መልሲ ነቲ ብዕለ 17.12.2016  ተዘርጊሑ ዝነበረ፣መለለዪ ህዝቢ ኣግኣዝያን ትፈልጡዎዶ? ዝብል  ሕቶ። ስለምንታይ ኣብዚ እዋንዚ ድሕሪ ኲናት ዶጓሊን ዓድዋን፣ በቶም ካብ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ፣ ብዓል ክናናን ምናናን ኢሰያስን ጭፍራ ህግደፍን፣ ወለዶ ህዝቢ ኣግኣዝያን (ሎሚ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን) ይጸንት ከምዘሎ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ዝኽእል ሓጺር ትንተና።

ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝጠፍእ ዘሎ፣ ብጭፍራ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን። ጭፍራ ህግደፍ መሳርሕን ኣገልጋልን ጽዮናውያን ኮይኑ ብረቂቕ ውዲት ዝተጠፍጠፈን ዝላደየን ንዋት ጽዮናውያን እዩ። ኢሰያስ ምስ ኮራኹሩ ጭፍራ ህግደፍ ንዓላማን መደብን ኮሎንያል መግዛእቲ ጣልያን ንኸተግብር፣ ህዝቢ ኤርትራ ብገርሁ ከሎ ብረቂቕ ውዲት ጽዮናውያን ዝተሰንዐን፣ ብፍላይ እኳድኣ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ንኸጽንት ዝተመልመለ ወኻርያ ዝዮናውያን እዩ።

ስለዚ ኢሰያስ እፈወርቂ (ቴንቤናይ) ብብጊሓቱ ንሜዳ ክወፍር ከሎ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኢሉ ዘይኮነስ፣ ብኣንጻሩ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒቱ ነቲ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ንጽዮናውያን ንኸረክብ ጥራይ እዩ። ስለዚ ዓሰብትን ኣዋፈርትን ኢሰያስን ጭፍራ ህግደፍን፣ ስዉራት ሓይልታት ግንከኣ ኣምሆ ዘመን ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ሎሚ ከኣ ኤሊት መሃንድሳት ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት እዮም። 

ህዝቢ ኤርትራ ንምዃኑኸ እንታይ ስለዝበደለ እዩ ንኽጸንት ተፈሪዱ? ንዝብል ሕቶ ድማ መልሱ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፣
ህዝቢ ኤርትራ ዝበደሎ ነገር የልቦን። ብዘይ ምግናን ግንከኣ ሓቂ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብኣምላኽ ዝተሓርየን ብባህርያዊ ጸጋ ድማ ዝተዓደለን ህዝቢ ስላዝኾነ፣ ካብ ቅንእን ቅርሕንትን ዝተላዕለ ጥራይ እዮም፣ ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ከጽንቱዎ ገልዳሕ ዝብሉ ዘለው። እቲ ቀንዲ መኽንያት ድማ፣ ህዝቢ ኣግኣዝያን ካብ መዋእለ መሴ ጀሚሩ ቅኑዕን ጅግንነትን ምዕባሌን ቅዱስ እምነትን ስለዝወነነ፣ ንሶም ግና ካብ ብጊሓቱ ደቂ ያፌት (ጉግማጊ ወይከኣ ጁጅማጁጅ) ጸረ ሙሴን  ኦሪታዊ ሃይማኖትን ወይከኣ ጸረ ክርስቶስን ስለዝኾኑ፣ ካብ መን ሓመቕና ካብ ዝብል እከይ ቅርሕንቲ፣ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ኣጽኒቶም፣ ነቲ በረኸት ኣግኣዝያን ዘሚቶም ንሓዋሩ ኽወርሱዎን፣ ንሶም ጥራይ ድማ ነዛ ነንብረላ ዘሎና ፕላኔት ንኽቆጻጸሩዋ ስለዝሓልሙ ጥራይ እዩ። ሕልሚ ደርሆ!!!

