ጭፍራ ህግደፍ “ክልተ-ገጽ ሓደ ቅርሺ”፣ ምስ ጭፍራ ወያኔ ከምዝኾኑ  ዳርጋ ሎምስ መብዛሕትኡ ህዝቢ ተረዲኡዎ እዩ። ሕጂ ከኣ ወያኔ ንህዝቢ ንምድንጋር መዝሙር ሰላም ዝብሃል ሓዲሽ መዝሙር በቶም ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ ወይጦታት፣ ከዘምሩ ንዕዘብ ኣሎና።

ብወገን ህግደፍ ድማ ከም ሓለይቲ ህዝብን ሃገርን ተመሲሎም፣ መልሲ ነቲ “መዝሙር ሰላም” ዝብሃል ግንከኣ ብውዲት ዝተሰንዔ (ፌክ) ወፍሪ፣ ይኣይ መልሲ ክህቡሉ ንዕዘብ ኣሎና።ነዚ ውዲታዊ ወፍሪ እዚ ግና፣ “ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስዕ”፣ ኢልና ኢና ንሓልፎ። ወያኔ ሓቂ እንተዝህልዎ ነይሩ፣ ካብድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ግንከኣ ባርነት ኤርትራ፣ ን26 ዓመታት ነቶም “ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ” ዝብሃሉ፣ ንኸይቃለሱ ከቃልሶምን፣ ፋሕ ብትን ከብሎም ኣይምሓገየን ወይከኣ ኣይምኽረመን ነይሩ። ህግደፍ እንተኾነ ድማ፣ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ረሲዑ: “ዶብ ከይተሓንጸጸ ምዕባሌን ሕግን፣ ዲሞክራስያን ኣብ ኤርትራ የልቦን፣ ነዚ ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለው ከኣ ወያኔ እዮም”። እንዳበለ ጥራይ ክግዕር  እንሆ 16 ዓመታት ኮይኑ።

ካብ ቅድሚ 50 ዓመታትጀሚሩ ክሳብ ሎሚ “ዓወት ንሓፋሽ”! እንዳጨርሐ ጸኒሑ። ዽሕሪ ነጻነት ድማ፣ “ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ”! እንዳበለ ክሳብ ሎሚ ይግዕር ኣሎ። ሓፋሽ ግና ዝስተ ማይን፣ ዝበርህ መብራህትን ጨኒቑዎ “ኤህ! በታ ዝመጻእኩማ ጥፍኡ! ኤህ! “ኣምላኽ ይመንቑስኩም !” እናበለ ክራገም ከማርርን ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ። ህግደፍ ሓቅነት እንተዝህልዎ ነይሩ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ምስተርጎሞ ነይሩ። ከምኡ ግና ተልእኾኡ ኣይኮነን። ህዝቢ እንዳህለቐ፣ ዓወት ንሓፋሽ ኢሉ ክጭርሕ ግና ኣይሕፍሮን እዩ። ከምኡ ንኸይ ገብር ድማ፣ ብጎይተቱ መሃንድሳት ጽዮንነት ቀይድን ልጓምን ተገሩሉ እዩ።

ነታ ብባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደለት ሃገር ኤርትራ ድማ ንጽዮናውያን ንሓላሎም ሂቡዎም ወርቅናን ሃብትናን ይዘምትዎ ኣሎው።ንኾንቶ ጻሞኻ ኤሳው! ኣወ፣ “ነዚ ክትጥሕና ድኺን 30 ዓመታት ትርህጻ”። ኢሰያስ ጽዮናውያን ዋሕስነት ህይወቱ ብዋጋ ወርቂ ብሻ ስለዝኣተውሉ፣ ብሳተላይትን ብድሮንን ከኣ፣ ዋላ ኣብቲ ኮብሊሉዎ ዘሎ ቊሸት ዓዲ ሓሎ ኮይኑ ከሎ እንዳሓለውዎ፣ ዋርድያ ጽዮናውያን ኮይኑ እዩ ክቕጽል። ክሳብ ዝቕንጽሎ ሓይሊ ዝጋጥሞ ከኣ ብኸምኡ ኮብሊሉ ምስ ጠንቋሎን ዕቚራን ክነብር እዩ!!

