ብጽዮናውያን ዝተመልመሉ መለኽቲ፣ ከም ብዓል መላኺ ሕገኣልቦ ተንቤናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድማ፣ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ንረብሓ ጽዮናውያን ዝኽድሙ ገና ኣለው። እዞም ኣረሜን መለኽቲ ግንከኣ ኣገልገልቲ ጽዮናውያን እዚኦም፣ መንነቶም ሸይጦም ንመዋእል ንኽነብሩ ዋሕስነ ጽዮናውያን ብግቡኣ ኣለዎም። ክሳብ ብባህርያዊ ሞት ዝሞቱ ድማ ንህዝቢ ብባርባራዊ መግዛእቲ ንኽገዝኡዎ፣ ብስለላ መርበብ ጽዮናውያን ተሓልዮም ይነብሩ ኣለው።

እወ፣ ፊደል ካስትሮ እውን እንተኾነ መሳርሒ ጽዮናውያን እንድዩ ንመዋእል ጸኒሑ። ረቂቕ ውዲታዊ መደብ ዕዮ ጽዮናውያን ከተግብር ከኣ ክሳብ ግዜ ሞቱ ትልኽ እንዳበለ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ሓሊፉ። ጎይቶቱ ብዓል ሮክፈለር ክንሶም፣ ከም ገስጋሲ መራሕ ሃገር ኩባ ኮይኑ ሽጋርኡን ሽኮሩን፣ ባካርዲ ኣልኮላዊ መስተን እንዳሸቀጠ፣ ነቶም መሳኪን ህዝቢ ኩባ ክሳብ ግዜ ሞቱ ገዚኡዎም። እወ፣ ከምኡ እንድዩ እቲ ጽሑፍቶ፣ እዛ ብጽዮናውያን እትዝወር ዘላ ዓለምና። ከመይድኣ፣ ብቐደሙስ ዘመን ግንርንቢጥ ማይ ንዓቐብ እንድዩ። እቲ ዘሎናዮ ከርፋሕ ዘመን ሓዲሻ ዓለማዊ ስርዓት፣ እቲ መደቡ ከምኡ እኳ እዩ። ዘምን ማሕበር ሰይጣን፣ ዘመን ደም ምፍሳስ፣ ዘመን ሕልና ኣልቦ። ዘመን ባህርያዊ ሃብቲ ምዝማት፣ዘመን ኣራባራብ። እወ፣ ጎጉዱ ንቀሺ፣ ንህቢ ምምዝማዝን ግንከኣ ምህላቕን፣ ንብረቱ ምዝማትን።

ፊደል ካስትሮ ብ13 ንሃሰ 1926 ዓ.ም.ፈ. ተወሊዱ፣ ብ2016 ዓ.ም.ፈ. ን47 ዓመታት ከም ቀዳማይ ሚንስተር ሃገር ኩባ ኮይኑ ገዚኡ። ን30 ዓመታት ድማ ከም ፕረሲደንት ሃገር ኩባ ኮይኑ ንመስኪን ህዝቢ ኩባ ገዚኡዎ። ኣብ 90 ዕድሜኡ ከኣ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ኣብተን እዝግሄር ዝጸልኣለን ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፣ ከም ብዓል ምቡቱ ሴሰ ሴስኮ ገዛኢ ሃገር ኮንጎ ንህዝቢ ኮንጎ ኣሳቒዮም፣ ባህርያዊ ሃብቲ ኮንጎ ድማ ንጽዮናውያን ኣረኪቦም ሓሊፎም። ከም ብዓል ኣረጊት ሰላዪ ሮበርት ሞጋበ፣ ገዛኢ ሃገር ዚንባቨ ድማ፣ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ብጽዮናውያን ተመልሚሉ ብስለላን ኮለላን ዝሰልጠነ፣ ገና ከኣ ብስዉር ኣባል ማሕበር የሱሳውያን ኮይኑ፣ ምስ ቫቲካን ዝሰርሕ ዘሎ ኣረሜን ሰላዪ፣ ገና ንህዝቢ ዚንባቨ ኣንዳሳቐየ ንረብሓ ጽዮናውያን ይኽድም ኣሎ። ገና ከኣ ይነብር ኣሎ። The Jesuits – (JHS) also known as the Society of Jesus, are an international religious order of men within the Catholic Church.) ኣቶ ሞጋበ ገና ወዲ 92 ዓመት ክነሱ፣ ኣብ ኣኼባ ፓርላማ ትኽስ እንዳበለ፣ ነቲ መስኪን ህዝቢ ዚንባቨ ገና ከም ካስትሮ ክሳብ ዝፋኖ የሳቕዮም ኣሎ። እወ፣ እዚኦም ጥራይ እኳ ኣይኮኑን እቶም ብጽዮናውያን ዝተመልመሉ ርኹሳት ወይጦታት ኣፍሪቃውያን፣ ኣወ፣ ኣለው እምበር ከኣ ሓደስቲ ክታብ ጽዮናውያን ዝኾኑ ሰለልቲ መበል 21 ክፍለዘመን። ኣብታ ካብ ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ኣትሒዛ፣ ዓዲ ፍትሕን ዓዲ ሕገእንዳባን፣ ዓዲ ቅዱስ ኦሪታዊ ኦርቶዶክሳዊት-ተዋህዶ ሃይማኖት፣ ዓዲ ዴሳዊ መሬትን፣ ዓዲ ውርዙይ ባህልን፣ ዓዲ ባሕሪ ዝኾነት፣ ምድረ ባሕረነጋሲ፣ ሎሚ ድማ ብኤርትራ ዝብሃል ስኑዕ ስም እትጽዋዕ ሃገር፣ ጽዮናውያን ብመደብ ካብ ስሳታት ጀሚሮም፣ ሓደ ዕዋላ ሰላዪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተባህለ፣ ካብ ማይቤት ተንቤን፣ ብጉርሕን ብጸገም ገንዘብን ዝተሳቐዩ ዓሌት መልሚሎምን ኣሰልጢኖምን፣ ክሳብ መሰታ ፊደል ካስትሮ ዝኸውን ገና ንኸጽንተና ኣዋፊሮምልና ኣለው።

እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ጉዳይ ድማ፣ ምሁራትና ይኹኑ መራሕቲ ውድባትና፣ ካብ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ጥራይ ስለዝሕስቡ፣ ህዝቦም በዚ እከይ ልኡኽ ጽዮናውያን እንዳጸነተሳቐየ፣ ብገንዘብ ተታሊሎም እንዳርኣዩ ከምዘይርኣዩ፣ እንዳሰምዑ ከምዘይ ሰምዑ፣ እንዳተዛረቡ ድማ ከምዘይዛረቡ ኮይኖም፣ ህዝቢ ምድረባሕሪ ዘራይ ዘይብሉ እንዳ ጸነተ ከልሎ፣ ኣማዕድዮም ይዕዘቡዎ ኣለው። ሕብሮም መልክዖምን ደቂ ምድረባሕሪ (ኤርትራውያን) ክነሶም፣ ህዝቢ ምድረባሕሪ (ኤርትራ) እንዳጸነተ ዋላ ተላኻኺምና እንዳጠፋእና፣ ብባጠራ ጽዮናውያን ተታሊሎም ኣማዕድዮም ይዕዘቡ ኣለው። ተንቤናይ እሰያስ ግንከኣ ሰላዪ ንኽኸውን ብጽዮናውያን ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ ዝተሓርየ፣ ኣብ ቁሸት ዓዲ ሃሎ ኮብሊሉ እንዳነበረ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ተካኢ መንእሰይ ወለዶኡን እንዳጽነቶ፣ብማይን ብመብራህትን  ተጠቒሙ ድማ ብጎረርኡ ሓኒቑ ዓፍራ ክሳብ ዘውጽኣ የሳቕዮ ኣሎ።

እወ፣ ንሱውን፣ ከም ፊደል ካስትሮ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዝጽውዖ፣ ነዛ ብባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደለት ኤርትራ ንባዕዳውያን መታን ከረክባ፣ ንሶም እቶም ማሕበር ሰይጣን ጽዮናውያን ቾብላ እንዳበሉዎ ገና ነታ ሃገረ ከንኣን ንዓኣቶም ንኸረክባ፣ ንህዝቢ እንዳጽነተ ገና ገልዳሕ ይብል ኣሎ። እወ፣ ነቲ መስኪን ገርሀኛ ህዝብና፣ ክሳብ ትንፋሱ ትመሉቕ ሰጥ ለበጥ ኣቢሉ ይገዝኦ ኣሎ።

መስኪን ህዝቢ ኩባ እንተኾነውን ምኣስ ጽቡቕ ረኺቡ። እቲ ፍርቁ ህዝቢ ኩባ ኣብ ሃገር ኩባ ከርፋሕ ናብራ ይሕልፍ ኣሎ። እቲ ፍርቂ ህዝቢ ድማ ኣብ ሚያሚ ኣሜሪካ ደይኮነን ዝነብር ዘሎ።

ህዝቢ አርትራ ድማ ካብቲ ሓደ ክፋል ህዝቢ ኣብ ስደት፣ እቲ ሓደ ክፋል ከኣ ኣብ ማእሰርቲ፣ እቲ ፍርቂ ህዝቢ ድማ ኣብ ዕስክርና፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ብባህርያዊ እርጋን ንሞቱ ዝጽበ ዘሎ እዩ። ነዚኣ ሃገር እዚኣ እዩ እምብኣር ኣይተ ኢሰያስ ዝገዝኣ ዘሎ። ግዝኣትና ኣይግበሮ። ብቐደሙስ ኩቱዶ ዋጋ የውጽእ እልዩዎ ድኣ ዘምጽእ።

ውዲት ፊጽዮናውያን ፊደል ካስትሮ ከይተጋህደ ብስዉር ክሳብ ግዜ ዕረፍተ ሞቱ ጸኒሑ። ነቶም መጻሕፍቲ ዝገናጽሉን፣ ታሪኽ ዝፈልጡን ሰባት ግና፣ ካስትሮ ሓደ መሳርሒ ጽዮናውያን ኣኳድኣ ብማይቤት ሮክፎለር ተመልሚሉ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ስዉር ሰላዪ ጽዮናውያን ምኻኑ ኣይስሕቱዎን እዮም። ነቲ ገርሀኛ ህዝቢ ዓለም ግና፣ ይኣይ ከም ገስጋሲ ደሳዊን መራሕ ሸቃሎን ተባሂሉ ክጽወየሉ ክሳብ ግዜ ሞቱ ጸኒሑ።

ንኢሰያስ እንተኾነውን፣ ከምታ ንካስትሮ ዝቴጠቕምሉ ገና ትንፋስና ከውጽኣና ቾፕላ ክብሉዎ እዮም። ግና ንመን ኢሉዎ፣ ሃንደበታዊ መንፈሳዊ ስጉምቲ (ዲቫይን ኢንተርቨንሽን) ክመጽእ እዩ። እዚ ሎሚ ዘመን መጺኡ ዘሎ ምሩጽ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ግና፣ ምናልባት እቲ ዘውጽኦ ፖሊሲ ነዞም ኣራዊት ዝኾኑ ብጾት ፊደል ካስትሮ ዝምንቁሶም እዩ ዝመስል ዘሎ እሞ፣ እስከ ይግበሮ እዩ ዘብል።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኣግኣዝያ