ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ መሬቱ በቚሉ፣ ኣብ መሬቱ ከኣ ዝዕንብብ፣ ንባህልታቱን መንነቱን ቅዱስ እምነቱን ዘንጸባርቕን፣ ንኣገባብ መነባብሮኡ ዝሰርዕን፣ ባዕሉ ዝውንኖ ሃገራዊ ሓድጊ፣ ስነ-መስርዕን ኮይኑ፣ ካብ እዋን ኣብ እዋን እንዳተዋራረስን እንዳተቐርጸን ዝመጸ፣ ሕግን ስርዓትን፣ መሬት ዓደቦን ዝነበሮ እዩ። ሕጊ እንዳባ ኤርትራ፣ ካብ 13 ክፍለዘመን ጀሚሩ፣ ኣብ ሰነዳትን ስነጽሕፋትን ዝሰፈረ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደረጃ ስልጡን ህዝቢ ዓለም ኣደይቡ ድማ፣ ሚዛን ታሪኻዊ ምዕባሌን፣ ቀይድን ልጓምን ህዝባዊ ትካላትን ኮይኑ ክሳብ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ዝመጹ ምሉኣ እገልግሎቱ፣ ብፍላይ እኳድኣ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ከበርክት ጸኒሑ  እዩ። ሎሚ ግና ብወሮ-በላ ወይ ብወራሪ ወይከኣ ሽፍታ ህግደፍ፣ ስለተመንጠለ፣ ኣብ ሰሊም ተሸኺሉ መዋጽኦ ዘናድየሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ሕጊን ስርዓትትን እንዳቦ ኤርትራ፣ ዋላኳ ካብ ብዙሕ ዘመናት ጀሚሩ እንዳተወራረሰ፣ እንተመጸ፣ እቶም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ባዕዳውያን ወረርቲ፣ እንዳተባራረዩ በብዓይነቶም ሃሰይቲ ስምብራታት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንኸይምዕብል ዓበይቲ ዕንቅፋታት ፈጢሮምሉ እዮም።ንሳቶም ድማ፣ ወራር መሕመድ ግራንኝ፣ ንመላእ  ኢትዮጵያ ዳርጋ ዳርጋ ኣመስሊሙዋ እዩ ነይሩ፣ ግንከኣ ብሳላ ጅግና በሓርነጋሲ ኢሳቕ ጎይታ ኣትራውዂን (ቱርኪ) ምስ እንዳ ናይብ ተሻሪኾምን ወኪሎምን፣ እንዳ ናይብ ካብ ቀደም ጀሚሮም  ወከልቲ ቱርክን ግብጽን ኮይኖም ንህዝቢ ከበሳ እረብሪቦሞ እዮም።ናይብ ማለት ብዓረብኛ ቋንቋ ወኪል ማለት እዩ። ስለዚ ወከልይት ቱርክን ግብጽን ኮይኖም ንህዝቢ ከበሳ ዘይተኣደነ ዕንቅፋታ ኣስዒቦምሉ እዮም። ብህጀጋኑ ደቂ ከበሳ ተጸፊዖም ግና ቅሂሞም። ልኡኽ መላኺ ድማ ሎሚ ቀንዲ መሳርሒኡ ገሩ ዝጥቀመሎም ዘሎ ደቂ ናይብ እዮም። ግንከኣ ጅግና በሓርነጋሲ ኢሳቕ  ምስ ፖርቱጋላውያን ተላፊኑ፣ ንኢትዮጵያ ካብ ባርባራዊ መሓመድ ግራኝ ሓራ ኣውጺእዋ። ወራር ግራኝ ድማ ነበረ ኮይኑ ቅሂሙ ተረፈ።  ኢትዮጵያ ድማ ሳላ በቶም  ብባሕረነጋሲ ዝምርሑ ዝነበሩ ደቂ ምድረ ብሓሪ ንወራር መሓመድ ግራኝ ደምሲሱዎ እዩ። ከምኡውን፣ ክስሓት ዘይብሉ ሓደ ታሪዊ ሓቂ፣ ቱርኪ ካብ ኤርትራ ብኤርትራውያን ጀጋኑ ኣቦሓጎታትና ባሕረነገስታት ተጸፊዖም እዮም ዓሪቦም። እወ፣ ወራር ቱርኪ ብደቂ ናይብ ተመሪሑ፣ ካብ ገማግም ባጽዕ ንከበሳ ክወጽእ ክብገስ ከሎ ድማ ብባሕረነጋሲ ኢሳቕ ዝምራሕ ሓይሊ እዩ ጸፊዑ መሊሱው።

