ፖለቲካዊ ትንተና ብኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

ኣምሆ ዘመን “ኢትዮጵያ ትቅደም ያለ ምንም ደም“ ! ዝብል ዝነበረ ጭርሖ ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ፣ ከምቲ ኩሉ ኣብ እዋን ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ህዝቢ ዝፈልጦ ታሪኽ፣ እቲ ጭርሖ ቅንይ ከይበለ እዩ ተቖጽዩ። እወ፣  ኣብ ኢትዮጵያ ትቅደም ብብዙሕ ደም ኮይኑ እዩ ተቐዪሩ። ድሕሪ 17 ዓመታት ስቓይ ድማ ወያኔ ብዝሓለፉ ብደርጊ ዝተፈጸሙ ገበናትን ጭቆናን ጸባጺቡ ብፈላሊኻ ግዝእ ዝምራሕ መግዛእቱ ጀመረ። ሎሚ ድሕሪ 27 ዓመታት ፈላሊኻ ግዝእ መግዛእቲ ወያኔ ድማ፣ መንእሰይ ኣምሓራን ኦሮሞን፣ ህዝቢ ዋልቃይትን እምቢ ብወያኔ ኣይንግዛእን ኢሉ ኣንጻር መንግስቲ ወያኔ ምስመከተ፣ ሓድሽን ውዲታዊ ግንከኣ ህንጡይ ዝኾነ ጭርሖ “መደመር” “ሰላም”! “ፍቕሪ”! “ይቕሬታ” መበገሲ ብምግባር፣ ብዶር. ኣቢዪ ዝተባህለ ግንከኣ ብግሎባል ፕለየርስ ተመልሚሉ ዝሰልጠነ መራሒ ክጭራሕ ጀሚሩ።

ብፍላይ እኳድኣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምዕንጃል፣ ካብ ዝብል ውዲት፣ ምስቲ ብዘይ ሕጊ ብፍጹም ምልኪ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ጅሆ ሒዙ ዝገዝእ ዘሎ፣ ልኡሕ መላኺ ኢሰያስ፣ ሓዲሽ ፍቕሪ ዘለዎ ዝምድና ብምግባር፣ “ንዓሰብን ንምጽዋዕን ምክፋልን” ብዝብል ውዲት: ከምኡውን ብህጹጽ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ኢምባሲ ኤርትራ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ። ንግዜኡ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ እታ ኣብ ልቡን ቀልቡን ዝነበረት “ወደብ ዓሰብ” እትብል ሕልሚ ጸማም ሓደ ደርፉ፣ ንግዜኡ ባህ ክብላ ልባ ጽብሓላ ዱባ ኮይና ክትግበር ርእዩዋ። ኢትዮጵያውያን ከኣ ብድሕሪ ሕጂ ዝመጾም ከቢድ  ሽግር ከየስተብሃሉ፣ ግዝያዊ ጭፈራ ክጭፍሩን ክዕንድሩን፣ ንዕዘቦም ኣሎና። ክንብርኲት ከይንብርኲት ግና ኣብ ማይ ጥራሕ ንብጻሕ። ንኩሉ ከኣ ከነርክበሉ ኢና። ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ባዂራ ትጽሕጽ!!!

እቲ ቀንዲ ሽግር መግዛእቲ ወያኔ እምበር፣ ጉዳይ ዶብን ወደብን ዓሰብን ኣይኮነን። ሽግር ኤርትራ ብግቡእ ከይተፈትሐ ድማ ሽገር ኢትዮጵያ፣ ምስ ሰላዪ ባዕዳውያን ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ብጭሉቕ ቃል ኪዳን ስለዝኣሰርካ ዝመጽእ ሰላም ከቶ ኣይክህሉን እዩ። እወ ንጉስ ሃይለስላሴ ምስ ህዝቢ ኤርራ ተላዚቡ ሽግር ኢትዮጵያን ኤርትራን ከይፈትሖ፣ ብኣንጻሩ ግና  ጎይቶቱ  መንግስታት እንግሊዝን፣ ኣሜሪካን፣ እስራኤልን ዝምዓድዎ እከይ ምዕዶ መሪጹ፣ ብሰንኪ ቃልሲ ኤርትራ ብሕሰርት ዓሪቡ።

መንግስቱ ሃይለማርያም እንተኾነውን፣ በቶም ቶዃሉ ጽዮናውያን ተማዒዱን፣ በቲ  ዘይተኣደነ ኣጽዋር፣ ብሶቭየት ሕብረትን፣  ጽዮናውያንን ዝተመጽወተሉ ተኣማሚኑ፣  ንህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ዘይፈተኖ ፈተነ ኣይነበረን፣ ንሱውን ብሰንኪ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብስለላ መርበብ ጽዮናውያን ተሓጊዙ ከም ወኻርያ ጭርኡ ደጒሉ ንዚምባቨ  ሃጽ ኢሉ ሃዲሙ። ወያኔውን እንተኾኑ፣ መቐጸልታ ንጉስ ሃይለስላሴን መንግስቱ ሃይለማርያምን ኮይኖም ብጽዮናውያን ተመልሚሎም ዝሰልጠኑ፣ ብተመኩሮ ዝሓለፉ መንግስታት ኢትዮጵያ ከይተማህሩ፣ ነቲ ብቋንቋን ብባህልን ብሃይማኖትን ዝቐርቦም ህዝቢ ኤርትራ፣  ድምጹ ከይሰምዑ ስለዝሓንገዱ፣ እንሆ ድሕሪ 27 ዕንክሊል ሎሚ ኣብ ጻዕረሞት ቀሪቦም ይርከቡ ኣለው። እዚ ኩሉ ድማ ታሪኻዊ መርትዖ ዘለዎ ጭቡጥ ተርእዮ እዩ። ነዚ ሓባቢእካን ከዋዊልካን፣ ንሽግር ኤርትራ ብግቡእ ከይፈታሕካን፣ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝመጽእ ሰላም ግና ከቶ ኣይክህሉን እዩ። እንተመጸ ግና ነቶም ሓራግጽ ጽዮናውያን ረብሓ ጥራይ እዩ ክኸውን።[/button]

 እዞም ጭርሖታት እዚኦም ግና ካብቲ “ኢትዮጵያ ትቅደም ያለ ምንም ደም”: “ሰፊው ህዝብ ያሸንፋል “! ዝብሉ  ዝነበሩ፣ እሞ ቀልጢፎም ዝፈሸሉ  ጭርሖታት ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ፣ ብመልክዕ ይፈላለዩ እንበር ብትሕዝቶስ ሓደ እዮም። መኽንያቱ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ካብታ ንጉስ ቴድሮስ ብሰንኪ ወራር ግፍዐኛ ኮሎንያል እንግሊዝ ህይወቶም ዘሕለፉላ ስዓት፣ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ስዉር መግዛእቲ እንግሊዝ እያ ክሳብ ሎሚ ትግዛእ ዘላ። እዚ መግዛእቲዚ ግና ብኣዝዩ ስዉር ዝኾነ ስለላን ኮለላን ዝተስነየ እዩ።

ንመረዳእታ፣ ንጉስ ሃይለስላሴ ብድሕሪ ቅንጸላ ጀግና በላይ ዘለቀ ዘውዲ ደፊኡ። ነቲ ብሓርበኛ መንግስቱ ነዋዩ ዝተበገሰ ኣብዮት ድማ፣ ብሳላ ኮሎንያል እንግሊዝ ኣሜሪካን እስራአልን ብምዋይ መስፍናዊ ንግስነት ዘውዲ ቀጺሉ። ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ ድማ፣ ብምኽርን ስለላዊ ውዲት መርበብ ኤም.ኣይ.6 መንግስቲ እንግሊዝ እዩ ኣብ ስልጣን መጺኡ። ጭፍራ ወያኔ ድማ ክምስረት ከለው ብፕሮጀክት ስለላ መርበብ እንግሊዝን ኣሜሪካን እስራአል እዩ ተመስሪቱ። ነዞም መኽንያታት እዚኦም ብግቡእ ኣለሊኻንን፣ ጸላእትኻ መን ምኻኖም ፈሊጥካን፣ ብንቑሕ ኣገባብ ዝተወደበ ሓይሊ ከይመስረትካን፣ ሽግር ኢትዮጵያ ክፍታሕ ከቶ ኣይከኣልን እዩ።

