ኩባንያ ህግደፍ፣ ገዛውቲ ሓፋሽ ከፍርስ ሓግዩን ከሪሙንስ፣ ሎሚ ከኣ ነተን ዝተረፋ ገዛዊቲ ክህግረን “ሓዲሽ ኣዋጅ ኣብ ዋጋታት ክራይ ገዛ” ኣዊጁ። ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃናይን፣

ኣየ ጉዳም ኣንዳ-ህግደፍ! ትማሊ ገንዘብ ህዝቢ ገቢቶም፣ ሎሚ ከኣ ገዛውቲ ህዝቢ ንኽዘምቱ እቲ ብስም ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት” ዝፍለጥ ትካል ኩባንያ ህግደፍ፣ “ሓዲሽ ኣዋጅ ኣብ ዋጋታት ክራይ ገዛ” ዝብል ኣዊጁ! ክሰርቀኒ ከሎ ዝርኣኹዎስ ክህበኒ ከሎ ነይኣምኖ! ወይድማ ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስዕ! ኣቶም ኣብ ስደት እናነበርኩም ገዛውቲ ደቀባት ዝዓደግኩም ድኣ ሎሚ እንታይ ክትብሉ ኢኹም?

እቲ ብ“ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት” ዝፍለጥ ትካል ኩባንያ ህግደፍ ዝተኣወጀ፣ “ሓዲሽ ኣዋጅ ኣብ ዋጋታት ክራይ ገዛ” ብጥሪኡ  ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ እንሆ፣- ሚኒስትሪ ዞባዊ  ምምሕዳራት፡ ንመጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥራይ ክስራሓሉ ዝጸንሐ መምርሒ፡ ብሃገር ደረጃ ክስራሓሉ ዘኽእል ዝተመሓየሸ መምርሒ ኣውጺኡ። እዚ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ፡ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ፡ ኣብ ዓቐን ስፍሓት ገዛ (ትርብዒት ሜተር) ዝምርኮስ ኮይኑ፡ ኣብ ዓሰርተ (10) ናይ ክራይ ዞናት ተኸፋፊሉ ዝወጸ ኢዩ።

  1. ኣብ ኩለን ዞባታት ዝርከባ ከተማታት፡ ሓውሲ-ከተማታትን ገጠራትን፡ ብዓይነትን ደረጃን ኣባይቲ፡ ትሕተ-ቅርጽን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ስለ ዝፈላለ፡ እቲ ናይ መጠን ክራይ መወሰኒ ሰሌዳታት፡ ካብ ሓደ ክሳብ ዓሰርተ ዞናት ተመርኲሱ መጠን ወርሓዊ ክፍሊት ክራይ ይውሰን።

  2. ኣብ ተርታ ቁጽሪ 1 ከም ዝተጠቕሰ፡ ዝምልከተን ምምሕዳር ዞባታት ናይ ነፍስ-ወከፍ ከተማ/ሓውሲ-ከተማ/ገጠር፡ ጎደናታት ወይ ከባቢታት ብምፍላይ/ ብምንጻር ዝሰማማዕ ሰሌዳታት ይመርጻ። ኣብ 1ይ ዞን ዝምደቡ ኣባይቲ እቲ ዝለዓለ መጠን ክራይ ዝኽፈሎ ኮይኑ፡ ኣብ 10ይ ዞን ዝምደቡ ኣባይቲ ከኣ እቲ ዝተሓተ መጠን ክራይ ዝኽፈሎ ይኸውን።

  3. ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዝካረ ቤት ዝርከብ ክፉት መሬት፡ ብሕሳብ 0.50 ናቕፋ ንት/ሜ ተቐሚሩ ኣብ ወርሓዊ ክራይ ይድመር።

  4. እዚ ዝተመሓየሸ መምርሒ ካብ ዕለት 01/08/2017 ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ነባራት ተኻረይትን ዝጸንሐ ውዕል ክራይ፡ ካብ ዕለት 01/08/2017 ጀሚሮም፡ ነናብ ንኡስ ዞባኦም ዝርከብ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ከራይ ኣባይቲ እናቐረቡ፡ ውዕል ክራዮም ከሐድሱን ከመዝግቡን ግዴታ ኣለዎም።

