ኣብዚ እዋንዚ ብወገን እንዳወያነ ጭርሖ “መዝሙር ሰላም” ክጭራሕ ክስማዕ ከሎ። እንዳ ህግደፍ ከኣ፣ “ገጂፍ ጭንቀት ኣትዩዎ ኣሎ” ይስማዓ እሎ። እቲ ውዲታዊ ተልእኾ እዚ ጉዳይዚስ እንታይ ከምዝኾነ ግና ትፈልጡዎዶ?  ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ፣ ባንዳታት ህግደፍ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ብዙሕ ሸበድበድ ዝብሉዎ ዘለውብን፣ እቲ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ዝካየድ ዘሎ ውዲትን፣ ኣበይ ንምብጻሕ ከምዝኾነስ ትፈልጡዎዶ?

ን26 ዓመታት ዝኣክል ተቓዋሚ ሓይሊ ከይስስን፣ ብወገን ህግደፍን እንዳወያኔን ዘይተፈተነ ውዲት እኮ የልቦን። ሕጂ ግና ኩሎም ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ዝነበሩ፣ ግንከኣ ብሓብር ሓቢሮም መኪቶም ዘይፈልጡ፣ ዳርጋ ኣብዚ እዋንዚ ምስለመሱ፣ ድሮ መተካእታ ኢሰያስ ንምድላው፣ በቶም መሃንድሳት ጽዮናውያን ነቶም ገዳይም ኣባላት ላዕለዋይ ጽፍሒ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንክዋናጨፉ ኣዋፊሮሞን፣ ባጀት ፈልዮምሎምን ኣለው። ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ መንግስቲ ጸጊኖም ንምምስርቱ ገልዳሕ ምባሎም ግና፣ ህዝቢ ለኪሞም ንኽጠፍኡ እምበር፣  ቁምነገርሲ ክንደይኳ ከይገብሩ። እቲ ኩሉ ዝኽድምዎ ዘሎው ግና፣ ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ ብምባል፣ ንረብሕእ ጽዮናውያን ረብሓምበር ንምሕላው እምበር፣ ንሶምሲ ሕሱርን ዘሕፍርን ታሪኽ ወሪሶም ክዓርቡ እንተዘይኮኑ፣ ዝበጽሕዎ ነገርሲ የብሎምን።  ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን፣ ኩሉ ዝገብሩዎ ዘለውን ክገብሩዎ ዝሓልምዎ ዘለውንሲ፣ ንከታተሎን ተረዲኡናን ኣሎሞ፣ ድሓን ይግጒየዩ ጥራይ።

ሃንደበታዊ ቃለ-ምሕታት ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ድሕ ሪማይ  ኣብ ብዓቲ ዝትህዝቶኡ ቃለ-ምሕታት።
https://youtu.be/WAMa2TSJpTI

እስከ ካብቲ ብዙሕ ሃለውለው ብዕለት 18.09.2017 ዓ.ም.ፌ. ቃለም-ሕታት ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ነዛ ንእሽቶ ክፋል እዚኣ ነድህበላ።
“ንዓይ ሓገዝ ግበረለይ፡ ደግፈኒ፡ ረድኤት ግበረለይ. . . ዝብል መንግስቲ የለን“ ክብል ኣብቲ ቀደም ዝተካየደ ድዩ ወይስ ብዕለት 18.09.2017 ዓ.ም.ፌ. ዝተኻየደ “ቃለ-ምሕታት” ዝብሃል፣ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ግና ጪብጢ የልቦን። እወ፣ ንሕጊ-ኣልቦ መንግስቲ ህግደፍ፣ ማለት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ካብዝምስረት ፍርቂ ዘመን፣ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ ን26 ዓመታት ከታልል ዝጸንሐ ግና ሓዲሽ ኣይኮነን። ንህዝቢ ከታልል ጥራይ ዝነብር መንግስቲ ግና ክምዚ ማፍያ መግስቲዚ ኣብ መላእ ዓለም ኣይተራ እየን። እቲ ካብ ኩሉ ዘስስደምም ነገር ግና፣ ነዚ ማፍያ መንግስቲ እዚ ዝትክኡ ገዳይም ኣባላቱ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ክርኣዩ ከለው እዩ። ቀጺሉ ዝሃቦ ሃጠውቀጠው ድማ፣ “ብእዋኑ ድኽመትና ኸነለሊ፡ ክንፍውስን ምስ ግዜ ዝኸይድ ምትዕርራያት ኣወዳድባ ኸነተኣታቱ ኣይበቓዕናን“ ክብል ከሎስ ቍሩብዶ ኣይሓንኽን እዩ? የጥዕመለይ ኢሉ ድዩ? ቅያ ዝገበረን ንጸላኢ ዝደርዓመን፣ ብጀጋኑ ዝቕለስ ዝነበረን፣ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ ንግብረ ሓይል ናደውን፣ ንግብረሃይል መብርቕን፣ ንግብረሃይል ውቃውን ዘርዕደን ዝደምሰሰን ሓይሊ፣ ፈንጢሑ ማፍያ ጭፍራ ህግደፍ ሰናኒዑን ጠፍጢፉን ዝቖመ ድኣ ኢሰያስ ባዕሉ ከይከውን!  ሎሚ ከኣ ንመላእ ሰራዊት ኤርትራ፣ ” ወያኔ መጸካ፣ ዶብካ ሓሉ፣ ዶብ ከይተሓንጸጸ ሕገመንግስቲ የሎን” ኢሉ ብምእዛዝ፣ ገና ን26 ዓመታት ጸላኢ ዘይብሉ ክነሱ፣ ኣብ በረኻ ዘስፈረን፣ ንመንእሰይ ወለዶ ብጉልባብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”፣ ኣመኽንዙ፣ ግንከኣ ሃገራዊ ባርነት ኢሉ ኣብ ኣጻምእን በረኻን ዶብ ሱዳን ዝዳጎነን፣ ኣደዳ ስደትን መከራን ዝገበረ ድኣ ኢሰያስ ከይከውን።  ባህርያዊ ጸጋ ሃገር ዕደና ወርቂ ሃይኮታን ብሻን፣ ሃብቲ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፣ ብጽዮናውያን ተዘሚቱ ንወጻኢ ሃገራት ክግዕዝ ዝገበረን፣ ግንከኣ ህዝቢ ኤርትራ ዝስተማይን ዝበርህ መብራህትን ዘይብሉ ዝገበረ ድኣ ኢሰያስ ከይከውን? እሞ “ብእዋኑ ድኽመትና ኸነለሊ፡ ክንፍውስን ምስ ግዜ ዝኸይድ ምትዕርራያት ኣወዳድባ ኸነተኣታቱ ኣይበቓዕናን“ ማለቱ ድኣ እንታይ ማለቱ እዩ እዚ ሰብዚ??? ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስ!!!

ለማንን ንሓፋሽ ቅለቱኒ ምባል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሞባእ ኣብያተ-ክርስትያናት ዝምንጥል መንግስቲ፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራምበር ኣብ ዝኾነት ትኹን ኵርናዕ ዓለም እትርከብ ሃገር የልቦን። ኣብዛ ዘይተዓደለት ሃገር ኤርትራ ግና ብሰንክኻ ኣሎ። ሓቂዶ ሓሶት ኣቶ ኢሰያስ??

መስፍን ሓጎስ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ እድሪስ ሑመድ፡ ..ወዘተ ዝርከቡዋ ሕርይራይ ጋንታ ተቓውሞ ኣብቲ ካብ ዕለት 20.10.2017 ኣብ ጀርመን ተጀሚሩ ዘሎ፣ ብገዳይም ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ህግደፍ ዝተዳለወ ኣኼባ፣ ከምተኻፈሉ ተሓቢሩ። ንመን ትመጾ መን ትመጾ ይመጻ፣ ንመን ይመጻ ድማ መንይመጻ ትመጾ። ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና ዘመን፣ ብስም ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ዝብሃል ማይዘይሓለፎ መግዛእቲ፣ ቅልውላውን ምሽማው ባህርያዊ ጸጋ ሃገራትን፣ ግህሰት ልዑላውነት ሃገራትን ከምዘስዓበ ክንፈልጥ ዝኽኣልናስ፣ ፖለቲካ ኤርትራ ብመን ከምዝዝወር ንምፍላጡ ኣይጽግመናን እዩ። እቲ ዝሕዝን ግና እዛ ሃገር ኤርትራ፣ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምሁራት ከለውዋ፣ ኩሎም ካብ ኣእምርኦም ብኸብዶም ስለዝሓስቡ፣ ዓገብ ከይበሉ ዘራይ ዘይብላ ኣብ ኢድ ተዃሉ ክትወድቕ ኣጽቅጥ ኣቢሎም ክዕዘቡ ክትርኢ ከሎኻ እዩ።

ነዚ ጽውጽዋይ ዝመስል ግንከ ብድሕሪ 74 ዓመታት ብዘገምታዊ መስርሕ፣ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን፣ኣብ ግብሪ ዝትርጎም ዘሎ ረቂቕ ስነሓሳብ ዊንስተን ቸርቺል እስከ ነስተብህለሉ። Winston Churchill told an Audiance at Harward University on September 6th 1943, that “to Control what Men think offered far better Prizes than taking away other Poeple’s Lands or Provinces or grinding them down in Exploitation. The empires of the Future,” He said, “would be the Empires of the mind”..ብሕጽር ዝበለ ትርጉም፣ “ንኣእምሮ ወዲ ሰብ ምቍጽጻር፣ ካብ መሬቱን ክፍለ ሃገሩን ተቖጻጺርካ ምምዝማዝ ዝበለጸ ብልጫ ኣለዎ።  እቶም ሃጸያውያን መጻኢ ዘመናት፣ ሃጸያውያን ኣእምሮ ክኾኑ እዮም”።እንተድኣ ነዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ረቂቕን ግሁድን መስርሕ መግዛእቲ ህግደፍ እንተድኣ ኣስተብሂልናሉ፣ ህግደፍ በቲ ኣብ መደረ ዊንስቶን ቸርችል ዝተመርኮሰ ረቂቕ ስነሓሳብ ዝተመርኮሰ ፣ እሞ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተዳልዩ ዝተዋህቦም መደብ ዕዮ ተጠቒሞም እዩ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ንኣእምሮኡ ተቖጻጺሩ ሓዲግ መዲግ ገሩዎ ዘሎ።  ህግደፍ ብዙሕ ሰብ ዘየለለዮ፣ ኣዝዩ ሰንካም ዝኾነ ጭፍራ እዩ። ኩሉ  ጽዮናውያን ዝዝደልዩዎ መደብ ዕዮ ኣብ ግብሪ ዘተግብር ዘሎ፣ ቀንዲ ዋርድያን ጓሳን ጽዮናውያን እዩ።

ሎሚ ኤርትራዊ እንተድኣ ኣስተብሂልኩምሉ፣ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን፣ ካብ ቃልሱ ተዛናቢሉ፣ ተስፋ ኣብ ምቚራጽን፣ ኣብ ሰንፈላልን ወዲቑ ይርከብ ኣሎ። እዚ ድማ፣ ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን፣ ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት እራባራብ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ እንጻር ባዕዳውያን ወረርቲ፣ ብድሎ ከይትዕሎ ኲናት ከምዘይስዓር ስለዘለለዩዎ፣ ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ምርምርን መጽናዕትን፣ ማለት ኣብቲ ዊንስተን ቸርቺል ዝበሎ ስነሓሳብ ተመርኲሶም፣ ግንከኣ ገረብ ብሓኽላ ተጠቒሞም፣ ብስነኣእምራዊ ወፍሪ ኣእምሮኡ ተቛጻጺሮም ዛጊት ሓዲግ መዲግ ይገብሩዎ ከምዘለው ንዝመራመር ሰብ ግሉጽ እዩ።

