9ይ ምዕራፍ

ተመን ብህይወቱ ኣብ ጉድጓዱ ከሎ፣ ፍልሖ ይበልዕ። ምስ ሞተ ከኣ ነቲ ረሳኡ ፍልሖ ይበልዑዎ። ግዜ ብምንም ዓይነት ኣብ ዝኾነ ይኹን ስዓት እዩ ዝቅየር። ሓደ ወድሰብ ብህይወት ከሎ ዋጋ ማንም ሰብ ከነኣእስ የብሉን። ምናልባት ንግዜኡ ሓያል ሰብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፣ ግዜ ግና ካባኻ ንላዕሊ ዝበለጸ ጉልበት ከምዘለዎ ክትርዳእ ፈትን። እስከ ከም ኣብነት ንምጥቃስ፣ ካብ ሓንቲ ገረብ ዝወጸ ዕንጨይቲ ሓደ ሽሕ ክርቢት ክስራሕ ይከኣል እዩ። ሓንቲ ክርቢት ግና ንሓደ ሽሕ ዝኸውን ኣግራብ ከተንድድ ትኽእል እያ። ሓደ ክፉእ ተግባር ድማ ንብዙሕ ጽቡቕ ነገር ከባላሹ ይኽእል እዩ። እቲ ኣውራ ነገር ግና  ብኣተሓሳስባኻ ቅኑዕ ኩን፣ ርግእ ኢልካ ሕሰብ፣ ንኹሉ ግዜ ስለዘለዎ ድማ ኣይትጨነቕ።

ድሕሪ ሞት ንጉስ የውሃንስ 4ይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብውዲት  መሃንድሳት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ስልጣኑ ዘረጋገጸ ሰላዪ ንጉስ ዳግማዊ ሚነሊክ።

ንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ ድሕሪ ሞት ንጉስ የውሃንስን ንጉስ ቴድሮስን ብውዲት ምሕዝንኡ ምስ ኮሎንያል ጣልያንን እንግሊዝን ነበረ። 

ዳግማዊ ንጉስ ሚነሊክ ብትግራዎትን ኤርትራውያንን ስግኣት ስለዝነበሮ፣ ንኣውራጃ ትግራይን፣ ኤርትራን ኮሎንያል ጣልያን ንክማስሐን ብምስጢር ምስ መሃንድሳት ኮሎንያል ጣልያን ተሰማምዐ።

እቲ ዕሽነት ንጉስ ምነሊክ ግና፣ ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራን ትግራይን ንምቍጽጻር ጥራይ ዘይኮነ ዝነበረ ሕልሙ፣ ንመላእ ኢትዮጵያ ከምዝነበረ ኣይተሰቆሮን ነበረ። ውዲታውያን እንግሊዛዋያን ኣዝዮም ዘስግእዎም ዝነበሩ፣ ጅግንነት ህዝቢ ምድረባሕርን፣ ንጉስ ቴድሮስን ጥራይ እዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ነገር እንተድኣ ኣልዩ ድማ፣ ብዘይካ ንጉስ ቴድሮስ፣ መሳፍንትን ነገስታትን፣ ትግራይን ኢትዮጵያን፣ ብዛዕባ ሃገራውነት ዘይኮነ፣ ህርፋን ስልጣን ጥራይ እዮም ዘቐድሙ ዝነበሩ። ከምኡ ስለዝነበሩ ድማ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ንኮሎንያል ጣልያን ኣሕሊፎም ሂቦመን። ብኦም ዝጀመረ መርዚ ድማ እንሆ ደቀ ደቆም ከም ብዓል መላኺ ኢሰያስን ብዓል ስብሓት ነጋን ስዩም መስፍን መራሕቲ ወያኔ ዋርሳይ ኮይኖም ብፍላይ ንመላእ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ብሓፈሻ ድማ፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕግራባውያን እሕሊፎም የረክቡዋ ምህላዎም እዩ።