 መልሲ፣ ነቲ ስለምንይ ግና ማእለያ ዘይብሉ ምዕድን ሃገር ብባዕዳውያን ንወጻኢ ተጓሕጒሑ እንዳግዓዘ ከሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ግና ዋና ሃብቱን ጸግኡን ክነሱ፣ ባርነታዊ ህይወት እንዳሕለፈ ንባህርያዊ ጸግኡ ኣማዕድዩ ንኽርእዮ ኮይኑ ? እንታይ ኮን ይኸውን እቲ ስዉር ምስጢር? ንዝብል ሕቶ ድማ መልሱ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ጽዮናውያን ገና ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ስርቅን ዝምታን ቅትለትን ስለዝኾነ ኣመሎም፣ ነቲ ባህርያዊ ጸጋ ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ማለት ቀይሕ ባሕሪ፣ ፈለግ ኒል ተከዘን፣ ዓንሰባን ኣትባራን፣ ቀላይ ጻናን ንኽግብቱ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ህርፋንን ሕልምን ስለዝነበሮም፣ ነዚ ባህርያዊ ጸጋ ኣግኣዝያን ንምዝማት እምብኣር፣ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ከጽንቱዎ ግድነት እዩ። መልሲ ነቲ ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብዘይ ግሁድ ኲናት እሞከኣ ብመደብ ብማእሰርትን ብስዉር ቅንጸላን፣ ብስነኣእምራዊ ሽበራን፣ መንነቱን፣ ጅግንነቱን፣ ዘርኡን፣ ባህሉን፣ ሃይማኖቱን ይጠፍእዎ እሎው? ንዝብል ሕቶ ድማ ብከምዚ ክግለጽ ይከኣል፣

ነቲ ባህርያዊ ጸጋ፣ ክቡር ማዕድናትን፣ ዘይትን፣ ፍርያም መሬትን፣ ስትራተጂካዊ ቀይሕ ባሕርን፣(Resource) መታን ክዘምቱን ክግብቱን፣ ኣቕቀዲሞም ነቲ ዘይሕለል ዋናኡ ዝኾነ ህዝቢ ኣግኣዝያን ክጸንትዎ ግድነት ኮይኑዎም። እቲ ህዝቢ ምስ ጸነተ ድማ፣ ብባህርያዊ ጸጋ ዘይተዓደሉ፣ ወይከኣ ባህርያዊ ጸጋ ዝተነፍጎም፣ እወ፣ ኣብ ቁርን በረድን ኣስሓይታን ዝነብሩ፣ ነቲ ፉንፉን ሕብሮም ኣጸባቢቖም ብስም „ጽዕዳ“ ክፍለጡ ዝደልዩ፣ ግንከኣ ሕብሮም ዝሓለቐ ስጋ ወይከኣ ምጕሊ ዝመስል ክነሱ፣ ነቲ ዘቕንኦም ውጁህ መልክዕን፣ ተፈታዊ ሕብርን ቅርጽን መልክዕን ዘለዎ ዓሌት ኣግእዝያን፣ኣጽኒቶም ንብረቱ ንምዝማትን፣ ንሶም ከኣ ብሉጻት ኮይኖም ኣብ ዓለም ንምቕራብን ጥራይ እዩ።

