እተን ቀንዲ ኣብ ምዕናው ሊብያ ዝተዋፈራ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ፈረንሳን ጣልያንን ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን እየን ዝነበራ። እታ ሽዑ እዋን ብፕረሲደንት ሳርኮዚ ትምራሕ ዝነበረት ሃገር ፈረንሳ ብቅድመ ግንባር እያ ነቲ ወራር ብሓላፍነት ተሰኪማቶ። ኣታ ብቀዳማይ ሚንስተር ማፍያ ባላስኮኒ እትምራሕ ዝነበረት ሃገር ጣልያን ድማ ብካልኣይ ደረጃ፣ ኣብቲ ወራር ተኻፊላ። እቲ ቀንዲ መኽንያት ድማ ነተን ጋዳፊ ዝእውዶም 15 ቢልዮን ዶላር መታን ንኽማቐሉወን እዩ። እቲ ንፕረሲደንት መዓመር ጋዳፊ ንምግልባጥን፣ ነታ ካብ ምሉኣት ሃገራት ዓለም ዝበልጸገትን ዝማዕበለትን  ልዑላዊት ሃገር ሊብያ ንምዕናውን፣ቀንዲ መደብ ዝወጸ ብወነንቲ ባንክታት ዓለም ስድራቤት ሮትሻይልድ እዩ ዝነበረ። ፈረንሳን ጣልያንን እንግሊዝን ኣሜሪካን ፕሮክሲ ጥራይ ኮይነን፣ ከም ሜርሲነሪ እየን ነቲ ዂናት መሪሐንኦ። ኣቶም ኲናት ምስተወድኤ ነቲ ኩሉ ማእለያ ዘይብሉ ወርቅን ባንክን ዝውንኑ ግና፣ እቶም ስዉራት መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ብዓል ስድራቤት ሮትሽይልድ እዮም።

ሃብትን ጸጋን ህዝቢ ሊብያ ንምዝማት ነታ ሃብታም ሃገር ሊብያ፣ጽዮናውያን ብመደብን ብግህዶን ኣዕንዮማ። እወ፣ ነታ ኣብ መላእ ሃገር ዘሎ መንእሰይ ወዲ ይኹን ጓል ሊብያ፣ትምህርት ብነጻ እትፈቅድ ሃገር፣ ስኮላርሽብ መንግስቲ ዝኸፍሎ፣ ክምርዖ ዝደሊ ሰብ መንግስት 7000 UD$ ዝኸፍሎ። መኪና ክገዝእ ዝደሊ ሰብ 50% መንግስቲ ዝሕግዞ። በልዚን ኣብ ሃገር ሊብያ ካብ 2 ሳንቲም ኣይበዝሕን። ክራይ ገዛ ዝብሃል ንወዲ ሊብያ የልቦን። ኩሉ ናቱ ገዛ እዩ ዝውንን። ምድረበዳ ሳሃራ ብመስኖታት ማይ ጃሕጃሕ ዝብሎ፣ ህዝቢ ሊብያ ካብ ሰበኽ ሳግምን በደዊንን ኣብ ዝልዓለ ስልጣኔ ዝበጽሓሉ፣እምብኣር በዚ ቅንኢ ስለዝነፍሖም እዮም፣ ሓሳዳት ጽዮናውያን፣ ንህዝቢ ዓለም ብሕሱር ፕሮፓጋንዳን ሓሶትን ኣእሚኖምን ኣስዲዖም፣ ነዛ ሃብታም ሃገር እዚኣ ወቒዖማን፣ ንመነባብሮ ህዝባ ድማ፣ ኣዘናቢሎሞን ዘርምዘርሞ ኣትሪፎሞን።

ካብቲ ብዙሕ መኽንያታት እተን ቀንዲ ድማ እዘን ዝስዕባ እየን።

1ይ.) ኣብ መጀመርያ መንግስቲ ፈረንሳን ኢጣልያን፣ካብ 15 ቢልዮን ዶላር ንላዕሊ ዝግመት ምስ ሃገር ሊብያ ዝነበረን ዕዳ መታን ከይከፍላ ውግእ ንኽግበር እዋዕዊዐን።

2ይ.) ሓሳዳት ጽዮናውያን ሃገር ሊብያ፣ ነታ ካብ ምሉኣት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብሃብትን ብምዕባሌን ኣርኣያ ዝኾነት ሃገር ሊብያ፣ ክብ ቅንኢ ዝተላዕለ ልዑላዊት ሃገር ሊብያ ንኽትውረር ወሲኖም።