ሽዑ ቀዳማይን ካልኣይን ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ብባህርያዊ ሞት ምስ ጸነተ፣ እቲ 3ይ ወለዶ ድማ ሃገር ገዲፉ ንስደት ሃጽ ምስበለ፣ እታ መሬት ጀጋኑ  ደቀባት ዝነበረት፣ ራሻይዳን እካብ ወዲ እካብ፣ ደቛሉ-ክናናን ምናናን ዋርሳይ፣ ጥራይ ምስተረፉዋ፣ ጽዮናውያን ብኣካል ብባጻዕን ብኣየርን ነታ ብሳላ ህግደፍ ክትሕሎ ጸንሓቶም እስትራተጂካዊት ምድረገነት ኤርትራ ንኽወሩን ክግብቱንን፣ ክማስሑን ክምጹ ክፍትኑ እዮም፣ ብኣምላኽ ግና እይክሰልጦምን እዩ!።

እወ፣  ህግደፍን ወያነን ነቲ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተኣልመ ውዲታዊ ምስጢር፣ ኣብ ግብሪ እናተርጎሙ ጥራሕ እዮም ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ተነጊሩዎም። ከምኡ እንተዘይ ገሮም ግና ከምታ ንሕዳሪናይ መለስ ዜናዊ ዘጋጠመቶ ምስማም ተሰሚሞም ክጠፍኡ ከም ምዃኖም ይፈልጡ እዮም። በብእዋኑ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተዋህቦም ሓዲሽ ሓዲሽ መደብ ዕዮታት ድማ ግድነት ከተግብሩዎ ኣለዎም። ንኣብነት፣ ጉዳይ “ሰንዓ ፎርም”፣ ጉዳይ “ምሕዝነት “ኪዳን፣ ጉዳይ “ሃገራዊ ዋዕላ”፣ ጉዳይ “ብሔራት”፣  “ጀበርቲ ኩናማ፣ ዓፋር”  ወዘተ….ሎሚ ከኣ “መዝሙር ሰላም” ከምዝዝመር እናገበሩ፣ ነቲ ገርሀኛ ህዝቢ ዕንክሊል ከብሉዎን፣ በዚ ሕሱር ውዲት እዚ ድማ ዕድሜኦም ከናውሑ፣ ምስ ጽዮናውያን መብጽዓ ኣትዮም እዮም። እወ፣ ድሮ እኳ ህግደፍ ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ 30 ዓመቱ ከብዕል ቀሪቡ ኣሎ። ወያኔውን ንይምሰል እዩ፣ ካብ እንዳ ህግደፍ ከምዝሓይሽ ንኽመስል ፓርላማ ገሩ እምበር፣ ብወያኔ ዝዝወር ፓርላማ ደይኮነን፣ ፓርላማ ፈላሊኻ ግዛእ፣ ብመሃንድሳት ዓባይ ብሪጣንያ ኤም.ኣይ6. ዝተሓንጸጸ ፕሮጀክት እኮ እዩ። ካብቶም እኩባት ሸፋቱ ሕገ-ኣልቦ ህግደፍ ግና ብትሕዝቶ ዘይኮነስ ብመልክዕ  ባይቶ ወያኔ ዝሓይሽ ይምስ።

ዝኾነ ኮይኑ ብሓደ ኣባል ኣብ ህላንድ ዝነብር “ዘሮ ሰለስተ” ስለላ መርበ ህግደፍ ዝተዳለወ “መልሲ ንወለዱ ዘይመስል ውላድ” ዘርእስቱን፣ ብወትሩ – ዓወት ንሓፋሽ!! ዝደምደመ መልሲ ኣንቢብና። ግሪም ሕጂ ከኣ እንዳ ህግደፍን ወያኔን፣ ንህዝቢ ዘደናግሩላ መቐነዪ ትኾኖም ውዲታውት ወፍሪ ረኺቦም ከኣ ኢልና። ተኻታተልቲ ንኽግምግሙዎ ኢልና ከኣ እንሆ ንዝርግሖ ኣሎና።

