ክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ! ኣይንትሃመል እባ! ብፍላይ ንዓና ተመሲሎም ኣብ ማእከልና ተጸፍዮም ዘለው ውይጦታት ካብ ማእከልና ያዕ ንበሎም።

መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት፣ እታ ቅያር ድምጺ ሓፋሽ ዝኾነት ብወዲ ጀነራል ጎይትኦም እትውነን መርበብ እያ። ብባጀት ህግደፍ ከኣ ትምወል። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ወናኒ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት፣ ነቲ ዘኢትነገር ዝኾነ ምስጢር ሰልፊ ህግደፍን፣ እንዳቦይ ትዓገስ ወይ “ሓለዋ ሰውራ”ን፣ ከምኡውን ስለላን ኮለላን ልኡኽ ባዕዳውያን ማፍያ ኢሰያስ፣ ኣብቲ ስመር ዝብሃል ኣደራሽ ፓልቶክ ቀሪቡ ታሪኻዊ ሓቂ ብዘይ ሕብእብእ ሓርበኛ “ፎሮ” ክድሕድሖ ከሎ፣ ብርግጽ ኢሰያስን ቀንጸልቲ ኮራዂሩን ድቃስ ስኢኖም ኣለው። ወናኒ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት ግና፣ ከይሓፈረ ድርዕቶ-መስከረም (መስከረም ዝብል ታሪኻዊ ስም) ተጎልቢቡ፣ ንፎሮ ጸለሎ ክቐብኦ ገልዳሕ ይብል ኣሎ።

ንመረዳእታ ካብቲ ኣብቲ መርበብ ሓሶት ወይ ድማ ልሳን ህግደፍ ዝኾነ መርበብ “መስከረም ነት” ዝሓናጥጦ ዘሎ፣ ግንከኣ ቋንቋ ህግደፍን ወይ ባዶ ሰለስተን ዝኾነ ሃጠቀጠዋት፣ ከም “ፖለቲካ ደቂ ሕድርትና“ ከም “ስሞም ሓቢኦም ንተቓውሞ ፋሕ-ብትን ዘእትዉ ዘለዉ“ “ፖልቶክ ደቂ ሕድርትና“፣ ወ.ዘ.ተ . ረ. .ፈ እንዳበለ፣ ነቶም በጻሕትን ተኻታተልትን ደምበ ሓሶት “መስከረም.ኔት ዕንክሊል የብሎም ኣሎ። እቶም ዘለለንዮ ግና ንመማራመሪ መታን ክኾነና ኢና ቅልቅል ኢልና ንምለስ እምበር፣ ኣብቲ መርበብ ሓሶት እቲ ግዜና ከነጥፍእስ እይንደልን ኢና።

ኣንታ ነዚ ብዘምህረት የውሃንስ ዝተመልመለ ዋህዮ ባዶ ሰለስት ዝኾነ ወናኒ መርበብ ሓሶት መስከረምሲ፣ ዓገብ ዝብሎዶ ተሳኢኑ።

እረ እቲ ካብ ኩሉ ዘስድምም ነገር እንተድኣ ሃልዩ፣ እቶም ወይጦታት ዝኾኑ ግንከኣ ኣረገውቲ ጽሓፍቲ ኢና ብሃልቲ፣ “ኣናብር ወረቐትን ኢንተርነትን”፣ ኣብቲ መደበር ስለላ ባዶ ሰለስተ ዝኾነ ከም ጽንጽያ ጓጒድ ጦብሎቕ እንዳበሉ፣ ነቶም ሓቂ ደልዮም ኣብ መርበባት ኢንተርነት ኮለል ዝብሉ ደለይቲ ፍትሒ ንምዝንባዕን ንምድንጋርን፣ ወግሐ ጸብሐ ከይሓነኹ ኣናብር ኢንተንርነት ኮይኖም ዘውደኽድኹ ዘለው እዩ። እወ፣ ንገንዘብ ክብሉ ሃገርን ህዝብን ኣሕሊፎም ክህቡ ክትርኢ ከሎኻስ፣ “ኣየ መርገም”! እዩ ዘብለካ። ጉዳም ዘመን ኣርኪብና። ኣብ ውሻጠኻ ኮይኖም ዝስልዩኻ፣ ኣብ እንዳስዋን ባራትን ኣትዮም ስሚ ዝነዝሑልካ፣ ኣብ ኢንተርነት ንጽሕፍ ኣሎና እንዳበሉ ዘዳናግሩኻ። ሓቅን ሓሶትን ኣንዳሓዋወሱ፣ ኣውራ ተልእኾኦምን ግና ንደለይቲ ንባብን ሓበሬታን ምዝንባዕ ዝኾኑ፣ ካብ ባኣእምሮኦም ብሕንብርቶም ዝሓስቡ ኣረገውቲ ሰለይቲ ዝኾኑውን ከምዘለው ኣይንስሓት። ኣይንሕመቕ ንመክቶም! ዋላኳ ንሳቶም ዝርኣዩሉ ዘመን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ እንተኾነ፣ ሎምስ ፈሊጥናኩም ኢና ኣንቱም ኣንጭዋ ክልተ ዓንደል ኣባላት ባዶ ሰለስተ! ክንብሎም ክንበቅዕ ኣሎና! ድሕሪ ሰለፋስ እንታይ ተረፍ። እንታይ ክሳብ ንኸውን ኢና ንጽበ ዘሎና። ነዞም ብፍላይ ንዓና ተመሲሎም ኣብ ማእከልና ተጸፍዮም °ንክሊል ዝብሊ ዘለው ካብ ብኣእምርኦም ብሕንብርቶም ዝሓስቡ፣አረ ገሊኣቶምሲ ዘመድ-ኣዝማድ እውን ኣለዉ፣ ግና ንኽብዶም ስለዝተሸጡ ምሕረት ኣውርደልኩም ጥራይ ኢና ንብሎም። እንተኸኣልና ድማ ኣጋሊጽና ነጋለጽቲ ንሃቦም።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ደቂ ኣግኣዝያን

ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም.ፈ.