ታሪኽ ስሳታት እንዳደጋገምካ፣ ዕንክሊል ካብ ምባልን፣ ካብ ምቚዛምን፣ ብንቕሓትን ብምርምርን ንጻባሕ ምሕሳብ፣ ጥራይ እዩ ኣብ ዓወት ዘብጽሕ።

ንጸላኢኻ ክትምክቶ እትኽእል፣ ዝወረስካዮ ስትራተጂካዊ ሲስተም እንተሎካ እዩ። እዚ ማለት ድማ፣ ኣብ ነብስኻ ተኣማሚንካ፣ ኣብቲ ጥንታዊ ባህልኻን፣ ቅዱስ ሃይማኖትካን፣ ሕጊ እንዳቦኻን፣ ኣቦታትካን፣ ኣቦሓጎታትካን፣ ኣዴታትካን፣ እኖ-ኣባሓግታትካን፣ ዓባያታትካን፣ ዘጽንሑልካ፣ ካብ ወለዶ ኣብ ወለዶ እንዳተዋራረሰ ዝጸንሓካ ክብርታትካ ተመርኲስካ፣ ንዑኡ ከኣ ኣማዕቢልካን፣ ብግቡእ ክትምርሓሉን፣ ንሓድሽ ወለዶ እንዳምሃርካ ድማ፣ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ከሎኻን ጥራይ ኢኻ፣ ንጸላእትኻ ክትምክትን፣ ንመንነትካ ክትከላኸልን እትኽእል። እዚ እዩ እምብኣር ሲስተም ዝብሃል።ካብኡ ሓሊፉ ካብ ባዕዳውያን ተለቂሕካ ዝመጽእ ፍልስፍና ሲስተምካ ዘይኮነስ ዋናታቱ ዘለውዎ ውዲታዊ ሲስተም እዩ። መጥፊኢኻ መለከም ህዝብኻን መድፈር ሃገርካን ጥራይ ከኣ እዩ።  እወ፣ እቶም ዝረብሑሉ ከኣ ብፍላይ ጽዮናውያን፣ ብሓፈሻ ድማ ባዕዳውያን ሓይልታት ጥራይ እዮም። እዚ እዩ እቲ ሓቂ!!

እቲ ቀንዲ ንጸላዒኻ ክትምክቶ እትኽእል ካልኣይ ሜላን ስትራተጂን ድማ፣ ንህዝብኻ በቲ ዝጸንሖ ባህላዊን መንነታዊ ክብርታትን፣ ዋንነት መሬትን፣ ምሂርካ ምስ እተንቅሖ፣ ሽዑ ጥራይ እዩ፣ ድሕር ከይበለ መንነቱን መሬቱን መታን ክከላኸል ንጸላኢኡ ክምክት ዝኽእል። ብኸምዚ ዝተመልመለ ህዝቢ ጥራይ እዩ፣ ንቑሕ ወለዶ ከጥሪ ዝኻልን፣ ልዑላውነት ሃገርን ድማ ክዕቅብ ዝኽእል። ብኸምዚ ጥራይ ዝተሃንጸ ህዝቢ እዩ፣ ወትሩ ግዜ ብኵርዓት ሃገሩን መሬቱን ካብ ዝኾነ ይኹን ወራሪ ክከላኸለሎም ዝኽእል። ዝነበረካ ክብርታትካ ረሲዕካ፣ ኣብ ናትካ ዘይኮነ ምጻእተኛ ስነሓሳብ ተመርኲስካ “ንሃገረይን ህዝበይን መንነተይን ከከላኸል እየ” ኢልካ ትሓልም እንተድኣ ኮንካ ግና፣  እቲ ኩሉ እትጽበዮ ሸቶ ኣብ ሑጻ ከምዝተሰረተት ህድሞ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እዚዶ ደይዚ፣ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ እኩብ ድማር ውጺኢት መስርሕ ሰውራ ወያኔን ህግደፍን ምዕዛብ እኹልዶ ኣይኮነን እዩ? ንሓደ ህዝቢ መሬቱን ባህርያዊ ሃብቱን ገቢትካ፣ ብዘይካ ማእሰርትን ህሱም መንብሮን ካልእ ቀረብ ዘይቀረብካሉ፣ንስልጣነይ ጥራይ ተቓለሰለይ ክትብሎስ ሃየንታ ደይኮነን። እወ፣ እቲ ሓቂ ግና ብፍላይ ነቶም ካብ ድሕሪ ነጻነት ጀሚሮም ብህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎው፣ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብወያኔ ዝፍጸሙ ዘለው፣ ኣብ ፈላሊኻ ግዛእ ዝትረሰረቱ መደብ ዕዮታት፣ እንተድኣ ሓደ ብሓደ ተኻታቲልካዮም፣ ህዝቢ ንኸይቃለስ የቃልሱዎ ከምዝነበሩን፣ ሎሚ ድማ ንህዝቢ ከምጅሆ ሒዞሞ ከምዘለውን፣ ጥራይ እዮም ዝሕብሩ። ብኸምዚ ዝጓሰ ህዝቢ ድኣ እሞ፣ ከመይ ገሩ እዩ መንነቱን መሬቱን፣ ባሕሩን፣ ባህርያዊ ሃብቱን፣ ካብ ባዕዳውያን ክከላኸልን ጸላእቱ ክምክትን? ራእዩን ዓላምኡን ዝተዘምተ ህዝቢ፣ ክቃለስ ኣይክእልን እዩ። እኳድኣ ብኣንጻሩ ባዕዳውያን ንኽወሩዎ ጥራይ እዩ ዝዳሎ። ብዘይ ራእዪን ዓላማን ማንም ህዝቢ ክቃለስ ኣይካልን እዩ።

እስከ እምብኣር ኣብቲ ካብ ኣምብሆ ዘመን ጀሚሮም፣ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራን ትግራይን በቲ ፍሹል ፍልስፍና ባዕዳውያን ተመሪሖም ንህዝቢ ዘተስፉዉዎ ዝነበሩ ዘይፍጸም ተስፋታት ኣቲና፣ ስለምንታይ ከምዝፈሸለ ንምብራህ ብሕጽር ዝበለ ትንተና ክንትንትን።

ሰውራ ኤርትራ፣ መጀመርያ ውድብ ተ.ሓ.ኤ.፣ ቀጺሉ ዝተላዕለ ውድብ ድማ፣ ህ.ግ.ሓ.ኤ. እዩ ዝነበረ። ውድብ ትግራይ ድማ፣ ቅድም ተ.ሓ.ት.  (TLF) ጸኒሑ ድማ  ህ.ግ.ሓ.ት. T.P.L.F. እየን ዝነበራ። እሞ እዘን ሰለስት ውድባት እዚኣተን፣ ኣምሆ ዘመን ሰውራ ክጅምራ ከሎዋ፣ ወይከኣ ንሓርነትን ነጻነትን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ኢለን ክብገሳ ከሎዋ፣ እቲ ዝምርሓሉ ዝነበራ ፍልስፍና፣ ወይ መምርሒ፣ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራን፣ ህዝቢ ትግራይን፣ ካብ ውርሻ ኣብ ውርሻ እንዳተመሓላለፈ ዝጸንሐ መምርሒ ድየን ሒዘን ተበጊሰነን፣ ወይስ ኣብቲ ባዕዳውያን ዝምሃዙዎ ፍልስፍናን መምርሕን ዝተመርኮሰ እዩ ነይሩ?

እቲ ዝተበገሰሉን ሰውራዊ ትምህርቲ ንህዝብን ሰራዊትን ዝምህራሉ ዝነበራ መምርሕን ፍልስፍናንከ ኣዓዊቱወንዶ ወይስ ኣስዒሩወን? እስከ ነዘን ኣብ ታሕቲ ብቐሊሉ ተዘርዚረን ዘለዋ ኣብ መጎታዊን ታሪኻዊን ዝተመርኮሳ 3 መርትዖታት ዝሓዛ ነጥብታት ንከታተለን።

1ይ. ተ.ሓ.ኤ. ክጅምር ከሎ ቀንዲ ጸግዑ ሃገራት ኣዕራብ ነይረን፣ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ከኣ፣ ብፍላይ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ወግዓዊ ቋንቋ ዓረብኛ እዩ ነይሩ። ስትራተጂካዊ መምርሒኦም ድማ ካብ ሃገራት ኣዕራብ፣ ከም ዒራቕን ሶርያን፣ ኣብ ብዓስ ፓርቲ ዝተመርኮሰ  ፍልስናን እዩ ነይሩ። ሕጊንዳባን ኩሩዕ መንነትን፣ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብርታት ከሎካስ፣ ፍልስፍና ባዕዲ ከም ቀንዲ መምሪሒኻ ወሲድካ ዕንክሊል ምባልስ እንታይ እዩ እቲ ውጽኢቱ? ኣዲኣ ገዲፋ ሓትኖኣ ትናፍቕ! ሓቂዶ ሓሶት? ተ.ሓ.ኤ.(E.L.F.)፣ ህ.ግ.ሓ.ኤ.(E.P.L.F. ህ.ወ.ሓ.ት.(TPLF)ን፣ ካብ ግዜን ኵነታትን ዘይምሃሩ፣ ካብ መሳርሒ ህዝቦም፣ መሳርሒ ጽዮናውያን ምዃን ዝመረጹ፣ ታሪኽ ህዝቦምን ኵሩዕ መንነት ኣቦሓጎታቶምን (ኣናብር ኣግኣዝያ) ረሲዖም፣ ታሪኽ ባዕዳውያን ዝመረጹ፣ ካብ ብኣእምርኦም ብኣእምሮ ባዕዳውያን ዝሓስቡ፣ ንብረት ባዕዳውያን (The Asset of Foroign Powers) እዮም። ኣምሆ ዘመን መሪሕነታ፣ ፍልስና ሃገራት ኣዕራብን ዝኽተል ዝነበረ፣ ብስለላ ምዕራባያንን ድማ ዝጓሰ ዝነበረ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. E.L.F.፣  ብ1981/82 ፈርከሽከሽ ኢሉ ፈሺሉ። እቶም ብሕመቕን ጉድለትን መሪሕነት ጀብሃ ዝውሕልሉ ዝነበሩ፣ መሪሕነት ወያኔ ሎሚ “ኢህኣዴግ: EPRDF“)ን፣ ሻዕብያ ሎሚ ህግደፍ PFDJ ድማ፣ እቲ ዝኽተሉዎ ዝነበሩ ፍልስፍና ባዕዲ፣ “ማሕበርነት”፣ “ማርክሰ ለሊንነት” ወዘተ…ኣብ ጉሓፍ ተደርብዮም፣ መግለጺ ዘይብሉ ፍልስፍና ኣልቦ ተኸቲሎም፣ ነቲ ጅግናን ሓርበኛን ህዝቢ ኣግኣዝያ ለኪሞም፣ እንዳጠፍኡ ንዕዘቦም ኣሎና።