ኣስተብህል፣ ጽሓፍቲ ታሪኽ ኢትዮጵያን ትግራይን፣ ነቲ ሓቂ ሸፊኖም፣ ንንጉስ የውሃንስ 4ይን ንጉስ ዳግማዊ ሚነሊክን ስልጣኖም ዘደልደሉ- ሎም፣ ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ ምዃኖም ረሲዖም፣ እቲ ጅግንነት ናቶም ምዃኑ ጥራይ እዮም ዝትርኹዎ። ንመረዳእታ ንንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ ካብ ወራር ኦሮሞ ዝተኻላኸለሉ፣ ደይግያት ኣበራ ወዲ ወዱ ንራእሲ ሃይሉ ብዓል ጸዓዘጋ እዩ ዝነበረ። ካብኡ ተበጊሱ ከኣ እዩ ዳግማዊ ምነሊክ፣ ንደግያት ኣበራ ክውድሶ ከሎ፣ “ከሺ ኣማራ፣ ኣንድ ኣበራ” ዝበሎ። ንጉስ የውሃንስ እንተኾነውን፣ ብሳላ ደቂ ጸዓዘጋን ሃዘጋን እዩ ስልጣኑ ዘደልደለ።  ኣብቲ ኣንጻር ማህዲ ዝተገብረ ኲናት እንተኾነውን ብሳል ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ ድኣንበር፣ ብሓገዝ ኣምሓራስ እቲ ሽዑ ዝተረኽበ ዓወት ኣይምተረኽበን።

ብርግጽ፤ ንጉስ የውሃንስ ንበይኑ ምስ ትግራዎት ጥራይ ኣንጻር ማህዲ እንተዝዋጋእ ነይሩ፣ ብዘይ ጥርጥር ምተሳዕረ ነይሩ። ሎሚ ከኣ ትግራይን ኢትዮጵያን ሃገር ኣስላም ኮይነን ምሃለዋ። ጀምስ ብሩስ ኮነ ኢሉ ንጅግነት ምድረባሕሪ ሸፈፍ ኢሉ እዩ ዝሓልፎ። ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ታሪኽ ዝጽሕፍ ፕሮፈሶር ሃጋይ ኤርሊክ ዝተባህለ እስራአላዊ ድማ፣ ኮነ ኢሉ ንታሪኽ ጅግንነት ኤርትራውያን ሸፋፊኑ፣ “ጅግና ኣሉላ ኣባነጋ” እንዳበለ እዩ በብዓይነቱ ጽውጽዋያት ዝጽሕፍ።

መብዛሕትኦም ጽሓፍቲ ታሪኽ ምዕራባውያን እንተኾኑውን፣ ብዘይካ ኢጣልያዊ ጽሓፊ ታሪኽ ሪፊኖ ፐርኒን፣ ፓሌራን፣ ኮንቶ ሮሲኒን፣ ብዝዕባ ጅግንነት ደቂ ምድሪ ባሕሪ ክዝክሩዎ ኣይደልዩን እዮም። እዚ ድማ መኽንያት ስለዘለዎም እዮም። እቲ መኽንያት ድማ፣ ጀጋኑ ኤርትራውያን፣ ዋላኳ ራእሢ ወልደሚካኤል፣ ብተዃሉ፣ የውሃንስን ኣሉላን ብማሕላ እንተተማረኽ፣ እቶም ንሽሙ ብራእሲ ኣሉላ ዝምርሑ ዝነበሩ ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ 75% ደቂ ለጎጭዋን፣ ድንበዛንን ደቀተሽምን እዮም፣ ኣብ ኲናት ዶጓሊ ንወራር ጀጃዊ ኮለንያል ጣልያን፣”ወዲ ማይጓይላ፣ ወዲ ማይ ፈለጋ” ኢሎም እንዳዝመሩን ፈከሩን ብዘስተንክር ጅግንነት መኪቶም ዝሰዓሩዎ።

እቲ ብ27 ወርሒ ጥሪ 1887 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዶጓሊ ዝተፈጸመ ዓወት ደቂ ምድረባሕሪ፣ ንመላእ ኤውሮጳውያን ሃንደበታዊ መውቃዕቲ ስለዝኾኖም እዝዩ ኣደንጽዩዎም እዩ። እቲ ታሪኽ ጅግንነት ደቂ ምደረባሕሪ ግና ሸፋፊኖም ብምሕላፍ፣ ብ”ኣልሞት ባይ ተጋዳይን” ካብ ዝብል ህልኽ ክሳብ ሎሚ፣ ነዞም ክናናን ምናናን ደቂ መሳፍንቲ ትግራይ ልኢኾም፣ ንጅግና ህዝቢ ኤርትራ ብውዲታዊ ሜላ ገረብ ብሓኽላ ተጠቒሞም፣ እንሆ ኣላሽ ከብሉዎ ይረባረቡ ኣለው።

ድሕሪ ኲናት ዓድዋ ምዕራባውያን፣ ብስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ተመሪሖም፣ ንኢትዮጵያ ንምቍጽጻር፣ ካልእ ስትራተጂካዊ ሜላ፣ ግን ከኣ እብ ዝተናውሐ እዋን ክትግበር ዝኽእል ውዲት ክጥቀሙ ወሲኖም። ንሱ ድማ፣ ድሕሪ ስዕረቶም ኣብ ደጓሊን ዓድዋን፣ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ንምእታው፣ ብድሎ ከይትዕሎ ውግእ ዘይኮነ፣ ብስለላን ኮለላን ኣብ ዝተናውሐ እዋን ንምዕዋት፣ እዝዩ ረቂቕ ዝኾነ መደብ  ዕዮ ሓንጺጾም፣ እንሆ ክሳብ ሎሚ ደፋእ እንዳበሉ የጽንቱና ኣለው።

ቀዳማይ ነብኡ ንንጉስ ሃይለስላሴ፣ ራስ መኮንን ዝተባህለ፣ ወድሓትንኡ ንንጉስ መንሊክ፣ ገዛኢ ሃረር ነበር፣ መልሚሎም ንወጻኢ ወሲዶም፣ ብስለላ ኣሰልጢኖም ንኢትዮጵያ ንክገዝእ ልኢኾሞ። ንሱ ግና ዓለም ቀዲማቶ ኣብቲ ዝሓለሞ ስልጣን ከየርከበ ብሞት ተፈልዩ። ካብኡ ንወዱ ሃይለስላሴ ብውዲት መልሚሎም ኣሰልጢኖሞ። ዘይግብኦ ዘውዲ  ደፊኦም ድማ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓገዝ መደብ ዕዮ ምዕራባውያን ንኽገዝእ ብውዲት ዕሲቦም መዚዞሞ። ንኣስታት 40 ዓመታት ድማ ብመስፍናዊን ድሑርን ንግስነት ብእንግሊዛውያንን ኣመሪካውያንን እስራአላውያን ዝምወል ስልጣን ተሸኪሙ፣ ማለይ በቲ ኣማኻሪኡ ኣሜሪካዊ ሰላዪ ጆን ስፔንሰር ተመሪሑ እዩ ክሳብ ዝዓርብ ዝገዝእ ዝነበረ።

ንጉስ ሃይለስላሴ ንኸምስል እኳ ንቤተክርስትያን ይመላለስ እንተነበረ፣ ብግብሪ ግና ኣብ ጥንቁልናን ሰይጣንዊ እምነትን እዩ ዝኣምን ነይሩ። ነዚ ስሉስ ኲርናዕ ገሩ ሒዙዎ ዘሎ ሎጎ ወይ ምስሊ፣ እቲ ቀንዲ ምልክት ኢሉሚናቲ እዩ። ብርግጽ ንጉስ ሃይለስላሴ እቲ ን5 ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን፣ ብጥንቆላን ስለላን እዩ ዝስልጥን ነይሩ። ነዚ ውዲታዊ ምስጢር እዚ ግና፣ ጽሓፍቲ ታሪኽን ምሁራት ኢና ዝብሉ እምሓሩ ኣይጠቕስዎን እዮም።

ነዚ ምስጢራዊ (ኮንስፒራሲ) እዚ ንምርድኡ ክብድ ዝበለ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ሓቂ ግና ንሱ እዩ። ብድሕሪ ሃይለስላሴ ከኣ እንሆ ንኢሰያስን መራሕቲ ወያኔን ኣሰልጢኖም መተካእታ ንጉስ ሃይለስላሴ ገሮም ነዚ ገርሀኛ ህዝቢ ኣምሓራን ኤርትራን ትግራይን ይላገጹሉ ኣለው። እዚ ድማ እቲ ውዲታዊ መደብ ጽዮናውያን ከምኡ ስለዝኾነ እዩ። ንጉስ ሃይለስላሴ ን44ን ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምጭቋን፣ ስልጣኑ ንደቁ እኳ ከየካፈለ፣ ንባዕሉ ጥራይ ገቢቱ፣ ብ1975 ዓ.ም.ፈ. ኣብ 82 ዕድሜኡ መስፍናዊ ስልጣኑ ብቐስብ ብወተሃደራዊ ጭፍራ ተሓዲጉ ብሕፍረት ሞይቱ። ምዕራባውያን ድማ ከድሕንዎ እኳ ይኽእሉ እንተነበሩ፣ ምስተጠቕሙሉ ግና ኮነ ኢሎም ግዳይ ጭፍራ ወተሃደራት ኮይኑ ከምዝጠፍእ ትም ኢሎም ርኤሞ።

ንጉስ ሃይለስላሴ ብሓገዝ ሳላ መርበብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዘውዲ ምስደፍአ፣ ንኩሎም ኣብ ስልጣኑ ዘጻብኡዎ ኣምሓራ ይኹኑ ካብ ካልኦት ዓሌት ቀንጺሉዎም እዩ። ንመረዳእታ ካብቶም ክዝከሩ ዝግብኦም ሓርበኛታት ኣምሓራ፣ ሓደ በላይ ዘለቀ ካብ ጎጃም ክፍለሃገር፣

Belay Zeleke በላይ ዘለቀ The Patriot and Last Hero of Abyssinia-

Belay Zeleke from Gojam Ethiopia ሃይለስላሴ ኣብ ስደት ኣብ ኤውሮጳ ኮብሊሉ ኣብዝነበረሉ እዋን፣ ጅግና በላይ ዘለቀ ግና ን5 ዓመታት ዝኣክል፣ ኣንጻር ኮሎንያል ጣልያን ብጅግንነትን ብልዑል ሃገራውነትን መኪቱ እዩ። ድሓር ግና፣ ብውዲት ስለይቲ እንግሊዛውያን፣ ንስትራተጂ-ካዊ ረብሓኦም ክብሉ፣ ንሰላዪን ጠንቋልን ሃይለስላሴ መሪጾም፣ ንጅግና በላይ ዘለቀ ቀንጺሎሞም። በላይ ዘለቀ ብ1896 ኣብ ኣውራጃ ወሎ፣ በዲኡ ካብ ቦሮና ዝብሃል ዓሌት፣ በብኡ ድማ ካብ ዓሌት በረንታ ኣውራጃ ጎጃም እዩ። ብ12 ጥሪ 1945 ዓ.ም.ፈ. ብትእዛዝ ሃይለስላሴ ተሓኒቑ በጃ ሓሊፉ። በላይ ዘለቀ ኣብቲ ጸረ ኮሎንያል ጣልያን ዝግበር ዝነበረ መኸተ፣ ዓቢ ሃገራዊ ጅግንነት ዘርኣየ ሰብ ነበረ። እቶም መቃልስቱ ሃጸይ በጉልበቱ “Self Made Emperor”.ኢሎም ክሰምዩዎ ከለው፣ ንሱ ግና “ኣነ ኣደይ በላይ ኢላ ስም ስለዘውጽኣትለይ “One who is Above Others” ካልእ ስም ኣየድልየንን እዩ” ክብል ይምልሰሎም ነበረ።  ምንጪ ሓቤሬታ

