1

‘’ጎረቤትካ ክላጻ ንስኻ’ውን ርእስኻ ማይ ኣጠልቂ’’

ኸም ኩሎም ናይ እምነታት ቅዱሳን መጽሓፍቲ ዝብልዎ ‘’ሰላም ባዕሉ ኣምላኽና’ዩ’’ሰላም ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ’ዩ። ‘’ብሰላም ክነብር ምስ ኩሉ ብሰላም ንመላለስ’’፣ሊቕና ጳጳሳት መንቆርዮስ ካብ ኣትላንታ ኣብ እዚ ወርሒ ንህዝቢ ዝሃብዎ ምዕዶ’ዩ። ልብኻ ሸፍጥን ኣብ እኩይ ስራሕን ተዋፊርካ ከሎኻ ሰላም ኣብ ሃገርን ጎረባብትን ክተንግስ ግን ከም ዘይከኣል ሊቓዉንቲ ዪምዕዱና። ከም ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም ዝደለየን ዝተቓለሰን ዝተሰዉኤን ዝጾመን ዝጸለየን የሎን።

‘’ንሰላም’’ እኮ ዘሚርናላን ቀዲስናላን ተሰዊእናላን ንደቅና ድማ ስም ኣዉጺእና ኣጠሚቕናላን ንትካላትና ድማ ሰላም ዝብል ስም ሂብና ደሊናያ’ና። ደለይቲ ሰላም ስለ ዝኾና ሃንቀዉ ስለ ንብላ ዝኾነት ሕማቕ ቓል ኣንጻር ሰላም ኣይነተንፍስ’ና።

ኣብ ግብሪ ግን ካልእ ከም ዘሎ ይዕዘብ ስለ ዘሎኹ ናተይ ሻቕሎት ክገልጽ ከሎኹ ንሰላም ካብ ልቢ ስለ ዝደልያን ዝትምነያን ሙዃነይ ክትርድኡኑ በዓል ተስፋ’የ። ሰላም ዝብሉ መርሕነታት ክንሰሚዕ ከሎና ድማ ‘’ኣምላኽ ዪግበሮ’’ ‘’ኣምላኽ ዪተሓወሶ’’ ክንብል ንግደድ።
ምኽንያቱ ሰላም ካብ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ይዝመርን ቅኑዕን ወንጀለኛን ድማ ይድመር ከም ዘሎ ንርኢ ኣሎና። ክንዛረበሉ ዘገደደኒ ግን ናይ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያዉያን ኢለ ብጸሎትን ብትምን ምተዓዘብኩ፣ ግን ከምኡ ኣይኮነን ኢሳያስ’ውን ንህዝቡ ይቕሬ ከይሓተተ፣ በሪ ፍትሒ ከይከፈተ ደሚረኩም ኣሎኹ‘’መራሒኹም ድማ ድሕሪ ሕጂ ጠ/ሚ/ ኢትዮጵያ ዶር ዓቢይ’ዩ’’ ኢሉና ኣሎ። ‘’ንቓልዓለም ከይመስለኩም ክደግመልኩም ድሕሪ ሕጂ ዶር ዓቢይ’ዩ ዝመርሕና’’ ክብል ኩልና ስለ ዝሰማዕና፣ ጉዳዩ ሰላም ከም ባርኖስ ዝተኸደኖን ካትም ዝመለሶን ዶ ኮይና ኢያ? እቲ ምዕዶ ሊቓዉንቲ ዘምሃሩና ናይ ሰላም መሰረትን ናይ እስያስን ናይ ክቡር ዶር ዓቢይን ተወቢዳትና ስለ ዘላ ምስ ንሓትት ጸርፍን ካልእ ናይ ድኹማት ምዉንጃልን ገዲፍኩም፣ እቶም ትፈልጡ ብጭቡጥ መልሲ ሃቡና። እቲ ሜዳ ናይ እቲ ምድማርን ሙጉዳልን ግን ኣብ ኢትዮጵያ ይግበር ስለ ዘሎ፣ ክሳብ ሕጂ ዝጎደሉ ጎዲሎም ኣሎዉ። ድሕሪ ሕጂ ክስዕቡ ኣብ መደብ ዘለዉኸ? እኒ መን እዮም? ዝብል ከልዕል’የ። ብዝተረጋገጸ ህወሓት’ያ። 