  5. ሓደስቲ ተኻረይቲ፡ ክራይ ካብ ዝጀመርሉ ግዜ ውዕሎም ናብ ቤ/ጽ ምምሕዳራ ክራይ ኣባይቲ ን/ዞባ እናቐረቡ የመዝግቡ።

  6. ነዚ ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒ ዝጥሕስ ኣካራዪ፡ ማለት ውዕል ክራይ ከይገበረ ዘካሪ ወይ ወርሓዊ ክራይ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ምስ ዘኽፍል፡ ብሕጊ ተሓታቲ ይኸውን። ዝርዝር ኣከፋፍላ ወርሓዊ ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፡ ከም’ዚ ኣብ ሰሌዳታት ተመልኪቱ ዘሎ ይኸውን።

ርእይቶ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣

ኣምሆ የመን ባኣዋጅ መሬት ህዝቢ ብመንግስቲ ከምዝተሃገረ ተኣዊጁ።
ጸኒሑ ኣውራጃታት ኤርትራ ኣብ 6 ዞባታት ከምዝተቐየራ ተኣዊጁ።

ካብኡ ቀጺሉ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ መንእሰይ ኤርትራ ብግዲ “ንሃገራዊ ኣገልግሎት” ቀንዲ ተግባራዊ ትርጒሙ ግና ባርነታዊ ወፍሪ ንኽወፍር ተኣዊጁ።

ጸኒሑ ድማ ብመኽንያት ወራር ወያኔ  ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ተዘሪዑ ክነብር ተኣዊጁ። 30 ዓመታትተደመሮ 26 ግይዛዊ መንግስት ህግደ = 56 ዓመታ!!!

ትማሊ ከኣ ገንዘብ ህዝቢ ብመንግስቲ ከምዝህገር፣ ማንም ወዲ ሃገር ድማ ካብቲ ኣብ ባንክ ዘዋህለሎ ገንዘብ፣ 5 ሽሕ ናቕፋ ጥራይ ከውጽእ ክፍቀዶ፣ ተኣዊጁ።

ዝሓለፈ ወርሓት ድማ ደገፍቱን ተጻረርቱን መታንንኽፈልጥ፣ ሓዲሽ መንነት ወረቐት ክቕየር ኣለዎ ኢሉ ኣዊጁ። እቲ ቀንዲ ውዲታዊ ዓላማኡ ግና፣ ንባይቶ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፣ ክንድዚ ህዝቢ እዩ ዝድግፈኒ ዘሎ፣ ተቓወምቲ ዝብሃሉ የለውን ኢሉ ብውዲት ንኽእምኖም ኢሉ ዝመሃይዞ ውዲት እዩ።  ብፍላይ ድማ ሎሚ እቶም  ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣባልነት ህግደፍ ስለዝጠንጠኑዎ፣ በቲ ስለላን ኮለላን ወፍርታቱ፣ ብስታቲስቲክ ስለዝበጽሖ፣ ከም መቕጻዕቲ መሬቶምን ገዛውቶም ከሕድጎምን እዩ ነዚ ኣዋጅ እዚ ብመጽናዕቲ ኣዊጁዎ ዘሎ።

ስለዚ ድማ ህግደፍ ገዛውቶም ቊማር ክብሎም እንሆ ኣዊጁዎ። እወ፣ “ሓዲሽ ኣዋጅ ኣብ ዋጋታት ክራይ ገዛ” ብዝብል ሜላ ገዛውቲ ክዘምት እዩ መደቡ። ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ።

ሎሚ ከኣ ነቲ መስኪን ኣብ ስደት ላሕ ኢሉ ገንዘብ ኣዋህሊሉ ዘጥረዮ ገዛውቲ ክግብቱዎ እንሆ ደፋእ እንዳበሉ ኣካይዳ ጎብየ ክኸዱ ንዕዘቦም ኣሎና።