A black and white photograph of Mengistu Neway

ብሪገዴር ጀነራል መንጊስቱ ነዋይ (ብ1919ኣ.ም.ፈ.ተወሊዱ ብ 30 መጋቢት ብ1961ዓ.ም.ፈ. ከኣ ብድልየት ቤተሰብ እቶም ዝተቐትሉ ሚንስተራት፣ ንጉስ ሃይለ ስክላሴ ብማሕነቕቲ ንክመውት ፈሪዱዎ። ካብኡ ጅግና ብሪገዴር ጀ. መንግስቱ ነዋዩ ኣብቲ መፈንቅለ መንግስቲ ዝተገብረ ኲናት ብብዓል ጀነራል መርእድ ተማሪኹ ድሓር ተሓኒቑ ንሃገሩ በጃ ሓሊፉ። ግርማመ ሓዊ ግንስ ባዕሉ ሽጉጡ ሰትዩ ነብሰ ቅትለት ገሩ። ብጠቕላላ 3 ኣሕዋት እዮም በጃ ሃገሮም ሓሊፎም።

ከምኡውን ብ1962 ዓ.ም.ፈ. ጀነራል መንግስቱ ነዋዩን ምስ ከኣ ክልተ ኣሕዋቱ፣ ንንጉስ ሃይለስላሴ ገልቢጦም ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንከምጽኡ ምስመደቡ፣ እቲ ዝተመደበ መፈልቅለ መንግስቲ ክዕወት ቁሩብ ምስ ተረፎ በርዒኑ። መንግስቱ ነዋዪን፣ ምስክልተ ኣሕዋቱ ድማ ተቐንጺሎም። ስልጣን ሃይለስላሴ ድማ ብሳላ ሓገዝ ጽዮናውያን ቀጸለ።[/button]

እዚ ግና ንምዕራባውያን ኣይዓጅቦምን እዩ። ንንጉስ ሃይለስላሴ ካብ 1966 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም መተካእታኡ፣ ንኢሰያስ ኣፈውርቂ መልሚሎም ኣሰልጢኖሞ። ኢሰያስ እንተደኺም ድማ ንመራሕቲ ወያኔ ብስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ሰናኒዖም ጠፍጢፎሞም ኣዋፊሮሞም። እዞም ሎሚ ብሀርማን ኮሀን ዝጓሰዩ ዘለው ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን፣ ዋላኳ ህዝቢ ንኣስታት 40 ዓመታት ከየለለዮም እንተጸንሐ፣ ሎሚ ግና እቲ ሕቡእ ኣጀንድኦን፣ ውዲታዊ ወፍሮምን፣ ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ኮይኖም ንክልቲኡ ህዝብታት ፈላልዮም ይላገጹሉ ከምዘለውን፣ ውድቀቶም ድማ ከምዝቐረበን እንዳተጋህደ ይመጽእ ኣሎ።

ንጽዮናውያን ግና ዕርበት እዞም ጸረግቲ ጽርግያ ጽዮናውያን ዝኾኑ ክናናን ምናናን፣ ህግደፍን ወያኔን ጸገም ኣይኮኖምን እዩ። መኽንያቱ እቲ ቀንዲ ሸቶኦም ኣብ ዝተናውሐ እዋን ክወቕዑዎ ስለዝመደቡ፣ ገና ድሕሪ እዞም ክልተ ክናናን ምናናን፣ ካልኦት ተዃሉ ኣዳልዮም ኣለው። ብርግጽ ድሕሪ ክንደይ ምትላል፣ ኣብዚ እዋንዚ መወዳእታ መድረኽ ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን ከምዝኣኸለ፣ እቲ ኩነታት እንዳተጋህደ ይርአ ኣሎ።

ኣስተብህል፣ ምዕራባውያን ብፍላይ መሃንድሳት ስለላ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ድሕሪ ሞት ንጉስ ቴድሮስ ጀሚሮም፣ ክሳብ ሎሚ ብስዉር ንከባቢ ኢትዮጵያ ይዝውሩዎ ኣለው። ንጉስ ቴድሮስ ብወራር እንግሊዝ ሞይቱ፣ ንጉስ የውሃንስ ብስለላ መርበብ እንግሊዝ ተቐንጺሉ፣ ንጉስ መነሊክ ሰላዪ እንግሊዝን ኮሎንያል ጣልያንን ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ብባህርያዊ ሞት ተሳናቢቱ። ነቲ ሓርበኛ ወራስ ዓራት ልጅ ኢያሱ፣ ብሰንኪ ስለላ መርበብ እንግሊዝ ድሕሪ ምቕንጻሉ፣ ንጉስ ሃይለስሴ ዝብሃል ሰላዪ፣ ንንግስቲ ዘውዲቱ ወራሲት ዓራት ንጉስ መነሊክ ቀንጺሉ፣ ክሳብ ዝኣርግ እቲ ኩሉ ውዲት ብኣማኻሪኡ ኣሜሪካዊ ጆን ስፔንስር እዩ ክካየድ ጸኒሑ።

ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን እንግሊዝን ዘውጽኡሉ መምርሒ ከም ፎርማ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብዘሕፍርን ዘነውርን ሕስረት ኩነት ካብ ስልጣኑ ተሳናቢቱ። ብወገን ወያኔ ድማ መለስ ዜናዊ ብስለላ መርበብ ባዕዳውያን ዝተኣልመ ውዲት፣ ተሰሚሙ ዓሪቡ። ኢሰያስ ድማ ተኻታተሉዎ ጥራይ እምበር፣ ብዝሕፍር ኩነታት ከምዝሰናበት ከተርክቡሉ ኢኹም። ንግዜኡ ኣብዛ ልሕልቲ ስልጣን ዓዲ ሃሎ፣ እኳ እንተጸንሐ፣ ጽባሕ ብጊሓት ግና መወዳእትኡ ክትርእዩዎ ኢኹም።

 

ንሰበስልጣናት ዘተሓሳስብ ምኽሪ። ዝኾነ ልዑል ስልጣን ምስትሕዝን፣ ብዙሕ ሃብቲ እንትሎካን፣ ዝልዓለ ክብርን ዝናን እውን እንተወነንካን፣ ‹እዚውን ክሓልፍ እዩ› ኢልካ እንተድኣ ሓሲብካ፣ ግፍዒ ኣይትፍጽምን ኢኻ። ፍትሒውን ኣይተዋቕዕን ኢኻ። ድኻውን ኣይትብድልን ኢኻ። ምስትብድል ግና ሓደ እዋን በቲ ዘውጻእካዮ ሕጊ ከም ትፍረድ፣ ብዝቆረጽካዮ በትሪ ከኣ ከምትውቃዕ፣ ብዘዕቤኻዮ ከልቢ ድማ ከምትንከስ ፍለጥ። እዚ ዘሎኻዮ ስልጣን ድማ ሓደ መዓልቲ ከምዝፈርስ ተረዲእካ “እዚ’ውን ክሓልፍ እባ እዩ” ኢልካ ክትሓስብ ኣሎካ ፡፡

እተን ዝተወከስናየን መጻሕፍቲ ብዝርዝር፣

  1. ሃለቃ ፍስሃገርጊስ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ገጽ 50 ክሳብ 51፣ 69 : 81 ክሳብ 89: 92 ksab 93

  2. ኣልቤርቶ ፓሌራ ትርጉም ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ

  3. መም. ይስሃቅ ዮሴፍ ንግስነት ሃገረ ምድረ ባሕሪ ኣብ ገጽ 202 ክሳብ 210

  4. ፍስሃየ ሓጎስ ዘመናዊ ታሪኽ ገጽ 73 ክሳብ 80

  5. ሩፊሎ ፐርኒ መረብ ምላሽ ገጽ 55፣74፣ ክሳብ 160፣ 167፣ 178፣

  6. የውሃንስ ኮልመዲን ዛንታ ሃዘጋን ጸዓዘጋን 91 ክሳብ 196

  7. ራስ ኣሉላ ገጽ 68 ክሳብ 69

  8. ኣባ ጋስፓሪኖ የኢትዮጵያ ታሪኽ

  9. FRANCESCO ALVAREZ ትርጉም ብሃይለ በዅሩ

  10. ሀንሪ ሶልት ሓረጋት ትግሪኛ ገጽ 80

  11. CHE EDE ERITREA

  12. I din’t do it for you by Michael Wrong

  13. Diary by Ferdinando Martini