ኣወ፣ ንኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ኤርትራዊ፣ ብክልተ (2%) ካብ ሚእቲ፣ ድራር ተጋደልቲ፣ ረዲኤት ንደቂ ስዉኣት፣ ኩቦንዶ መሬት ክትዕድጉዶ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነተን ቊሩብ ቍራቦ ኣብ ባንክ ዘዋህለለን ተረፍ ህግደፍ ባጤራ ናቕፋ ከይተረፈ ሓንክኲኹ ዘሚቱወን፣ ገዛውቲ ህዝቢ ኣፍሪሱ፣ “ዓወት ንሓፋሽ” ! እንዳበለ ድማ ንህዝቢ ኣብቲኹ፣ ማሕፍዱኡ ዝመልእ መንግስቲ፣ ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ዘይሓንኽ ማፍያ ጭፍራ ህግደፍ ግና ገና ንብረት ጽዮናውያን ኮይኑ፣ ገረብ ብሓኽላ ኮይኑ የገልግሎም ኣሎ።

እዚ ፈዛዝ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ንመን ከታልልን ከፍዝዝን እዩ ድኣሞ፣ ኣብቲ ኣየውፍር ኣየእቱ ዘረባ ኣደይ ለቱ ዓጀውጅው ቃለ ምሕተት፣ “ንዓይ ሓገዝ ግበረለይ፡ ደግፈኒ፡ ረድኤት ግበረለይ. . . ዝብል መንግስቲ የለን“። እንዳበለ ዓጀውጀው ዝብል።

ርግጽዩ፣ እቶም ዝመራመሩ ሃገራውያን ግና፣ “በይኑ ዝዛረብ ዝረትዖ የብሉ፣ በይኑ ዝጎዪ ከኣ ዝቕድሞ የበሉ“ኢሎም ብምምላስ፣ እቲ ካብ 70 ታት ጀሚሩ ሊቸንሳ ለማናይ ዘውጽኤ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሎሚ ከኣ ጅ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከምዝኾነስ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና ኢና ፈሊጥናዮ” እዮም ዝብሉዎ።ሎሚ ግዳ ጉልባቢ ቀሊዑ ዝልምን ዘሎ፣ ካብ 70ዓታት ጀሚሩ ደይኮነን፣ ንኣባላቱ ኣብ ጎደናታት ከተማታት ኤውሮጳ ታኒካታት ሻሕሻሕ እንዳበሉ ኣብ በረድን ቍሪ ኣስሓይታን ምልማን ዝተዓለሙ።

 እቶም ሓፋሽ ውድባት ዝብሃሉ ኣብ ፈቐዶ ወጻኢ ሃገራት ተዘሪኦም ዝነብሩ፣ እቲ ብልመና ዝእከብ ዝነበረ ገንዘብ ግና፣ ንሽሙ ይተኣከብ እምበር፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘነበረ ካሳ ኢሰያስ እዩ ዝእከብ ዝነበረ። እዚ ግና እቲ ኣብ ቍርን በረድን ኮይኑ ሻሕ-ሻሕ! እናበለ፣ ሳናቲም ዝኣሪ ዝነበረ መስኪን ሓፋሽ ውድብ፣ እቲ ኩሉ ቅጥፈታት መራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሎሚ ከኣ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክሳብ ሎሚ ከይተረድኣም ይኣምኑዎ ኣለው።

ሎሚ ድኣ፣ ነቲ ኣብ ቁሸት ዓዲ ሃሎ ኮብሊሉ ሓግዩን፣ ከሪሙን፣ መደዓሲ ገርሀኛ ህዝቢ ንኸምስል፣ ኣብ ቲቪ ኤሬይ ግንከኣ ቲቪ ሓሶት እንዳ ተቐልቀለ፣ ኣየውፍር ኣየእቱ ዘረባ ኣደይ ለቱ፣ እንዳወቀጠ ባዕሉ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ ኮይኑ ዓጀውጀው ዝብሎ፣ ኮነ ኢልካ ህዝቢ ንምትላልን ይኣይ ብሕይወት ከምዘሎን፣ ንምርግጋጽን ከምዝኾነ ዳርጋ ኩሉ ሰብ እኮ እዩ ተረዲኡዎ።

