(ሓይሊ ኣየር፡ ካብ ውልደት ክሳብ ሞት)

ቀዳማይ ክፋል

ክቡራት ተኸታተልቲ!!

ንሓይሊ ኣየርን ላዕለዎት ሓለፍትን ዝምልከት ጽሑፋት ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ንከቕርበልኩም መደባት ሰሪዐ ነይረ፡፡ እንተኾነ ምኩራት ኣባላት ሓይሊ ኣየር ከም ሃገሮም፡ በቢዝረኸብዎ ኣጋጣሚታት ነቲ ዓፋኒ ገባቲ ስርዓት፡ ራሕሪሖም ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዕቑባ ኣብ ምሕታት ስለዝርከቡ፡ ነዞም ፍጻመታት ኣመልኪተ ዘዝረኸብኩዎን ዘተኣኻኸብኩዎን ሰነዳትን ሓበሬታታት ምቕራብ ክቕጽል’የ፡፡

ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ምስ ኣዛዚ ሓ/ኣየር ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ ገለ መቀያየሪ ንዋት ክዕድጉ ናብ ሕቡራት ዒመራት ካብ ዝተጓዓዙ 4 ኣባላት ሓ/ኣየር እቶም ክልተ (መጀር ዮናስ ሄኖክን ካፒተን ኣስመሮም ኣማኒኤልን) ብኡንብኡ ናብ ዓዲ ጥልያን ዕቑባ ምሕታቶምን ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝተፈጥረ ሻቕሎትን ዝምለከት ሓበሬታ ብመልክዕ ሰበር ዜና ፈንየልኩም ኔረ፡፡ ኣብዚ ቅንያት ድማ ክልተ ኣባላት ሓ/ኣየር ሓንቲ ነፋሪት ሒዞም ናብ ሃገረ ኢትዮጵያ ዕቑባ ምሕታቶም ብዝተፈላለዩ ሚዲያታት ይወዓዋዕ’ሎ፡፡

እቲ ዘገድስ ኩሉሻዕ ክስቶ ሃዲሙ ክስቶ ከዲዑ ኢልካ ምዝርራብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ወድዓዊ ባይታ እቶም ዝሃድሙ ዘለው ዜጋታት ኮይንካ ንነገራት ምርዳእ ኮይኑ ይስማዓኒ፡፡ ስለዚ እቲ ንሰማያት ኤርትራ ካብ ጸላኢ ክከላኸል ዝቖመ ሓ/ኣየር ሃገርና ከም ሃገሩ ካብ እዋን ናብ እዋን ናብ ውድቀት ዝዛርየሉ ዘሎ ምኽንያት ምርድኡ ኣገዳሲ እዩ፡፡ እዚ ምስ ዝኾውን ከኣ ካብ ኣፍልጦን ግቡእ መረዳእታን ዝብገስ ቃልሲ ንሓርነት ዕውት ይኸውን፡፡

ኣብ 2011 “20 ዓመታት ሓበን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኩለን ኣካላት መንግስትን ግንባርን ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ናይ 20 ዓመታት ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማን ስትራተጅካዊ ውጥናትን ከቕርባ ተሓቲተን ስለ ዝነበራ፡ በቲ እዋን ካብ ሓ/ኣየር ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ካብ ዝተልኣኸ ሰነዳት ዝተረኽበ፡ ንሓ/ኣየር ሃገርና ዝምልከት ብጭብጥታት ዝተደገፈ ሰፊሕ ሓበሬታ ካብ ሎሚ ጀሚረ ይፍንወልኩም፡፡