እቲ ውዲታዊ ፕሮጀክት ድማ ኣብ ረቂቕ ስነኣምራዊን፣ ሶሻል ኢንጂነርን ዝተመርኮሰ ፣ ኮይኑ ብመሃንድሳት ግሎባል ፕለየርስ ዝተዳለወ እዩ። እወ፣ ብፍላይ እዞም “መደመር”! “ሰላም”! “ፍቕሪ”! “ይቕሬታ” ዝብሉ ህንጡያት ጭርሖታት፣ ካብ ሰማይ ዱብ ኢሎም ዝወረዱ ዘይኮኑስ፣ ንድልየትን ባህግን ራእዪን ገርሀኛ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምዝምዙ፣ ግንከኣ ጽባሕ ብጊሓት ዝፈሽሉ ጭርሖታት እዮም። እወ፣ እዞም ጭርሖታት እዚኦም፣ ንግዜኡ ነታ ላሕሊሓ ዘላ ገመድ ስልጣን ወያኔን ኢሰያስን ከተናውሑ ክኢሎም ኣለው። ብርግጽ፣ ብጽባሕ ብጊሓት ዝፈሽል ጽገና ገርካ፣ ነቲ ህዝቢ ኣሃሚልካ ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝተሰርሓሉ ጅኦ- ስትራተጂካዊ ረብሓ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምውናን እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ውዲት ድማ፣ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራን ብልዑላውነት ኤርትራ ገርካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምዕንጃል ምኻኑ እዩ።

እወ! እዞም ከም ብዓል ልኡኽ መላኽ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ሓዲሽ መንእሰይ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊን፣ ከምኡውን መራሒ ሃገር ሶማል ሞሓመድ ዓብዱላ ፋርማጆ፣ ብግሎባል ፕለየርስ ተመልሚሎም፣ መንገዲ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት፣ ብፍላይ ንህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግዳይ ገሮም ንኸተግብሩ ዝተላእኩ ሜርሲኔሪ እዮም። እዞም ሕብሪ ቆርበቶምን፣ ዓሌቶምን መንነቶም ክሒዶም፣ ኣገልገልቲ ጽዮናውያን ንምዃን ዝመረጹ ወኻሩ ልኡኻት መራሕቲ እዚኦም፣ ንህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግዳይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ጽዮናውያን ንኽገብሩ ዝተላእኩ ሰለልቲ ጽዮናውያን እዮም። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግና፣ ገርሀኛ ህዝቢ እንተዘየለለዮም፣ ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያንን ምሁራት እንዳፈለጡ ክምክቱ ዘይምድላዮም እዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ግና፣ ዓበይቲ ምሁራት ኢትዮጵያ፣ ከም ብዓል ፕሮፈሶር መስፍንን ወልደማርያምን፣ ጎሹ ወልዴን ነዘን ዝስዕባ ዓበይቲ ውዲታት ኣወጊኖም፣ ንዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ፣ ውላድ ወያኔ ምኻኑ ረሲዖም። ካብ ሰማይ ዝተላእከ ሃዋርያት እዩ ክብሉ ክትሰምዕ ከሎኻ እዩ።

1ይ. ካብ ስዕረት ንጉስ ቴድሮስ፣ ብውዲት ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብ868 ዓ.ም.ፈ. ልዑላውነት ኢትዮጵያ ከምዝተደፍረ ዘይምምሃሮም።

Meysaw Kassa : አፄ ቴወድሮስ ንጉሠነገስት ዘኢትዮጵያ

1. https://youtu.be/xtD_T-WyqIM
2. https://youtu.be/XDSI44hOAYM

2ይ. ነቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ተሰዲዱ ብስለላን ኮለላን ዝስልጥን ዝነበረ ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ብውዲት እንግሊዛውያን ኣብ ስልጣን ከምዝ ተሰቕለ፣ ነቲ ኣንጻር ኮሎንያል ጣልያን ዝምክት ዝነበረ ጅግና በላይ ዘለቀ ዝምራሕ ሰራዊት ፋሕ ብትን ኣቢሎም፣ ንሓርበኛ በላይ ዘለቀ ብ1945 ዓ.ም.ፈ. ብትእዛዝ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝተቐንጸሉ ብምርስዖም።

Haile Selassie Dokumentation (Stern TV 1972, deutsch/german) Teil 1/2
1. https://youtu.be/SdMK308lW7U

Italian invasion of Ethiopia (1935-1936)