ጽዮናውያን ስለምታይ ንመዓመር ጋዳፊ ከምዝቐንጸሉዎ ዝሕብር ቪድዮ

ነቲ ናተንሲ ንሓማተን፣ እስከ ነዚ ኩሉ፣ ብዓል ጆርጅ ዳብልዩ ቡሽ፣ ቸኒን፣ ራምስፌልድን፣ እታ ኣምንጪዋ ራይስን ዝሕስዉዎ ዝነበሩ ሓሶታት እስከ ብምስትብሃል ኣዋዳዲርኩም ተዓዘቡዎ።

 3ይ.) ፕረሲደንት ሃገር ሊብያ፣ መዓመር ጋዳፊ፤ ንምዕባሌ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘገልግል African Inestment Bank ሓደ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ንኽማዕብል ዝሕግዝ ባንክ ክምስርት ስለ ዝመደበ፣ ገበቲ ጽዮናውያን ዓቕሎም ጸቢቡዎም። መኽንያቱ  ካብ መላእ ዓለም፣ ካብተን 7 ሃገራት፣ ሓራ ዝኾነ ናተን ባንክ ዘለወን ሓንቲ ሃገር ሊብያ ስለዝኾነት።

ንሳተን ከኣ ሱዳን፣ ኩባ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ኢራቕ፣ ሰሜን ኮርያ፣ሊብያ፣ ኢራን እየን። ንመረዳእታ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታንን፣ ዒራቕን፣ ሊብያን ኣንታይ ከምተፈጸም ተዓዚብና ኢና። ኣብ ርእሲ  ኢራንን ሰሜን ኮርያን፣ ኩባን ድማ እንታይ ይእለም ከምዘሎ በተን ማዕከናት ዜና ዓለም ዝዝርጋሕ ዘሎ ወረ ንዕዘቦ ኣሎና። ንሳተን ከኣ ውዒለን ሓዲረን ክውቅዓ እየን። መኽንያቱ እቲ ቀንዲ ዓላማ ኩሉ ባንክታት ዓለም ሓደ ስድራቤት ሮትሻይልድ ዝተባለ ጥራይ ግድነት ክውንኖ ስለዝደሊ።

4.) ኣፍሪቃ ሕብረት ኣማዕቢሎም ኣፍሪቃዊ ሰራዊት ምስ ናቶ ዝወዳደር መስሪቶም ሃገራቶምን ሃብቶምን ባዕሎ ክሕልዉ። 5.ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ተለኮሚኒከሽን ብሕሱር ዋጋ ንኽዝርጋሕ።

6ይ.) ሃገራት ኣፍሪቃ ካብቲ ብዓለም ባንክ ዝፍለጥ፣ ትካል ጽዮናውያን፤ ሓራ ኮይኑ  ንህዝቢ ኣፍሪቃ ዘገልግል ኣፍሪቃዊ ባንክ African Development Bank

7.) ነተን ካብ ዲክታቶራት ገዛእቲ፣ ብፍላይ እኳድኣ ካብቶም ዕሱባት ጽዮናውያን ዝኾኑ  ደናቑርን ልኡኻትን ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ሓራ ንክወጹ ዝቃለሱ ኣፍሪቃውያን ሰውራታት፣ ቁጠባዊ ሓገዝ ንምግባር ወዘተ. ..። ዝብሉ ኣገደስቲ መደባት ስለ ዝሓንጸጸን ንኸተግብሮም ድማ ስለዝጀመረ፣ ጽዮናውያን ወይለይ ረብሓና ተወስደ ካብ ዝብል ራዕዲ ብሓይሊ ናቶን፣ ፈረንሳን እንግሊዝን ጣልያንን ኣሜሪካን ተዛራርዮም ንጋዳፊ ገልቢጦም ባህርያዊ ጸጋን ካ 400 ሽሕ ዝምዘን ወርቅን ብትሪልዮን ዝግመት ጥረገንዘብን ገፊጦም ዘሚቶሞ። ነቲ ዝቢ ድማ ካብቲ ጸጋኡ እልጊሶም ኣብ ዝንቡል ህይወትን ግብረሽበራን ክምዝጻጣሕ ገሮሞ።

ቅድሚ ጋዳፊ ምጽዮናውያን ምቕንጻሎም ኣብ ሃገር ሊብያ ዝነበረ ምዕባሌ https://youtu.be/qZUKi5Sch-I

መርታሒ ሃገር ሊብያ መዓመር ጋዳፊ ኣብ ውሽጢ aaደራሽ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ኒውዮርክ ቀሪቡ ዝተነበዪ ትንቢት ድማ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ። ሃገር ሊብያ መተሓላለፊ ስደትኛታት ኮይና፣ ህዝቢ ኤውሮጳ ድማ ብስደተኛታት ተወሪርና እንዳበለ ኡይ ይብል ኣሎ።

ብሓልዮት መርበብ ደቀባት ኤርትራ፣ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም.ፈ.