ኣብ 2011 ብምኽንያት ጽንብል መበል 20 ዓመታት በዓል ናጽነት፡ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ኣብ ኣዚዩ ጽዑቕ ዕማማትን ንጥፈታትን ተጸሚዱ ኔሩ፡፡ ኩለን ሚኒስትታት ኣኣብዝተመደበለን ኣደራሻት፡ ንጉዕዞ 20 ዓመታት ዘርኢ ሲምፖዚዮም ከዳልዋ ተሓቢሩ ነይሩ፡፡ ንሓ/ኣየር፡ ሓ/ባሕሪን ሓ/ምድሪን ብሓፈሻ ንሚ/ሪ ምክልኻልን ድማ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዝተዓመ ዕማማት፡ ብልጫታትን ቀጻሊ ውጥናትን ዝምልከት ብመልክዕ ጸብጻብ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ብህጹጽ ክልእኹ ተኣዚዞም፡፡ እዛ ብመሰነዓት፡ ስታስቲካዊ ጸብጻበትን ግራፋትን ብሓሶት ወቓቒባ ዝሓለፈት ዓመተ 2011 ብዙሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘይርስዕዋ ዓመት’ያ፡፡

ናይ ኩለን ቤ/ጽሕፈታት፡ በዓል መዚታት፡ ኮሚሽናት፡ ሚኒስትሪታትን ናይ ሕሉፍ 20 ዓመታት ናይ ጸልማት ጉዕዞን ኣፈጻጽማን እንዳፈለጠ ክንሱ ባዕሉ ንዝፈጠሮ ሃጓፍ ክሽፍን ኢሳይያስ ብዘስደምም ኣገባብ ላዕልን ታሕትን ክብል ተርኣየ፡፡ ኣብ ታሪኽ ዝኾነት ሃገር ተገይሩ ዜፈልጥ ድሕሪ 20 ዓመታት፡ ኩለን ኣካላት መንግስቲ ሐድሽ ስትራተጅካዊ ውጥናት ክዳለወለን፡ ዝተፋለለዩ ስልጠናታት ክወሃበን፡ ካብ ቤ/ጽሕፈት ፕረሲዳንትን ካልኦት ኣካላትን ዝተውጻእጽኡ ኪኢላታት ወዲቡ ናብ እምባትካላ (School of Excellence) ክግዕዙ ገበረ፡፡ ብመሰረት’ዚ ከኣ ኣብ መላእ ሃገር “20 ዓመታት ሓበን” እንዳተብሃለ ብዓይኒ ሓቂ ግን ጉዕዞ 20 ዓመታት ንድሕሪት ምንባሩ ዘግህድ ካብ “ሀ” ዝጅምር ስልጠናታት ምሕደራን ስትራተጅካዊ ውጥናትን ንኹለን ኣካልት መንግስቲ ኣብ እምባትካላ ንኣዋርሕ ተዋሂቡ፡፡

እዚ እልቢ ኣልቦ ባጀት ዝፈሰሰሉ ስልጠናታት፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብ ጣውላ ተሪፉ፡ ድሕሪ 5 ዓመት ከኣ ኣብ 2016 መቐጸልታ ጉዕዞ ንድሕሪት ዘበስር ብስም “25 ዓመታት ኣብ ልምዓትን መኸተን” ዝተግሃደ ብሩራዊ እዮቤሊዩ ከይሓነኸ ብዝተፈላለዩ ጽምብላት ከኽብር ተርኣየ፡፡

ኣብ ገምጋማት 2011 ካብቶም ኣብ ተኣፋፊን ኣሰካፊን ደረጃ ዘለውን ቅልጡፍ ምትዕርራያት ክግበረሎም ዝተብሃሉ ኣካላት መንግስቲ ሓደ ሓይሊ ኣየር ኔሩ፡፡ ኣባጓይላ ኢሳይያስ ባዕሉ ንላዕለዎት ሓላፍቲ ሓ/ኣየር ኣብ ባጽዕ ዓዲሙ “ሓ/ኣየር ክሳብ ሕጂ ክንዲቲ ዝግበኦ ጠመተ ኣይገበርናሉን፡፡ ድሕሪ ሕጂ ግን መንግስቲ ቅድም ቀዳድም ካብቶም ልዑል ቆላሕታ ክግበረሎም ይግበኦም ዝበሎም ሓደ ኣካል ስለዝኾነ ግቡእ ምትዕርራይ ክግበረሉ እዩ፡፡” ብምባል ንጽባሒቱ ዝተጠለመ ቃል ምምጽብዑ ዝገልጹ በቲ እዋን ዝተጸሓፉ ደቓይቕ ይሕብሩ፡፡