ብወገና ግና ነዚ መልሲ ተባሂሉ ተዘርጊሑ ዘሎ ጽሑፍ፣ ንዕድመ እቶም “ክልተ ቍጥሚ ግጥሚ” ዝኾኑ ወያኔን ህግደፍን ዘናውሕ ውዲታዊ ሜላ እዩ ኢልና ኢና ገምጊምናዮ። አረ እዚ ጽሑፍ እዚስ ብኢድ የማነ ማንኪ ከምዝተዳለወ ኢና እንግምት። እታ መርበብ ዘምህረትን የማነ ማንክን መስከረም ኔት ከኣ ከም ዓቢ ጉዳይ ገራ ዘርጊሓቶ። እታ “ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ”!! እትብል ጭርሖ፣ ብእምነት የማነ ማንክን ኢሰያስን፣ ብግብሪ፣ ህልቀት ንህዝቢ ኤርትራ ኮይና ትትግበር ከምዘላ ኢና ተረዲእና።

ብሓጺሩ፣ ነዞም ክናናን ምናናን ጭፍራ ህግደፍን ወያንኔን፣ ቀንዲ መሳርሕን ንብረትን ጽዮናውያን ምዃኖም ስለንፈልጦም፣ ዝኾነ ይኹን ዘምጽኡዎ ኣዋጃት ይኹን መዝሙራት፣ ንቑምነገርን ንፍታሕን ከምዘይኮነ ኣቐዲምና ቆብ ስለ ነብሎ ኢና። እወ፣ ንወደባሻውል ወዲ ገዛ ብርሃኑ ይፈልጦ ስለዝኾነ። ከምኡውን፣ እቲ ወፍሪ “መዝሙር ሰላም”፣ ንህዝቢ ንምድንጋርን፣ ዕድመ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን ንምንዋሕ ጥራይ ከምዝኾነ፣ እቲ ንታሪኻዊ መስርሕ ወያኔን ህግደፍን ዝከታተል ግዱስ ሃገራዊ፣ ከምዘይስሕቶ ኣጸቢቕና ኢና ንርዳእ።

በሉ እምብኣር፣ ነዚ ኣላኻ ኣዴኻ እንታይ በላኻ፣ ዝትሕዝቶኡ ኣብ ሆላንድ ዝርከብ “Eritrean Media Group Holland” ዝብሃል ኣብ መርበብ መስከረም ኔት ዝቐረበ ጽውጽዋይ ጽሑፍ፣ እንሆ ነቕርበልኩም ኣሎናሞ ሰናይ ንባብ።

“ኣብ መስከረም `ንወለዱ ዘይመስል ውላድ` ብዝብል ኣርእስቲ ብጸጋይ ኣስመሮም ተዳልዩ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ዘንበብናዮ ብዙሓት ክንከውን ንኽእል ኢና”። ኣነ ሓደ ካብቶም ዘንበቡ ስለ ዝኾንኩ ከምቲ ብቕድሚኡ ን`መዝሙር ሰላም` ኣመልኪቶም ዝቐረቡ ጽሑፋት ኣንቢበ ትም ዝበልኩ ሕጅስ ከጽቅጥ ኣይመረጽኩን” (ኣዋዳድቓ ቀለም የማነ ማንኪ ይመስል።) እነሆ ድማ ከም ኤርትራውን ናይቶም ንውዲታት ሃጸይነትን ዝርያ ክልቲኡ ደምበታትን ከምኡውን ቀንዲ መጋበርያኦም ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንበይኖም ገጢሞም ውዲታት ዘምከኑን ብቕልጽሞም ናጽነቶም ዝኣወጁን ጀጋኑ ኣቦታት ውላድ ምዃነይ ስለ ዝሕበን፣ ነዚ ዝበሃል ዘሎ ምስሉይነትን ንገርሀኛታት ከደናግር ተባሂሉ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣሕጽር ኣቢለ ክምልሰየ!”። ኣየ ጉዳም! ክንደይከ ትኽእለሉ! ተግባራይ ውድታት ሃጸይነት ተተግብሩ ድኣ ከይትህልዉ ብዓል ክናናን ምናና? !ዘይሓፍር ድሙ ገረማርያም ሽሙ!!

“ጸጋይ ኣስመሮም ብመሰረት ኣርእስቲ ጽሑፍካ `ንወለዱ ዘይመስል ውላድ` ኣነን ከምናተይ እምነት ዘለዎም ደሚርካ ብኤርትራውነትና ንኾርዕን ጉዳይ ኤርትራ ንኤርትራውያን ይምልከት ኢልና ንኣምንን”።

ከምኡ ኢልኩም ትኣምኑ እንተድኣ ኮንኩም ድኣሞ፣ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለኹም፣ ካብቲ ወዲ መድህን በራድ ጀሚሩ፣ እካብ ወዲእካብ እምበር ወደባትዶ ኣሎኩም እዩ?