2ይ. ህ.ግ.ሓ.ኤ ከኣ፣ ነቲ ድኽመታት ተ.ሓ.ኤ. መዝሚዙ፣ ኣብ ንሕናን ዓላማናን መርዛም ፍልስፍና (ርሑቕ ዓዲ መሓሰዊ) ዝተሰረተ፣ እሞከኣ ኣብ መንጎ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ፈላላዪ መርዚ ዝነዝሕ ሓዊ ሒዙ እዩ እንጊሁ ተበጊሱ። ጸኒሑ ድማ ፍልስፍና ማርክሰ ለሊንነት ዝብል፣ ካብ ባዕዲ ዝተለቅሖ ፍልስፍናን መምርሕን መሪጹ፣ ( ብመሃንድሳት ጎይተቱን ልኣኽቱን ከዘውትሮ ተገዲዱ) መተካእታ ኣንበሳን ዋዕሮን፣ ነብርን፣ ወዲ ዓድን፣ ወዲ መሬትን፣ ባሕረ-ነጋስን፣ ጋራይዝማጅን፣ ፊትወራርን፣ ራእስን፣ ባሻይን፣ ኣቶን፣ ደገዝማትን፣ ቅዱስ መምሪሒና በስም-ኣብ፣  ዎ!ወልድ፣ ዎ!መንፈስ ቅዱስ! ዝብሉ፣ ክብርታትናን ባህልታትናን ዝተመስረቱ ንቡራት ቃላት ደሚሲሱ፣ ጽባሕ ብጊሓት ዝፈሽሉ፣ ከም “ብጻይ“ ቡርጁዋን፣ ፔቲ-ብርጁዋን“ “ካድረ“ን፣ ኣድሕርሓሪ፣ ተበላጺ፣ ነፍሰ ነቐፌታ፣ ርእሰ ነቐፌታ፣ “ዓወት ንሓፋሽ“ ወዘተ. . . ዝኣመሰሉ ብለቓሕ ካብ ባዕዲ ዝኣተው መደናገርቲ  ቃላት፣ ግንከኣ ንህዝብን ሰራዊትን ዘይፍጸም ተስፋ እናተስፈዉ፣ ነቲ “ዓወት ንሓፋሽ!” ዝብሃል ዝነበረ፣ ኣብ ውድቀት ንሓፋሽ ዝቐየሩዶ ኣይኮኑ? ሎሚዶ ንዕዘቦ የሎናን ኢና? ሓቂዶ ሓሶት? ንገርሀኛ ሰራዊትን ህዝብን ዕንክሊል ኣቢሉ ኣማሲያኡ ድማ፣ ንራእዪን ሕልናን ህዝቢ ዘስዕር፣ ንሃገር ከኣ ንባዕዳውያን ኣሕሊፉ ዝህብ፣ ስርዓተ-ኣልቦ ትምህርቲ እከይ እንዳመሃርካስ ይኣይ ዓወት ክመጽእ።  ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን!! ንሕናስ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና ኢና ነዞም ክናናን ምናናን ዛጊት ኣለሊናዮም ኔርና።  እንታይእሞ ይገበር፣ ንህዝቢ እንድዮም  ኣእምሮኡ ኣደንዚዞምን ኣደንቊሮሞን ሓዲግ መዲግ ገሮሞ። አረ ጉዳምዩ፣ ክሳብ ዝጠፍእ ከምዘይሰምዕ ገሮም እኳዮም ቀዪሮሞ ፣ ፈዛዝ ከምዝኸውን ቀዪሮሞ(Mind controled) ኮይኑ። እወ!  ኣብ (Zombie) ለዊጦሞ እምንበር!!!