ወረ ሎሚ ዝብሃል ዘሎስ ሓቂ ድኣ ይግበሮ እምበር፣ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኮብሊሉ ከሎ፣ ምስ ጠንቆልትን ምስዑቚራን ይሓድር፣ ሓንሳብ ኣብ ሆስፒታል ዱባይ፣ ሓንሳእ ከኣ ኣብ ስፒታል ጀርመን እንዳቀያየረ እዩ ዝሕከም ዘሎ፣ “እቲ እኽደነና ዘብል ጉዳይ ከኣ፣  ሞይቱ ከሎ ጥራይ እቲ ህግደፍ ክሳብ ንምንቆስ ከይገዝኣና” ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ገለገለ ተኻታተልቲ ህግደፍ ድማ፣ “ሎሚ ኣብ ውሽጢ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዙሕ ሸበድበድ ይርአ ኣሎ ክብሉ ይስምዑ።  ኣስዒቦም ክሕብሩ ከለው ድማ፣ እቲ ልኡኽ መላኺ፣ ምናልባት ኣብ ሆስፒታል ጀርመን ኣብ ፍሪጅ ኣቐሚጦሞ ከይኮኑ፣ ዘሻቕሉ ረቛሒታት ይግሃዱ ኣለው” ይብሉ። ቀጺሎም ክሕብሩ ከለው፣ “ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ የማነ ማንክን ኣብርሃ ካሳን፣ ፍሊጶስን፣ ሓዲሽ ኤፍሬምን፣ ጀነራል ሓረጎት ጥራይ እዮም፣ ነቲ ሽፍትነት ህግደፍ ተኪኦም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለው” ይብሉ።

“ብተወሳኺ ድማ ክፍሊ ሰራዊት ከኣ ኣብ ዘለዎ ከይተንቀሳቐሰ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ተኣዚዙ ኣሎ”። ሓላፊ ሓይሊ ኣየር፣ ሃብተስላሴ ተኽላይ፣ ድማ ከምዝደስከለን፣ ንገለገለ ዝጥርጥሩዎም ሓለፍቲ ድማ ኣብ ቍጽጽር ሃገራዊ ሓለዋ ወይድማ ሃገራዊ ጸጥታ (“ሃገራዊ ድሕነ“)  ከም ሓጎስ ኪሻ ተንቤናይ ዝኣመሰሉ፣ ካብ ኣስመራ ንኸይወጽጹ ተኣጊዶም ከምዘሎውን ይሕብሩ።

ብፍላይ ኣብዚ ኩነታት እዚ ድማ፣ እቶም ቅድሚ 10ተታ ዓመታት፣ መተካእታ ህግደፍ ንኽኾኑ፣ ንኣብ ወጻኢ ዘለው ተቓወምቲ ኣልሚሶም፣ መተካእታ ስልጣን ሓዲሽ ህግደፍ ንምድላው ኣብ ወጻኢ ተላኢኾም ዝነበሩ፣ ከም ብዓላ ሸንገብዶ፣ ዓንደብርሃንዶ፣ ተኸስተዶ መንቆርዮስዶ፣ መስፍንሓጎስዶ ዝብሃሉ፣ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ሰሚናራት ከካይዱ ይርኣዩ ኣለው። እዚ ተርእዮ እዚ ድማ፣ ህግደፍ ንዝኾነ ይኹን ዜጋ ብቑጠባ ሓኒቑዎ ኣብ ዘለወሉ ህሞት፣ እዞም ሰባት እዚኦም እዚ ኩሉ መንቀሳቕሲ ገንዘብ ካበይ ይረኽቡዎ ኣለው? ዝብል ሕቶ ክፉት ኢና ክንገድፎ። “ኩነታት ልኡኽ መላኺ ኢሰያስን ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ጠልጠልን ኣብ ገጂፍ ጭንቀት ከምዘሎ እዩ ዝሕብር” ዝብሉ ብዙሓት ተመራመርቲ ሃገራውያን ኣለው።

