ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ሓ.ት.ን ስለምንታይ ግና ነቲ ጥንታዊን ታሪኻዊን ኣግኣዝያናዊ መንነቶም ረሲዖም ኣብዚ ሎሚ ወዲቖሞ ዘለው ሃለዋት ወዲቖም?

ካብ 15 ክፍለዘመን ጀሚሮም፣ ኣባሓጎታትና፣ ደቂ ኣግኣዝያን (ሎሚ ኤርትራውያንን፣ ትግራዎትን) ብሓባር ኮይኖም እዮም፣ ነቲ ዳርጋ ንመላእ ኢትዮጵያ ተቛጻጺሩዋ ዝነበረን፣ ንቤተ-ክርስትያን ማርያም ጽዮን እኽሱም ከይተረፈ ዘቃጸለ ኣረሚን ወራር መሓመድ ግራኝ፣ ብ1543 ዓም.ፈ. ኣብ እዋን ባህረ-ነጋሲ ኢሳቅ ኣብ ቤተ መንግስቲ ድባርዋ ንምደረ ባሕሪ ዘምሓድረሉ ዝነበረ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንጉስ ገላውዴዎስ ወዲ ንጉስ ልብነ-ድንግል ዝገዝኣሉ ዝነበረ እዋን፣ በቶም ባሕረነጋሲ ዝዓደሞም ፖርቱጋላውያን ተሓጊዞም  ንግራኝ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ሰዓርዎ። ነዚ መረጋገጺ እዚ ድማ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይምስክሩዎ።

ድሕሪ ስዕረት ግራንኝ ድማ ብ1557 ዓ.ም.ፌ.ወራር ቱርኪ ኣርከበ። ባሕረነጋሲ ኢሳቕ ጎይታ ዘድባርዋ፣ ብዘይ ሓገዝ ኣምሓራን ትግራዎትን ንበይኖም ን13 ዓመታት ዝኣክል ካብ ሕርጊጎ ንከበሳ ገጹ ከይወርር መኪቶም ዓጊቶሞ ነበሩ። ድሕሪኡ ግና ኣብ ድባርዋን ምስበጽሐ ተደምሲሱ ተሳዒሩ።  ንወራር ግብጺ ድማ ንህዝቢ ባርካን ሳሕልን ፍርቂ ሰኒሕትን መንሳዕን፣ ሰምሃርን ደንከልን ካብ ክርስትና እምነት ኣብ ምስልምና እምነት ድሕሪ ምቕያር፣ ንምድረ ኣግኣዝያን ከበሳ ንምቁጽጻር ተበገሰ። ኣብ ኲናት ጎዳጉድን፣ ጉራዕን ምስ ፈትነ ድማ ንበይኖም ደቂ ምድረባሕሪ (ሎሚ ኤርትራ) ምስ መከቱዎ ብሓደ ሙሲንገር ዝተባህለ ሰላዪ ወዲ ስዊዘርላንድ ተመኺሩ ድማ ንኢትዮጵያ ንኽወርር ክሳብ ጉንደት በጽሐ። ኣብቲ እዋን እቲ ንጉስ የውሃንስ 4ይ ኣብ ትግራይ ዝገዝኣሉ ዝነበረ መዋእል ነበረ። ብ16 November 1875 ዓ.ም.ፈ. ግና ትግራዎት ምስ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ተላፊኖም ኣብ ኲናት ጉንደት ደምሰስዎ። ኣምሓራ እብቲ ኲናት ጉንደት ኣይውዓሉን።

እስተብህሉ፣ደቂ ኣግኣዝያን ንወራር ግብጺ እንተዘይብድህዎ ነይሮም ግና ሎም ኢትዮጵያ ኣብትሕቲ ግብጺ ትግዛእ ምሃለወት ነይራ።

ወራር ግራኝን ቱርክን ግብጽን ከይኣክል ድማ፣ ብ1889 ዓ.ም.ፈ. ወራር ኮሎንያል ጣልያን እርከበ። ኣብ ኲናት ዶጓሊ ድማ፣ ካብ 500 ንላዕሊ ዝብዝሑ ሰራዊት በኽሪ ኮሎንያል ጣልያን፣ በቲ ምዕቡል ኣጽዋሩ ከይርዓዱ: ወዲ ፈለጋን! ወዲ ማይ ጓይላን! ኢሎም እንዳዘመሩ  ነቲ ዘይተመኮረ ጀጃዊ ሰራዊት ኮሎንያል ጣልያን ግና መላስ ኣውያት ዘይብሉ ዝስዓሩዎ።

ወራር ማህዲ እንተኾነ እውን ብ1889 ዓ.ም.ፈ.፣ ብኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ ተሓጊዙ እኳ ካብ ሱዳን ተበጊሱ ንስሜን እትዮጵያ ንኽወርር ድሕሪ ብዙሕ ኣብያተ ክርስትያናት ኣውራጃ በጌምድር ድሕሪ ምቅጻል፣ ብመሪሕነት ንጉስ የውሃንስ 4ይ ኣብ ክልተ ምዓልታት ጥራይ፣ ብደቂ ኣግኣዝያን ብቅያ ዝመልኦ ጅግንነት ያኣላህ!ያኣላህ! እንዳበለ እዩ መሃነኑ ጠፊኡዎ ዝተደምሰሰ።

ኣስተብህል፣ ኩሎም ጀጋኑ ደቂ ኣግኣዝያን ብፍላይ እኳድኣ ኩሎም ኤርትራውያን ትግራዎትን፣ ነቲ ኦሪታዊ ሃይማኖቶም ከይድፈሮም ብመሪሕነት ንጉስ ጽዮን፣ ንጉስ የውሃንስ 4ይ ንመተማ ከተቱ።  ነቲ ብውዲት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካብ ሱዳን ዝተላእከ ኣስላማዊ ኣኽራሪ ሰራዊት ኣብ መንጎ ክልተ ምዓልታት መላስ ኣውያት ዘይብሉ ደምሰስዎ።  እቲ ኣብ ኲናት ዶጋሊ ብ27 ጥሪ 1888 ዓ.ም.ፈ.ዝባህረረ ጆጃዊ ሰራዊት ጥልያን፣ተኻላኸልቲ ጀጋኑ ወይ ሓለውቲ ዶብ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣብ መተማ ምስ ኣስላማዊ ወራር ይምክቱ ከምዘለው ብሳላ  መሃንድሳት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ እረጋገጸ፣ ኣብክንዲ ብዓቐብ ደንጎሎን፣ማይሓብርን ሸግርንን ዝብገስ፣ ብኸረን ተጠዋውዩ ነስመራ ክወራ ክኣለ። ስለዚ እቲ ብውዲት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተማህዘ ኩናት መተማ እንተ ዘይነብርን፣ ብውዲት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ንጉስ የውሃንስ እንተዘይ ስውኡ ነይሮም፣ ፍላይ ድማ እቶም ንጣልያን ኣብ ዶጋሊ ዘባህረሩዎ ጀጋኑ ኤርትራውያን እንተዝነብሩ ነይሮም፣ ኮሎንያን ጣልያን በቲ ኣብ ኲናት ዶጋሊ ዝወረዶ መጽፋዕቲ ርዒዱ ስለዝነበረ፣ ነስመራ ክኣቱ ከቶ ኣይምኽኣለን። እቲ ውዲትን ብልሓትን ግና ኮሎንያል ጣልያን ዘይኮነ፣ ማሕበር እከይ መሃንድሳት ስለላ ዓባይ ብሪጣንያ እዮም፣ ንኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ከምዝወራ ዝገበሩ። ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን እንተኾነውን፣ ነቲ መደብ ኮሎንያል ጣልያንን ዓባይ ብሪጣንያን ብፍላይ እኳድኣ ጂኦስትራተጂካዊ ሕልሚ ጽዮናውያን፣ ብሰንኪ 2ይ ኲናት ዓለም ስለዘይተጋህደ፣ ሎሚ ድሕሪ 100 ዓመት ንኸተግብርዎ፣ ልኡኽ መላኽን ወይ ሰላሊ ጽዮናውያንን ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ብመደብ ኣሰልጢኖም ብምልኣኽ፣ ነቲ ብኮሎንያል ጣልያን ዘይጸነተ ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ወለዶኡ ንኸጽንቶ ገልዳሕ ይብል ዘሎ።

ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘመን እንተኾነውን፣ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ሓ.ት.ን ከምዚ ሎሚ ኣብ ነንሓድሕዶም ሕማም ድሓር ከይሓዞም፣ ራዛ ናየብኡ ሓዛ ከምዝብሃል፣ ብስሙር ግንባር ተላፊኖም፣ ነቲ ኣስላማዊትን ዓረባዊትን ኤርትራ ንምምስራት ዝሓልም ዝነበረ ውድብ ተ.ሓ.ኤ.፣ ግንከኣ ነቲ ሃገራዊ ሓይሊ መሲሉዎም ገርሀኛታት ደቂ ከበሳ ኤርትራ ኣግኣዝያን ዓሲሎሞ ዝነበሩ፣ ኣብ 1981ን 1982 ... ግና ካብ ሜዳ ኤርትራ ንሃገር ሱዳን ኣፋንዮሞ። ድሕሪ ምፍናው ተ.ሓ.ኤ. ድማ፣ ኣብ 1991 ... ነቲ ብምዕራባውያንን ብምብራቓውያንን ተመዊሉ ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን (ትግሪኛ ዝዛረቡ ህዝቢ ኣግኣዝያን ኣጥፊኡ ንቀይሕ ባሕርን ንፈለግ ኒልን ተከዘን ክቆጻጸር ዝሓልም ዝነበረ) ፋሺስታው ግዝያዊ ወተሃደራዊ ጭፍራ ኢትዮጵያ ከኣ ንሓዋሩ ከምዘይትንስእ ገሮም ስዒሮሞ።

ኣስተብህል፣

ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ሓ.ት.ን ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ናየቦሓጎታቶም ቅያን ጅግንነትን ወሪሶም፣ ብሓባር ተላፊኖም ጅግንነታዊ መኸተ ብምፍጻም፣ብፍላይ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ብሓፈሻ ድማ ንኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ፋሺስታዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓራ ከምዘውጽኡዎ ኣብ ላዕሊ ተኻታቲልናዮ ኢና።

 እወ፣ ኣግኣዝያን ኣብሓጎታትና ካብ 15 ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ክሳብ 19 ክፍለዘመ፣ ኣግኣዝያዊ መንነቶም ንምክልኻል ኣብ ልዕሊ ወራር ቱርክን፣ ግባጽን፣ ማህድን፣ ወራር ኮሎንያል ጣልያንን፣ መዘና ዘይብሉ ዓወታት ፈጺሞም እዮም። ንሶምውን ኣብ 20 ክፍለ-ዘመን ታሪኽ ኣቦሓጎታቶም ደጊሞም ከብቅዑ፣ ብ1998 ግና ብምኽርን ምዕዶን ጽዮናውያን ብስም “ዶባዊ ግርጭት“ 400 ትርብዒት ሜተር ዘይትኸውን ባዱመ ሕድሕዳዊ ኲናት ከፊቶም፣ መመክሒ ጽዮናውያን ኮይኖም። ስለምንታይ ግና ነቲ ጥንታዊን ታሪኻዊን ኣግኣዝያዊ መንነቶም ረሲዖም ኣብዚ ሎሚ ወዲቖሞ ዘለው ሃለዋት ወዲም? በዚ ሎሚ መሪሕነት ህግደፍን ኢህኣዴግን ዝኸዱዎ ዘለው ጉዕዞ መንዮም ዝረብሑ? ህዝቢ ኣግኣዝያንዶ ወይስ ባዕዳውያን? እቶም ጥንታውያን ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ (ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን) ብሓባር ክነብሩን ክመሓደሩን እንተድኣ በቒዖም፣ መን እዩ ዝረብሕ? ይድማ ጽዓዱ ምዕራባውያን፣(ጽዮናውያን ሃጸያውያን ) ?

መሪሕነት ህግደፍን ኢህኣዴግን ብምሉእ ቀልቦም መሳርሒ ህዝቢ ኣግኣዝያን ድዮም ወይስ ጽዮናውያን ? እንተድኣ መሳርሒ ህዝቢ ኣግኣዝያን ኮይኖምከ ብፍላይ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ዝገበሩዎ ረብሓ እንታይ ኣሎ? ንረብሓ ናውያን ይሰርሑ እንተድኣ ሃልዮምከ እንታይ ንእታይ ምልክታት የርእዩ ከምዘለው ይስቆረናዶ ?

ብግቡእ ታሪኽ ኣግኣዝያንን፣ ህዝቢ ኢትዮጵያን እንተድኣ ተኻታቲልናዮ፣ ካብ መዋእል ሃጸይ ተድሮስ ጀሚሮም፣ ጽዮናውያን ንቀዪሕ ባሕርን ንፈለግ ኒልን፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ንምቍጽጻር ዝሓልሙዎ ዝነበሩ ሕልሚ፣ ኣብዚ ዘሎናዮ መዋእል፣ ማለት ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሶማልን ኢትዮጵያን (ቀርኒ ኣፍሪቃ) እንታይ ምልክታት ንዕዘብ ኣሎና።