2. https://youtu.be/2y5-Ky9Wqkg

በላይ ዘለቀ ሰማእቱ አርበኛ

1. https://youtu.be/xCARETnTbiU

2. https://youtu.be/fWlIVosOhEw

3. https://youtu.be/BkkjS8HYMj4

3ይ. ነቲ ብ1962 ዓ.ም.ፈ.ብጅግና ጀነራል መንግስቱ ነዋዩን፣ ሓዉ ግርማዊ ነዋዩን ዝተበገሰ መፈንቅለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብኣሜሪካን፣ እንግሊዝን እስራኤልን ከምዝፈሸለ ብዘይ ምዝካሮም።

The Failed Coup of General Mengistu and Ato Germame Neway – 1962
1. https://youtu.be/-xgXj438pro

4ይ. ነቲ ብ1974 ዓ.ም.ፈ.ህዝቢ ዝተበገሰ ኣብዮት ኢትዮጵያ ብምኽሪ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ሲ.ኣይ.ኤ.ን እስራአልን፣ ብወተሃደራዊ ጭፍራ ደርጊ ከምዝተሰርቀ ድማ ክዝክሩዎ ብዘይ ምድላዮም።

Ethiopia: Memories of Mengistu Hailemariam /የኮሎኔል መንግስቱ ማስታወሻዎች  ቅድሚ 43 ዓመታት
1. https://youtu.be/MGTBYstOpTs

5ይ. ን27 ዓመታት ብጭፍራ ወያኔ፣ ግንከኣ እሙናት ኮራዂር ጽዮናውያን ብፈላሊኽ ግዛእ ምስተሳቐየ፣ ብመንእሰያት ቄሮን ብኣምሓራን ዝተሰነየ መኸተ ምስተጀመረ፣ ነቲ ህዝባዊ ኣብዮት ንምህዳእን፣ ነዞም ብውዲት መሃንድሳት ባዕዳውያን ገዛእቲ ተመልሚሎም ዝሰልጠኑ ጭፍራ ወያኔ፣ ዕድሜ ስልጣኖም ንምንዋሕን ተባሂሉ፣ሓዲሽ ጭርሖ “መደመር” ዝብሃል ከምተማህዘ ብዘይዝካሮም። እቲ ቀንድን ግዝያዊን ህንጡይን ጭርሖ “መደመር”! እቲ መንእሰይ ሰላዪ ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ፣ ከም ካሮሳ ኣጋሊቦም፣ ራህዋን ምዕብልናን ዘምጽእ ብምምሳል፣ ብኣንጻሩ ግና ነቲ የዋህ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ቀደሙ ጨቊንካ፣ ነቲ ድንግል መሬቱ ንምውናን ዝዓለመ መደብ ምዃኑ እዞም ዓበይቲ ምሁራት ኣለልዮም ንህዝቦም ክምህሩ ብዘይ ምድላዮም። መስኪንን የዋህን ዝቢ ኢትዮጵያ ድኣሞ ምሁራቱ እንተድኣ ክሒዶሞ ነዚ ረቂቕ ውዲታት ባዕዳውያን ከመይ ገሩ ከስተብህለሉ።

Ethiopian Prime Minister Meles Zenawi at the 35th Founding anniversary of TPLF – Part 1 of 2
1. https://youtu.be/osp1uVMoNKs

6ይ. መራሕቲ ወያኔን ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተመልሚሎም፣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ጽዮናውያን ንኸገልግሉ ከምተላእኩ ዓበይቲ ምሁራት ኢትዮጵያ ዘይርድኦም እንተድኣ ኮይኑ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ።

Ethiopia ወያኔዎች ዶ/ር አብይን የሚጠሉበት ሚስጥር ሲጋለጥ Dr Abiy Ahmed

1. https://youtu.be/O5xxB_goz_8

እዚ ብጽዮናውያን ዝተኣልመ፣ ኣብተን ፎርሙላታት፣ ንቡር፣ ጸረ-ንቡር = ዘይንቡር፣ ወይድማ ፕሮብለም <> ሪኣክሽን = ሶሉሽን ዝብላ ዝተመርኮሰ ረቂቕ ውዲትምዃኑ እንተድኣ ዘይተገንዚቡ፣ ጽባሕ ብጊሓት ካብቲ ብስኣን ንቕሓቱ ኣብ ዘመን ደርግን ወያኔን ዘጋጠሞ ሽግር ዝገደደ እዩ ዝጽበዮ ዘሎ።

2. https://youtu.be/M68teJwXiOE

ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣምላኽ ነታ ግርህነቱን እምነቱን ፈሊጡ ይርድኣዮ!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 09 መስከረም 2018 ዓ.ም.ፈ.