ወራር ግብጺ ድማ ብጀጋኑ ኤርትራውያን ኣብ ጎዳጒድን፣ ኣብ ጕራዕን፣ ኣብ ኲዓቲትን፣ ጉንደትን መላስ ኣውያት ዘይብሎም ስዒሮሞም እዮም። ንመረዳእታ፣  ኣብቲ ኣብ ጎዳጒዲ፣  ዝነበረ ድሎ ከይትዕሎ ኲናት “ሎሚ ዘይከተተ ኣብ ጎዳጕዲ ነዲኡ ይኾነን ሰሕታት መጒዲ” እንዳዝመሩ እዮም ነቲ ጀጃዊ ሰራዊት ግብጺ ደርዒሞሞ። ኣብ ኲናት ጕፍራዕ ድማ “ሎሚ ዘይከተተ ኣብ ጉራዕ ነዲኡ ይኾነን ሰሕታት ቍራዕ” እንዳበሉ ንግብጻውያን መላስ ኣውያት ዘይብሎም ገሮም ስዒሮሞም። ኣብ ኩዓቲት እንተኾነውን ግብጻውያን ዘይፈልጡዎ መጽፋዕቲ፣  “ሎሚ ዘይከተተ ኣብ ኲዓቲት ነዲኡ ይኾነን ቍራዕ ሰኽታቲ” እንዳዝመሩ እዮም ደቂ ምድረባሕሪ ደምሲሶሞ።

ኣብ ጉንደት ዝነበረ ከቢድ ኲናት ግና ወዲ ንጉስ ግብጺ ብዙሓት ሰራዊትን ከቢድ መሳርያን ዓጢቑ  ንዶብ ትግራይ ንጊንደት ስለዝበጽሐ፣ ንጉስ የውሃንስ ንንግስነቱን ሃይማኖቱን ንኸድሕን ሰራዊቱ ሒዙ ምስ ኤርትራውያን ከቲቱ።  ኣብቲ ኲናት ጎዳጉድን ጉራዕን ግና ትግራዎት ኣይነበሩን። ኣብ ኲዓቲት ግና ተኻፊሎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ዝኾነ ኮይኑ ጀጋኑ ኤርትራውያን ምስ ትግራዎት ተሰሊፎም፣  ንግብጻውያን ኣብ ጉንደት መላስ ኣውያት ዘይብሉ ፋሕ ብትን ከምዝብል ገበርዎ።

ኣስተብህል፣ ኣብቲ ዝነበረ ኩሉ ወራራት ቱርክን ግብጽን ማህድን፣ ብዘይካ ትግራዎትን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ኣይተኻፈሉዎንብደቂ ምድረባሕሪ ኣጓኒፉዎምን። ትግራዎትን ኤርትራውያንን ኣንጻር ቱርክን፣ ግራኝ፣ ግብጽን ማህድን እንተዘይምክቱ ነይሮም ግን ሎም ህዝቢ ኢትዮጵያ መስሊሙ ምሃለው።

ወራር ማህዲ ዶርቡሽ፣ ካብ ሱዳን ንመተማ ምስወረረ ብትግራዎትንኤርትራውያንን ጥራይ እዩ ተሳዒሩ። ወራር ኮሎንያል ጣልያን እንተኾነውን፣ ቅድም ኣብ ዶጋሊ 27.ጥሪ 1887 ዓ.ም.ፈ.ብኤርትራውያን ተደምሲሱ። ኣብ ዓድዋ ድማ ብመብዛሕትኦም ጀጋኑ ኤርትራውያንን ትግራዎትን እዩ ተሳዒሩ።

ብሰንኪ እዚተጻብኦ ባዕዳውያን ድማ፣ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ሕግናን ስርዓትናን መታን ከይምዕብል፣ ከቢድ ዕንቅፋታት ረኺብና ኢና። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ፣ ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ ከምዝብሃል፣ ዝሓለፈስ ሓለፈ ሎሚ ዘሎ ሕገኣልቦ ህግደፍ ድማ ትንፋስ ሰብ ድኣ ኣሕለፈ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን፣ ካብዞም ኩሎም ባዕዳውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዱዎ ሓደጋ ዝገደደን መዋዳድርቲ ዘይብሉን፣ እዚ ብድያብሎስ ኢሰያስ ዝምራሕ ጭፍራ ማፍያ ህግደፍ ዘውረዶ ጥራይ እዩ።ንሱ ድማ ብጽዮናውያን ተመልሚሉን፣ “ገረብ ብሓኽላ” ዝብል ፕሮጀክት ተዳልዩሉ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣላሽ ንከብል፣ ነታ ሃገር ኣሕሊፉ ንባዕዳውያን ክህብ፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ ምስ ኮራዅሩ ዝተዓስበ  እዩ።

እዚ ንንቡር ከጥፍእ ብጽዮናውያን ዝተማህዘ፣ ኣብ ንቡር ጸረ-ንቡር ዘይንቡር ዝብል ፎርሙላ ዝተሰረተ፣ ውድብ ሻዕብያ፣ ድሓር ድማ ጭፍራ ህግደፍ፣ ነቲ ባዕዳውያን ጸላእቲ ዝፈጠሩዎ ጉድኣት ብምቕጻል፣ እቲ ዝገደደ፣ ሕግን ስርዓትን፣ መሬት ዓደቦ፣ ጥሒሱ መሬት መንግስቲ ኢሉ ገቢቱዎ። በየናይ ሕጊ ? ኢሉ ንዝሕተተ ሃገራዊ ድማ ቀዳማዩ ንናዅራ ዳሕራዩ ከኣ ንዓዲ ኣቤቶ ይእሰር። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ፣ ጭፍራ ህግደፍ ፣ ፍርሕን ራዕድን ስነመንነት ኣብ ሓንጎል ደቀባት ከእቱ ገልዳሕ ምባሉ እዩ። ዳርጋ ንብዙሓት መንኢሰያት ደቂ ሃገር ከኣ፣ ኣብ ሰዊት ዓድሚኦም፣ ኣብ መዓስከር ሳዋ ዳጒኑዎም፣ ኣብ ክንዲ ብሕጊ እንዳባ ዝኾርዑን ዝሕበኑን፣ ንዕኡ እናቆናጸቡ፣ መንነት ዘረስዕ ፍልስፍና ኣብ ኣእምርኦም ኣስሪጹ፣ ኣብ ሓዲግ-መዲግ ኣውዲቑ ዘርምዘርሞ ስለገበሮም፣ ንስደት የምርሑ ምህላዎም ዩ።

ቅድሚ ብዝዕባ ሕገ-መንግስቲ ወይ ህንጻ-መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣልዒልና ምጽሕፍና፣ ነቲ ኣብታ ካብ ጥንቲ ብምድረ-ባሕሪ ትፍለጥ ዝነበረት፣ ኮሎንያል ጣልያን ከኣ፣ “ኤርትራ” ኢሉ ዘጠመቓ፣ ሎሚ ድማ በቲ ሕገ-ኣልቦ ግዛያዊ መንግስቲ ህግደፍ “ሓዳስ ኤርትራ“ ኢሉ ሰናኒዑዋ ዘሎ ጥንታዊትን ታሪኻዊት ዓዲ ፍትሓውያንን ጀጋኑን ሃገር ዝነበረ ሕገ-እንዳባ፣ መእተዊኡ ወይ ኣብቲ መቕድም እንታይ ከምዝብል ከነቕርቦ ኢና። ግንከኣ ንኹሉ ዘይኮነስ፣ ካብተን ሕግታት 3 ኣውራጃታት፣ ሓማሴንን፣ ኣከለጉዛይን፣ ሰራየን ጥራይ፣ ከም መረዳእታ፣ ኣብቲ መእተዊ ወይ መቕድም፣ እባሓጎታትና፣ ሕጊ ከጽድቑን ከርግኡን ከለው፣ እንታይ ኢሎም ክምዝጅምሩ ብመጠኑ ንምርምር ዝኣክል ክንጠቅስ ኢና።