“ካብ ኢድ ምዕራባውያን ብመንገዲ ወያነ ትኳቦ ዘይንጽበን ስለዝኾና ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ታሪኽን ጅግንነትን ዝፈጸሙ ወለድና ኢና ንመስል”። እናታ ሰብኣይ፣ ወርቅና ካብ ሃገርና ጓሕጒሑ ንጽዮናውያን ድኣ ይግዕዝ ከይህሉ። ካብቲ ሽያጥ ወርቅና ጥራይ ሃገርና ከም ሲንጋፖርን ስዊዘርላንድን ክትምዕብልዶ ኣይምኽኣለትን እያ። ንመን ከተዕንጅል ኢኻ ጎጉዱ ንቀሺ ንወያኔ ተጸግዓሎም ዘሎኻ? ንሃገርና ኤርትራ ጽዮናውያን ተማሲሖማ፣ ወርቃን ሃብቲ ባሕርን እንዳዘመቱ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ “ማይ ጠፊኣ፣ ሉቸ ከኣ ተቐልቂላ ነይራስ፣ ሕጂ ድማ ከም ኣመላ ተዓዚራ” ክብል ይውዕልን ይሓድርን ከይህሉ? እቶም መሓዙት ኢሰያስ እንዳ ወያነ ድኣ፣ ካብ ጁቡቲ ንኣዲስ ኣበባ ዘመላልስ መስመር ቅልጡፋት ባቡራት ሰሪሖም ከይህልዉ? ንስኹም ድማ እታ ብኮሎንያል ጣልያን ዝተሃንጸ ጽርግያታት ኣመሪትኩሞ ከምዘሎኹም ዶ ይርድኣኩም ብዓል እንጭዋ ክልተ ዓንደ! ህዝቢ ኤርትራ ገንዘቡን ውላዱን መሬቱን ብህግደፍ ተገቢቱ ከምዘሎ ትፈልጥ ዶ? ብኤርትራውነትና ንኾርዕን ጉዳይ ኤርትራ ንኤርትራውያን ይምልከት ኢልና ንኣምንን፣ ማለትካስ እንታይ ማለትካ እዩ? መንነትናን ሓቦናን፣ ውሉድናን ዘርእናን ድኣ ብሰንኪ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስን ኮራኹሩ ጭፍራ ስለላን ኮለላን ህግደፍ ይጸንት ከይህሉ? ጸኒሕናስ እንታይ ኢና ኣንቱም ልእኻት ጽዮናውያን መበል 21 ክፍለዘመን!!!

ካብ ኢድ ምዕራባውያን ብመንገዲ ወያነ ትኳቦ ዘይንጽበን ስለዝኾና ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ታሪኽን ጅግንነትን ዝፈጸሙ ወለድና ኢና ንመስል። ንስኻን መሰልትኻን ድማ ምናልባት ውላድ ናይቶም ምስ ስርዓት ሃይለስላሴ ይኹን መንግስቱ ተጸጊዖም ህዝቢ ኤርትራ ዘድመዩን ዘሳቐዩን፣ ጉዕዞ ናጽነትና ኪዓናቕፉ ዝሰርሑን ኣዝዮም ውሑዳት ከዳዓት ስለዝኾንካ (ብመሰረት ጽሑፍካ) ንመን ድኣ ክትመስል ንወለድኻ እምበር። እዚ ዝሕመረቱ ጽሑፍካ እምበኣር ወያነ – ወያነ ከምዝሽትት ነዞም ዝስዕቡ ጭብጥታት ንመልከዕ ንውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ዘምርሐ ቀያድን ናይ መወዳእታን ስምምዕ ኣልጀርስ ኢዩ`ምበር ኣብ ውሻጠ ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ ዝተኻየደ ካልእ ስምምዕ ኣይኮነን። እዚ ድማ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተኻየደ ሕጋዊ ሙግት ዝተዋህበ ብይን ኢዩ። ምትግባር ናይዚ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ ድማ ብስሩ ንመንግስታት ክልቲአን ሃገራት ዝምልከት ኮይኑ ከም ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካን እንግሊዝን . . . ወዘተ. ሓላፍነት ዝወሰድሉን ብዝለዓለ ዝተዋስኡሉን ጉዳይ ኢዩ። ሽግር ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ወያኔ ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኣየተግብርን ብምባሉን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓገብ ዘይምባሉን ኮይኑ እቲ ስርዓት ነቶም ዝዘርዘርካዮም ዘይቅቡላት ምስምሳት እናኣምጽአን ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኣማለድቲ እናለኣኸን ሸንኮለል ስለዝብል ዘሎ ኢዩ። እዚ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ጉዳይ ኣብ ውሻጠ ኢትዮጵያ ኪፍታሕዩ ኢልካ ምሕላን ከም ኣብ ውሑድ መዓልታት ዝበርዓነ ዕሸል ኪቑጸር ይከኣል።

ንውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ዘምርሐ ቀያድን ናይ መወዳእታን ስምምዕ ኣልጀርስ ከምዝነበረ ድኣ ኩሉ ሰብ እንድዩ ዝፈልጦ? ጽዮናውያንከ ነዚ ክትግበር ይደልዩዶ ይመስለካ? ኣርሕቕ ኣቢልካ እስከ ሕሰብ፣ ክሓስብ ዝኽእል ኣእምሮ እንተድኣ ኣሉዩካዩ ግን? 

ስምምዓት ኣብ ውሻጠ ኢትዮጵያን ኤርትራ ድኣሞ ንስኹም ወያኔን ህግደፍን ከሎኹም በየንን ብኸመይም እሞ ክንረኽቦ ? ጽዮናውያንባ ብሰንክኹም ዕሱባት፣ ገረብ ብሓኽላ ገሮም ክላገጹልና!! እወ፣ ኣዲኣ ገዲፋ ሓትኖኣ ትናፍቕ፣ ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን፣ ብሓፈሻ ድማ ህዝታብታት ኢትዮጵያን፣ ሓደ ሕብሪ ቆርበትን ሃይማኖትን ዘለዎም ኣሕዋት ደቂ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣግኣዝያን፣ ትረዛረብቲ ቋንቋ ግእዝን ትግሪኛን ኣምሓሪኛን ደይኮኑን? ። ንስኹም ግና ዕሱባት እቶም ንህዝቢ ኣፍሪቃ፣ ከም ኣቕሓ ዝሸጡዎ ዝነበሩ ጽዮናውያን ኮንኩም፣ ነዚ ኩሩዕን፣ ግንከኣ ገርሀኛን፣ ኣማኒ ኣምላኽን ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሕሊፍኩም ኣረኪብኩሞ። መሲሉኩም ድኣንበር ካባኹም የድሕነና፣ከድዓት ከሓድትን ኮንኩም፣ ክሳብ ትሞቱ ብሕፍረት ቀባሕባሕ እንዳበልኩም ክትነብሩ ኢኹም

“ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ሓሚቑ – ጸቢቑ፣ ሓይሉ – ደኺሙ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ነቲ ልኡላውነታ ከይድፈር፣ ልምዓታዊ መደባታ ከይተዓናቐፍ፣ ሓድነት ህዝባ ከይትንከፍ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ለይትን ቀትርን ዝሰርሕ ዘሎ ህዝቢ ይምልከት”።

ኣየ ውሕልነት! ኣየ መልሓስ! ልዑላውነት ሃገር ማለት ድኣ፣ ሓጋጊ ኣካልን፣ ፈራዲ ኣካልን፣ ፈጻሚ ኣካልን፣ ብህዝቢ ዝተሓርየ ፓርላማን ዘሎዋ ሃገር ማለት ደይኮነን። ንስኹም ብዓል ቕቍጥሚ ግና፣ “ሕጊን ፍትሕን  ብሰንኪ ወያኔ ኢና ዘየተግበርናዮ” ትብሉና ኣሎኹም ብዓል ቕቍጥሚ። ሕጊ ምሕንጻጽን ምትግባርን ምስ ወያኔ ዘተሓሕዞ ግና ፍጹም የብሉን። ቀንዲ ውራይኩም ሓሶትን ቅጥፈትን ምትላልን ስለዝኾነ ግና፣ በብዓይነቱ መኽንያታት እንዳፈጠርኩም ንህዝቢ ከተታልሉ ጥራይ ትኣርጉ ኣሎኹም። ውሕ(ድ ግዜ ንሓደ ህዝቢ ከተታልሎ ይከኣል እዩ፣ ብዙሕ ግዜውን ከተታልሎ ይከኣል እዩ፣ ንዘልኣለም ከተታልሎ ግና ዘበት እዩ። ህግደፍ ግና ሳላ መሃንድሳት ጽዮንነት ንህዝቢ ኤርትራ ንዘልኣለም ንኸተታልልዎ ገልዳሕ ትብሉ ኣሎኹም

