እምኒ ዝረገጸ ኣሰር የብሉ፣ ማይ ዝሰተየ ሽታ የብሉ፣ ምስ ህግደፍ ዝኸደ ድማ ልብን ዓላማን የብሉን።

Image may contain: 8 people, crowd

ኣደ ንጉሰ ኣደኻ ኣይኹና፣ ንሱ ሕረድ ንሰን ይቚነና።The so called failed London “Public Seminar”!!! 

እዚኦም’ዮም እምብኣር፣ ነቶም ሎሚ ቅነ ብሰንኪ ኢሰያስ በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ፣ሓርበኛታት ደቂ ሃገር ከምኒ ሃይለ ወልደትንሳኤ ዑቕቡን (ድሩዕ)፣ ሓጂ ሙሳን ህዝቢ ኤርትራ ከይዝክሮምን፣ ተስካር ከይገብረሎምን ካብ ዝብል ውዲት፣ ኣረሳሲዕካ፣ንዕድመ ስልጣን ወኪል ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንምንዋሕ ተባሂሉ፣ ብገበነኛ እስቲፋኖስ ወዲ በላዕ ጣዕዋ ዝተዳለወ ፍሹል “ህዝባዊ ሰሚና” ለንዶን፣ ዝተኻፈሉ ተዛረብቲ ኣቕሑት ኮራዂር ኢሰያስ። እወ፣ እዚ ሰሚናር እዚ፣ባዶ 3 ኮነ ኢሉ፣ኢሰያስ ብቐጻሊ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንኽፍጽም፣ ፍቓድ ንምሃብ ተባሂሉ ዝተዳለወ ፍሹል “ህዝባዊ ሰሚናር ለንዶን” እዩ።

ኣስተብህል፣ከምቲ ልሙድ፣ እንዳ ኢሰያስ ህዝባዊ ናዕቢ ክልዓል ክጅምር ከሎ፣ ብነብሶም ስለዘይተኣማመኑ፣ ራዕድን ሽበራን ከኣ ስለዝሕዞም፣ ተቓዳዲሞም እዮም፣ውዲታዊ ወፍሪ ከካይዱ ገልዳሕ ዝብሉ። ንሱ ድማ ነቲ ሓዲሽ ኩነታት ህዝቢ መታን ከየቕልበሉ ካብዝብል ስግኣት እዮም። እቶም ማሕበር ሰይጣን ባዶ 3 ህግደፍ፣ኩሉ ግዜ ካልእ ጓል ነገር ንምፍጣር ግዜ ኣይወስደሎምን ስዩ። ካበይ ተበጊሶም ኣበይ ንምብጻሕ ምዃኖም ግና፣ ከይደቀስና ዝፈለጥናዮ እዩ። ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን፣ ድማ ንብሎም።

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣
5 መጋቢት 2018 ዕ.ም.ፈ.