“ምናልባትውን ኣብ መወዳእታ ንህዝቢ ከሃምሉዎ እዮም። ንሱ ድማ ዋላ ልኡኽ መላኺ ሞይቱ ከሎ፣ ከምታ ንመለስ ዝገበሩዎ፣ መተካእትኡ ክሳብ ዘዳልዉ ንወርሓት ወይ ንዓመታት፣ ኣብ ፍሪጅ ከጽንሑዎ ክፍትኑ እዮም“ ዝብሉ ተመራመርቲ ፖለቲካ ድማ ኣለው። “ዝኾነ ኮይኑ፣ ክንብርኵት ከይንብርኵት ድኣ ኣብ ማይ ንብጻሕ እምበር፣ ጉዳይና ካብ ኢድና ተመንጢሉ ኣብ ኢድ ብመሃንድሳት ጽዮናውያ ካብ ዝእቱስ እዋን ኮይኑ እዩ“፣ ዝብሉ ተመራመርቲ ፖለቲካውን ድማ ብዙሓት እዮም።

እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ከኣ፣ ኣቦታትና ክምስሉ ከለው “ገመል ሰሪቐምሲ ጒንብሕ-ጒንብሕ“ ይብሉ። እንዳህግደፍ ዘየሕፍሮም እምብኣር፣ ካብ ራእዪን ድልየትን ህዝቢ ክሃድሙ፣ ዘይምሃዙዎ ሜላን ውዲትን ስለዘየልቦ፣ ዋላ ሞይቶም ከለው፣ ከይሓፈሩ ኣሎና እዮም ዝብሉና ዘለው።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እውንዚ ፍርቂ ሚልዮን ዝኾኑ 3ይ ወለዶ ደቁን፣ ማእለያ ዘይብሉ ዕደና ወርቁን፣ ብጽዮናውያን ንወጻኢ እንዳግዓዘ ከሎስ ፣ ህዝቢ ድማ ማይ ዝስተን፣ መብራህቲ ዝበርህን፣ ጨኒቑዎ ኤህ! እንዳበለ ክራገም ክውዕልን ከሓድርን ከሎ፣ ጭፍራ ህግደፍ ድማ ብኣንጻሩ፣ ካብ ሚእቲ እቶት ሽሕ እቶት እንዳገበሩ፣ ከይሓፈሩ ንህዝቢ “ኣልሞት ባይ ተጋዳይ፣ ኣሎና ኣይሞትናን“ ክብሉዎ ከለው ዘሕፍር ተርእዮ እዩ። እሞኳድኣ፣ እቶም ኣብ ወጻኢ ሰሚናራትዶ ኣኼባታትዶ እንዳበሉ፣ ኮለል ዝብሉ ዘለው፣ ብዓል ዶር. ዓንደብርሃንዶ፣ ሸንገብዶ፣ መስፍንሓጎስዶ ዝብሃሉስ፣ ጽባሕ ብጊሓት ንህዝቢ ኤርትራ ማና ድዮም ካብ ሰማይ ከውርድሉ? ብግቡእ ዝጠርነፉዎ ክፍሊ ህዝቢከ ኣሎዎም ድዩ? መደብ ዕዮን ፖለቲካዊ ፍታሕ ጉዳይ ኤርትራኸ ከምዘለዎም ንህዝቢ ብግሁድ ኣፍሊጦሞ ድዮም? ምዃንኳ እቲ ጉዳይ ኣቦኹም ኣዘደቀሱና እዩ ክኸውን፣ ግንከኣ ክንብርኵት ከይንብርኲት ኣብ ማይ ንብጻሕ ኢልና ጥራይ ንጸበ።

 

ብሓልዮት መርበብ ደቀባት ኤርትራ 21.10.2017 ዓ.ም.ፈ.

ግዜ ንኹሉ ከርእየና እዩ። ወዲ ገብሩ “እንቋዕ ኣርከብኩሉ“ ኢሉ ደሪፉልና እዩሞ፣ እስከ እስከ እዚ ኩሉ ዕንክሊ ህግደፍ ድማ ኣማስያኡ ኣበይ ንምብጻሕ ምዃኑ ከነርክበሉ ኢና።