እዛ ሎሚ ሕጊ እንዳባ ተሓሪሙዋ ዘሎ ግንከኣብሕገ ኣልቦ ማፍያ ገደና ህግደፍ በሽካዕላል ትግዛእ ዘላ፣ ካብ ጥንቲ ሃገር ምድረባሕሪ እትብሃል፣ ኣምሆ ዘመን ከኣ ኮሎንያል ጣልያን “ኤርትራ” ኢሉ ዝሰየማ፣ ሎሚ ድማ ብህግደፍ  “ሓዳስ ኤርትራ” ተባሂላ ብሰንዓ ትጽዋዕ ዘላ፣ ህዝባ ካብ ቅድሚ ልደተ ክርስቶ ጀሚሩ፣ እኳድኣ ኤውሮጳውያን ዝቐንእሉ ጭዋ ስርዓተ ሕጊ ነይሩዋ እዩ። እስከ  ክሳብ ብሰፊሑ እነቕርቦ ከም መእተዊ መጠን፣ ካብ ኣውራጃታት ምድረ ባሕሪ ሎሚ ከኣ ሓዳስ ኤርትራ  ዝነበሩ ሕጊን ሥርዓትን ዓደቦ ብመጠኑ ብሕጽር ዝበለ ከም መእተዊ ጥራይ ብኸፊል ከነላልየኩም።

ሥርዓተ ኣድግና ተገልባ፣ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ

ሕጊ ማለት፣ ንጉሥ ንመኳንንቲ ንህዝቢ ምስ እግዚኣብሔር ዘሰማምዕ፣ ንህዝቢ መሓለዊ ብሰላም መናበሪ ዓቢይ ረዲኤት ዝትሕዝቶኡ መምርሒ ማለት እዩ። ሕጊ ኣድግና ተገልባ፣ ከካብ ወረዳታቶም ብምርጫ ህዝቢ ወረድኦም ተሓርዮም ዝመጹ ወራዙት ዓደቦ ዝተሓንጸጸ እዩ። ውሉድ ተተሓሓዝቱ ወለዲ እዮም። ዓቕመ ኣዳም ክሳብ ዝበጽሕ፣ ዘምጽኦ ገንዘብ ንወለዱ እዩ። ከምኡ ከኣ ዘምጽኦ ዕዳ ተሓተትን ሓለፍትን ወለዱ እዮም። ዓቕመ ኣዳም ምስ ኣኸለ ግና ወለዱ ተማእዚዞም ዘገልግሉ ውሉድ ወለዶም ኣስተምሂሮም የሕጽዩዎ የመርዑውዎ።

ብኣደለውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ዝተወሰኸ ተወሳኺ ሓሳብ፣ሎሚ ግና ኩሎም መንእሰያት ኣውራጃታት ኤርትራ ወለዶም ዘይኮኑስ፣ ንብረት ህግደፍ ኮይኖም ግዳይ ስደትን መከራን ኮይኖም ብስቓይን ይጠፍኡ ኣለው። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ፣ ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ሕግን ስርዓትን ከምዝነበሮ ረሲዑ ዘይኮነስ፣ በቲ ጎይቶቱ ዝሃቡዎ ውዲታዊ መደብ ዕዮ ክጉዓዝ ስለዝተኣዘዘ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሕጊ ከምዘይፈልጥ ገሩ ብባርባራዊ መግዛእቲ ዝገዝኦ ዘሎ ኢሰያስ ዝምሃዞ ዘይኮነስ መሃንድሳት ጽዮናውያን ዝኣለምዎን ዝሓንጸጽዎን መደብ ዕዮ እዩ።

ሥርዓተ ኣድከመ ምልጋእ፣ኣውራጃ ሰራየ

ኣብ ዓዲ ወግሪ ብ1936 ዓ.ም.ፈ. ዝተሓደሰ። ንሕና ኣከለ ምልጋእ ኩልና ነዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ መኳንንቲ  ብብዙሕ ሓልዮቶም ነቲ እንምነዮ ዝነበርና፣ ሕግን ሥርዓትን ኣቦሓጎታትና፣ ክጽሓፈልና በቒዑ ስለዝተሓትመ ምሉእ ምስጋናን ነቕርበሎም ኣሎና። ክቡራት ዓደቦ ኣከለ ምልጋእ ሥርዓትን ሕግን ኣድከመ ምልጋእ ብቓል ጥራይ ዝነበረ ከይመስለኩም፣ ኣቦሓጎታትና ከምዝተረኹልና፣  ኣብ ሰነድ ዝተሰነደ ጽሑፍ እዩ ዝነበረ። ምቕማጡ ድማ ኣብ ደብረ ኣቡነ ዮናስ እዩ ዝነበረ። ብኲናትን ህውክውትን ግና ጠፊኡ ይብሃል ነይሩ። ስርዓት ኣከለ ምልጋእ ብዝሓለፉ ኩሎም ነገስታት እዝዩ ምስጉን እዩ ዝነበረ።

ጥንታዊ ሥርዓተ ኣውራጃ ሓማሴን ለጎጭዋን ከበሳ ጭዋን፣

እዚ ኣውራጃዚ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣካል ኣውራጃ ሓማሴን ዝነበረ ክነሱ፣ ግንከኣ  ኣብቲ ጸረ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ዝነበረ ኵናት ደጓሊ፣ እቶም ብ27.01. 1887 ዓ.ም.ፈ. ብመብዛሕትኦም ጀጋኑ፣ “ወዲ ማይ ጓይላ” ኢሎም እንዳዝመሩን ፈከሩን ንሰራዊት ኮሎንያል ጣልያን ዝበድሁዎ ጀጋኑ፣ 75 % ካብ ኣውራጃ ለጎጭዋን ከበሳ ጭዋን ከምዝነበሩ ስለዘረጋገጸ፣በቲ ፈላሊኽ ግዛእ ዝብል ውዲታዊ መደብ ኮሎንያል ጣልያን፣ እዚ ታሪኻዊ ኣውራጃዚ ምስ ኣውራጃ ሰራየ ሓዊሱ “ጽልማ” ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ ገበረ።

ኣስተብህል፤
ሎሚ ድማ እቲ መቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን ኮይኑ፣ ብስም “ዓወት ንሓፋሽ” ዝብል ውዲታዊ ጉልባብ መንነትን ባህልን ሃይማኖትን ንኸጥፍእ ብጽዮናውያን ዝተላእከ፣ ወኪል ጽዮናውያን ህግደፍ፣ ነቲ ዝነበረ ጥንታዊ ኣስማት ኣውራጃታት ኤርትራ ደምሲሱ፣ ብዞባታት ቀዪሩዎ ይርከብ ኣሎ።

ካህናትን መኳንንትን ዓደቦ እናተኻታተሉ ብ1484 ዓ.ም.ፈ. ዘቕምዎ፣ 1935 ዓ.ም.ፈ ድማ ዘሓደሱዎ እዩ። ንሕና እንዳቦ ለጎጭዋ፣ ነቲ ሥርዓትናን ሕግናን፣ ንዘልኣለም ክጸንዓልና፣ ብስም እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣግዚኣብሔር ኣምላኽና፣ ተጸጊዕና ንጅምሮን ንፍጽሞን ኣሎና። ስለዚ ነቲ ብስም እግዚኣብሔር ብ1484 ዓ.ም.ፈ. ዝቖመ፣ ሎሚ ብ7 ሰነ1935 ዓ.ም.ፈ. መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንሕግና ክንእርሞን ከነብልጾን፣ ምሉእ ፍቓድ ስለዝሃበና፣ እናኣመስገና ክንሰርሕ ጀመርና።

ካብቲ ዓንቀጻት ሕጊ ለጎጭዋ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝገልጽ ሓደ ንምጥቃስ፤ዓንቀጽ §85፣”ሃይማኖት ብፍታውን ብእምነትን፣ዝቐውም እዩምበር፣ብግድነትን ሓይልን ወሲኽካ ዝቐውም ኣይኮነን። ብስጋዊ ነገር እንተ ተመልከትና፣ ክርስትያን ኮነ ኣስላም፣ ኣሕዋት ኢና፣ ሕውነት ዝምስክረልና፣ብመልክዕ ብጠባይ ሓደ ኢና። ስለዚ ብስጋ ሓደ ካብ ኮና፣ ብመንፈስ ከኣ ዋንኡ ሓደ እግዚኣብሔር እዩ። ብፍቕሪ ብስምረት ክነብር ንኣምላኽና ብጸሎት፣ ንንጉስና ድማ ብሓቀኛ ኣገልግሎት ክንልምን ግቡእና እዩ”ይብል።

ሥርዓት 7 ድንበዛን፣ወረዳ ድንበዛን ሓማሴን

ብስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ሥርዓት 7 ድንበዛን ኣብ ገሽናሽም ሎሚ  ኩሎም ዓበይቲ ዓዲ ከካብ ዓበይቲ ዓድን ኣቝሻትን ተኣኻኺብና ንሕግግ ኣሎና። ካብቲ ሕጊንዳባ ዝሓገግሉ ኣዋን ጀሚሮም፣ ብኣዋን ኲናት እናተረዳድኡ፣ብኣዋን ሓጎስ እናተዓዳደሙ፣ ክርስታያኖምን ኣስላሞም፣ክሳብ ሎሚ ብስርዓትን ሕግን ይናበሩ ኣለው።