መረዳእታ፣ ስደት ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ሶማልን ኢትዮጵያን እንተድኣ ተዓዚብና ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን እሎ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።

 ብኻልእ ኣገላልጻ ድማ፣ ጽዮናውያን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝነብር ህዝቢ፣ ተባዕን ተኻላኻሊ መሬቱን ባሕሩን ከምምዃኑ ኣጸቢቖም ስለዘለለዩዎ ክሳብ ሎሚ ድቃስ ከሊኦሞ ከምዘለው ንዕዘብ እሎና። ምልክት እዚ ተርእዮ እዚ ድማ፣ ኲናት ኣብ ሶማል፣ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዝሑል ኲናት ኣብ ኤርትራ ወዘተ….።

 ስለምንታይ ግና ምዕራባውያን፣ ካብ መዋእለ-ባርነት ጀሚሮም ክሳብ መዋእል ኮሎንያሊዝም፣ ጸኒሑ ከኣ ኒዮ-ኮሎንያሊዝም፣ ሎሚ ድማ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት፣ ብፍላይ ካብ ክሳድ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ከምኡውን ሶማል ክወርዱ ኣይከኣሉ? ጽዮናውያን ኣብ እዋን ኮሎንያሊዝም፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ክወሩ ከለው፣ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ዘየጓነፎም መኸተ፣ ብፍላይ ብደቂ ምድረባሕሪ ግና ብሓፈሻ እኳድኣ ብደቂ ኣግኣዝያን (ትግራዎትን ኤርትራውያንን ብመሪሕነት ራእሲ ኣሉላ) ኣብ ዶጋሊ ከምተሳዕሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። በዚ መኽንያት እዚ ዶኾን ይኸውን ሎሚ ቅሳነት ዝኸልኡና ዘለው? እስከ ንመራመረሉ?  “ጎጉዱስ ንቐሺ” ከምዝብሃል፣ ነቲ  ጕዳይ ኣብቶም ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ ነፋጣትን፣ ንብረት ጽዮናውያንን ዝኾኑ ማሕበር እከይ ጭፍራ ህግደፍን፣ ልኡኽ ሰላዪ ኢሰያስን፣ ምስካም ዘይኮነስ፣ እቶም ጽባሕ ብጊሓት ንሃገርና መጽለው ጽሓዮም ክገብሩዋ ዝሓልሙ ዘለው ቶዃሉ ጽዮናውያን ልኣኽቶምን ዓሰብቶምን፣ እሞ ሎሚ ከይተረፈ ወርቅናን ደቅናን ኣብኦም ዝስደዱ ዘለው፣ከም ዝኾኑ ብሓላፍነት ድማ ነት ጉዳይና ሒዞሞ ከምዘለው ክንርዳእ ክንክእል ኣሎና። መሳኪን እንዳ ህግደፍ ግና ከይተፈለጦም ኣብዘይ ወጽዎ ጣጣ ጥሒሎም ክምዘለው (ብኤሊትን መሃንድሳት ስለላ ሞሳድን ሲኣይኤን ኤምኣይ 6ን እንዳተጓሰዩ ዝኽድሙ ምኻኖም) ተረዲእና ጸላእትና ብግቡእ ፈሊጥናን ተጠርኒፍና ክንምክት መድረኽ ይጠልበና ከምዘሎ ክስቆረና ኣለዎ።

 ትፈልጡዎዶ? እቲ ብጽዮናውያን ዝተላእከ ኮሎንያል ጣልያን ብመጀመርያ ንምድረ ኣግኣዝያን ቀጺሉ ድማ ንኢትዮጵያ ንኽወርር ክብገስ ከሎ፣ ብጳጳስ ብቫቲካን ተመሪቑ ከምተፋነወ ትፈልጡዎዶ? ስለምንታይ ይመስለኩም?