ሓ/ኣየርና፡ ድሕሪ ናጽነት ካብ ደርግ ዝመንዘዖ ዓቕምታት ኣተኣኻኺቡ ብኣስታት 50 ዝኾኑ ገዳይም ተጋደልትን ምኩራት ኣባላትን፡ ውሑዳት ናይ ውግእ ነፈርትን ኣጽዋርን ዓጢቑ፡ ዝፈለመ ክፍሊ እዩ፡፡ እቲ ብዘይወግዓዊ መገዲ ተጨውዩ ንኣስታት 17 ዓመታት ኣብ ጸልማት ካሜራ ካርሸሊ ተሓዩሩ ዝርከብ ብርጋዴር ጀነራል ሃብተጽዮን ሓድጉ ድማ ድሕሪ ናጽነት ናይ መጀመሪያ ኣዛዚ ሓ/ኣየር ኤርትራ ኮይኑ ተሸይሙ፡፡ ብትእዛዝ ኣባጓይላ ጥፍኣትና፡ ምስ ደስከለን ምስተሓርን ድማ ኮ/ል ኣብርሃም ዕቑባስላሰ ዝበሃል ናይ ደርግ ኣብራሪ ነበር ብግዚያዊነት ሓላፊ ኮይኑ ተመዚዙ፡፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ብጀካ ኣብ ናይ ቅዲ ኩናትን ወትሃደራዊ እዝን ቁጽጽርን ኣጋር ሰራዊት፡ ካልእ ኣፍልጦ ዘይነበሮ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ ኣዛዚ ሓ/ኣየር ኮይኑ ተመዚዙ፡፡

ተጋ/ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ኣብ ወርሒ 3/1973 እዩ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ተጸንቢሩ፡፡ ወዲ 19 ዓመት እንከሎ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡፡ በቲ መሪርን ጽንኩርን ሓርነታዊ ቃልሲ እንዳስሓለ ደረጃ ብደረጃ ኣበርክቶኡን ሓላፍነቱን ክብ ብምባል ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ክኸውን በቒዑ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ካብ 1994 ዓ/ም 1ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት “ሀ” ኢሉ ካብ ዝጅምር ክሳብ 16 ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት ሓላፊ ኮይኑ ኣገልጊሉ’ዩ፡፡

“ኣብ ዝዓረፍኩ ዓሪፈ ኣብ ሳዋ ክቕበር ምንዮተይ ኢዩ” እንዳበለ ክህተፍትፍ ዝውዕል ወዲ ሃብተስሉስ፡ ካብ ክፍላ 1994 ክሳብ 1995 ሓላፊ ስርሒታትን ስልጠናን ሚ/ሪ ምክልኻል፡ ካብ ክፍላ 1996 ክሳብ 1999 ኣብ እዋን ኩነታት ምስ ኢትዮጵያ ኣዛዚ ኮር 271፡ ካብ ክፍላ 1999 ክሳብ 2001 ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡ ድሕሪ 2001 ተወሳኺ ጽፍሒታት እንዳተዓደሎ ኣዛዚ ሓ/ኣየር፡ ሓላፊ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ኣቦወንበር ማሕበር ምትሕግጋዝ ማ/ስ/ሓ/ም/ኤርትራ ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡ ካብ 2007 ጀሚሩ ምስ ኢሳይያስ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክሰሓሓብ ዝጸንሐ ተኽላይ ኣብ መወዳእታ 2014 ከባቢ ኢድ ኣርኪብሉ ገለ ጽፍሕታት መንጢልዎ፡፡

ብመሰረት’ዚ ከኣ ማ/ስ/ሓ/ምክልኻል ካብቶም ሓደሽቲ ቆጣቑጢ ንዝኾነ ብር/ጀነራል ተኽለ ልብሱ ተዓዲልዎ፡፡ ጽንሕ ኢሉ ባእሲ ተኽላይን ኢሳይያስን ናብ ቆልዓ ሰበይቲ ወሪዱ ማዕረ ናብ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ልኡላ ገብረኣብ በጺሑ፡ ንተኽላይ ኣብ ጻዕረ ሞት ምስ ዝነበረ ሜ/ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ክተተዓርቖም ስለ ዝፈተነት ጥራይ ካብ መዝነታ (ሓላፊት ሃማደኤ) ብህጹጽ ክትእለ ገይርዋ፡፡ ወይ ካብ ኢሳይያስ፡ ወይ ካብ ህዝቡ ከይኮነ ላንጋላንጋ ዝተረፈ ወዲ ሃብተስሉስ እንሆ ካብ 2014/15 ጀሚሩ ነታ ኣብ ኣፍ ገደል ትርከብ ሓ/ኣየር ጥራሕ ሓቒፉ ኣብ ሰንከልከል ይርከብ፡፡ ንምትፍናን ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝምልከት ሓበሬታን ጭብጥታትን ንካልእ እዋን ገዲፈ ነቲ ብሜ/ጀ ወዲ ሃብተስሉስ ንኣስታት 15 ዓመታት ክእዘዝ ዝጸንሐ ሓ/ኣየር ሃገርና ዝምልከት ሓበሬታ ክቕጽለልኩም፡፡

ናይ ዝኾነት ሃገር ዜጋ እታ ዝተፈጠረላ ሃገሩ ብኣየር ብመሬትን ብባሕርን ውሕስቲ ኮይና ኣብ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዕውቲ ክትከውን ባህሪያዊ ምንዮቱ ኢዩ፡፡ ኣታ ንሕናስ ኣይተዓደልናን! ሰላም፡ ብልጽግናን ዲሞክራሲን ዝብላ ቃላት ብሰንኪ እዞም ጠላማት ኣብ ኣፍና ጥራይ ዝተረፋ ኮይነን፡ ሃገር ብሙልኣ ኣብ እዋን እቶ እቶ ዘላ እንክትመስል ቆልዓ፡ ሰበይቲ፡ ሽማግለ ከይፈለየ ናብ መጋርያታት ኩናትን ወረ ኩናትን ሸሚሙ ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ ጥራይ ብኹሉ መገዲታት (ብኣየር፡ መሬትን ባሕሪን) “ሉኡላዊነታ ዘውሓሰት” ባዶ ሃገር ኣሕቖፍምና፡፡

እቲ መሬት ክሕሉ ኣብ መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ዝተሰለፈ ብሉጽ መንእሰይ፡ ከም ግመ ሓጋይ በኒኑ፡ እቲ ባሕሪ ክውንን ዝተሰለፈ ምዑት ወለዶ ብኡ ንብኡ ጠፊኡ፡ ሕጂ ከኣ እቲ ሰማያትና ከውሕስ ዝተወደበ ግዱስ ዜጋ በቢዝወፈሮ ሃብቲ ሃገር ንጓኖት እንዳረከበ ፋሕ ብትን ይብል’ሎ፡፡

ብመሬት፡ ብሰማይን ብባሕሪን ጓሳ ዝሰኣነ ሚስኪናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ እውን ኣብ ታሪኽ ዓለም ብጸሊም ሕብሪ ዝስነድ ፍጸመታት የጽሕፍ ኣሎ፡፡ እቶም ሉኡዊነት ሰማያትና (Air Sovereignty) ከውሕሱ ሓላፍነት ዝተሰከሙ፡ ከብዶም ኣሕቢጦም ነንባዕሎም እንዳተባልዑ ምንባር ዝመረጹ፡ ከም በዓል ወዲሃብተስሉስ ዓይነት ምስሉያት ሓለፍቲ ዘረከቡና በረውረው ዝበለ ጉድንኣበርጉድን ሓ/ኣየር እንሆ፡፡

ሓይሊ ኣየርና ብመንጽር ውዳበታቱን ዕጥቅታቱን

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ልዕሊ ድኽነትን ጉጅለ ኢሳይያስን ካልእ ጸላኢ ኣለዎ ኢለ ስለ ዘይኣምን ሎሚ ነቶም ወድዓዊ ኩነታት ሃገርናን ጸላኢናን ፈሊዮም ኣብ ምርዳእ ዝጽገሙ፡ ሃገር ኣሕሊፈ ዝህብ ዝመስሎም ሰባት ከይተገደስኩ፡ ብዛዕባ እቲ ዕላማታቱ ብኢሳይያስ ተጨውዩ ሃገር ምውሓስ ገዲፉ መጋበርያ ምልኪ ኮይኑ ዘሎ ሓ/ኣየር ዝምልከት ቅርጥው ሓበሬታ እፍንወልኩም፡፡ በዚ ምኽንያት እዩ ብቋንቋ ኢንግሊዝ ኣብዝፈነኹዎ ሓደ ጽሑፍ ….Very few may label me as ‘’sell out’’ or ‘’traitor’’, but I believe those labeling me as such are themselves victims of the PFDJ propaganda and can`t distinguish between serving dictatorship & working for the country. ኢለ ዝገለጽኩ፡፡

ድሕሪ ናጽነት ቀስብቀስ ኣወዳድብኡ እንዳመሓየሸ ብኣስታት 12 ክፍልታት ዝተጣየሰ ሓ/ኣየር ኤርትራ ብሰንኪ ዝንቡዕ ኣመራርሓ ዝደስከሉ ከም በዓል ክፍሊ ምምሕዳር፡ ፋይናንስ፡ ሎጂስትክስ፡ ስልጠናን ኢንስፔክሽንን ዝኣመሰሉ ውዳቤታት የመሓድር፡፡ ምስ ምውሓስ ለኡላዊነት ሰማይ (ምጥቃዕን ምክልኻልን) ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎም ክልተ ክፍልታት ሓ/ኣየር፡ ክፍሊ ኦፕረሽንን ክፍሊ ምክልኻል ኣየርን ዝተብሃሉ”ዮም፡፡ ኣብዚ እዋን ብኮ/ል ሸካይ እድሪስን መጀር ሰለሙን ዘሞይን እንዳተኣለየ ዝርከብ ክፍሊ ኦፕረሽን ብቐጥታ ንናይ ውግእ ነፈርትን ኣብረርትን፡ ብምምእካል ኣብ እዋን ኩነታትን ታዕሊምን ወፍርታት የካይድ፡፡ ብኮ/ል ተስፋልደት ቃሩራ እንዳተኣለየ ዝርከብ ክፍሊ ምክልኻል ኣየር (Air defense) ድማ ንሚሳይላት፡ ራዳራትን ወንጫፊ ሮኬታትን (Launchers) የመሓድር፡፡

ካብ 1991 ዓ/ም ድሕሪ ናጽነት ናብ መሬት ኤርትራ ክረግጻ ብህግደፋውያን ዝፈቕደለን ብሓፈሻ 12 ዓይነት ናይ ውግእ ነፈርቲ’የን፡፡ 25 ዓመታት ኣብ ልምዓትን ህንጸትን ንዘሕለፈት ሓንቲ ሃገር ምናልባት ዓቕምታትን ትሕዝቶን ነፈርቲ ውግእ ኤርትራ ምስ እትዕዘብ ኣዚያ መተደንጸወት፡፡ እዘን ይትረፍ ዶ ብሃገርስ ብሓደ ሃብታም ክውነና ዘሰክፋ ናይ ውግእ ነፈርትን ዘለወን ህልው ኩነታትን ብሓጺሩ ከምዚስዕብ እዩ፡፡

ሚግ-29 (Mikoyan MiG 29):
ብደረጃ ኤርትራ ብሉጻት ተባሂለን ዝዕደጋ ናይ 1970ታት ቴክኖሎጂ ዝተዓጥቃ ነፈርቲ ውግእ ኮይነን፡ ብሓፈሻ ካብ 1998 ክሳብ 2003 ኣብ ዝነበረ እዋን ሓጎስ ኪሻ፡ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ብ/ጀ ሃብተጽዮን ሓድጉ፡ ኮ/ል ኣብርሃም ዕቑባስላሰ፡ ኮ/ል ህብተዝጊ ተወልደ (ወዲ ማማ) ናብ ሩስያ ከይዶም ዝዓደግወን እየን፡፡ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት 10 ሚግ-29 ነፈርቲ ተዓዲገን፡፡ ካብ ጭራ ቁጽሪ (Tail Number) 501 ክሳብ 510 ተዓዲልወን፡፡ ዘሕዝን መዓለአን ከኣ ከምዚስዕብ ‘ዩ፡፡

ሚግ-29 Tail Number 501፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1998 ዝተዓደገት ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝዓነወት”ያ፡፡ ኣብ ገለ እዋናት ንተምሃሮ መምሃሪ ይጥቀሙላ፡፡
ካብ Tail Number 502 ክሳብ 506 ቁጽሪ ዝተዓደለን ሚግ-29፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1998 ዝተዓደጋ ኮይነን፡ ካብዚኣተን እተን 2 (Tail No 503ን 506ን) ኣብ ባድመ ብወያነ ተሃሪመን፡፡ መጀር ሳሚኤል ግርማይ (ሳይሞንን) መጀር ዮናስ ምስግና ዝተብሃሉ ምዑታት ዜጋታትና ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኣብ ኩናት ባድመ ምስተን ነፍርቲ ተሰዊኦም፡፡
ብ Tail No 502፡ 504፡ 505 ዝልለያ ሚግ- 29 ነፈርቲ ከኣ ብሰንኪ ሕጽረት መቀያየሪታት፡ ምውዳእ ናይ በረራ ሰዓተን፡ ዘይቅርዑይ ኣተሓሕዛን ብኹሉ ሞያዊ መለክዒታት ንኩናት ዘይብቑዓት ተባሂለን ኣብ ጽንብላት ህግደፍ ጥራይ ንመደዓዓስን ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳን ተጸጋጊነን ይረኣያ፡፡ እዘን ሚጋት እየን፡ ኣብ በዓል ናጽነት ልዑል ወጻኢ ተሰሊዑለን፡ ካብተን ደው ዝበላ ነፍርቲ መቀያየሪታት ብምልግጋብ፡ ኣብ ሰማያት ኣስመራ ዘርኡዩና፡፡ ንኣብነት ኣብ 2012/13 ንበዓል ናጽነት ተባሂሉ ብመዓልቲ 6000 ዶላር ኣበል እንዳተኸፈሎ ሓደ ቤላሩሳዊ ኪኢላ ብምምጻእ፡ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት፡ ካብተን ደው ዝበላ ነፈርቲ ኣቑሑ እንዳምለቐ፡ ሓንቲ Su27ን ነታ ብ Tail No 504 ትጽዋዕ ሚግ-29 ብምልዓል ከጸንብላ ተገይረን፡፡ ኣብ 2014/15 ብተመሳሳሊ ኣገባብ ስለ ዘይተኸኣለ፡ በዓል ናጽነት ብዘይ ኮለላ ናይ ውግእ ነፋሪት ተጸንቢላ፡፡ ኣብ 2016 ድማ በዓል ናጽነት ብመልክዕ ብሩራዊ ኢዮቬሊዩ (25 ዓመት) ክኽበር ልዑል ወጻኢታት ዝተሰለዓሎም ዓበይቲ ናይ ፕሮፖጋንዳ መደባት ስለዝተሓንጸጹ፡ ከም ኣካል መደባት ጽንብል ብሩራዊ ኢዮቬሊኡ፡ 10 ሩሱያውን ኪኢላታት ብኣማኢት ሺሕ ዶላራት ተዓዲጎም ተመሳሳሊ ናይ ጽገና ስርሓት ብምግባር ሓንቲ ሱ-27ን ብቑሪ 504ን 505 ዝፍለጣ 2 ሚግ -29 ክበራ ተገይረን፡፡ በዓል ናጽነትና ምስ ራህዋ፡ ቅሳነትን ፍትሕን እንተዝጽንበል፡ ዝጸልእ ዜጋ የብልናን፡፡ ግና ከምቲ ኩላትና ዝተዓዘብናዮ ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ ዕሱባት ህግደፍ ነዘን ነፈርቲ ስኢሎም ኣብ መናድቕ ፌስቡክ ብምጥቃዕ ከህውትቱ ቀንዮም፡፡
ጉድን ኣበር ጉድን ሚግ-29 ብቐሊሉ ኣየብቀዐን፡፡ ብሉጻት ኪኢላታት ከም ሃገሮም ናብ ስደት ምስተቐሰቡ ኣብ ኢድ ተልሜደን ዝወደቓ ፍጻመ፡ እተን ዝተረፋ ነፈርቲ ውግእ (ካብ Tail No 507 ክሳብ 510 ዘለዋ) ዘሕዝን ኮነ፡፡ ኣብ 2002 ዝተዓደጋ ሚግ- 29 (Tail No 507ን 508ን) ኣብ እዋን ልምምድ ኣብ 2004 ካፒተን ክብረኣብ ኣለምን፡ ኣብ 2008 ድማ ካፒተን ኢሳያስ ተኪኤ ዝተብሃሉ ኣብረርቲ እንዳብረርወን ወዲቐን ካብ ኣገልግሎት ወጻእ ኮይነን፡፡ ሚግ-29 ቁጽሪ 509 ብ9 መጋቢት/2005 ቅ/ፋዱስ ሰዓት 11፡30 ድሕሪ ናይ ልምምድ፡ ኣብ ላንዲንግ ዓቢ መጉዳእቲ ከምዝበጽሓን ክትጽገን ከምዜትኽእል በቲ ዕለት ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝተልኣኸ ህጹጽ ናይ ዳሽ መሕበሪ ወረቐት ይገልጽ፡፡ እታ ዝተረፈት መጋቢት 2004 ዝተዓደገት 510 ዝብል Tail No ዝተዓደላ ሚግ- 29 ድማ ብደዋ ከምዝሕረድ በጊዕ ኣካላታ እንዳተፈታተሐ ንተን ካልኦት ክትምጥው ጸኒሓ፡፡ እምበኣር ከስ ካብ 10 ሚግ-29 ናይ ውግእ ነፈርቲ ዋላ ሓንቲ ንጭና እተተኣማምን ነፋሪት ዘይብሉ ሓ/ኣየር ሃገርና ታሪኽ ሚጋት 29 እቲ ሓቂ እዚ’ዩ፡፡
ኤስዩ -27 (Sukhoi-Su27):
ብሃገረ ዩኩሬን ዝተስርሓ ብልማዳዊ ኣጸዋውዓ ሚግ-27 ተባሂለን ዝጽውዓ Su27 ክልተ ነፈርቲ ውግእ ኣብ 2002/03 በቲ ናይ ኣጋር ሰራዊት ወትሃደራዊ ተሞኩሮ እምበር ናይ ሓ/ኣየር ኣፍልጦ ዘይብሉ ወዲሃብተስሉስን ገለ ኪኢላታትን ተዓዲገን፡፡

