራሕቲ ወያኔ  ብፍላይ መለስ ዜናዊን፣ ስብሓት ነጋን፤ ስዩም መስፍን ኣባይ ጸሃየን ኣባይ ወልዱን…. ወዘተ…ካብ እዋን ሜዳ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ፣ ብመሃንድሳት ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካም (ሲ.ኣይ.ኤ.)ን፣  ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን (ኤም.ኣይ.6.) ዝሰልጠኑ ዕሱባት እዮም ። ኣብ ልዕሊ እቶም ንሰብኣዊ መሰልን፣ ንሃገራውነትን ኢሎም ተባዕ ተቓውሞ ዘልዕሉ ሃገራውያን ድማ፣ በቲ ጎይቶቶም መሃንድሳት ስለላ ዘዳለውሎም ውዲታት ይእስሩዎምን ይቕንጽሉዎምን። ኣባላት ፖሊት ቢሮ ወይ ላዕለዎት ሰበስልጣን ውድብ ወያኔ፣ ኩሎም  ኣባላት ስለላ መርበባት ባዕዳውያን እምበር ንሃገር ዝሓስቡ ሃገራውያን ኣይኮኑን። ከምኡ ስለዝኾኑ ድማ እንሆ ዛጊት ድሕሪ 27 ዓመታት ኣራባራብ ፈርከሽ-ከሽ ክብሉ ንዕዘቦም ኣሎና።

ብሓልዮ መርበብ ሓብሬታ ደቀባት ኤርትራ 6 ንሓሰ 2018 ዓ.ም.ፈ.