እተን ካብ ጥንቲ ጀሚረን ክሳብ ማፍያ መንግስቲ ህግደፍ ነስመራ ዝኣቱ፣ብኣባሓጎታትና 8 ኣውራጃታት ምድረባሕሪ (ኤርትራ) ተባሂለን ዝስመያ ዝነበራ ግንከኣ ግቡእን ያታዊ ትርጉምን ዝሓዘ ስም ዝነበረን። ብ1994 ዓ.ም.ፈ. እቲ ከም ፓፓጋይ ዝተባህሎ ዝደግም ህግደፍ ዝብሃል ጭፍራ ማፍያ ግና፣ ብኢደ ወነኑ ምስቲ “ዓወት ንሓፋሽ”! እናበለ ዝግዕረሉ ውጹዕ ህዝቢ ከይተዛተየ፣ በቲ ህጸያውያን ልኣኽቱ ዝመደብሉ መደብ ዕዮ ጥራይ ተመሪሑ፣ ኣብ 6 ዞባታት መቓቒሉወን። እታ ቍ. 6 ድማ ብመሰረቱ ውዲታውያን ጽዮናውያን ብጥንቆላ ዝኣምኑላ ርኽስቲ  ቍ. እያ ኢሎም እዮም ዝኣምኑላ። ንመረዳእታ ኣብ ኑሞሮሎጊ  ዝብሃል መዝገብ ትርጉም ቅጽርታት እንተድኣ ተዓዚብና፣ ብእንግሊዝኛ ቋንቋ ብኸምዚ ተጻሒፉ ንረኽቦ፣
(On the negative side, the 6 can be jealous and small-minded, tending to be more focused on the little details while ignoring the bigger pictures … usually to her own detriment. She can be a bad judge of character, and has been known to sacrifice herself to a cause or a person even while everyone around her tries to convince her that this cause or person is not worth it.)  እታ ሕጂ ክትልወጥ ትብሃል ዘላ ቍ. 3  ድማ፣ ካብ ቍ. 6 ዘይትሓይሽ ውዲታዊን ጥንቆላዊን ትሕዝቶ ዘለዋ ቍ. እያ። ጥንቆላዊ ትርጉማ ድማ፣ Negatively, number THREE relates to indifference, a lack of stamina and concentration, a spectacular rise and fall, mania, mood swings. እወ፣ ሎሚ ከኣ ንመሬት ምድረ ባሕሪ ዓጻጺፉ ኣብቲ ቅዱስ ቁጽሪ 8 ወይ 4 ወይከኣ 2 ሃዲሙ፣ ኣብተን ርኹሳት ቅ. 3ን 6ን ኮለል ይብል ኣሎ። እምብኣርእዚ ሰብዚ ካብኡ ተበጊሱ ኣብ  3 ዞባታት ክመቓቕለን መሃንድሳት ጽዮናውያን መደብ ኣውጺኦምሉ ኣለው ይብሃል ኣሎ። እየ ተካል ሓጋይ!! ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስዕ!! ድሕሪ ብዙሕ ዕንክሊል ግና እዛ ምድረ ባሕሪ, ምድረ ኣግኣዝያን ኣብቲ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ዝነበረትሉ ጆግራፊካዊ ኣቀማጥኣን ስማን  ክትምለስ እያ። ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራ ትጽሕጽ! ሓቂዶ ሓሶት ብዓል ማንክ ብዕን ክሻ ብዓል ክናናን ምናናን!!

ንህዝቢ ካብ ማይን መብራህትን ኣጊድካ ወለዶኡ እንዳጽነትካስ፣ ንጽዮናውያን ንኽተሓጉስ ብዝዕባ ጆግፊካዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ምሃንድስ ኮንካ ምቕራብ! ውሓጥዮ እንተበልኩዋስ ጸጸኒሓ ትጎስሞ።

ሎሚ ከኣ 8 ኣውራጃታት ምድረባሕሪ (ሎሚ ኤርትራ) ዝነበራ ህግደፍ ኣብ 6 ዞባታት መቓቒሉወን ነይሩ። ሎሚ ከኣ ነተን 6 ዞባታት ኣብ ዓጻጺፉ 3 ዞባታት ክመቓቕለን እዩ ይብሃል ኣሎ። ይብል ኣሎ።እየ ተካል ሓጋይ፣