ናብ ሃገርና ምስ ኣተዋ ድማ Tail No 608ን 609ን ዝብል ተዓዲልወን፡፡ ብ Tail No 608 ትጽዋዕ ናይ ስልጠናን ውግእን ነፋሪት ኮይና ንገለ ሰዓታት ምስ በረረት ውሽጣዊ ብልሽት ኣጓኒፍዋ ንኣስታት 9 ዓመታት ዶው ኢላ ናይ ክልሰ ሓሳብ መምሃሪት ኮይና ጸኒሓ፡፡ ከምቲ ክብ ኢለ ዝገልጽኩዎ ካብዛ 608 ሰኾይ ገለ ኣቑሑት እንዳመላለቑ ነታ ብ609 ትጽዋዕ ኤስዩ 27 ኣብ በዓል ናጽነት ክትበርር ተገይሩ እዩ፡፡ ስለዚ እዘን ሰኾይ 27 እውን ብኹሉ መለክዒታት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይነን ንኩናት ዘድምዕ ዓቕሚ የብለንን፡፡

ሄሊኮፕተራት፡
ብሓፈሻ ናብ ሃገርና ካብ 1996 – 2006 ኣብ ዝነበሩ እዋናት 3 ዓይነት ወትሃደራዊ ሄሊኮፕተራት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዓዲገን ኣትየን፡፡ ዝርዝር ትሕዝቶኦንን ኣገልግሎተንን ድማ ዝስዕብ’ዩ፡፡