ታሪኹ ነዊሕ’ዩ ብሓጺር ግን ህወሓት ምስ ደገፍታ ውድባትን ህዝብታት ኢትዮጵያን ንደርጊ ምስ ሰዓረት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጎትትን ዝጉተትን ሓይሊ ሕብረተሰብ’ያ ተረኪባ። ከም’ቲ ናይ ኤርትራ ሕብረተሰብ ደቅና መንግስቲ ሒዝኩሙልና እንታይ ትእዝዙና? ዝብል ኣይነበረን። ብፍላይ ህወሓት ኣብቲ ቀዳማይ ካቢና ባቡር ስለ ዝነበረት ኣብ’ዚ ሙጉታት እቶም ተጎተቲ ተቓዉሞ ክለዓል ከሎዉ ብቐዳምነት ትጥቃዕ ንሳ’ያ ዝነበረት። ድሕሪ ረፈረንዱም ኤርትራ ድማ እቲ ተጎታቲ ህወሓት ናይ ኤርትራ ናጽነት ኣሚነ ኣሎኹ ስለ ዝበለት ዝያዳ ዓይኒ ትምክሕቲ ናብኣ ቑልሕ ክብል ጀሚሩ። ህግደፍ’ውን ንሓጺር ግዜ ደኒና፣ ናታ መደባት ስለ ዝነበራ ምስ እዚ ሓይሊ ተደሚራ ናይ ዶብ ሕሳብ ክትገብርን ንዂናት ክተባርዕን ሓደ’ዩ ዝኾነ።

እቲ ዂናት ዝበልዔ በሊዑ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምቅጻላ ኣብ ሕቶ ስለ ዝኣተወን፣ ጸቕጢ ናይ ወጽኢ ስለ ዝኸበደን፣ ናይ ኣልጀርስ ዉዕል ምፍርራም ንኽልቲኡ ወገን ዘርብሕ ኮይኑ። ነቲ ዉዕል ግን ክልቲኦም ብልቢ ስለ ዘይፈረሙ ነቲ ኲናት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክሳብ እዛ ዕለት ይቅጽልዎ ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሳላ ብቑዕ መርሕነት ጠ/ሚ/ መለስ ምስ ኩሉ ናይ ተቓዉሞ ጸገማትን ተንኮላት ጎረባብትን ሺርሒ ባንክታት ዓለምን ብትምህርትን ብሕክምናን ብቑጠባን ኣብ ሓጺር ግዜ ምዕባሌ ክርኤን ናይ ዓለም ኣቓልቦ ክስሕቡን በቒዖም’ዮም።

ህግደፍ ግን ኣብ ተንኮሉ ጥራይ ኣድሂቡ ብድኽነትን ብፍትሒ ምስኣንን ንሃገርን ንህዝብን ጭራ ዓለም ሰሪዕዋ ተረፈ። መደቡ ንህወሓት ንምፍራስን ነቲ ቅኑዕ ቁጠባዊ መስመር ምስባርን ስለ ዝኾነ ለይቲ ምስ መዓልቲ ናተይ’ሉ ክሰርሓሉ ንርኢ ጸኒሕና። ሕጂ’ውን ምቅናይ ጥራይ።

2

ኣብ ዝሓለፈ ሰፊሕ ጹሑፈይ ናይ ዓለምና ወነንቲ ርእሰማል ነቲ መስመር ጠ/ሚ መለስ ንኣፍሪቃ መርሃ ቑጠባ ከይከዉን ስለ ዝፈርሑ ክሳብ ሞት መለስ ከምዝኸዱን ንኢህወደግ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሰዩም ክብልዋ መደብ ከም ዘለዎምን ገሊጸ ኔይረ።
http://blina.org/images/stories/pdf-files/conspir.pdf

ተመልከቱ። ሕጂ እነሆ ካብ ኢህወደግ ገለ ጎኑ ቆሪጾም ብፍላይ ንህወሓት እታ እንኮ ነቲ ራኢ መለስ (ብግብሪዶ ብኣፍ ዪሰርሑሉ ንግዜኡ ገዲፍና) እንኮ ውድብ ሪዕማ ዘላ ንሳ ኢያ ኢሎም ስለ ዝወድኡ እቲ ምድማር ዝብልዎ ምስ ኣዛብእ ቀትሪ ነበር ወዲኦም ክድምሱሱዋ ዝተቀራረቡ ዪመስሉ። እዚ መደብ’ዚ ብላዕሊ ኢሳያስ ብታሕቲ ገለ ጎኒ ኢህወደግ ንህወሓት ክጭፍሉቑ እጆኹም ዝብልዎም ከም ዘለዉ’ውን ክሽልሙዎምን ቁጠባዊ ጸገማቶም ክፈትሑሎምን ንዕዘብ ኣሎና። ኣብ ክልል ሶማልያ ዘሎ ወጥሪ ናይ’ዚ መደብ ንኡስ ስርሒት ክየከዉን ንግዜኡ ‘’እዩ’’ ክብል እኳ እንተዘይከኣልኩ ንግዜ