እቶም ልእኹቱን ኣዘዝቱን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድሕሪዚኸ እንታይ ግበርዮም ኮን ክብሉዎ?
እታ ምድረባሕሪ ትብሃል ዝነበረት ጥንታዊ ምድረ ኣግኣዝያን፣ኮሎንያል ጣልያን ብኢደ ወነኑ፣ “ኤርትራ“ ኢሉ ኣጠሚቑዋ። ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድማ፣ ነቲ ብኮሎንያል ጣልያን ዝተሓንጸጸ እንደገና ሰኒዑ፣ ይኣይ “ሓዳስ ኤርትራ“ ዝብል ስኑዕ ስም ሂቡዋ።

ኣስተብህል፤ነተን ጥንታውያን 8 ኣውራጃታት ምድረባሕሪ፣ 1. ሓማሴን፣ 2. ኣከለጉዛይ፣ 3. ሰራየ፣ 4. ሰምሃር፣ 5. ሰኒሒት፣ 6. ባርካ ፣ 7. ደንከል 8. ሳሕል ዝጽውዓ ዝነበራ፣ ኮሎንያል ጣልያን እኳ ካብቲ ዝነበረን ኣስማትን ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣአንን ክቕይረን ዘይከኣለ፣ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ግና፣ ሎሚ ብጎይተቱ ሓዲሽ ቅዲ መደብ ስለዝተዋህቦ እንሆ ኣብ 3 ዞባታት ጥራይ ክቕይረን ጽዮናውያን ዝቀረቡሉ ጆግራፊካዊ መደብ ኣውጺኡ ይብሃል ኣሎ።

እወ፣ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ነተን 8 ኣውራጃታ ኣብ 6 ዞባታት ከምዝመቓቐለን ዳርጋ ኩሉ ተኻታታላይ ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ። ሎሚ ድማ ውሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጎስሞ ከምዝብሃል፣ነተን ማዕድን ኤርትራ ዝዘምታ ዘለዋ ትካላት ጽዮናውያን ጥራይ መታን ከርብሕ ሓደ ሓዲሽ ጆግራፊካዊ መደብ ሽንሸና መሬት ክውጽእ ከምዝመደበ፣ ዜናታት ይቃላሕኣ ኣሎዋ።

እቲ ተመዲቡ ዘሎ እከይ መደብ ድማ፣ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብህግደፍ ዝተተግበረ 6 ዞባታት ጆግራፊካዊ ኣቃውማ (ግንከኣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተሓንጸጸ)፣ሎሚ መታን ልምዓታዊ ረብሓታት ጽዮናውያን ክጠቅም፣ ህግደፍ ወይ ኮብላሊ ኢሰያስ ኤርትራ ኣብ “ልምዓታዊ ዞባታት“ ተባሂሎም ዝጽውዑ፣ ኣብ 3 ዞባታት ክትምቀል ምኻና ብይተፋላለያ ዜናታት ይንፍስ ኣሎ። እዚ ውዲታዊ ተግባር እዚ ድማ ኣብ ሓጺር እዋን ከምዝእወጅ ካብ ውሽጢ ኣስመራ ዝመጸና ሓበሬታ ሓቢሩ።

ንሰይቲ ዕዉር ብኾፉ ሰብዝቱ ይስዕምሉ፣ንሰይቲ ጸማም ድማ ብኾፉ ይጽውዑሉ።
እታ መርከብ ሓዲሽ ዕለማዊ ስርዓት፣ ኣካይዳ ጎብየ እንዳኸደት፣ ነቲ እከይ መደብ ዕዮ ኣብታ ላቦራቶሪ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ዝኾነት ምድረባሕሪ (ሎሚ ሓዳስ ኤርትራ) ብዘይ ድልየት ህዝቢ ተተግብሮ ኣላ። እዚ ጓሳስ ኣይቐኒ፣ እንተቐነስ የጥንሰኒ። „ዓወት ንሓፋሽ“!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኣግኣዝያን

29.11.2016 ዓ.ም.ፈ.