“ራእዪ ብዕዮ፣ ኣብ ክንዲ ዲግሪ ዱግሪ፣ ኣብ ክንዲ ላቢስን ፐናን፣ ማሕረሻን ባዴላን ገረውኛን”. ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ እፈወርቂ

ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ንገዛኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ብጅግንነት መኪቱ ንሓዋሩ ስዒሩዎ። ንኤርትራ ሃገሩ ድማ  መሬታን ባሕራን ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ኣውጺኡዋ። ንባዕሉ ግና ገና ሓራ ኣይወጸን።  እታ ሃገሩ ድማ በተን ንርእሰን ዘይኮና ሃገራት ኣዕራብ፣ ሓንሳብ ስዑዲ ዓረብ፣ ሓንሳብ ሃገር ቐጠር፣ ሓንሳብ ግብጺ የኳሽምኣ ንዕዘብ ኣሎና።  ስለዚ ኣብ ኤርትራ ሓርነትን ነጻነትን የልቦን። እወ፣ ን27 ዓመታት ግና ብወዲ ሃገር ሕገ ኣልቦ ግዝያዊ መንግስቲ፣ ካብ 100 እቶት ብ100 ሓሶት እንዳጠበረን ተታለለን ግንከኣ ሓራ ከይወጸ ዓሕ እንዳበለ ይነብር ኣሎ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዛጊት ብጠቕላላ 57 ዓመታት ነታ ዝብህጋ ሓርነት ክደሊ ኣሕሊፉ።  እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ግና፣ ዓመት ዓመት ብህግደፍ ተኣከብ እንዳተባህለ፣ ከም ኣባጊዕ ተተኸብኪቡ፣ ብዓል “ነጻንት” ንኸብዕል መጺኡ ከብቅዕ፣ መደረ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ (ኣየውፍር ኣየ እቱ ዘረባደይ ለቱ) ጥራይ ሰሚዑ ግና “ዓኽ ዋይ ኣነ ሸ”! እንዳበለ ንገዝኡ ይምለስ። ህዝቢ ኤርትራ ተኣኪቡ ነዚ ሕገ ኣልቦ መንግስቲ ማፍያ ህግደፍ እንተዘይመኪቱ ግና ነነጻነት ከይረኸበ ክሳብ ዝመውት ብዓል  ነጻነት ከብዕል ጥራይ ክነብር እዩ። ላም ኣላትኒ ኣብ ሰማይ ጸብኣ ግና ዘይርኣይ፣ ከምዝብሃል ነጻነት ዘይብሉ ክነሱ ብስውኣት እንዳተሸቀጠሉ ጥራይ ሃንቀው ክብል  ይመውት ኣሎ። “ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ”! ከምዝብሃል፣ ካብዚ ዝገዝኡዎ ዘለው መሪር መግዝእቲ ንላዕሊ እንታይ ክሳብ ዝኸውን እዩ ግና ህዝቢ ኤርትራ፣ ንጭፍራ ህግደፍን ንኣባጓይልኦም ልኡኽ መላኺ ኢሰያስን ትም ኢሉ ዝዕዘቦም ዘሎ?

ኣብታ ካብ ቅድሚ 5 ኣሽሓት ዓመታት ቅ.ል.ክ.ጥንታዊ ስማ፣ ምድረ-ባሕሪ፣ ምድረ-ባሕረ-ነጋሲ፣ ምድረ-ሓማሴን፣ ምድረ-ኣግኣዝያን ወይከኣ ምድረ ሓበሣ እትብሃል ዝነበረት፣ ኣብ ገምገም ቀዪሕ ባሕሪ እትርከብ፣ ጠቕላላ ስፍሓታ ከኣ 117,600 ትርብዒት ኪ.ሜ (km2)ወይከኣ 45,406 (sq Miles2) ትርብዒት ማይልስ  ዝኾነት ሃገር፣  ብ1890 ዓ.ም.ፈ. ብኮሎንያል ጣልያን ካብቲ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተቀድሐ “Erythra Thalassa” ዝብሃል ቃል “Eritrea” ኤርትርያ ዝተሰየመት፣ በቲ ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ ንኣስታት 27 ዓመት ብሕገ ኣልቦ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ህግደፍ ድማ  ነቲ ጥንታዊ ስማ ገዲፉ፣ ነት ኮሎንያል ጣልያን ዘውጽኦ ስም መሪጹ “ሓዳስ ኤርትራ” ዝዝሰየማ ሃገር፣ ትማሊ ብዕለት 27 ብዓል “ነጻነት” ኣብዒላ።

ኣብ መደረ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘይተሰምዑ ቃላትከ ኣይኖት እዮም፥

 ….. ወያነ፤ ኣመሪካ፤ ዶብ፤ ኢትዮጵያ  ስለምንታይ ግን??

እዚ” ርሑስ መበል 27 በዓል ልደት ፍቕርቲ ሃገረይ” ዘርእስቱ ብዓልዚ ግና ፣ ባህ ክብላ ልባ ጽብሓላ ድባ ድዩ ወይስ፣ ሓቀኛ ብዓል ነጻነት ኮይኑ፣ ራእዪን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዘተግብር እዩ? መልሲ ካብ ተኻታተልቲ።

ከምቲ ዓመት ዓመት በቲ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝውሃብ መደረ ከኣ  ተሰሚዑ። ካብቲ ዝተሰምዐ መደረ ግና፣ ብዘይካ ከምቲ ልሙድ ቅድሚ ሎሚ ዝልፍልፎ ዝነበረ ዘይፍጸም ተስፋታት ግንከኣ ብውሕሉላት ቃላት፣ ማለት ብስነኣእምራዊ ኣገባብ ዝተዳለወ ጽሑፍ ምንባብ እንተዘይኮይኑ፣ ብዛዕባ ህዝባዊ ፕሮጀክትታትን፣ መንግስታዊ ትሕተ ቅርጻን ከም ሕገ መንግስትን፣ ጉዳይ እሱራትን፣ ጠንቂ ዋሕዚ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ስደትን፣ እቶት ዕደና ወርቅን፣ ኵነታት ግዳም ሓደር ሰራዊት ኤርትራን፣ ጉዳይ ዘለኣለማዊ “ወፍሪ ዋርሳይ እከኣሎን፣ ሃገራዊ ኣገልግሎትን”፣ ብዛዕባ ጉዳይ  ወያኔን  ኣልዒሉ ብጭቕ ኣይበለን። እዚ ድማ መደብ ዓሰብቱ ስለዝኾነ፣ ኣብ ስልጣኑ መታን ክጸንሕን፣ ኣብ ስልጣኑ ከኣ ክሳብ ዘሎን፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ክሳብ ህዝባዊ ቁጣዐ ኣርእዩ ጉድ ኢሰያስ ዘውጽእ፣ ገና ዓመት ዓመት ብቐጻሊ ክላገጸሉ እዩ።

ኣብቲ ወግዓዊ ብዓል ነጻነት ዝብሃል ድማ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምሓደ ዓይነ ስዉር፣ ወይከኣ ኣባላት ስለላ መርበብ ሲኣይኤ ዝወድዩዎ  ጸሊም መነጽር ወድዩ እዩ መደረ ኣንቢቡ። ኣብቲ ዝሃቦ መደረ ድማ እቲ ተዓዛባይ ህዝቢ፣  ነቲ መደረ ኢሰያስ፣”ኣየውፍር ኣየእቱ ዘረባደይለቱ” ኮይኑ ስለዝረኸቦ፣ ከምቲ ልሙድ ዘጣቐዖ ዝነበረ ኣየጣቐዐን። እኳድኣ ካብቲ ዘጣቐ ተዓዛቢ ዘየጠቐዐ ይበዝሕ ነይሩ። ነዚ ንምርግጋጽ ግና ነዛ ቀሪባ ዘላ ቪድዮ ምክትታል ይከኣል እዩ።

ብሓልዮት መረበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 24.ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ.

መድረ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብጽሑፍ

 ኣብ መደረ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘይተሰምዑ ቃላት….. ወያነ፤

ኣመሪካ፤ ዶብ፤ ኢትዮጵያ

መደረ  ልእኽ መላኺ ባዕዳውያን “ፕረዚደንት” ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ተሳተፍቲን ዕዱማትን
በዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ፡ ዝኽሪ 27 ናጽነት፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዮሃና!

ንኹሎም ኣብ ምውዳብን ምምዕራግን’ዚ በዓል ዝደኸሙ ከኣ፡ ምስጋና።

ዓመት ሓለፈ፡ ዓመት መጸ፡ ርዝነትን ክብሪን፡ ሓርነትን ናጽነትን እናዓዘዘ፡ ትርጉም ልዑላዊነት ከኣ እናተዀልዐ ምምጽኡ፡ ዕግበት የትርፍ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጽንዓት’ውን ዝድርዕ’ዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ፡ “ራእይ ብዕዮ እዩ”። ድሌት ሓርነትን ናጽነትን ሰባት ከም ራእይ፡ ናይ ባህሪ ሕጊን መሰልን’ዩ። ናጻ ሃገር ምህናጽ፡ ማለት . . . ብቑጠባ ርህውቲ፡ ካብ ልምዓት-ናብ-ዝበረኸ ልምዓት ትግስግስ፡ ቅሳነትን ርግኣትን ዝሰፈና፡ ኣብ ህዱእ ናይ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ጐደቦ ትነብር፡ ውህድቲ ናይ ዜግነት ሃገር ምህናጽ፡ ሰናይ ባዕላዊ ድሌት ጥራይ ዘይኰነ፡ ክቡር ዋጋን ዕድልን ዝተኸፍሎ ሕድሪ’ዩ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ራእይን መሰልን ሓርነት፡ ብጒንዖ (favor) ወይ ምጽወታ ዘይኰነ፡ ንኣስታት 50 ዓመታት፡ ብመዘና ዘይርከቦ ስራሕን መስዋእቲን’ዩ ክዉን ኰይኑ። ጸወን (protection) ናጽነትን ልዑላዊነትን፡ ወይ ራእይ ሃገራዊ ድሕነት ከም ክዉን ንምርግጋጽ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ኩሉ ዓይነት ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ሽርሒታት፡ ጸጥታዊ ምፍትታን፡ ቁጠባዊ ሸርሒታት . . . ንምምካት ዝተፈጸመ ስራሕን መስዋእቲን፡ ዳግማይ ምስክርነት፡ ራእይ ብስራሕ’ዩ ነይሩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ክዉን ታሪኽ ከምዝመሃረና፡ዓለማዊን ዞባዊን ኣጀንዳታት፡ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዕዞና መጠናዊ ጽልዋ ዘለዎም ረቛሒታት’ዮም። እዚ ሎሚ ብዓለም ደረጃን፡ ኣብ ዞባናን፡ ኪርበጽ ንርእዮ ዘሎና ምዕባሌታት፡ ንመጻኢ ጉዕዞና ኣመታት ስለዘለዎ፡ ብዕቱብ ክንከታተሎን ክንርድኦን፡ ብኡ’ቢሉ ከኣ፡ ኣብ መጻኢ መደባትና ኪህልዎ ዝኽእል መጠን ጽልዋ ክንግምግምን ግቡእ’ዩ።

ካብ ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለም፡ ክሳብ ናጽነትና ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን፡ ከም “ዘመነ- ዝሑል ኲናት” ዝፍለጥ ክልተ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት’ዩ ነይሩ። ናይ ሰዓት-ሰዓት ዝርዝራቱ፡ ኣብ መዛግብትና ኣሎ። ክልተ- ቐጽራዊ ስርዓት ኣብቂዑ ኣብ ዝተባህለሉ- ወዝቢ ምስ ዓመተ ሓርነትና ዝተጋጠመ – መዋእል እንኮ-ቐጽራዊ ስርዓት ተራሕዩ ተባሂሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝተራእየ ሃለኽለኽን፡ ዘኸተሎ ዕንወትን፡ ናይ ትማሊ ድብቱር ዛንታ’ዩ። እዚ ዝተባህለ “እንኮ- ቐጽራዊ” ዓለማዊ ስርዓት፡ ከምቲ ዝተነበዩሉ ዘይኰነ፡ ዕምሩ ናብ ምሕጻር፤ ዘሎናዮ ርቡጽ ኩነታት ከኣ፡ ዕላመታት (symptoms) ናይ ምስግጋር መድረኽ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ናበይ ዝወስድ መሰጋገሪ መድረኽ? ክንደይ’ከ ይወስድ ይኸውን? ናብ ብዙሐ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ዝብሉ ኣለዉ። ናይ መነመን፡ ብዙሓት? ኣመሪካ? ቻይና? ሩስያ? ህንዲ? ኤውሮጳ? እንታይ ዝመስል ምጽ’ንባር (combinations) ወይ ዝንቕ-ሚዛን ክህልዎ ይኽእል? በየናይ ስርዓተ-ክብሪታት (value system) ዝግዛእ? ንዞባና’ኸ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል?. . . ብዙሓት ሕቶታት ዘበጋግስ’ዩ።

ንርዱእ ምኽንያታት፡ ናይ ክልተ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ናፍቖት ኪህልወና ኣይክእልን፤ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ስለዝሰገርናዮ። ነዚ ናይ ትማሊ፡ ንእንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዝጠፍእ ፍቕሪ’ውን ኪህልወና ኣይክእልን፤ ልዑላዊነትና ዝተደፍረሉን፡ ናይ ሸጠፍ ዘይሕጋዊ እገዳ ዝተስገደደሉን ስለዝዀነ። ናይ ብዙሐ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ሃንቀውታ ነሕድረሉ ምኽንያት’ውን የብልናን። ክልተ-ቐጽራዊ ይኹን፡ እንኮ- ቐጽራዊ፡ ወይ ብዙሐ-ቐጽራዊ፡ ናይ ቀጽርታት ፍቕዲ ዘይኰነ ዘገድስ፤ ካብ ስሱዕ፡ ግዝኣተ-ጫካ ውሑዳት ገበትቲ ወጻኢ፤ ልዑላዊነትን ፍትሒን ዝኸብረሉ ስርዓት ኪኸውን፡ ናይ ኩሉ ህዝቢታት ዓለም ሕርያ’ዩ።
“ሓያላን ዓለም” ዝበሃሉን፡ ናይ ዞባና “ጎብለላት ኢና” በሃልቲን ሓንከርቲን፡ . . . መጋበርያታቶምን፤ በብዝመስሎም ኣጀንዳታትን ጸወታን፤ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 75 ዓመታት ዝፈጠሩልና ብድሆታት፡ ኣብ ዝኽሪታትና ስለዘሎ፡ ናይ መጻኢ ሲናርዮታት ዝተፈላለየ ድብልቕ ወይ ምጽን’ባር ኣጀንዳታት፡ ብጥንቃቐ ተገንዚብና፤ ናይ ጉዕዞና መርሓ-ጐደናታት ክንቅይስ ግቡእ’ዩ። ኣብ ኩሉ ተኽእሎታት ግን፡ ኣእዳውና ኣጣሚርና ክንዕዘብ ዘይኰነ፤ ብዘይ ዘውጊ (bias) ብንጥፈት ክንዋሳእ ድሉውነትና ምሕያል ኣብ ቦትኡ ኪህሉ’ዩ። (እዚኣስ ተርጅማ መድለያ!!)

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ዓለማዊን ዞባዊን ምዕባለታት፡ መጠናቶም ብዘየገድስ፤ ኣብ ጉዕዞና ዝህልዎም ጽልዋታት ዘይከሓድ’ኳ እንተዀነ፡ ቀንዲን ወሳኒን፡ ዘቤታዊ ምዕባለታትን ሓይሉን’ዩ። ከምቲ ናይ ቃልሲ ሓርነት ቅያ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ነቲ ሩፍታ ዘይህብ ተጻብኦታት፡ ብዓቕሊን ጽንዓትን ሓያል መኸተን ገጢምና ስለዘይተጸዓድና፡ ኩሉ ዕላመት ተጻብኦታት፡ ናብ ጽዑቕ-ክንክን ወይ ምሕላቕ ገጹ’ዩ ዘእንፍት። ከምኡ ስለዝዀነ፤ ንመጻኢ ጉዕዞና ተኸሲቱ ዘሎ ዕድላት ዓቢ እዩ። ልምዓታዊ መኸተና፡ ብዝዓበየ ጉልበትን ዝያዳ ናህሪን፡ ደርማስ ፕሮግራማት ከነተግብር ምእንቲ እምበኣር፤ በእምሮን ብኣካልን ክንዳሎ፡ ግድነት እምበር ሕርያ ኣይኰነን።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ምስ ውሁብ ኩነታትን ዕድላትን፡ ሒዝናዮም ዝጸናሕና ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን፡ ንዝበለጸ ተተግባራዊነት፡ ክለሳን ምጽዕዳውን ዘድልዮም’ኳ እንተዀኑ፤ ሓፈሻዊ ኣስተዋጽኦኦም (summary)፡ ከምዚ ዝስዕብ’ዩ፦

• ዘኒቡ ዝውሕዝ ማይ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽር ናይ ምእታው እስትራተጂ፡ ብምዕሩይ ዝርግሐ፡ በብመድረኽ እናተተግበረ፡ ንልዑል (optimum) ኣጠቓቕማ ጸጋ ማይን መሬትን ክሊማን፡ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምትእትታው፡ ኣብ ዝተፈላለየ ምድባት ሕርሻ፡ ምህርቲ ብዓይነትን ዓቐንን ምኽዕባት፤ • ኣብ ባሕራዊ ጸጋታት፡ ብተመሳሳሊ እስትራተጂ፡ ዘቤታዊ ናይ ምምራት ብቕዓት (capacity) ንምንዳቕ ዘበግስ መሰረታት ምንጻፍ፤

• ንርዱእ እስትራተጂያዊ ኣገዳስነቱ፡ ናብ ምስናዕን ኢንዱስትሪያዊነትን ብፍጥነት ንምግስጋስ፡ ካብ ዘሎ ትሑትን ድኹምን፡ ቀረብን ኣገልግሎትን ኤለትሪክ ወጺእና፡ ዝተፈላለዩ ጽላታዊ ፕሮግራማትና ንምሕያል፡ ተቐዪሱ ዝጸንሐ ዝንቕ ዝተፈላለየ መመንጨዊ (ረስናዊ፡ ጸሓያዊ፡ ንፋሳዊ፡ . . . ካልእ) ሕርያታት ብምድዩላዊ (modular) ኣከፋፍላኡ ንምትግባር፡ ወፍሪን ጻዕሪን ምዝያድ፤
• ትሕተ-ቕርጻዊ ፕሮግራማት (ጽርግያታት፡ ወደባት/ ማርሳታት፡ መዓልቦ . . . እንተላይ ጐሰስ ንዝብል ዘሎ ፕሮጀክትታት መንበሪ ኣባይቲ) በድማዕነት ንምትግባር፡ ኣብ ምድላብ ዘቤታዊ ጸጋታትን ዓቕሚን ወፍሪ ምዝያድ፤
• ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ብዓይነትን ዓቐንን ምዕባይ፤
• ጀሚሩ ኣብ መስርሕ ትግባረ ዘሎ፡ ፊስካላዊን ገንዘባዊን ዳግመ-ውቀራ (restructuring) ብዝሓየለ ዓይነታዊ ምሕደራ ከምዝምዕብል ምድራኽ፤
• ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒታት ምምሕዳራት ዝጸንሐ፡ ድኻማትን ብከላን፡ ንምሕያልን ንምጽራይን፡ ተበጊሱ ዝጸንሐ ምትዕርራይ፡ ዳግም ከሊስካ፡ ምሕደራ ምሕሳን፤
• ብፍሉይ ኣቓልቦን ልዕሊ ኩሉን፡ ጸጋ-ሰብናን ኣራባሕነቱን ንምዕባይ፡ ስርዓተ-ትምህርቲ፡ ብካሪክሉምን ደገፋትን፡ መምህራንን/ ኣሰልጠንቲን፡ ትሕተ-ቕርጺን ካልእ ኣገዳሲ መሳለጥያታትን ንምሕያል፡ ጥሙር (integrated) ወፍሪ ምኽዕባት፤
• ኣብ ኩሎም መደባት ልምዓታዊ መኸተ፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሱታፌን ኣበርክቶን ንምዕባይ፡ ተነዲፎም ዝጸንሑን፡ ከምቲ ዝድለ ዘይገስገሱን ፕሮግራማት ከሊስካ፡ ውጥን-ትግባረ ምንዳፍ . . . ቀንዲ ቀዳምነታት ናይ’ዚ ዝመጽእ 3/5 ዓመታት’ዮም።

ደጊመ፡ ራእይና ንምጭባጥ ኣይክንሰንፍን ኢና እናበልኩ፤

ምስ ሰናይ ምንዮት ጥሉል ክራማት፤ ነባሪ ዝኽሪ፡ ነቶም ብኣርኣያነቶም ዝመሃሩናን ዘጽንዑናን ጀጋኑ ሰማእታት! ዓወት ንሓፋሽ!