ንሂብና ንተዓዘብ። ገለ ሰባት ነቲ ወፍሪ ዘይተረድኡ ‘’ህወሓት ኢዳ ማይዶ ዓሚኹ’’ ‘’ህዝቢ ትግራይ ድማ ታሪኽ ምስራሕ ካብ ቀደሙ ልምዱ ስለ ዝኾነ ንኡ ሒዛ ሓንቲ ኣይመጽኣን’ዩ’’፡ ኣይት ጃጁ ዝብሉኒ ብዙሓት’ዮም። ኣነ ግን

ንግዜ ብግዜ ምምዛን’ዩ ተባዕ ዘብለካ እንበር ምፍካርሲ መዉደቂ’ዩ። ትግራይ ከም እስትራተጂ ናይ ድብያ ኲናት ካብ ሰብዓታት ሙችእቲ’ያ ዝነበረት። ሎሚ ግን ግዜ ጉሎባልዘሽን’ና ዘሎና። ስልኪ ናይ ኢድ ሎሚኣብ ጁባ ኹሉ ኣላ። ስለ’ዚ ኣብ ቀዋሚ ኲናት ኣብ ሳጹን ስለ ዘላ ኣይንፈክር። ከም ቦታ ምስ ባሕሪ ርክብ ዘይብላ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ድማ ንፍልጦ ኮይኑ ደሚሒትን ግንቦት 7 ሃገሮም ከም ካልኦት ከይምለሱ ተኸልኺሎም ዘለዉ ብድሕሪት ክወግኡ ኣጆኹም ክብልዎም ቀሪቦሙሎም ስለ ዘለዉ

እቲ ሓደጋ ቀሊል ኣይኮነን። ሰራዊት ኤርትራ’ውን ‘’ተመን ኣብ ቅድሜኻ በትሪ ኣብ ኢድካ’’ እንተኢሎሞ እሞ ሎሚ ባድሜ መሬትካ ሓዝ ምስ ዝበሃል ተኣዛዚ’ዩ። ብኹሉ ኣውሪድካ ኣደዪብካ ምስ ዝረኤ ንነዊሕ ኲናት ዝተዳለወ ውድብን ህዝብን እስትራተጂን ስለ ዘይብሎም ጉዳዩ ዘተሓሳስብ’ዩ። ህወሓት ሎሚ ብሓደ ልቢ ዘይኮነ ከም’ቲ ንሕና ንብሎም ነቲ ዓሰርተ ልቢ ክጥቀሙሉ

