ምድረ-ባሕሪ (“ኤርትራ” => ብኮለንያል ጣልያን፣ “ሓዳስ አርትራ”=> ብመቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን ህግደፍ ከኣ ዝተጠመቐት) ሃገር ብዓሌቱን ብመበቆሉን ዝኾርዕ ህዝቢ ዝነብረላ፣ ቅድስትን ብልጽትን ብባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደለትን፣ ካብ ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ጀሚሩ ድማ፣ ብሕጊ-እንዳባ ዝተማእከሉ ብባሕረ-ነገስታት እንዳተማእከለ፣ ቋንቋኡን ፊደላቱን፣ ባህሉን ርቱዕ መንፈሳዊ እምነቱን ካብ ኲሎም ተጻባእትን ወረርትን ተኻላኺሉ ዝነብረላ ብሔር ወይ ሃገር እያ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ፣ ፍሉጥ መበቆልን ዓሌትን፡ ሃይማኖት፡ ባህሊን፡ ቋንቋን ዝነበሮን ዘለዎን ልሉይ ህዝቢ እዩ። እዛ ሃገር ጀጋኑ ዝኾነት ቅድስቲ ሃገር እዚኣ፣ ብዓዲን፣ ወረዳን፣ ኣውራጃን፣ ትሕተ ቅርጻ፣ ተሰሪታ፣ መሰል ኲሉ ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ ዝሑሉን ዝከላኸልን ሕገ-ኣንዳባ ካብ ጥንቲ ዝነበራ ሃገር እያ።

ንመረዳእታ ንምጥቃስ

ኣብ ሓማሴን ዝነበሩ ስርዓተ-ሕግታት
1ይ) ሕገ-ለገጭዋ
2ይ) ሕገ-ዓዲ-ቈንጺ
3ይ) ሕገ-ድንበዛን
4ይ)ሕገ-7 ዓንሰባ
5ይ)ሕገ-ሰሓርቲ
6ይ) ሕገ-ካርነሽም

ኣብ ኣውራጃ ኣከለጒዛይ ዝነበሩ ስርዓተ-ሕግታት
1ይ) ሕገ-ኣድግና-ተገልባ

ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ዝነበሩ ስርዓተ-ሕግታት
1ይ) ሕገ-ኣከለ ምልጋእ

ኣብ ኣውራጃ ሰኒሒት ምድረ-መንሳዕ ዝነበሩ ስርዓተ-ሕግታት
1ይ) ሕገ-ፍትሒ መሓሪ ሕጊ ክልኤ መንሳዕ

 እዚ ኲሉ ብሉጽ መለለዪ መንነት ነይሩዋ ከተብቅዕ ግና፣ ግብረ እከይ ጥራይ ዝስርሖም ምዕራባውያን ስለዝባሃጉዋ፣ ንህዝባ ኣላሽ ንምባል፣ ትካሎም ዝኾነ፣ ጭፍራ ሻዕብያ፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም መስሪቶም። ነቲ ትካል ሲኣይኤ ዝነበረ ሻዕብያ ኣፍሪሶም ድማ፣ ሎሚ ጭፍራ ህግደፍ ዝብሃል ብሓዲሽ ስለላ መርበብ እስራኤል ዝሕሎን ዝዕለምን ድያብሎስ ጭፍራ ስለላን ኮለላን ቅንጸላን መስሪቶም። ነቲ ብገረብ ብሓኽላ ሜላ እንዳሰርሐ፣ ንረብሓኦም ዝኽድም ጭፍራ ምሂዞም ንዕዘቦም ኣሎና። ህግደፍ መቐጸልታ ሻዕብያ ሰኒዖም፣ ሃገና ሎሚ በዚኦም ዘርኢ መርገም ረኺሳን ነዊራን ትርከብ ኣላ።

ርግጽዩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዂልና መሰልና ሕሉው እዩ። ሎሚ ግን ብሰንኪ ምዕራባውያን ዝመሃዙዎ እከይ ውዲት፣ብሕገ-ኣልቦ ጭፍራ ክንግዛእ ተቐሲብና። እወ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ሓሪሙና፣ ካብ ምዉታት ንላዕሊ፣ ካብ ህልዋት ከኣ ንታሕቲ ኰና ንነብር ኣሎና። ብባህርያዊን መጎታዊን ኲሉ ኣብዛ ፕላኔት ዓለም ዝነብር ህይቢ፣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ። ይኹ ንእምበር ስለዪ ኢሰያስ ኣብዚ እዋንዚ ግና ብመሃንድሳት ሃጸያውያን ተላኢኹ ይላገጸልና ኣሎ።

ስለዚ ካብ ኣዴታትናን ዝወረስናዮ፣ ሕቡን ብሂል ተኸቲልና፣ “ሰስኑ ሰስኑ ሴፍን ዋልታ ዂኑ! ኣንታ ዝሃገርና ከይኣትዋ ጓና”! ኢልና ነዞም ብምዕራባውያን ዝተኸትቡ፣ ቋንቋና ዝዛረቡ ኣቚሑት፣ ግንከኣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ምዕራባውያን ተላኢኾም ዝሸሙናን ዘጽኑቱናን ዘለው፣ ክናናን! ምናናን! ብሰላዪ ኢሰያስ ዝምርሑ ህግደፍ ክንምክቶምን ክንብድሆምን፣ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ!! ስለዚ እምብኣር፣ ነዛ  ይ ኣ ክ ል! ትብል ጭርሖ፣ እድሚቕናን ኣራጒድናን ብውህደት እንዳተጒዓዝና፣ ኣብ ሸቶኣ ከነብጽሓ ኣሎና። እንተድኣ ተራዳዲእካ ዘይትግበር ስራሕ የልቦን ! ማፍያ ህግደፍ ውሑዳት ወኻሩ ስለዝጠርነፈ ጥራይ እዩ ንብዙሓት ህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ። ስለዚ እቶም ብዙሓት ድኣሞ ስለምናይ ተዋሃሂድና ጸላኢና ዘይነለሊ????

እቲ “ዓወት ንሓፋሽ”! ዝብል ጽውጽዋይ ጭርሖ፣ ሎሚ ከኣ “ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ” ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ፣ ብውሽጡ ዔረ ብግዳሙ ከኣ መዓር፣ ግብራዊ ትርጒሙ ግና ወትሩ ሞት ንሓፋሽ! ዝኾነ መዓንጀሊን ጭርሖ ኢሰያስ ዘይኮነስ፣ ነቲ ቅኑዕ ትርጒም ዝሓዘ፣ ሓርነት ንህዝቢ አርትራ፣ ፍትሒ ንህዝቢ ኤርትራ ዝብል ጭርሖ ክንጭርሕ ኣሎና።

ይ  ኣ   ክ  ል ! ፍሹክል ጭርሖ  ዓወት ንሓፋሽ ምጭራሕ!

ጭርሖና ሓርነት ንህዝቢ አርትራ፣ ፍትሒ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን!!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ!