THE CORE TEACHINGS OF JESUS CHRIST

Matthew 5-7, King James Version (KJV)
1- የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ርኣየ ኣብ ከረን ደየበ። ኮፍ ምስበለ ድማ ደቂ መዛምርቱ፣ ጥቕኡ ቀረቡ።  2 – ኣፉ ከፈተሞ ከምዚ እናበለ ከኣ መሃሮም :- 

3 – ብመንፈስ ድኻታት፣ መንግስተ ሰማያ ናቶም እያሞ ብጹዓን እዮም። 4 – ዝጕሃዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ፣ ብጹኣን እዮም። 5 – ዓቃላት፣ ንምድሪ ክወርሱዋ እዮም እሞ፣ ብጹኣን እዮም። 6 – ጽጥቂ ዝጠምዩን ዝጸምእን፣ ክጸግቡ እዮም እሞ፣ ብጹኣን እዮም። 7 – መሓርቲ፣ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም። 8 – ጽሩያት ልቢ ንኣምላኽ ክርእዩዎ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም። 9 -ገበርስቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክብሃሉ እዮም እሞ፣ ብጹኣን እዮም።

10 – ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ፣ መንግስተ- ሰማያት ናቶም እያሞ፣ ብጹኣን እዮም።

11 – እንተጸረፍኹምን እንተሰጐጒኹምን፣ ምንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተተዛረብልኩምን፣ ብጹኣን ኢኹም።

12 – ከምኡ ከኣ ቅድሜኹም ንዝነብሩ ነብያት፣ ሰጒጎሞም እዮም እሞ፣ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለዝኾነ፣ ተሓጐሱ ባህውን ይበልኩም።

13 – ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም፣ ጨው መቐረት እንተኸደኸ ብምንታይ ይምቅር? ብሰብ ክርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተዘይኮኑ እምበር፣ ዝጠቅም የብሉን።

14 – ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ከተማ ክትክወል ኣይክኣልን እዩ።

15 – መብራህቲ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ከብርህ፣ ኣብ ቀዋሚ ቃንዴል ክሰቕሉዎ እምበር፣ ኣብ ትሕቲ ከፈር እንተ እንተድኣ-ኣእትዮሞ ግና ኣየብርህን እዩ።

16 – ከምኡ ከኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፣ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከመስግነኩም፣ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።

17 – ንሕጊ ኮነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሙዎም እምበር፣ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም።

18 – ሰማይን ምድርን ክሳብ ዝሓልፍ፣ ኩሉ ከኣ ክሳብ ዝፍጸም፣ ካ ሕግስ ሓንቲ ቅንጣብ ከምዘይትሓልፍ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

19 – እምብኣርከስ ካብዘን ንኣሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዓረ፣ ከምኡውን ንሰብ ዝምሃረ፣ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ክብሃል እዩ። እናገበረ ዝምህር ግና፣ ንሱ ኣብ መንግስተሰማይ ዓቢ ክብሃል እዩ።

20 – ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተዘይበዝሐ፣ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፣ aiለ እነግረኩም ኣሎኹ።

21 – ነቶም ቀዳሞት እቲ ዝቐተለ ከፈርዶ እዩሞ ፣ ኣይትቍተል፣ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም ኣሎኹም።

22 – ኣነ ግና ንሓዉ ዘቖጥዖ ዘበለ ኹሉ ክፍረዶ እየ። ንሓዉ፣ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፣ ዝበሎ ድማ ኣብ መገባኣያ ክፍረዶ። እቲ ኣታ ዓሻ፣ ዝብሎውን ንግሃነብ ሓዊ ክፍረዶ እዩ፣ aብለኩም ኣሎኹ።

23 – እምብኣርከ መባእ ኣብ መሰውኢ እንተድኣ ኣምጺእካ፣ ሓውካ ሓዚኑልካ ምህላዉ ድማ ኣብኡ እንተድኣ ሓሲብካ፣

24 – ነቲ ሞባእካ ኣብኡ ኣብቲ መሰውኢ ሕደጎ፣ ኪድ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዓረቕ፣ ድሕሪኡ ተመሊስካ ሞባእ ኣቕርብ።

25 – ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መንገዲ ከሎኻ፣ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዓረቕ። እንተዘይኮነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ከይህበካ፣ ፈራዲውን ንግልያኡ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከኣ ተኣቱ።

26 – እታ መወዳእት ቆድራንቴን ክሳብ እትፈዲ፣ ካብኣ፣ ከምዘይትወጽእ፣ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ።

27 – ነቶም ቀዳሞት ኣይትዘሙ ከምዝተባህለሎም፣ ሰሚዕኩም ኣሎኹም።

28 – ኣነ ግና ንሰበይቲ ክብህጋ ዝጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፣ እብለኩም ኣሎኹ።

29 – ዘማነይቲ ዓይንኻ እንተኣስሓተትካ፣ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነብ ካብ ዝኣቱ፣ እንተጠፍአት ይሕሸካ።

30 – የማነይቲ ኢድካ እንተኣስሓተትካውን፣ ካባኻ ቆሪጽካ ደርብያ፣ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነብ ካብ ዝኣቱስ፣ ሓንቲ ኣካልካ እንተጠፍአት ይሕሸካ። 31 -ንሰበይቲ ዝፈትሓ፣ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይህባ፣ ተባህለ።

32 – ኣነ ግና፣ ብዘይ መኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዝፈትሓ ዘበለ ዅሉ፣ ዘማዊት ገበራ፣ እቲ ፍትሕቲ ዘእተወ ድማ ዘመው፣ እብለኩም ኣሎኹ።

33 – ድማ ነቶም ቀዳሞት፣ ማሕላኻ ንእግዚኣብሔር ሃቦ እምበር፣ ብሓሶት ኣይትምሓል፣ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም።

34 – ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፣ ብሰማይ ኮነ፣ ዙፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፣

35 – ብምድሪ ኮነ፣ መርገጽ እግሩ ብሰማይ ኮነ ዙፋን ኣምላኽ እዩሞ፣ እያሞ፣ ብዮሩሳሌም ኮነ፣ ከተማ እቲ ዓቢ ንጉስ እያ እሞ፣ ከቶ ኣይትምሓሉ።

36 – ካብ ጸጕሪ ርእስኻ ሓንቲ ከትጻዕዱ ወይ ከተጸልም፣ ኣይትኻልን ኢኻ እሞ፣ ብርእስኻ እኳ ኣይትምሓል።

37 – ነገርኩምስ እወ፣እወ፣ ኣይኮነን፣ እይኮነን ድኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሐ ከኣ ካብቲ ብዙሕ እዩ።

38 – ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ፣ ስኒ ክንድ ስኒ፣ ከምእተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም።

39 – ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፣ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዝወቕዓካ ግና፣ እታ ካልኣይቲ’ውን ምለሰሉ።

40 – ነቲ ክማጐተካ ቀሚሽካ ከኣ ክወስድ ዝደሊ፣ ነታ ክዳንካውን ሕደገሉ።

41 – ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሓበካ፣ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኪድ።

42 – ንዝለመነካ ሃቦ፣ (መጽውተሉ)፤ ካባኻ ክልቃሕ ንዝደሊ’ውን ኣይትኽልኣዮ።

43 – ብጻይካ ፍቶ ጸላኢኻ ጽላእ፣ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም።

44 – 45 – ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ ጸላእትኹም ፍተዉ፣ ንዝረግሙኹም መርቑ፣ ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዝነብር ኣቦኹም መታን ክትኮኑ፣ ንሱ ንክፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፣ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ዝናብ የዝንብ የዝንሞ እዩሞ፣ ንዝጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፣ ስለቶም ዝጸርፉኽ(ምን ዝሰጕኹምን ጸልዩ።

46 – ነቶም ዝፈትውኹም እንተፈቶኹም፣ እንታይ ዓስቢ ኣሎኩ? ተገውትስ (ኣኽፈልቲ ግብሪ፣ ቀረጽ) ከምኡ ይገብሩ ኣይኮኑን።

47 – ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተተቐበልኩምከ፣ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም? ኣህዛብሲ ከምኡዶ ይገብሩ እየለውን? 46 – እብምኣርከስ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ፣ ንስኻትኩም’ውን ፍጹማት ኩኑ።

6ይ -ምዕራ

1 – ጽድቅኹም፣ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ፣ ኣይትግበሩ ተጠንቀቑ።እንተዘይኮነስ ኣብቲ ኣብ ሰማይችዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብሉምን።

2 – እምብኣር ንስኻ ክትምጽውት ከሎኻ፣ ከምቲ እቶም ግቡዛት፣ ብሰብ ምእንቲ ክንኣዱ ኣብ ኣብያተ ጸሎትን፣ ኣብ እደባባይን፣ ዝገብሩዎ ኣብ ቅድሜኻ (ኣይትጅሃር) መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ከምዝወሱ ብሓቂ aብለኩም ኣሎኹ።

3 – 4 – ንስኻስ ምጽዋትካ ብሕቡእ ክኸውን፣ እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ክኽሕሰካ፣ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይቲ ኢድካ እትገብሮ፣ ጸጋመይቲ ኢድካ ኣይትፍለጦ።

5 – ንስኻትኩም ክትጽልዩ ከሎኹም እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ክርኣዩ፣ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን፣ ኣብ ቀራናታት መገድን ደቅ ኢሎም ክጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፣ ከምእታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከምዝወስዱ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

6 – ንስኻስ ክትጽሊ ከሎኻ ኣብ ቤትካ እቶ፣ ማዕጾኻ ዕጾ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ከኣ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ክኽሕሰካ እዩ።

7 – ክትጽልዩ ከሎኹም ድማ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዝስምዑ ይመስሎም እዩሞ፣ ከማእቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ።

8 – እምብኣርከስ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፣ ዘድልየኩም ይፈልጥ እዩሞ፣ ኣይትምሰሉዎም።

9 – ንስኻትኩምሲ ከምዚ ኢክልኩም ድኣ ጸልዩ፣ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፣ 10 – መንግስትኻ ትምጻእ። ፈቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ፣ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 11 – መግቢ (እንጀራ) ዕለትና ሎሚ ሃበና። 12 – ንሕና ንዝበደሉና ከምዝሓደግናሎም፣ በደልና ሕደገልና። 13 – ካብ ክፉኣ ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይትእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን፣ ንዘልኣለም ናትካ እዩሞ፣ እ ሜ ን ።

9   After this manner therefore pray ye: Our Father which art in heaven, Hallowed be thy name.

10   Thy kingdom come, Thy will be done in earth, as it is in heaven.

11   Give us this day our daily bread.

12   And forgive us our debts, as we forgive our debtors.

13   And lead us not into temptation, but deliver us from evil: For thine is the kingdom, and the power, and the glory, for ever. Amen.
(THE LORD’S PRAYER (‘OUR FATHER’) IN 30 LANGUAGES)

14 – ንሰባት በደሎም ንተድኣ ሓዲግኩምሎም፣ ንኣኻትኩም ድማ ሰማያዊ ኣቦኹም፣ በደልኩም ክሓድገልኩም እዩ።

15 – ንሰባት በደሎም እንተዘይሓዲግኩምለም ግና፣ ኣቦኹም ድማ ንኣኻትኩም በደልኩም ኣይሓድገልኩምን እዩ።

16 – ክትጾሙ ከሎኹም እቶም ግቡዛት፣ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ክርኣዩ፣ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፣ ከምኣቶም ጽምሉዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከምዝወስዱ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

17-18 – ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ ጽዋማይ ምዃንካ፣ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ድኣንበር፣ ብሰብ ምእንቲ ከይትርአ ርእስኻ ተለኸ፣ ገጽካውን ተሓጸብ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ክኽሕሰካ እዩ።

19-21 – መዝገብካ ኣብዘለዎ፣ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ባልዕ ኣብዘይበልዖ፣ ነቐዝ ከኣ ኣብ ዘየንቅዞ፣ ሰረቕቲ ኲዒቶም ኣብዘይሰርቅዎ፣ ኣብ ሰማይ ድኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፣ ባልዕ ኣብዝበልዖ፣ ነቐዝ ኣብዘንቅዞ፣ ሰረቕቲ ኲዒቶም ኣብዝሰርቁዎ ኣብ ምድሪ ንዓኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።

22 – መብራህቲ ስጋ ዓይኒ እያ፣ ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተኾነት፣ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ዝኸውን። 23 – ዓይንኻ ሕምምቲ እንትደኣ ኮይና ግና፣ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፣ ካብጸልመተ ጸልማትስ ክንደይ ዓቢ ይኸውን?

24 – ንኽልተ ጐይቶት ክግዛእ ዝኻል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፣ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፣ ነቲ ሓደ ከኣ ይንዕቕ።
ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኸነልኩምን እዩ።

25 – ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽን፣ ካብ ዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፣ ስለዚ ንህይወትኩም፣ ብትበልዑዎን ብትሰትዩዎን፣ ወይከኣ ንስጋኹም ብእትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፣ እብለኩም ኣሎኹ።

26 – ንኣዕዋፍ ሰማይ እስከ ተመልከቱ፣ ሰማያዊ ኣቦኹም ድኣ ይምግበን እምበር፣ ኣይዘርእ ኣይዓጽዳ ኣብ ማዓከንውን ኣይእከባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ካባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን።

27 – ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ካብ ቅሞቱ ሓንቲ እመት፣ ክውስኽ ዝኽእል መን ኣሎ?

28 – ከመይከ ብኽዳን እትጭነቑ? ዕንባባታት መሮር ከምይ ገሮም ከምዝዓብይ እስከ ተመልከቱ። ኣይደኽሙ ኣይፈትሉ።

29 – ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ ስቲ ኵሉ ክብሩ፣ ከም ሓደ ካባታቶም ከምዘይተኸድነ፣ እብለኩም ኣሎኹ።

30 – ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ኣብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገሩ፣ ዝኸድኖ ካብ ኮነ ድኣ፣ ኣቱም ጕዱላት እምነት፣ ንኣኻትኩም ደግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን?

31 – እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ እንታይ ንሰቲ፣ እንታይ ንኽደን ኢልኩም ኣይትጨነቑ።

32 – ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልዩዎ እዮም እዮም እሞ፣ ንኣኻትኩም እዚ ኵሉ ከምዘድልየኩም፣ ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።

33 – ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

34 – ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያሞ፣ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ክፍኣታ ይኣኽላ።

 

ምዕራፍ 7 ኣብ ዝቕጽል ክቐርብ እዩ።

7