እቲ ቀንዲ መኽንያት ነዚ ጽሑፍ እዚ ምቕራብና ድማ፣ እቲ ጥንታዊ ሕጊ እንዳባ ኤርትራ፣ ፍልልዩ ካብቲ ሕገ-መንግስቲ ወይ ህንጻ-መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያን፣ እንታይ ከምዝነበረን፣ ምስዚ ሎሚ ዘሎ ሕገ-ኣልቦ ግዛያዊ መንግስቲ ህግደፍ ድማ ብኸመይ ከምዝወዳደር ንምፍላጥ፣ እንታይ እዩ እቲ ፍልልዩ? ኢልና ንምፍላጥ ነቕርቦ ዘሎና እዩ። እወ፣ ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ብሉዕ ፈድያ ዘላ። ይኣይ ትግራይን ኢትዮጵያንሲ፣ ዓዲ ሕጊእንዳባ ኮይነን፣ ኤርትራ ከኣ ካብ 13 ክፍለዘመን ዝጀመረቶ ሕግንዳባ  ብሰንኪ ማሕበር ድያብሎስ ህግደፍ ተሓሲሙዋስ፣ ብሕገኣልቦ ጭፍራ ህግደፍ ትግዛእ ኣላ።

መኽንያቱ እዞም ፋዛዛት ጭፍራ ህግደፍ፣ ነቲ ወግዓዊን ጥንታዊን ሕጊ እንዳቦና፣ ሓኺኾም፣ ምኽርን ምዕዶን ጽዮናውያን ኣሚኖም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ሕጊ ከምዘይነበሮን፣ ስርዓተ ሕጊ ከምዘይፈልጥን ገሮም ኣፍዚዞሞ ኣለው። ብፍላይ ድማ ነዞም መንእሰያት፣ ብህግደፍ ሓንጎሎም ተሓጺቦም፣ ኣብ መንጉ-መንጎ ወይ ኣብ ሓዲ-መዲግ ዛህዚሑዎም ዘሎ፣ ካብቲ ዓዘቕቲ ህግደፍ ወጺኦም፣ ብዛዓባ ጥንታዊ ታሪኽ ኣቦሓጎታቶምን፣ ብኣቦ-ኣባሓጎታቶምን፣ ብኣባሓጎታቶም፣ ዝተሓንጸጸን፣ ዝጸደቐን ዝረግአን ሕጊ እንዳባ፣ መወዳድርቲ ዘይብሉ ከምዝነበረ፣ ንምዝኽኻር ን፣ ንዕኡ ፈሊጦም፣ ብብቕዓት ነቲ ትምህርቲ ድያብሎስ ህግደፍ ፎእ! መታን ክብሉዎን፣ካብ ዝብል ኣምር ተበጊስና ኢና፣ ነዚ ዓምዲ እዚ ከነቕርቦ ተገዲድና።

መቕድም ሕጊ ለጎ ጭዋ፣ሓማሴን፣ንመዘኻኸሪ፣ ኣብ ሓማሴን 6 ሕጊንዳባታት እዮም ነይሮም፣ ንሳቶም ድማ፣ 1.) ሕጊ ዓዲ ቆንጺ፣  ስርዓት ሃብተስሉስ፣ 2.) ሕጊ ለጎጭዋ፣ 3.) ሕጊ ድንበዛን፣ 4.) ሕጊ ካርነሽም፣ 5.) ሕጊ 7 ዓንሰባ፣ 6.) ሕጊ ስሓርቲ። ካብዞም ኩሎም ግና ንመረዳእታ ዝኸውን ሕጊ ለጎጭዋ ወሲድና። “በስመ ኣብ ወወልድ፣ ወመንፈስ፣ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ። ንሕና እንዳቦ ሎጎጭዋ፣ ነቲ ሥርዓትናን ሕግናን መታን ንዘልኣለም ክጸንዓልና፣ ብስም እቲ ኩሉ ዝኽእል፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፣ ተጸጊዕና፣ ንጅምሮን ንፍጽሞን ኣሎና”። “ስለዚ ብስም እግዚኣብሔር ነቲ ብ1484 ዓ.ም.ፈ. ዝቖመ ሕግና፣ ሎም ብ1935 ዓ.ም.ፈ. ብ7 ሰኔ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንሕግና ክንእርሞን፣ ከነብልጾን፣ ምሉእ ፍቓድ ስለዝሃበና፣ እናኣመስገና ክንሰርሕ ጀመርና“። እዘን ክልተ ደብተራት (ሰነዳት) ከኣ ኣብቲ እንዳቦ፣ ላዕልዋይ ለጎን፣ ጭዋን ከበሳ ጭዋን፣ ዝኣምንዎ፣ብዓል ዓቢ ዓዲ ኮነ፣ ብዓል ቍሸት፣ ብሓደ ለባም እንዳቦ ዝሓረይዎ፣ ኩሎም ዓሌታት፣ ዝመረጹዎ እየን እናዞራ aየን ዝቕመጣ ዝነበራ።ሎሚ ግና ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ ከካብ ሕቡቦታታት እንዳ ኣኻኸበ ዘሚቱ ሰሪቑዎ እዩ።