ንሕናስ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና ምስቀበጽናዮም ኢና፣ ኣንታይሞ ይገበር፣ ኣኣምሮ ህዝቢ ኤርትራ እንድዩ ብእከይ ግብሪ ህግደፍን ጎይቶቱን ተመሪዙ። (ማይንድ ኮንትሮልድ) ኮይኑ። እቶም ዝሕዝኑ ድማ እቶም ገዛውቲ ስለዝገዝኡ ከም ጅሆ ተታሒዞም፣ ከይፈተዉ ንህግደፍ ዝድግፉ ዝነበሩ ገርሀኛታት ደቂ ሃገር እዮም። እወ፣ ብዘይ ንሕስያ ገዛውቶም ከግድፉዎም እዮም። ጽባሕ ብጊሓትከ ኣንታይ ዓይነት ኣዋጅ ክእውጁ እዮም እንዳ ኩባንያ ህግደፍ?

ገምጋምናን ፖለቲካዊ ትንተናናን

ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ ዘለዎ ድኣ መሲሉዎ ኣምበር፣ ጭፍራ ህግደፍ ነስመራ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፣ ኣብ ክንዲ ብሕገ መንግስቲ፣ ብሕገ-ኣልቦ ኣዋጃት እንዳ ኣወጀ ጥራይ እዩ ንህዝቢ ከሃምልን ከታልልን ጸኒሑ።

እቲ ኩሉ ኣውጃት ድማ ጸረ ህዝብን ጸረ ፍትሕን፣ ዘይሕጋውን እዩ። ነዚ ግና ብፍላይ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲዱ ዝነብር ሓደ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፣ ገዛውቲ ንኽሰርሕ ብህግደፍ ስለዝተፈቕደሉ ሓቂ መሲሉዎ ገዛውቲ ክዕድግን ከስርሕን ሃረምረም ኢሉ ተጓዪዩ።

እቲ ገዛውቲን መሬትን ግና፣ ኩብንያ ህግደፍ፣ ከም ትሕጃን፣ ከምዋሕስ፣ ከምዝሓዞ ገና ኣይተሰቆሮምን። እወ፣ ነቶም ገዛውትን መሬትን ዝዓደጉ እሞ ከኣ፣ ኣብ ስደት ዝነብሩ፣ መታን ንኸይቃወሙ ኢሉ እዩ መሬት ደቀባት ዓዲሉዎም። እወ፣ መታን ንብረቶም ክብሉ “ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና፣ መንግስትና ናትና” ክብሉ ጀሚሮም። እዛ መድረኽ እዚኣ ግና፣ ዝብኢ ክሳብ ዘሎ ይሕንክስ ስለዝኾነት፣ ኣይግዳዱ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ነተን መሃንድሳት ጽዮናውያን ዘስነቑዎ መደብ ዕዮታትት ቅድሚ ሎሚ ደፋእ እናበለ በብሓደ ከተግብረን ጸኒሑ። ሎሚ ግና ብሕጒያ ከተግብረን ኲንትራት ወሲዱ ንዕዘቦ ኣሎና። ብፍላይ ነቶም ገዛውትን መሬትን ዝገዛኡ ድማ ንብረቱ ኮይኖም ክሳብ ዝጒሕፎም ጅሆ ገሩ ክሕዞም ጸኒሑ።

ሎሚ ግና እቲ ምድረኽ ዳራጋ ስለዝኣኸለን፣ ይዝቃወሞ ሓይሊ ከምዘየለ ስለዘረጋገጸ ከኣ፣ ዋል ነቶም ናቱ ክውሕጦም ጀሚሩ። ይኣይ ከምናቱ ዝኾኑ ገሩ ሒዙዎም ጸኒሑ እዩ። ብርግጽ ግና ከም ጁሆ ሒዙዎም ከምዝጸንሐ ጥራ እዩ እቲ ሓቂ። ሎሚ ድማ ኣንሆ ድኣኽሎ ገንዘብን ንብረት ህዝብን ስለዝግሓጠ፣ እንታይ ከይገብሩ ኣበይ ከይበጽሑ ደይ ኣብ ስደት እዮም ዝተርፉ፣ እንተተመልሱ ድማ ብሬሳ ሳንዱቕ እዮም ዝምለሱ፣ ካብዝብል ውዲታዊ መደብ ዕዮ፣ እንሆ ገዛውቲ ህዝቢ ንክግብት ተጠሊዑ ኣዋጅ ኣዊጁ።

