When one person suffers from a delusion, it is called Insanity. When many People suffer from a delusion it is a Religion. Robert M. Prisig
ሓደ ውልቀ-ሰብ ብምትላል እንተድኣ ተሳቒዩ ዕብዳን ይብሃል። ብዙሓት ህዝቢ እንተድኣ ብምትላል ተሳቒዮም ድማ ሃይማኖት ይብሃል። Robert M. Prisig

ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም፣ ወዲ ሰብ በብዓይነቶም ውዲታት ክፉኣት ደቂ ሰባት ዝተማህዙ ምትላላት ክታለል ጸኒሑ እዩ። እቲ ቀንዲ ንህዝቢ ዓለም ዘታለለ ዓቢ ማሕበር ግና ሃይማኖት እዩ። ብርግጽ ሃይማኖት ኣብ ሓደ ፈጣሪ ንኽትኣምን ዝመርሓካ ሓደ ቅዱስ ኣምነት እዩ። ግንከኣ ብልሓተኛታትን ውዲታውያንን ደቂ ሰባት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ነቲ ሃይማኖት ከም ድፋዕ ተጠቒሞም ንህዝቢ ዓለም ከፋልሱዎ ጸኒሖም። ወዲ ሰብ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ነንሓድሕዱ ክፋለስ ጸኒሑ እዩ። ንመረዳእታ፣ ባቢሎናውያን ብናብከደናጾር ንጉሶም ማእለያ ዘይብሉ ውግኣት ፈጺሞም እዮም። ግሪኻውያንን ኢራናውያን እውን ከምኡ መሪር ውግኣት ኣካይዶም እዮም። ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ብ570 ነቢዪ መሓመድ ምስ ተወልደ ድማ ኣብ 600 ክፍለዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ማለትዩ፣ ከሊፋውያን ዝብሃሉ ኣስላም ካብ ዓዲ ዓረብ ተበጊሶም ንመላእ ሰሜን ኣፍሪቃን ክሳብ ምዕራባዊን ሰሜናዊ ምብራቕን ብባርባራዊ ግፍዒ ነቶም ክርስትያን ዝነበሩ ህዝብታት ኣመስሊሞሞም እዮም። ድሕሪኡ ድማ ሮማውያንን ከም መስቀላውያን ዝብሃሉ ሓይልታት ኣንጻር ኣስላም እዚ ዘይብሃል ደም ኣፍሲሶም እዮም። ድሕሪ ሮማውያን ድማ ቱርካውያን ግፍዓዊ ወራር ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳን ሃገራት ኣዕራብን ኣፍሪቃን ኣካይዶም:: ካብኡ ግና ብኤውሮጳውያን ተሳዒሮም። ድሕሪዚ’ውን እቲ ዓብላሊ ሓይሊ ብእንግሊዛውያን ተጠቕለል። ስለዚ መንግስቲ እንግሊዝውን ብፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ወፍሪ ተመሪሓ፣ ኣብ መላእ ዓለም ግዝኣታ ኣስፋሕፈሐት። ብፍላይ ንሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ብዘስካሕክሕ መግዛእቲ ገዝኣተን። ኣብ ግብጺ ናይጀርያ፣ ሱዳን፣ ኬንያ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ወዘተ….ከኣ ብፈላሊኻ ግዝእ ገዝእተን። መፍትሕ ስልጣኔ ከኣ ሓብኣትለን።

ጎኒ ጎኒ እዞም ሓይልታት ግና ሃይማኖታዊ ፍልልያት እንዳዛየደ ከይዱ እዩ። ንመረዳእታ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ክርስትና፣ ካብ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሩ እቲ ርትዓዊ ሃይማኖት፣ ብቋንቋ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ዝብሃል ክሳብ 1300 ዓ.ም.ፈ. ጸኒሑ። ካብኡ ንድሕር ግና ሃይማኖት ካቶሊክ ዝብሃል ማለት ብ1313 ዓ.ም.ፈ. ተማሂዙ። ጸኒሑውን ፕሮተስታንት ዝብሃል ሃይማኖት ኣብ 1500 ዓ.ም.ፈ. ብማርቲን ሉተር ዝተባህለ ጀርመናዊ ፈላሲ ተኣታትዩ።