ካብ ሥርዓት ካርነሽም ዝተቀድሐ: “ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ፣ ሕጊ ይነብር ተተኺሉ” ሕጊ ድንበዛን፣ “መሬት ተመቲሩ፣ ገባር ተቖጺር፣ ኣብ ሸሸውዕተ ዓመት፣ መረት ዓድን ባሕርን ቍሸትን ንህዝቢ ድንበዛን ብማዕረ ይደላደል”።

 መቕድም ሕጊ ኣድግና ተገለባ፤ ኣከለጉዛይ “ፍጥረታት ዝፈጠረ ህግታት ዝሰርዐ፣ እግዚኣብሔር ብጥንተ ባህርዩ፣ ስሩዕ ስለዝኾነ፣ ብመጀመርያ ፍጥረት ሰማይን ምድርን ፈጠር፣ በብቦታኦም ፈልዩ ድማ፣ ወሲኑ ኣቚሙ፣ ካብ ዕለተ ሰንበት፣ ክሳብ ዕለተ ዓርቢ፣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ክነብሩ ስርዓቶም ክሕልዉ ስርዓቶም ከኣ ክገብሩ ኣዘዘ”።ኣብ ወረቐት እተጻሕፈ ሕጊ፣ዘይኮነ ብሕጊ ልቦና ክነብር ዝተፈጥረ ሰብ ፣ ብሕጊ ልቦና ክነብር፣ ስለዘይከኣለ፣ሕጊ ንጽሓፍ ብሙሴ ተጀመረ፣ መፍቀሬ ስብእ እግዚኣብሐር ህዝቢ ዝናበረሉ፣ሕጊ ባዕሉ ንሙሴ ኣጽሓፎ። ኦሪት ዘፀኣት ም.34 ቕ.27። ኩሉ ሰብ ብዘይ ሕጊ ክነብር ኣይክእልን። ምንምኳ ብሃገርን፣ ብቋንቋን፣ ብሃይማኖትን፣እንተተፈላለየ፣ ብእግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ሰብ ኩሉ፣ ብሕጊ ተፈጥሮ፣ሓደ ከም ምዃኑ መርሚሩ የስተውዕል።እዚ ሕጊ እዚ ከኣ፣ ቅዱሳት መጻሕፍትን፣ ፍትሓ ነገስትን፣ብምኽባርና፣ ቀዳሞት ኣቦታትና፣ ምዔም መሓዛ ቢሎም ንዝሰየምዎ ሕጊ፣ተኸታቲልና፣ ነቲ ብልማድ ከተተኻኸለ፣ምስ ግዜና ዘሰማምዓና፣ትኽክለኛን ቅኑዕን ሕጊ ኣቝምና”።