ኣለዎም። ክሓስቡሉ ዝግባእ ግዜ ከም ዘኣተዉ ብትሕትና ከዘኻኽሮም ዪፈቱ። እንሻላ ድማ ኣነ ተጋግየ እህሉ። ዘሕርቐኒ ድማ ቅድም እዚ ኩነታት ከይመጽኤ፡ በታ ዘላትኒ ዓቅሚ ምስ ኣሕዋት ተጋሩ ብዓይኒ መትከልን ዕርክነትን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዕርቂ ክገብሩ እንበር ብሽግሩ ክንየቱ ከም ዘይብሎም ተወቃቂስና’ና። ብለጀንድ መለስ ሰኺሮም ግደፉ ንኤርትራዉያን ወላ ንህዝቦም ረሲዖሞ’ዮም። ንኹሉ ዝተበሃሃልንዮን ዝመልሱለይ ዝነበሩን ክገልጸሉኩም ኣይትጸበዩኒ። እንተ ግን እዚ ሓደጋ ብወገነይ ዘይተርፍ ከም ዝኾነ ዪረኣየኒ ኔይሩ’ዩ። ተጋሩ ብፍላይ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ግን ዕልልታን ዋዜማን ቁጠባን ኣዲስ ኣበባ ኣስኪርዎም ብህዝቦምን ብፈተዉቶምን ዝመጽኦም ዝነበረ ነቀፈታን ምኽርን እዝኒ እህቡሉ ኣይነበሩን። ህግደፍ’ውን ሎሚ ዝተዓወተ ዝመስሎ ዘሎ ድሕሪ ህወሓት ንሱ ክዓርብ’ዩ። ካብ’ዚ ተበጊሰ ክስራሓሉ ዝግባእ ግዜ ስለ ዝሓሸሽዎ ንሱ ድማ ብግዜኡ ከይሕሽሾም ሕጂ’ዉን ካብ ትምክሕቲ ወጺኦም ጉድለታቶም ብግብሪ ኣሪሞም፡ ንፍታሕ ክቐዳደሙ ጥራይ’ዩ ዝላበዎም። ንሕና ጭቁን ህዝቢ ኤርትራ ብድኻምናን ንሶም ነቲ ኩነታት ክርድእዎ ሰለ ዘይከኣሉ (ገለን ስለ ዘይደለዩ፡) እነሆ ህግድፍ ንግዜ ስለ ዝተጠቅመ ንመሬትና ክድምር ንኣና ከጉድል ኣብ ኣደባባይ ኣዲስ ኩልና ሪኢና። እንተኾነ ሕጂ’ዉን እዚ ግበሩ እዚ ኣይትግበሩ እኳ ክብሎም ዓቕምን መሰልን እንተዘይብለይ ንህወሓት ሙዉቓዕ ግን ንህዝቢ ትግራይ’ዉን ለኪምካ ሙዉቓዕ ስለ ዘይተርፍ፡ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ዕጹዉ ሳጹን ከእትዎዎ ስለ ዝኾኑ ሂወቱ ከድሕን ንኤርትራ ክስደድ ኣብኡ ዘሎ ስርዓት ድማ ንህወ ሓት ፋሕፋሕ ኣቢሎም ትግራይ+ ኤርትራ (ብዘይ ህዝቢ) ክድምሩ መደብ ስለ ዘለዎ ዳግም ጉድኣት ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ከይንርኢ ንህወሓት መዋጽኢ ጥበብ ከይተቀደሙ፡ ክቕድሙ ህግሓኤ ድማን ካብ’ዚ ንወልዶታት ዝተርፍ ሓማቕ ታሪኽ ኢዶም ክእክቡ ምኽረይ ወስ ዘብል ዘሎኹ። እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ግን ኣብ’ዚ ዝዝርዘር ኣምስለንን፡ ሓንቲ ግን ሕጂ ግዜ ፈኸራ ኣይኮነን፡ ከም ኣብ

ታሪኾም ዘሎ “ምኽሪ ዓዲ ግራት ተሪፉ” ከይከዉን ሰፊሕ ምኽሪ ካብ ሰቦምን ካብ ኣምላኾምን ክደልዩ ኣለዎም። ተ/መለስ ሞት ቀዲማቶ እንበር ምስ ኢሳያስ ህልኽ ከም ዘየዋጽእ ደጋጊሙ ገሊጹ’ዩ። “ኣይሰላም ኣይኲናት” ንረብሓ ጭቑናት ኣይነበረን። ምስ ኮነ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ክጠፍእን ክስደድን ከሎ ካብ’ቲ ገርናሉ ዝብልዎ ንላዕሊ ክገብሩሉ ኔርዎም። ምኽንያቱ ንታሪኾም ምስ ዝዉከሱ ብዙሕ ጽቡቕ ናይ ምድርን