እቶም መለለዪ ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝኾኑ ረቋሒታት፣ ካብቶም ብዙሓት እዞም ዝስዕቡ እዮም። ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ቅዱስ ኦሪታዊ ሃይማኖትን ፍትሓዊ ኦሪታዊ ሕጊ እንዳባን ኦሪታዊ ስርዓተ ዴስነትን፣ ነቕ ዘይብል ፍቕሪ መሬትን ባሕርን ዘለዎ፣ ብመንነቱ ዝኾርዕ ጅግና ህዝቢ እዩ። ካብ ኤውሮጳውያን ኣዝዩ ዝተፈልየ፣ ካብ ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሩ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዘኽብር ህዝቢ ዝነበረ እዩ። እኳድኣ ካብ መላእ ዓለም ኣብ ሃገር ኣግኣዝያን ጥራይ እየን ቀዳሞት ነገስታት ደቂ ኣንስትዮ ዝነበራ። እዚ ድማ ብጭቡጥን ብታሪኻዊ መርትዖን ዝተሰነየ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። እወ፣ ውርዙይ ባህልን ልምድን ስብኣዊ መሰልን፣ መሰል እንስሳ ዘገዳም ከይተረፈ ዘኽብር ሕዝቢ እዩ ዝነበረ። ዓሚቝ ምስጢር ዝሓዘ ቋንቋ ትግሪኛን ፊደላት ትግሪኛን ዝምሃዘን ዝወነነን ህዝቢ እዩ። “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ“ ኢሉ ዝኣምን ህዝቢ ኮይኑ፣ ጀማሪ ሃይማኖትን ፍትሓዊ ምሕደራን፣ ካብ ኢዱ ድማ ጥንታዊት በትሪ ሙሴ ዘይፈሊ ኦሪታዊ ህዝቢ እዩ። ንመረዳእታ፣ ካብ መላእ ዓለም፣ ኩሉ ኣብ ሃገረሰባት ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ፣ ዓቢኡ ንእሽቶኡ፣ ካህኑ ፈላሲኡ፣ ኣቡኑ፣ ጳጳሱ፣ በትሪ (ብትሪ) ዓቲሩ ዝኸይድ ህዝቢ እዩ። እታ ምልክት እታ በትሪ ድማ ጥንታዊትን ተኣምራታዊትን በትሪ ሙሴን ኣሮንን ስለተዘኻኽር እያ።

 መደምደምታ፣
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ረቛሒታት እዩ እምብኣር እቲ ቀንዲ ጠንቂ መጥፊኢና ኮይኑ ዘሎ። ብዘይ ቀላዓለም ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ብፍላይ ፈሪሃ እግዝኣብሔር ዘለዎ ብኹለንተናኡ ብሉጽን ንኡድን ህዝቢ ስለዝኾነ እዩ ዝጠፍእ ዘሎ።
እዛ ኣርኪብናላ ዘሎና ዓለም፣ “ኣነ እየ ሓያል፣ ኣነ እየ ወናኒ ባህርያዊ ጸጋ ዓለም፣ ኣነ እየ ሃብታም፣ ኣነ እየ ብዓል ገንዘብ፣ ኣንሕና ኢና ጽሩያት ዓሌት“ ዝብሉ ሃርጋፋትን ስሱዓትን፣ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘይኮነስ፣ ኣምነት ድያብሎስ ዘለዎም፣ ብፈሊጣውያን (ብኤሊት) ክፍለጡ ዝደልዩ ትግዛእ ስለዘላ፣ ግድነት እዩ ክምዚ ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝኣመሰለ ኩሩዕን ፈሪሃ እግዚኣብሔርን ዘለዎ ህዝቢ ግዳይ እዞም ማሕበር እከይ ኸውን። ኣብ መወዳእታ ግዜ ግና፣ እቲ ፈሪሃ እግዚኣብሔርት ዘለዎ ህዝቢ ክድፈር ከሎ፣ መወዳእታ ዓለም ስለዝኸውን፣ ለኪሞምና ድኣ ክይጠፍኡ  እምበር፣ ድሕሬናስ ክንደየናይ ከይጸንሑ። ብሰንኪ ኣብ ልዕሌና ዝፈጸምዎ ግፍዒስ ንዕኦምውን እቲ ምዓት ኣይክምሕሮምን እዩ። ነስተብህለሉ እንተድኣ ኣሊና፣ ድሮውን ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቅልውላውስ ኣብ ልዕሊaoም እዩ ዝዝንቢ ዘሎ።

ዕድመን ጥዕናን ይሃበና እንበር፣ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ኣርማጌዶን፣ ብዓይንና ክንርእዮ ኢና። በትሪ ሙሴ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን እያሞ፣ እቲ ትእምርቲ በትሪ ኣግኣዝያን ብግብሪ ከነርክበሉ እቲ ኣምላኽ ምሴን ህዝቢ ኣግኣዝያን ግድነት ክሕግዘና እይ። እሜን፩

ይቕጽል .. . . .

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት እግኣዝያን
3 ጥሪ 2017 ዓ.ም.ፈ.