መቕድም ሥርዓት ኣድከመ ምልጋእ ኣውራጃ ሰራየ፣ንሕና ኣድከመ ምልጋእ ኩልና ነዞም ዝስዕቡ፣ ዓበይትን መኳንንትን፣ ብብዙሕ ሃልዮቶም፣ ነቲ እንምነዮ ዝነበርና፣ ሕግን ሥርዓትን ኣቦታትና፣ክጻሓፈልና በቒዑ፣ ስልዝተሓትመ ድማ ምሉእ ምስጋናን ነቕርበሎም ኣሎና። ሥርዓታ ኣድከመ ምልጋእ፣ ብቓል ጥራይ ዝነበረ ከይመስለኩም፣ ኣቦታትናን ኣባሓጎታትናን ከምዘዘንተውልና፣ ብጽሕፍ እዩ ተሰኒዱ ዝነበረ፣ ምቕማጡ ድማ ኣብ ደብረ ኣቡነ ዮናስ እዩ ዝነበረ። ብኲናትን ህውከትን ጠፊኡ ይብሃል። ሕገ ኣድከመ ምልጋእ ዋና መኽንያት ጽሬቱ ድማ፣ኣቦታትና ሃይማኖቶም ጽኑዕ ስለዝነበረ፣ ምሉእ ፍርሓት እግዚኣብሔር ኣኽበርቲ ንጉስን ዝነበሩ ስለዝኾኑ እዩ። ነቲ ሕጊ ከርግኡዎን ከጽድቍuዎን ከለው ድማ፣ ምስ ቃንዳ መለኮቶም፣ ብከበሮን ብመለኸትን፣ ህዝቢ ኣድከመ ምልጋእ፣ በብጋንታኡ ተሰሊፉ፣ ስማ! ስማ ! እናበሉ ካብ ታሕታይ ሰልፊ፣ ንላaላይ ሰልፊ፣ በርበረ ዝመስል ዘንጊ ሒዞም፣ ኣናዞሩ ስምዑ ዓደቦና! እዚ ደንጊግናይ ዘሎና ሕጊንዳባ፣ኣብ ልብኹም የሕድሮ ኣናበሉ ብምሳር መላእኽቲ ዝተጸርበ፣ ልሳኖም ገሮም፣ ነቲ ህዝቢ የስምዑዎን፣ የውርሱዎን ነበር። ህዝቢ ድማ ይስመሩዎ እናበለ፣ብሓጎስ እናተሰናበተ ነንዓዱ ይኸድ ነበረ። ካብ መቕድም፣ ሕጊ ኣድከመ ምልጋ ዝተቐድሐ።

እስከ እምብኣር፣ ነቲ ኣብ እዋን ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ፣ ህንጻ መንግስቲ ኤርትራ ድማ፣ ምስቲ ኣብ ሕጊ እንዳባ ጥንታዊት ምድረ-ባሕሪ ሎሚ (ኤርትራ) ከምዝነበረ ከነወዳድሮ።

“ብስም ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር፣ ንሱ ንኤርትራ ሰላምን ስኒትን፣ልምዓትን ከምዝህባ፣ እቲ ፈደራስዮን ኣርትራ ምስ ኢትዮጵይያ ከኣ፣ ስምምዕን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኦ ከምዝኸውን እናተኣመና፤- ንሕና ባይቶ ኤርትራ፣ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ኰንና፣ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋ ሕቡራት መንግስታት፣ ኤርትራ ውስጠ ነጻ-ሃገር ኣብቲ ላዕለዋይ ዘውዳዊ ስልጣን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፈደራስዮን ከተቕውም፣ ህንጻ-መንግስታ ከኣ፣ ኣብ መሰረታዊ ስርዓት ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክምስረት ስለ ዘማሕጸንና ሞሳና እናገለጽና“። ሎሚ ኣብዛ “ሓዳስ ኤርትራ” እትብሃል፣ ብጽዮናውያን ተመልሚሉን ሰልጢኑን ዝተላእከ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እትግዛእ ዘላ ሃገር፣ ህጊን ስርዓትን ዘይብላ፣ ብሕገ ኣልቦ ን27 ዓመታት ብግዝያዊ መንግስቲ ትግዛእ ስለዘላ፣ ከም መወዳደሪ ሕጊ ወይ ስርዓት ከነቕርብ ኣይከኣልናን።

ኣብ እዋን ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ፣ ህንጻ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝነበረ ትፈልጡዎዶ?

ህንጻ መንግስቲ ኤርትራ

መቕድም

ብ10 ሓምለ 1952 ዓ.ም.ፈ.፣ ባይቶ ልኡኻት ህዝቢ ኤርትራ (ፓርላሜንት) ዘርግኦ ውሳኔ

ማሕተም መንግስቲ ኤርትራ

ብመጠን ውሳኔ ዓንቀጽ 12 እቲ ብታሕሳስ 1950 ዓ.ም.ፈ. ጠቕላሊ-ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ብዪን፣ ብምስለኔ ሕቡራት መንግስታት ኣቶ ማተንሶ ዝተዳለወ ህንጻ-መንግስት ኤርትራ።

መቕድም

ብስም ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር፣ ንሱ ንኤርትራ ሰላምን ስኒትን፣ልምዓትን ከምዝህባ፣ እቲ ፈደራስዮን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵይያ ከኣ፣ ስምምዕን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኦ ከምዝኸውን እናተኣመና፤- ንሕና ባይቶ ኤርትራ፣ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ኰንና ኣብ ትሕቲ ላዕለዋ  