ሥርዓት 7 ዓንሰባ ዘማት ታሕታይ ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን
ሥርዓት 7 ዓንሰባ ዘማት ታሕታይ ካብቲ ጥንታዊ ተሰኒዱ ዝነበረ ቃልንቓል ቀዲሕና ሎሚ ኣብ ዓውዲ ብርሃኑ ብወርሒ ታሕሳ 1900 ዘመነ የውሃንስ ወንጌላዊ ንሕግግ ኣሎና።

ሥርዓት ክልኤ መንሳዕ=ሕጊ ክልተ መንሳዕ፣
ዳግም ወፍትሕ ወዓዶታት ምን ኣውሉ እብ ሂጋ ትግሬ፣ ኣብ 1890 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ገለብ ምድሪ መንሳዕ ተሓጊጉ። ብቋንቋ ትግሪኛ፣ ዳግማዊ ፍትሒ ዓድታት መንሳዕ፣ ብቋንቋ ትግረ ብ1890 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ገለብ ቤት ኣብርሀ ምድሪ መንሳዕ ተሓጊጉ ይብል። ኣብ ዝቕጽል ብቋንቋ ትግሪኛ ካብቲ ሕግታት ክልተ መንሳዕ ሕልፍ ሕልፍ ኢልና ተርጒምና ከነቕርበልኩም ኢና።

መብርሂ፤ ሕጊ ክልተ መንሳዕ፣ ክልተ መንሳዕ ማለት ከኣ ትርጉሙ፣ ስም እቶም ክልተ ኣሕዋት ደቂ ምሓሪ ወይ ደቂ ሃይገት ኣዲኦም፣ ቤት ኣብርሀን ቤት ሻሕቀንን ማለት እዩ ። ቤት ኣብርሀ ኣብ ምሕላብ ክነብሩ ከለው፣ ቤት ሻሕቀን ድማ ኣብ ምሕላብን ኢራ ታሕታይን ወዘተ……ይነብሩ ።

መተሓሳሰቢ፤

ክቡራት ተኻታተልቲ፣እዚ ሎሚ ንቕርቦ ዘሎና ጽሑፍ፣ ካብቲ ሓደ ውቅያኖስ ብማንካ ፈንጪልካ ማይ ምቕዳሕ እዩ። ኣብ ዝቕጽል ግና ብኹሉ ዘይኮነስ ብመጠኑ ካብ ኩለን ኣውራጃታት ኤርትራ ሓሓሊፍና ኣድለይቲ ዝኾኑ ዓንቀጻት ከነቕርብ ክምዝኾና ቃል ንኣቱ።

ስርዕት ካርነሽም፣

ኣብ ሕርም ዛግር ኮይምኖም እዮም ዓበይቲ ዓዲ ዝሰርዑዎን ዝሕገግዎን። ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ። ሕጊ ይነብር ተተኺሉ። ስርዓት ዳኛ ንእዋኑ፣ ከም እተገልጸሉ ዝሰርሕ እዩ። እቲ ተጻሒፉ ዝተሓገገ ሕጊ ዓደቦ ካርነሽም፣ ቆይሙ ዝነብር እዩ። ካብቲ ሕግታት ካርነሽም 7ይ §ዓንቀጽ ከምዚ ይብል  ኣሕዋት በዚሖም ውሒዶም፣ ገገዝኦም aንተሃነጹ፣ እሞ እቲ ሕሳስ ልደ ገዛ ከይሰርሐ እንተጸንሐ፣ ቤት እቡኡ ይወርስ። ወለዲ ከለው ቤት ክማሳሕ እንተበለ ኣይፍቀደሉን እዩ። ገዛ ኣብኦም ኩሎም እንተድኣ ሰሪሖሞ ግና፣ ኣቡኦም እንተድኣ ብካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ ንኹሎም ይምቀል።

ኣስተብህል፣

ዋላኳ ኣብ ግዜ ሰውራ ምሉእ ህዝቢ ካርነሽም ሃገራዊ እጃሙ ድኣ የበርክት እምበር፣ ሎሚ ህግደፍ  ስልጣን ምስ ሓዘ ግና፣ ነቲ ሕጊ ካርነሽም፣ “ነቲ ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ። ሕጊ ከኣ ይነብር ተተኺሉ ዝብል”፣ መሰረታዊ ዝኾነ ዓንቀጽ ደምሲሱ፣ ብኢደወነኑ ንኹሉ መሬት ህዝቢ ካርነሽም ወኒኑዎ ኣሎ። ህዝቢ ካርነሽም ከኣ ዘመን ገበል ዝሃበካ ተቈበል ኢሉ ክሳብ ጭፍራ ህግደፍ ዝጠፍኡሉ ብተስፋ ይጽበ ኣሎ።

ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት-ኣግኣዝያ

30:01.2017 ዓ.ም.ፈ.