ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራ ትጽሕጽሕ!

ፖለቲካ ተደመሮ ኣብ ተመቕሎ እንክቕየር ከሎ።

 በዚ ኣብዚ እዋንዚ”ተደሚርና ኢና”! “ሓደ ኮንና ኢና”! ፍቅር ያሸንፋል! እንዳበልካ ዝግዓር ዘሎ ሓዲሽ ጭርሖ ክንብህር ዘይኮነስ፣ ንድሕነትናን ንመንነትና ክንብል፣ እቶም ክልተ ተዛረብቲ ትግሪኛ ኾኑ ትግራዎትን ኤርትራውያንንሓቢርና ንኽንምክት ዘተባብዓና ጭርሖ እዩሞ፣ ሓደራ ብጽላለ ኢሰያስን ልኡኽ ጽዮናውያን ኣቢዪ ኣሕመድን ኣይንተሃመል።።

እንተደሌኹ መሬት እንተደለኹ እንተደለኹ ባሕሪ፣ እንተደሌኹ ፍቕሪ ንስኺ ዓደየ ዋናኺ ባዕለየ። ሕልሚ እንተሓለሙ ሕልሚ ቀትሪ፣ መርድእ ኮይኑዎሎ ነቲ ጓና፣ ሎሚ ሓይለይቲ ክመስሉ ይሰምዖ ኣሎኹ ፣ ኣይረሳዕኩዎን፣ ሃገር ኣላትና፣ ሕብሪ ዓይንኽዕ እንዳበሉ ከባርርዎ ንህዝበይ፣ ኣይረሳaኩዎን ትማሊ ከመይ ኣቢልካ ክርሳዕ።

ቅድም እቲ ብሰንኪ ኢሰያስ ተፋላልዩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ይደመር፣ ቅድም እቶም ተኣሲሮም ዘለው ደቂ ሃገር ብዘይ ቅድመ ኩነት ተፈቲሖም ምስ ስድራቤቶም ይደመሩ፣ ቅድም እቶም ኣምዑት ዘይቆጸሩ መንእሰያት ንስደት ኣምሪሖም ዘለው: ንሃገሮም ተመሊሶም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ይደመሩ። ቅድም እቲ ብመበቆልን፣ ብባህልን፣ ብቋንቋን፣ ብሃይማኖትን ዘይፋላለ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ይደመ! እወ፣ እቲ ብሰንኪ ንጉስ ዳግማዊ ሚነሊክን፣ ብሓፈሻ ብሰንኪ ኮሎንያን ዓባይ ብሪጣንያን ኮሎንያል ጣልያንን ብፍላይ እኳድኣ ብጽዮናውያንን፣ ካብ መረብ ምላሽ ብዝብል ጉልባብ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ብፍላይ እኳ ድኣ ብገረብ ብሓኽላ፣ ብሰንኪ ወያኔን ሻዕብያን ተፋላልዩን ተጻሊኡን ዝነብር ዘሎ ትግሪኛ ተዛራቢ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ቅድም ይደመር። ድሕሪኡ ምስ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ክንደማመር ኢና። መባእታዊ ትምህርቲ ምደማርን ምምቃልን ሎሚ ብኢሰያስን ብዶር. ኣቢዪን ኣይኮናን ክንመሃሮ። ሕጂ እዚ ውዲታዊ ዝኾነ እሞ ከኣ ንህዝቢ ረሲዕካ ክልተ ልኡኻት ጽዮናውያን ተሳማምዕሉ ፍሹል ውዲታዊ ውዕል፣ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ሕጂ ብሓባር ክንምክቶ ኣሎና። እንተዘይመኪትናዮ ተፋላሊና ክንጠፍእ ኢና።

“ሓደ ሓደ ግዜ ይገርመኒ እዩ፣ እዚ እከለ ከምዚ ኢሉ፣ ክንፍታተይ ርኣዩዎ መልኣኽ እየ፣ ንዓና ንምስይጣን። መንሞ ዘይፈልጠካ፣ ንዓይ እዚ ዘረባታት እዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝምድና ህዝቢ እንተዘይሰምዖ ዝሓሸዩ። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ፣ ብዛዕባ ምቕያር ፖሊሲ ክዛረብ ከሎ ንዓይ ይድንጽወኒ እዩ። ከምዚ ፍሽኽ ይብል ኣሎ እንዳበልካ ምቚዛም ኣየድልን እዩ፣ ኣይትስምዑዎም።ሓንሳብ ሓንሳብ መልኣኽ እየ እንዳበልካ፣ ሃለውለው ምባል፣ መንሞ ዘይፈልጠካ ተጎልቢብካ እንተቖዘምካ” ኣብ ሃውተታ ኣብ ስፐኩለሽን ምእታው፣ መስመር ኣሜሪካ ይቕየር ኣሎ ምባል፣ ኣነ እዚኦም ጽሓይ ዝዓረቦም ግዜኦም እንተዘየጥፍኡ ዝሓሸ እዩ እየ ዝብል”። ቅድሚ ጉዕዞ ንኣዲስ ኣበባ፣ ቅድሚ ተደሚርና ኢና፣ ቅድሚ ዾር. ኣቢይ ኣሕመድ መራሒና ኢኻ! ምባል፣ ኢሰያስ ሰኺሩ ከሎ ዝሃውተቶ ሃለውልው። ይገርመናሎ!

 Dawn for Peace or start for new cycle of conflict

To read more
By Habtetion Tewelde