ስለዚ፣ ዝኸበርኩም ገና ንግዜኡ ወነንቲ ገዛውትን መሬትን ዝኾንኩም ደቂ ሃገር፣ ብፍላይ ድማ እቶም ንመዋኣል ንህዝባዊ ግናብር ከም ሓፋሽ ውድብ ኮንኩም ዘገልገልኩምን፣ ክሳብ ሎሚውን ንህግደፍ ክትግብሩ ዝጸናሕኩምን፣ ህግደፍ ንሰራዊቱን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ክሓሊ ዘይከኣለስ፣ ንዓኹም ኣብ ስደት ኣትነብሩ ወነንቲ መሬት ክሓልየልኩም ከቶ ኣይደልን እዩ። መደቡ ድማ ከቶ ኣይኮነን። ሓልዮት ዝብሃል ድማ ንጭፍራ ህግደፍ ኣመሉ ኣይኮነን። ክሳብ ሎሚ ዘታልለኩም ዝጸንሐ ግና ኣብ መወዳእታ ገዛውትኹም ከሕድገኩም ከምዝኾነ ጥራይ  እዩ።

“ካብ ዝብኢዶ ዓጽሚ” ከምዝብሃል፣ ኩባንያ ህግደፍ፣ ዋጋ ክራይ ገዛ ዓጂቡዎ ዘይኮነስ፣ ገዛውቲ ህዝቢ ንኽዘምት ኢሉ ኣዩ ነዚ ብስም ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት” ዝፍለጥ ትካል ኩባንያ ህግደፍ ኣቢሉ፣ “ሓዲሽ ኣዋጅ ኣብ ዋጋታት ክራይ ገዛ” ዝብል ንኸምስል ኣዊጁ ዘሎ። ኩባንያ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ፣ ንህዝቢ ኤርትራ በተኽ ገሩ፣ ንባህርያዊ ጸጋ ህዝቢ ንባዕዳውያን ኣረኪቡ፣ (ከም ዕደና ወርቂ ብሻን ሃይኮታን ጽዮናውያን ይዘምትዎ ኣለዉ)፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ማይ ጠፊኣ ሉቸ ተቐልቂላ ክብል ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ነታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ን ከምትወድቕ ክገብር እዩ!! እቲ ቀንዲ ሕልሙን መደብ ጎይቶቱን ድማ ከምኡ እዩ። እዚ እዩ  እምብኣር ራእዪን ተልእኾን ኢሰያስ ኣፈወርቂ። ስለዚ “ኣይላጸን ዝበለስ ቊማል ይብልዓዮ” ከምዝብሃል፣ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንኩባንያ ህግደፍን ልኡኽ መላኺ ኢሰያስን፣ ኣምቢ ምሳኹም እምቢ ምስ ኢሰያስ ኢሉ ክምክት መድረኹ ይጠልቦ ስለዘሎ፣ ሕጂ ተቓውሞኡ ክጅምር ኣለዎ። ሎሚ ንጽባሕ ክሓስብ ኣንተዘይክኢሉ ግና፣ ጽባሕ ብጊሓት ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ ኮይኑ ምስተረፈ፣ ዋይ! ዋይ! ጥቕሚ የብሉን እሞ፣ ሕጂ ንበገስ! ሕጂ እምቢ ንኢሰያስ! ንበል።

ውድቀት ንኣካይዳ ጎብየ ህግደፍ፣ ንቕሓትን ውህደትን ንህዝቢ ኤርትራ!
ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ሰነ 29. ሰነ 2017 ዓ.ም.ፈ.