ነዚ ዘተግብር ድማ ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ ከምዝበሃል ውላድ ናይቶም ንኤርትራ ከም ዓለማ ክትፍለጥ ዝገበሩ ሰብ ቅያ ጀጋኑ ወለዲ ኢዩ። ሓዘኒ ጸጋይ ኣስመሮም፣ ብደረፍትን ኣጣቓዕትን፣ ምሁራት ኢና በሃልትን (ዝርዝር ኣስማት ተሳተፍቲ መዝሙር ሰላም ኣብ መስከረም ተመልከት) ትግራይ ትግርኚ ክትምስረት`ያ ኢልካ ነብስኻ ምትላል ገዲፍካ ወዮ ድኣ ክትገድፎ ኣይትኽእልን ኢኻ`ምበር (መን ምዃንካ ስለዘነጸርካ) ብዛዕባ ድሕነት ናይቲ ነቀይ ነቀይ ዝብል ዘሎ ስርዓት ወያኔ ብዙሕ ስለዘገድሰካ እንተሓሰብካ ይሕሸካ። ደጊም ንስኻን መሰልትኻን ንኤርትራ ከም ጡብ ኣዲኹም ቅበጽዋ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ዝበልካዮ ኤርትራዊ ዕላማኡ ብመንገዲ ኢትዮጵያ ናብ ኤውሮፓን ካልኦት ሃገራትን ከሰግር ድኣምበር ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኪዳጎን ወይ ኣብ ኢትዮጵያ ኪነብር ዕላምኡ ኣይኮነን። ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ ከምዝበሃል እቲ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ መንበሪኡ ንምሕዳስ ዶላራት ዝኸፍል ምህላዉ ከም ሓለፋዶ ኪጽብጸብ ይከኣል። እቲ ንኤርትራውያን ጥራይ ዝወሃብ ዕድል ስደት ብስሞም ተጋሩ ዝጥቀምሉ ምዃኖምከ ተዘንጊዑ ድዩ? ነዚ ኣመልኪትካ “’እቲ ንኤርትራውያን ከም ደቁን ኣሕዋቱን ዝቕበል ዘሎ ህዝቢ ትግራይ’ውን ኣሎ’ ኢልካ። እዚ መርኣያ ፍቕርን ሓልዮትን ክልቲኡ ህዝብታት (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ኣብ ግዜ ሰውራ ይኹን ሕጂ ዝቐጽል ዘሎ ኮይኑ `እቲ ሕብሪ ዓይኖም ደስ እንተዘይኢሉና ዝደለናዮ ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና` ብምባል 70,000 ኤርትራዊ ዝመቦቆሎም ኢትዮጵያውያን ክዳውንቶምኳ ኪጥርንፉ ዕድል ከይሃበ ዘባረረ ስርዓት ወያነ ስለምንታይ ኢዩ ሎሚ ንኤርትራውያን ልዕሊ ኦሮሞ፣ ኣምሓራ፣ ሶማልን ካልኦት ብሄራትን ኢትዮጵያ ሓለፋ ኪገብረሎም (ከም ኣበሃህላኻ ድኣ`ምበር እዝስ ኣብ ባይታ`ውን የለን) ዝደሊ ዘሎ? ደቂ እዞም ብሄራት እዚኦምዶ ኣይኮኑን ኣብ ኲናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መዝሓል ጥይትን ቀለብ ኣሞራን ዝኾኑ። ካብቲ ስርዓት ዝረኸብዎ ሞሳ እንተልዩ ድማ እዚ ኣብዚ እዋንዚ ንርእዮ ዘለና ምጭፍጫፍን ምዕፋንን ኮይኑ ከምግብረ መልሲ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣብ ዝለዓለ ጫፉ በጺሑ ምህላዉ መጽሄት AFRICA ካብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ ከም መዛዘሚ ጽሑፈይ ክጠቅስ ኢየ።

መዝሙር ሰላም – ብ ‘ሰለብሪቲ አቨንትስ’ ተዳልዩ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኪፈትሕዩ ምባልካስ እንታይ ማለትካ ኾን ይኸውን? መርገጺ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ‘ናህና ኣይንህብን፣ ዘይናህና ኣይንደልን በቲ ሓደ ወያነ ዝዝውሮ ኢህወደግ (ከም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት መጠን) ካብ ሓራ መሬትና ንግሆ ዝሰሓበ ንምሸቱ ክንዛተ ድሉዋት ምዃና’ ንዓለምኮ ተገሊጹ ኢዩ። ነዚ ዝተሓስመ ወያነ ድኣ ሕጂ እንታይ ተኣምር ተረኺቡ ኢዩ ብደርፍን ዳንኬራን ዶብ ኤርትራ ኪገድፎ ኢየ ይብል ኣሎ ትብለና ዘለኻ። እቶም ብስም ኤርትራውያን ዘጣቕዑ ዘለዉ ድማ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሽግር ስለዘይብሉ ብዙሕ ኣይትሰከፉ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካውን ጎነጻውን ቃልሲ ድማ ብጽሞና ተኸታተልዎ። እቶም ከምዚ ኸማይ ደቂ ሰራሕቲ ቅያን ጀጋኑ ሃገራውያንን ዝኾንኩም ናብ ኢትዮጵያ ዝወሰደኩም ዕላማ ተረዲእኩም ቀልጢፍኩም እንተወጻእኩም ዝሓሸ ኢዩ። እንተ ዘይኮይኑ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ትም ምባል ንመን ይጎድእ። ‘ትም ዝበልና፣ ትም ክንብል ስለዝመረጽና ኢዩ’ ዓቢ መልእኽቲ ዘለዎ ናይ ህግሓኤ ኮነ መንግስቲ ኤርትራ ኣበሃህላ ስለዝኾነ ኣይትተሃመሉ። ኣብቲ ስርዓት ወያኔ ምስ ብሄራት ኢትዮጵያ ዘለዎ ወጥሪ ኢድኩም ኣይተእትዉ።

ሓደ ዘገርም ትንታኔ ብዛዕባተን ኣብ ኢንክዩቤተር ወያነ ተጫጪሐን፣ ብስነ ሓሳብ ወያኔ ተመልሚለንን ተሓብሒበንን ኣብ ወጻኢንቀሳቐስ ኣለና ዝብላ ዓሰርተታት ጉጅለታት’ዶ ክንብለን ምትእኽኻባት ዘለወን ዝተፈላለየ ትሕተ ሃገራዊ ዕላማታት (ብኣውራኡ ንኸምኡ ኢለን ስለዝተፈጥራ) ከም ፖለቲካዊ ሽግር ህዝቢን መንግስትን ኤርትራ ጌርካ ምቕራብካ ብወያኔ ፕሮግራም ኮይነን ዝተሰርሓ ሮቦታት ምዃነን ክሕብረካ እፈቱ። ዕላማአን ብዘየገድስ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ግስጋሴ ኤርትራ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይብለን ንስኻን ለኣኽትኻን ኣዳዕዲዕኩም ትፈልጥዎ ጉዳይ ኢዩ።

ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ፣ ለኻኺሙካ ከይከይድ ዘስምዕ ምስላ ኣቦዋት ኢዩ’ሞ በዛ ዓለም ብዛዕባ ወያነ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ትብሎ ዘላ ኣብ መጽሄት ኣፍሪቃ ናይ 27 መስከረም 2017 (ኣብ መስከረም ዝተዘርግሐ) ካብ ዝወጸ ጽሑፍ ኣቕሪበ መልእኽተይይ ክዛዝም።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ መጽሄት ብሰሪቲ ስርዓት ወያኔ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኽተሎ ዘሎ ጭቆናን ሽበራን እታ ሃገር ብልዑል ናህሪ ናብ ዕግርግርን ውድቀትን ተምርሕ ኣላ ድሕሪ ምባል እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብብሄራት ኦሮምያ፣ ኣምሓራ፣ ሶማልን ካልኦት ብሄራትን ዝቐረበ ጥርዓናትን ሕቶታትን ግቡእ መልሲ ስለዘይረኸበ ስርዓተ ኣልቦነት ዝነግስ ምህላዉ ገሊጹ። እዞም ክልተ ሲሶ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣህዛብ ምስቲ ስርዓት ዘለዎም ቅርሕንቲ ሰፊሕን ዓሚቕን ኢዩ።