ንሕቡራት መንግስታት፣ ኤርትራ ውስጠ ነጻ-ሃገር ኣብቲ ላዕለዋይ ዘውዳዊ ስልጣን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፈደራስዮን ከተቕውም፣ ህንጻ-መንግስታ ከኣ፣ ኣብ መሰረታዊ ስርዓት ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክምስረት ስለ ዘማሕጸንና ሞሳና እናገለጽና።

 ጥብቂ ዝኾነ ፖለቲካዊን ኤኮኖሚካዊን ማሕበር ምስ ኢትዮጵያ ብምእታው፣ መሰል ኩሎም ወገናት ህዝብታት ምኽባር፣ትካላቶምን፣ ያታኦምን፣ ሃይማኖቶምን፣ ቋንቋታቶምን፣ ብምሕላው ድማ፣ ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ክንፍጽምን፣ ጽቡቕ ናብራኦም ድማ ከነረጋግጽን እናተኣመና።

ዝኾነ ይኹን መንፈስ ምፍልላይ ክንከላኸልን፣ኣብ ትሕቲ ሓርነትን ትኽክልነትን፣ ዝኾነ ናብራ ከኣ፣ ነቶም ዝተፋላለዩ ግንከኣ፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዓሌታትን፣ ሃይማኖታትን፣ ሕውነታዊ ምትዕያይ፣ ከነረጋግጽ ከምኡ’ውን፣ ኤኮኖምያዊን (ማሕበራዊን ሶሻላዊን) ምዕብልና ምእንቲ ከነነቓቕሕ፣ ሓሲብና ቆሪጽና።

ኣብቲ ጎይታ ኵሉ ፍጥረት ዝኾነ እግዚኣብሔር፣ ምሉእ እምነት ኣንቢርና። ነዚ ህንጻ-መንግስቲ እዚ፣ ከም ህንጻ-መንግስቲ ኤርትራ ገርና ንበሎ ኣሎና።

1ይ ክፍሊ

ጠቕላሊ

ዓንቀጽ 1

ንፌደራላዊ ውሳኔ ምቍባልን ምርጋእን።

1.ህዝቢ ኤርትራ ብልኡኻቱ ገቢሩ፣ ነቲ ብ2 ታሕሳስ 1950 ዓ.ም.ፈ. ብጠቕላላ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት እተመደበ፣ፌደራላዊ ውሳኔ ይቕበሎን የርግኦን ኣሎ።

 2.ንሱ (ህዝቢ ኤርትራ) ንውሳኔታት እቲ ብዪን ብጥንቃቐ፣ ክሕልዎ ይመባጻዕ ኣሎ።

1ይ ምዕራፍ
ሕጋዊ ኵነታት ኤርትራ

ዓንቀጽ 2

መሬት ኤርትራ። መሬት ኤርትራ፣ ምስ ደሴታቱ ቅድም ናይታ ብኮሎንያል ጣልያን ትግዛእ ዝነበረት ኤርትራ እዩ።

ዓነጽ 3

ውስጠ-ነጻነትን ፈደራስዮንን።
ኤርትራ ኣብቲ ላዓለዋይ ስልጣን፣ ዘውዳዊት ኢትዮጵያ፣ ብፈደራስዮን ምስ ኢትዮጵያ ዝሓበረት ውስጠ-ነጻ ሃገር እያ።

ዓንቀጽ 4

ስልጣናት፣ ምሕጋግን ምፍራድን ምፍጻምን።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ንዝርከቡ፣ ጉድያት ምሕጋግን ምፍራድን ምፍጻምን ክእለት ኣለዎ።

ዓንቀጽ 5

ኣብ ስልጣን ኤርትራ ዝኣተው ጉዳያት።

1 ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይካ’ቲ ብፌደራላዊ ውሳኔ ንፌደራላዊ መንግስቲ እተዋህቦ፣ ኣብ ኩሎም ካልኦት ጉዳያት ይዝርጋሕ።

 እዚ ልጣን እዚ ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ይዝርጋሕ።

ሀ.) በብዓይነቶም ዝኾኑ፣ ክፍልታት ሕጊ (ከም ፍትሓ-ሕጊ፣ ፍትሓ-ብሔር ሕገ-ንግዲ) ወዘተረፈ…ኣመሰሉ።

 ለ.) ምስራዕ ህዝባዊ ኣገልግሎት።

ለ.) ውሽጣዊ ፖሊሲ

ሐ.) ኣገልግሎት ጥዕና

መ.)ኣገልግሎት ትምህርቲ

ሰ.) ህዝባዊ ረዲኤት ሓለዋ ንብረት ሓድሕድ (Social Security)

