ብፍላይ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ክንምልሰን እንተድኣ በቒዕና፣ ስለምንታ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ይጸንት ከምዘሎ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።

ሀ) ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝጠፍእ ዘሎ፣ ብጭፍራ ህግደፍ ጥራይ ድዩ፣ ወይስ ንህግደፍ ዝዓሰቡዎ ስዉራት ሓይልታት (ጽዮናውያን) እዮም? ንምዃኑኸ እንታይ ስለዝበደለ እዩ እዚ ህዝቢ እዚ ንኽጸንት ተፈሪዱ?

ለ) ስለምንይ ግና ማእለያ ዘይብሉ ምዕድን ሃገር ብባዕዳውያን ንወጻኢ ተጓሕጒሑ እንዳግዓዘ ከሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ግና ዋና ሃብቱን ጸግኡን ክነሱ፣ ባርነታዊ ህይወት እንዳሕለፈ ኣማዕድዩ ንኽርእዮ ኮይኑ ? እንታይ ኮንይኸውን እቲ ስዉር ምስጢር?

ሐ) ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብዘይ ግሁድ ኲናት እሞከኣ ብመደብ፣ ብማእሰርቲ ብስዉር ቅንጸላ፣ ብስነ-ኣእምራዊ ሽበራን፣ መንነቱን፣ ጅግንነቱን፣ ዘርኡን፣ ባህሉን፣ ሃይማኖቱን ይጠፍእ እሎ?

ኣብዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ነጥብታት ተመርኲስና እምብኣር ፣ ብፍላይ ንመለለዪ ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝምልከት ታሪኻዊ መግለጺ ኣብ ዝቕጽል ብሰፊሑ ከነቕርቦ ኢና።

 እቶም መለለዪ ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝኾኑ ረቋሒታት፣ ካብቶም ብዙሓት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ቅዱስ ኦሪታዊ ሃይማኖትን ፍትሓዊ ኦሪታዊ ሕጊ እንዳባ ፣ ኦሪታዊ ስርዓተ ዴስነትን፣ ነቕ ዘይብል ፍቕሪ መሬትን ባሕርን ዘለዎ፣ ጅግና ህዝቢ እዩ። ካብ ኤውሮጳውያን ኣዝዩ ዝተፈልየ፣ ካብ ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሩ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዘኽብር ህዝቢ ነበረ። እኳድኣ ካብ መላኣ ዓለም ኣብ ሃገር ኣግኣዝያን ጥራይ እየን ቀዳሞት ነገስታት ደቂ ኣንስትዮ ዝነበራ። እዚ ድማ ብጭቡት ታሪኻዊ መርትዖ ዝተሰነየ እዩ። ውርዙይ ባህልን ልምድን ስብኣዊ መሰልን፣ መሰል እንስሳ ዘገዳም ከይተረፈ ዘኽብር ሕዝቢ ነበረ። ዓሚቕ ምስጢር ዝሓዘ ቋንቋ ትግሪኛን ፊደላት ትግሪኛን ዝምሃዘን ዝወነነን ህዝቢ እዩ። ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ ኢሉ ዝኣምን ህዝቢ ኮይኑ፣ ጀማሪ ሃይማኖት ፍትሓዊ ምሕደራን ዝኾነ ህዝቢ ድማ እዩ። ኩሉ ኣብ ሃገረሰባት ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ድማ፣ ዓቢኡ ንእሽቶኡ፣ ካህኑ ፈላሲኡ፣ በትሪ (ብትሪ) ዓቲሩ ዝኸይድ ህዝቢ እዩ። እታ ምልክታ ድማ ንበትሪ ሙሴን ኣሮንን  ስለተዘኻኽር እያ።

ኣብ ዝቕጽል ብሰፊሑ ከነቕርቦ ኢና። መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኣግኣዝያን 17.12.2016