                                          3

ህዝብን ኤርትራ ንሂላዊኦም ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ብዘይመምህር ምህሮ ኔርዎ’ዩ። ሕጂ’ዉን ምስ ግዜ ክጎዓዙ ነዚ ሕማቕ ንፋስ ከዉሊ ሕዞም ክስግርዎ ትምኒተይ’ዩ። ሚኽንያቱ ሞትን ስቓይን ብኽያትን ጭቁን ህዝብታት ዘይግድሶም ኣጋንንቲ ተደማሚሮም ኣለዉ። ህዝቢ የመን ሓንቲ ኣይኣበሰን። ጡፍ ጡፍ እዚ ኣብ ዞባና ክመጽእ ዝትንቤ ኮይኑ ከይስማዓኩም። ዝገድፉ ግን ኣይኮኑን። ካልእ ሕጂ ዝቅልቀል ዘሎ ንሓይሊ ተጋሩ ዝብትን ንህዝቢ ኤርትራ ዘቀይም ገለ ካብ ዩንቨርስቲ መቀለ ዝነቅል ዘሎ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ ንኤርትራ ናይ ሓንቲ ብሄር ትግሪኛ ገይሮም ዝሰብኩ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ድማ መቓልሕ ዝመልሱ ኣለዉ። ተጀሃርትን ጽባሕ ዘይፈልጡን’ዮም። ነቲ ጉድኣት ዘቀላጥፉ እንበር ድሕነት ዘየምጽኡ መሳርሒ’ዮም። ቅድሚ ትግሪኛ ቦኹሩ ዉላዱ ንግእዝ ትግረ ከም ዝኾነ ዘይርድኡ ባሃማት ኣብ ተዋህዶ እምነት ተጸጊዖም ኣሕዋት ኢና ዝብሉ ነቲ ሽግር ሽግር ዝዉስኹ ስለ ዝኾኑ ብህጹጽ ደዉ ክተብልዎ፡ ዪላቦ። ኤርትራ ከም ትኣምኑላ ናይ ትሽዓተ ብሄራትን ክልተ እምነታት ኮይና ናጻ ዝኾነት ሃገር’ያ። ንኤርትራ ብሃይማኖትን፣ ብሄራትን ኣዉራጃዊ ስሚዒትን ክመቃቅል ዝፍትን ባዶ ሓላሚ ግዚኡ ጥራይ እዩ ዘቃጽል እንበር ንህዝቢ ኤርትራ ክምህ ከብሎ ከም ዘይክእል ምስትውዓል

ይግባእ። እዚ ኣብ ስደት ንርእዮ ዘሎና ኣውራጃዊ ኮነ ጸቢብ ሃይማኖታዊ ስሚዒት ብሰንኪ ጸላእትና ዝዘርእዎ ኣጉል ፈተነ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ከም “ግዚያዊ ክስተት” ተራእዮም ዝሓልፉ ጉዳያት ጥራይ እዮም። ኤርትራ ኣብ ሻብዓይ ሰማይ ጣልጠል ዝበለት ሃገር ኣይኮነትን። ህዝባ’ውን ናይ ቀረባን ሩሕቕን ዝምድና ብስጋን ዓጽምን ብባህልን ብፕሎቲካን ብእምነትን ብሄርን ምስ ጎረባብታ ኣለዋ። ብሰላም ክትነብርን ንዘለኣለም ክትህሉን በሪቓ ከይትጠፍእን ምስ ኩሎም ህዝብታት ጎረባብታ ጽቡቕ ዝምድና ክህልዋ ኣለዎ። ከም ቛንጣ ንሓደ ክጠንጠልጥል ንሓደ ክትጎምድ ግን ባህልናን ናይ ህዝብና ድልየትን ኣይኮነን። ስለ’ዚ ኣማሪጽካ ዝምድናን ኣማሪጽካ ምድማርን ደዉ ክብል ኩልና ብትግሃት ንቓለሶ። እወ ህዝቢ ኤርትራ ንጭቖና ስለ ዝፈልጦ ምስ ጭቁናት ኣህዛብ ባህርያዊ ዝምድና ኣለዎ። እዚ ባህርያዊ ዝምድና ከኣ እዩ ዘለኣለማዊ ሰላምን ሕዉነትን ምክብባርን ዝፈጥር ስለ’ዚ ነዚ ቕኑዕ መስመር ነዕዉቶ። ፍትሒ ማእከል ዝገበረ ምድማር እንኮ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘሰማሚዕ። ጭቑን ህዝቢ ጸላኢኡ ጨቛኒኡ’ዩ። ቀንዲ ሽግርና ንሕና ኤርትራዉያን ምልኪ ህግደፍ’ዩ። ላዕሊ በሉ ታሕቲ በሉ፣ ክሳብ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንኤርትራዉያን ከምኡ’ዉን ንጭቁን ህዝብታት ጎረባብትና ክጥዕምና’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ’ዩ። መስመር መለስ እዚ’ዩ ዝነበረ። ነዚ ከፍርሱ ዝህቅኑ ንግዜኡ ክዕወቱ ዪኽ እሉ ነቲ ኲናት ግን ክስዕርዎ ኣይኮኑን። ካብ ጎቦ ዳሽን ዝዓቢ ሓይሊ ጭቁን ህዝብታት ደጊሙ ተወዲቡ