ብቓላት ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ `እዚ ህዝብታት ኢትዮጵያ ምስ ገዛኢ ስርዓት ዘለዎም ነዊሕ ዝጸንሐ ቅርሕንቲ ከምዚ ዘለዎ ከይተፈትሐ እንተቐጺሉ ዕድልና ከምቲ ንሶማል ን26 ዓመታት ዝሕምሳ ዘሎ ስርዓተ ኣልቦነት ኪኸውን ኢዩ፣ ምባሉ ጽሒፉሎ። ህዝባዊ ዓመጽ ምልክት ውድቀት መንግስቲ ኢዩ፣ እዚ ድማ ወለል ኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ይርአ ኣሎ።

ህዝባዊ ዓመጽ ምልክት ውድቀት መንግስቲ ምዃኑ ድኣ ኣብ ኤርትራ ካብ 1993 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ወለል ኢሉ ጥራይ ዘይኮነስ ነጊሱ እንድዩ ዘሎ። ኣብ ኤርትራኸ ከምቲ ንሶማል ን26 ዓመታት ዝሕምሳ ዘሎ ስርዓተ ኣልቦነት የሎን ማለካ ድዩ።[/button]

እቲ ን25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ (ብወያኔ ዝዝወር) ኢህወደግ ናይ ምምሽማሽ ምልክት የርኢ ኣሎ፣ እዚ ድማ በቲ ኣብ መንጎ ሲቪላውን ወተሃደራውን ስለያ ዘሎ ግርጭት ኪግለጽ ይከኣል። ህጹጽ ወተሃደራዊ ኣዋጅ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ምጽንሑ፣ ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ቀጺሉ ድማ ኦሮምያን ሶማልን ዝተራእየ ምፍሕፋሕ መርኣያ ውድቀትን ምንጋስ ስርዓተ ኣልቦነትን ኣብ ኢትዮጵያ ዘመላኽት ኢዩ . . . ወዘተ. ብምባል ነዊሕ ሓተታ ኣስፊሩ ይርከብ።

ኣብ ኤርትራኸ፣ ን26 ዓመታት ደይኮነን ካብ 100 እቶት 100 ሓሶት እንዳነዝሐ፣ ነቲ ሕማማቱ ንወያኔ እንዳላገበ ክሳብ ሎሚ ዘሎ። ምልክት ምምሽማሽ ዘይኮነስ መሽሚሹ ደይኮነን? ህጹጽ ወተሃደራዊ ኣዋጅ ድኣ ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ግዜ ከይህሉ? ህዝቢ ኤርትራ ብወተሃደራዊ ስለያ ጥራይ ይእሰርን ይምቋሕን ከይህሉ?

ነዚ እናረኤኻን እናሰማዕካን ንስርዓት ወያኔ ኣሚንካ ዓዲ ኣማንዩ ኢልካ ምቕሳንን መደባት ወያኔ ንምትግባር ላዕልን ታሕትን ምባልን ንኤርትራውያን ምስ ምንታይ ኪቕጸር ኮን ይኸውን። ነቶም ኣብ ውጽኢት ዘይብሉ ምንቅስቓስ ተታሊልኩም ወይ ግንዖ ክትረኽቡ ኢልኩም ትንቀሳቐሱ ዘለኹም ኤርትራውያን ንወያኔ ዝተሓስበ ውሕጅ ከይልክመኩም መንገድኹም ጽረጉ። እናሰምዐ ዝደቀሰስ ነቕኒቕካዮ ነይትስእ ከምዝበሃል ከይከውን ነገሩ። ዎ ደሓንኩም።

ወትሩ – ዓወት ንሓፋሽ!!
By Eritrean Media Group Holland .