ሸ.) ሓለዋ ስራሕ

ቀ.) ምፍራይ ባህርያዊ ሃብትታትን (ጸጋታት) ምስራዕ ኢንዱስትሪን ትካላትን (Industry) ውሽጣዊ ንግድን ሸቐጥን ዓይነታት ዕዮ

በ.) ኣገልግሎት ሕርሻ

ተ.) ውሽጣዊ ኣገልግሎት መማላለሲ (መጕዓዝያ)

ነ.) ብፍላይ ንኤርትራ ዘርእዩ ህዝባዊ ጥቕሚ ዘለዎም ኣገልግሎታ

ኘ.) ኤርትራዊ ሚዛን ገንዘብ፣(Budget) ከምኡ’ውን፣ ነት ኣብ ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ዝፍጸም ኣገልግሎት፣ ዘድሊ ገንዘብ ንምርካብ፣ ግብሪ ምስላዕን ምውጻእን (ፈሰስ)

ንምዃኑኸ ሕጊ ኣብ ኤርትራ እሎ ድዩ? ስለምንታይ ግና ኣብ ኤርታ ብፍላይ ኣብ እዋን መግዝእቲ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ሕጊ ከይጸደቐን ከይረግአ ድሮ ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ ዛጊት 27 ዓመታት ሓሊፉ ?? ሎሚ ኣብ እዋን ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ እንታይ ዓይነት ሕጊ እዩ ዘሎ ?

መተሓሳሰቢ፣
ክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ!! ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን፣ ብሰንኪ ጭፍራ ህግደፍን ጎይተቶምን ዘተኣታተውልና ስነኣእምራዊ መርዚ፣ መብዛሕትኡ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ስደት ዝነብር፣ ኣብ ቆየቛን ኣብ ሕሜትን፣ ኣብ ምፍልላይን ኣድሂቡ፣ ግዳይን መሳርሕን፣ ህግደፍን ጎይቶቱን ዳርጋ ከይከውን ኣዝዩ ዘስግእ እዩ። እወ፣ ካብዞም ሰንካማት ዝፈጠሩዎ ጸገም  ንምድሓን እምብኣር፣  ምንባብ ክንፈቱን ከነዘውትርን ኣሎና። ታሪኽናን ሕጊ እንዳቦናን ድማ እጸቢቕና ክንፈልጦ ክንጽዕር ኣሎና። ከምኡ ምስ እንገብር ጥራይ ኢና ነዞም ንባዕሎም ፈዛዛት፣ ፈላልዮምን ኣፍዚዞምን ክገዝኡና ገልዳሕ ዝብሉ ዘለው ክንምክቶም እንኽእል።  ኣብ ክንዲ ብኣኦም ርዒድና ንምብርከኽ፣ ፈሊጥና ጥራይ ኢና ብፍልጠት ክንምክቶም ክንበቅዕ ዘሎና፣ እምበር ንመን ቅጥዕም እሞ፣ ብዝሰንኪ እዞም ክናናን ምናን ተስፋ ክንቆርጽ። ኣይፋሉን፣ ንሳቶም እዮም ብግብሮም ተስፋ ክቆርጹ ዘለዎም እምበር፣ ንሕና ድኣ ደለይቲ ሕጊንዳብን ህንጻ መንግስትን፣ መሬትናን፣ ሃገርናን  ባሕርናን እምበር ምኣስ ካልእ ኮይኑ ጠለባትና። ምስምዒት ዘይኮነስ ብፍልጠት እንተተዋሃሂድን ድማ ነዞም ፈዛዛይ መሳርሒ ዮዮናውያን ክንምክቶም ንኽእል ኢና።
መቐጸልታ እዚ ሰነድ እዚ በብ ግዜኡ እንዳ ከፋፈልና፣ ታ ንእሽቶ መጽሓፍ፣ “ህንጻ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እዋን ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ” ዝብል ኣርእስታ ፣ ክሳብ እ መወዳእታ ብበኽፋል እንዳገበርና ከነቕርበልኩም ኢና።
ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 29.10።201ይ ዓ.ም.ፈ.…….