ንጸላኢኡ ኣለልዩ ከፍርሶም’ዩ። ክቡር ጠ/ሚ/ ዓቢ’ዉን ብኣጋኡ ምስ ጩቑን ህዝብታት ክዉግን ሓደራ= ይብሎ። ሰይጣን ቤተክርስትያን ስለ ዘእቶኻዮ ግብሩ ኣይገድፍን’ዩ። ፍትሒ+ ምድማር+ ዪቅሬ ምብህሃል ክስርሕ ይኽእል’ዩ። እንተ ምድማር + ፍትሒ ዘይብላ ግን ጸረ ጭቑናት ዝግበር ዝምድና ጨቆንቲ’ዩ። ትግራዋይ ዪኹን ካልእ ዜጋ በደሉ ተራእዩ ብናጻ ቤት ፍርዲ ምስ ተፈርደ፡ ሹዑ ወንጀል ፈጺሙ ወይ ነጻ ኮዩኑ ክንብል ንኽእል። ኩሎም ኣብ ኣሜሪካ ኮይኖም ስም ዉልቐሰባት ዘጥፍኡን ንህዝብታት ኢትዮጵያ ኲናት ዝኣወጁን ሎሚ ቅኑዓት ክብሉናን፣ ነቲ ብ1500 ብር ደሞዝ ነዛ ሃገር ካብ ዝ ወደቀቶ ከተንስእ

ንዝቓለስን ሳላ ረሃጹን ቓልሱን መሬት ዝወግሓትሉ ሎሚ ‘’ናይ ቀትሪ ኣዛብእ’’ ኢልካ ብጉልባብ ንኹሎም ሙዉንጃል ፍትሓዊ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ጸለመ’ዩ። ጌጋ ኣሎ ግርም ጌጋ ምስ ሰብ ዝፍጠር ሰለ ዝኾነ ኩሉ ጌጋ ከም ዘሎ ንኣምን፣ እንተኾነ ፖሊሲ ሃገርን ፖሊስን ነዚ ዝሰርቐ ንምሕላዉ

’ዩ ተቆጺሩ ቤት ፍርዲ ድማ ንክሱስን ከሳስን ሰሚዑ ዪፈርድ። እዚዶ ኣይኮነን እቲ ሓቂ። ኮር ተገምጠለኒ ኣብ ሃገርና እኮ በዚ ጸለመ ዝተኣስሩን ዝሞትን ዝሓቐቑን ኣለዉና። በዚ ጸለመ’ዚ ሪእናን ዝተጎዳእና ስለ ዝኾና ዝኾነ ብዓሌትን ብእምንቶ ፕሎቲካን ብእምነትን ግፍዒ ክወርድ ከሎ እንተሓመቕና ክንኩኖ ዪግባእ። ጸለመ ከይዱ ከይዱ ከም ኮሊን ሬድዮ ናይ ሩዋንዳ ኣብ ግብሪ ሞትን ጥፍኣትን ከየምጽእ ንሓቂ ደዉ ንበል።

 

4

እንተ ደንጉና ግን እዚ እኩይ መደብ ተዓዊቱ ንህዝቢ ትግራይ ፋሕፋሕ ምስ ኣበልዎ፣ዝስዕብ ካብ ቀደሙ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን መኸተን ባህሊ ዘለዎ ኣብ ጎሮሮኦም ዓጽሚ ኮይኑ ንዝጸንሔ ክበራረዩሉ’ዮም። ህዝበይ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ደጋፊ የሎ ተቓዋሚ ኩልና ኣብ ሓንቲ ጃልባ ተሳፊርና ኣሎና። ጠፋእና ላማዕና ካብ ልቦናናን ካብ ንፍትሒ ዘሎና ንቕሓትን’ዩ። ስለ’ዚ ‘’ጎረቤትካ ክላጻ ንስኻ’ውን ጸጒርኻ ማይ ኣጠልቂ’’ ናይ ኣበዋትና ምስላ ጥበብን ብልሕን ስለ ዘለዎ ንኽቡር ህዝበይ እዚ ግበር እዚ ኣይትግብረ ከይበልኩ ነዛ ጽሕፍተይ በዛ ምስላ ዪዓጽዋ።

ጎይትኦም ኩፍሎም goitomkuflom@gmail.com

ምንጪ ሓበሬታ