MI 17 ሄሊኮፕተር፡ ብኣገልግሎተን Compact & Transport version ብዝብል ንወትሃደራዊን ንመጓዓዝያን ዝውዕላ ስርሒት ሩሱያ ዝኾና 5 ሄሊኮፕተራት 1996 ተዓዲገን፡፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ዝጥቅዑ ገለ ኣሳእል እታ ኣባላት ፍሉይ ሓይልታት ኣሃዱ 84 ኣብ ሳዋን ዒንን ክዘሉላ እንዕዘባ ሄሊኮፕተር ካብዚኣተን ሓንቲ’ያ፡፡ ሓ/ኣየር መጻወቲ በዓል ወዲ ሃብተስሉስን ዕሱባት ኣልገልቱን ምስ ኮነ ጉዕዞ እዘን 5 ሄሊኮፕተራት እውን ከምተን ሚጋት ኮይኑ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ፡-
ሓንቲ MI 17 ሄሊኮፕተር ገና ብኣግኡ ኣብ ሳዋ ልምምድ እንዳገበረት እንከላ ብሰንኪ ሕማቕ ኪሌማ ተሓምሺሻ፡፡ ብኣዚዩ ዘሕዝን ኣገባብ ናይ 3 ትስፉዋት ኪኢላታት ሂወት ሒዛ ጠፊኣ፡፡ እቶም ኪኢላታት ድማ ሰለሙን ተስፋማርያም (ኣብራሪ)፡ ዳኒኤል ገረየሱስ (ተሓጋጋዚ ኣብራሪን) ኤፍረም ተኽለ ዝተብሃለ ቴክኒሻንን’ዮም፡፡
01 ኣብ ከባቢ መንደፈራ ብተመሳሳሊ መልክዕ ኣብ ልምምድ ተሓምሺሻ
01 ኣብ ኩነታት ምስ ወያነ ተሃሪማ
01 ኣብ 2013 ኣብ ቤዝ ወዲቓ ተበላሽያ
01 ብደዋ ብሰንኪ ሕጽረታት መቀያየሪን ጸገናን ካብ ኣገልግሎት ወጻእ ኮይና፡፡

MI 171 ሄሊኮፕተር፡ እዘን ካብታ ክብ ኢላ ዝተገልጸት ኣስማተን ብሓንቲ ቁጽሪ ጥራይ ዝፍለያ 2 ሄሊኮፕተራት ኣብ 2003 ካብ ቤላሩስ ዝተዓደጋ እየን፡፡ ካብዚኣተን
01 ኣብ 2006 ኣብ ከባቢ ነፋሲት ኣብ ልምምድ እንከላ ወዲቓ ተቓጺላ
እታ ዝተረፈት MI 171 ሄሊኮፕተር ድማ እታ ብተዳጋጋሚ ተጠሊፋ ናብ ሱዑዲ ዓረብ ት ኸይድን ትምለስን ኮይና መብዛሕትኡ ህዝቢ ዝፈልጣ ኣብ ጥሙር ወትሃደራዊ ስርሒታት (ምውህሃድ ሓ/ምድር፡ባሕርን ኣየርን) ኣብ ምጉዕዓዝ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብን ናብን ትነጥፍ እያ፡፡

ኣጉስታ ሄሊኮፕተር፡ ስርሒት ጥልያን ዝኾና መብዛሕትኡ ግዜ ንምጉዕዓዝ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘገልግላ ብ1998 ዝተዓደጋ እየን፡፡ እዘን ሄሊኮፕተራት ብሓደ ግዜ 7 ሰብ ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ዘለወን ኮይነን ምስኣተዋ Tail No 701ን 702ን ዝብል መለለዬ ቁጽሪ ዝተዓደለን እየን፡፡
ሕጂ እውን… እወ ሕጂ’ውን.. ሃሱሳት ህግደፍን ዕሉላት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ኣፍ ሞት ጎስጓሳትን ጸለመታትን እንዳገዓሩ፡ ምእንተ ድሕነት ሃገርን ህዝብን፡ ዝፈልጦን ብደቂቕ ዘተኣኻኸብኩዎን ሓበሬታ ናባኹም ምፍናው ክቕጽሎ’የ፡፡

———ጉድንኣበር ጉድን ሓይሊ ኣየር ይቕጽል——-