ኣብ መዋእል እቲ ንንቡር፣ ብጸረ ንቡር ኣጥፊኡ፣ ዘይንቡር ዝፈጠረ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ስለላን ኮለላን ቅትለንት ቅንጸላን ግብረሽበራን ቀንዲ መደብ ዕዮኡ እየን።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፣ ሎሚ ወኪል ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ስለላን ኮለላን ዘካይድ ዘሎ፣ ኣብ እዋን ሰውራ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ድንበዛንን ካርነሽምን፣ ዓንሰባን ማእለያ ዘይብሉ ቅትለትን ቅንጸላን ዝፍጽም ዝነበረ ገበነኛ እዩ። ኢሰያስ ግና ንባዕሉ ገበነኛን ግንከኣ ከዳሚ ጽዮናውያን ስለዝኾነ፣ ነቲ ብደም ዝጠስጠሰ ወዲ በላዕ ጣዕዋ ሽመት ውክልና ሂቡ ንሃገር እንግሊዝ ልኢኹዎ።

ወይ ጉድ! ኣየ መርገም!   “ሰብ ጸውዓለይ እንተበልኩዎስ ብዓል በለስ” ወዲ በላዕ ጣዕዋ ከኣ“His Excellency Ambassader Estifanos Habtemariam, Eritran Ambassador to the UK and Ireland“ ተባሂሉ። እሞ ኣብ ለንደን ብዲፕሎማት ደረጃ፣ ግንከኣ ኣብ ስለላን ኮለላን ተዋፊሩ፣ ንጎይታኡ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ዕድመ ስልጣኑ የናውሕ ኣሎ። ከም ብዓል ስዉእ ሃይለ ወልደትንሳኤ ዑቕቡ ከኣ፣ ድሕሪ 50 ዓመት ሓርበኛዊ ቃልሲ፣ ኣብ ዒራዒሮ ድሕሪ 17 ዘስካሕክሕ ማእሰርቲ ተሳቕዮም ሞይቶም።

ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስዕ ከምዝብሃል፣ ኣብዚ እዋንዚ ኩነታት ህዝብና ሃገርናን ኣብ ዘስካሕክሕ ሃለዋት ዘለወሉ እዋን ክነሱ፣ እቲ ብሞያ ቕትለትን ብቕንጸላን ዝፍለጥ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፣ (ወዲ በላዕ ጣዕዋ) ኣብ ከተማ ለንደን ይኣይ “ህዝባዊ“ ሰሚናር ከካይድ ምስ ፈተነ ብሓለፍቲ ጸጥታ ሃገር እንግሊዝ ተኣጊዱ ይብሃል ኣሎ።

ኣብዚ ዘሎናዮ ህሞት፣ ህዝቢ ዓለም ንህዝቢ ንግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ ክዒቡዎ ዘሎ፣ ሃገር ኤርትራ ድማ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወረደትሉን፣ ወርቅናን ባዕዳውያን ብነጻ ክዘምትዎ ከለው፣ መንእሰያት ኤርትራ ድማ ንስደት ዝምርሑሉ እዋን ክነሱ፣ ሎሚ እቶም ካብ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ ሃሱሳት “ኤርትራውያን ዜጋታት” ዝብሃሉ ኮራዂር እንዳ ህግደፍ፣ ኣብክንዲ ብሓባር ኣንጻር ሰሚናር ሰላዪ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ዝምክቱ፣ ሓሶትን ፕሮፓጋንዳን ሰላዪ ወዲ በላዕ ጣዕዋ ክሰምዑ ይኣይ ኣብቲ ንሱ ከዳልዎ ዝሓሰቦ ብ“ህዝባዊ ሰሚናር” ዝጽዋዕ ክካፈሉ ተጓዪዮም። እቲ ሰሚና ግና ፈሺሉ ተሪፉ።

መመክሕን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ። ኢሰያስ ንናይዝጊ ክፍሉን፣ ንግርማ ኣስመሮምን ዘይኮነስ፣ ንወዲ በላዕ ጣዕዋ ክኸውን እንተድኣ ኮይኑ፣ ዕድመን ጥዕናን ጥራይ ይሃበና እምበር፣ጽባሕ ብጊሓት ንኹሉ ከነድግመሉ ኢና።

ነዛ እናርኣናያ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ትወርድ ዘላ ሃገርና ኤርትራን፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዋና ዘይብሉ ዝሃልቀሉ ዘሎ ህሞት፣ስደት መንእሰይ ወለዶን፥ክንብድሃሉ እንኽእል፣ዘየወላውል መገዲ ሓቢርና ንሓባራዊ ሽግራት ምፍታሕ  ጥራሕ እዩሞ። ሃየ ኤርትራ ወይ ሞት ኢልና ንመክት። እንተዘይኮኑ መላገጺ ባዕዳውያን ምስኮንና ከጣዕሰና እዩ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
3 መጋቢ 2018 ዓ.ም.ፈ..