ኮሎንያል ጣልያን ብፍላይ ነቶም መሃንድሳት ዕዳጋ ባርነት ዝኾኑ ጽዮናውያን፣ ብሓፈሻ ድማ ነቶም ጽዓዱ ኢና ኢሎም ዝምክሑ፣ ግንከኣ ጽዓዱ ዘይኮኑ ደቂ ያፌት ወኪሉ እዩ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልን ወሪሩ። በቶም እልፋን ኦሜጋን ዝኾኑ ደቂ ኣግኣዝያን ግና ተሳዒሩ። ጽዮናውያን ተኻሉ ግና ብውዲታዊ ሜላ እንደገና ድሕሪ ኲናት ዶጋሊን ዓድዋን፣ ንመላእ ኢትዮጵያ ክቆጻጸሩ ፈቲኖም፣ ን5 ዓመታት ዝኣክልውን ንኢትዮጵያ ገዚኦማ እዮም። ንዝላaለም ክገዝኡወን ድማ መደቦም እዩ ነይሩ። ብ1933 ዓ.ም.ፈ. ግና ኣብ ኤውሮጳ ናሽናል ሶሻሊዝም ዝብል ፍልስፍና ሒዙ ኣን ሃገር ጀርመን ዝተበገሰ ኣዶልፍ ሂለር፣ ንመላእ ኤውሮጳ ክቆጻጸራ ምስ ጀመረ። ዕድል ህዝቢ ኣግኣዝያን ኮይኑ ግና፣ እቲ ንዘልኣለም ንህዝቢ ኣግኣዝያን ባረዩ ገሩ ክገዝኦም መደብ ኣውጺኡ ዝነበረ ኮሎንያል ጣልያን ግና፣ ምሕዝንኡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ካብቶም ዝልኣኹዎ ጽዮናውያንን ወጺኡ፣ ምስ ኣዶልፍ ሂትለር ሓዲሽ ምሕዝነት ፈጠረ። ምስ ኮሎንያል ገዛኢት ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ከልብን ድሙን ኮኑ። ዕድል ህዝቢ ኣግኣዝያን ኮይኑ ግና፣ ሂትለር ምስተሳዕረ ኮሎንያል ጣልያንውን ከምዝስዓር ፍሉጥ ነበረ። ኮሎንያል ጣልያንውን በቶም ካብ ህንድን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣኻኺቡ ዘሰለፎም ሰራዊት ተሓጊዙ ንኮሎንያል ገዛኢት ጣልያን ብቐስብ ካብ መሬት ምድረባሕሪ ንኽትወጽእ ኣገደዳ። እቲ ኮሎንያል ጣልያን መዲቡዎ ዝነበረ ፕሮጀክት ጥፍኣት ከኣ በኒኑ ተሪፉ። ማለት ንህዝቢ ኣግኣዝያን ባረዩ ገሩ ንኽገዝኦም መዲቡዎ ዝነበረ እከይ መደብ ግና በኒኑ ድኣ ተረፈ። (ኣብዚ እውንዚ ግና ታሪኽ ኮሎንያል ዝደግም ስርዓተ ኣልቦ ጭፍራ ህግደፍ ጽዮናውያን መልሚሎም ስለዝልኣኹልና፣ ነቲ ብኮሎንያል ተመዲቡ ዝነበረ ፕሮጀክት ጥፍኣት የተግብሮ ኣሎ)

ድሕሪ እዚ ተዋስኦ እዚ ድማ፣ ማለት ኮሎንያል ጥልያን ብሕፍረት ተሳዒሩ ንሃገር ጣልያን ምስተዓዝረ፣ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ ግና ንኤርትራ ንዓሰርተ ዓመታት ብሞግዚትነት ገዝኣታ። ንኢትዮጵያ ድማ ክሳብ ዕሱብ ዓባይ ብሪጣንያ “ንጉስ ሃይለስላሴ“ ኣሰልጢኖም ኣብ ዙፋን ዝሰቕልዎ ን5 ዓመታት ብመግዚትነት ገዝኡዋ።

ሎሚ ድማ ቅያር ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ንኢሰያስን ጭፍራ  ህግደፍን መልሚሎምን ኣሰልጢኖምን፣ እንሆ ብተዛዋዋሪ መንገዲ ብባርባራዊ መግዛእቲ እንዳገዝኡ ወለዶና ኣጽኒቶም መሬትናን ብሕርናን ክዘምቱ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። አርትራ ሎሚ ላቦራቶሪ ጽዮናውያን ኮይና እያ ዘላ። ድሕሪ አርትራ ድማ ኢትዮጵያ ክትስዕብ እያ። መኽንያቱ ድማ እቲ ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ዝሓንጸጽዎ ጂኦስትራተጂ ጽዮናውያን ብመደብ ከምኡ ስለዝኾነ። 

ኣምላኽ nህዝቢ ኣግኣዝያንን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን . ዓመተ ጥዕና፣ ዓመተ ፍቕሪ፣ ዓመተ ምትእኽኻብ፣ ዓመተ እልልታ፣ ዓመተ ስኒት፣ ዓመተ ኢሂን ምሂንን ይኹነሉ!!

ክቕጽል እዩ

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኣግኣዝያን ዝተዳለወ ዓምዲ  01.01.2017