ኣብ ውሽጢ ምስልምና ድማ ሽዒትን ስኒትን ዝብሃሉ ኣንጻር ዝኾኑ ሃይማኖታት ተመስሪቶም። ሓደ ኣምላኽ እንተድኣ ኣልዩ ኮይኑ ግና ስለምንታይ እዮም በብዕይነቶም ሃይማኖታት ክመሃዙ ተደልዩ፣ እዚ ምህዞዚከ ንጽቂ ድዩ ወይስ ንሓጥያት? ብፍላይ ኣብዚ ዘሎናዮ መዋእል እሞከኣ፣ ብኣሽሓት ዝቒጸራ ሓደስቲ ሃይማኖታት ከም መሰኻኽር የሆዋ፣ ከም ጴንጠቆስጠ፣ ከም እድቨንቲስት ወይ ሰቨንስደይ  ወይከኣ ሓደስቲ ሃዋርያት ወዘተ…ዝብሃላ ተማሂዘን ንህዝቢ ዓለም ፈላልየን፣ ካብቲ ንቡር እምነቱ የዛናብልኦ ኣለዋ።

እተን ዓበይቲ መንግስታት ዝብሃላ ድማ ኮነ ኢለን ንሃይምኖት ከም መሳርሒ ተጠቒመን፣ ንኣስላምን ክርስትያንን የውግእኦም ኣለዋ። ንመረዳእታ ኣብ ሶርያን፣ ኣፍጋኒስታንን፣ ዒራቕን፣ ሊብያን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎ ብኣኽረርቲ ኣስላም ዝባራዕ ዘሎ እዩ፣ ተባሂሉ ብማዕከናት ፕሮፓጋንዳ ምዕራባውያን እኳ እንተተወርየ፣ እቶም ቀንዲ መሃንድሳት ኮይኖም ነዚ ሓዲሽ ወፍሪ ኣኽራሪ ሓይሊ ምስልምና ዝመሃዙዎን፣ ዝዝውሩዎን ዘለው ግና ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን እዮም። ነቲ ዝነበረ ክርስትያንን ምስልምና እምነታት ኣባላሹዮምን ኣነዊሮምን ግና  ኣብ መውዳእታ ዓላምኦም፣ ነቲ ጸረ ክርስቶስ ዝኾነ ታልሙድ ዝብሃል መጽሓፍ ዝምራሕ ሃይምኖት ያሁድ  ከም እንኮ ሃይማኖት ገሮም ንስፍሕፋሕ እዩ።  ክሳብ ሎሚ ይሁዳውያን ክርስቶስ ገና ብሕጂ እዩ ክውለድን ክመጽእን ኢሎም እዮም ዝኣምኑ። ንክርስቶስ ዝሰቐሉዎ ድማ ንሳቶም እዮም። እቲ ኣብ ኤርትራ ምእሳር ፓትርያርክን፣ ድፍረት ቅድስቲ ርትዓዊት ቤተክርስትያን (ኦርቶዶክሳዊት ብቋንቋ ግሪኽ)  ብኢሰያስን በቲ ኣብ እስራኤል ታልሙት ዝብሃል ፍልስፍና ድያብሎስ ዝተማህረ ነውራም ወዲ ቐሺ ዲሞጥሮስን ንጹርን ሕቡእን ዓላማ ስለዘለዎ እዩ። ንሱ ድማ ነዚ ርትዓዊን ኦሪታዊን ተዋህዶ ሃይማኖት ኣፍሪስካ ቅድም ብቫቲካን ምትካ ድሓር ድማ ብይሁድ ሃይማኖት ንምትካ እዩ። ስለዚ ደቂ ሰባት ንሃይማኖት መሳርሒ ውግእን ዕዳጋን ስለዝገበሩዎ እዩ፣ Robert M. Prisig “ሓደ ውልቀ-ሰብ ብምትላል እንተድኣ ተሳቒዩ ዕብዳን ይብሃል። ብዙሓት ህዝቢ እንተድኣ ብምትላል ተሳቒዮም ድማ ሃይማኖት ይብሃል”: ዝበለ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 22 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.ፈ.