3ይ. ውድብ ትግራይ፣ ህ.ው.ሓ.ት. (T.P.L.F)፣ እዚ ውድብ ትግራይ ዝብሃል ውድብዚ፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ ትካል ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኑ ዝበቖለ እዩ። እዚ ትካል ባዕዳውያን ዝኾነ ውድብዚ፣ ከምነፋሒቶ ሕብሩ (ኣስማት) እንዳቀያየረ ሰለይ እንዳበለ ዝመጸ፣ ብከዳዓት ኣባላት ፖሊት ቢሮ፣ ግንከኣ ከምቶም መራሕቲ ሰልፊ ቦልሸቪክ፣ ሽም ካህናቶም ረሲዖም፣ ብሳጓ ዝጽውዑ፣ ንመረዳእታ: “መለስ” ዜናዊ፣ ቀንዲ ስሙ ለገሰ ዜናዊ፣ “ስዩም” መስፍን፣ ቀንዲ ስሙ  እምባየ መስፍን ወዘተ…  ዝዝወር ፍሹል ውድብ እዩ። ክጅምር ከሎ፣ “ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ“ (“ተ.ሓ.ት.“) ዝብል ስም እዩ ነይሩዎ። ካብኡ ቅንይ ኢሉ ድማ፣ ቀንዲ ምሕዝነቱ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መስሪቱ።

ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኣብ ሻዕብያ ኮብሊሉ ድማ ምስ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሮ ምሕዝነት ጠንጢኑ፣ ነቲ ቅድም ዝነበረ ስሙ ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ “ህዝባዊ ወያኔ ትግራይ“ ወይ “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይ“ (“TPLF“) ኢሉ ሰኒዑዎ። ሓዲሽ ዝምድና ድማ ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ.፣ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መስሪቱ።  በቲ “ህዝባዊ ግናባር ሓርነት ኤርትራ” (ህዝባዊ ግናባር ባርነት ኤርትራ) ዝምርሓሉ መምርሒ ከኣ ክምራሕ ጀሚረ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ መምሪሒኡ ማርክሰ ለኒነት ፍልስፍና ባዕዲ መሪጸ። ኤረ ካብ ፍልስፍና ሶቭየት ሕብረትን ቻይናን፣ ሰውራ ኣልባንያ ይሓይሽ ኢሉ፣ ፍልስፍና ሆጃ ሕልምታት መራሒ ሃገር ኣልባንያ (ኣልባንያ ሎሚ እታ ዝደኸየት ንእሽቶ ኤውሮጳዊት ሃገር ኮይና ኣላ) ከም መጽሓፍ ቅዱስ እንዳደገሙ፣ ከም ገስጋሲ መምርሕን ፍልስፍናን ገሮም ወሲዶሞ። ካድረታት ወያኔ ድማ ማርክሰ ለሊንነት፣ ጽባሕ ብጊሓት ንጭቁን ህዝቢ ትግራይ በረኸት ከምጽኣሉ እዩ። ንኣብነት “ሓንቲ ላሕሚ ልነበሮ ገባራይ፣ ድሕሪ ነጻነት ክልተ ላሕሚ ከግኒ እጁ” እንዳበሉ ክሰብኩዎ ጀመሩ። በዚ ፍልስፍና (ማለሊት=ማርክሰ ለሊንነት) ተመሪሖም ድማ፣ ንሰራዊት እንዳምሃሩ ንመቐለ፣ ብ1987 ዓ.ም.ፈ. ኣተዉ። ሽዑ ድማ ከም ኣመሎም ነቲ ህ.ግ.ሓ.ት ዝብል ዝነበረ ስም ውድቦም፣ ን3ይ ግዜ “ኢህኣደግ“ ኢሎም ሰመዩዎ። ክሰርቀኒ ዝርኣኹዎስ፣ ክህበኒ ነይኣምኖ፣ ከምዝብሃል፣ በዚ ሓዲሽ ስም እዚ እንዳተጸውዑ ድማ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ንኣዲስ ኣበባ ኣተው። ሎሚ ከኣ በቲ ስም እቲ እንዳተጸውዑ ንኢትዮጵያ ኣብ ህጉም ክእትዉዋ ዕንክሊል ክብሉ ንዕዘቦም ኣሎና። ክንብርኩት ከይንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ። ውድቀት ሻዕብያን ወያኔን፣ነዊሕ ከይከድና ከነርክበሉ እና። ነዚ ክትሓቚና ዲኺን ትርህጻ!!!

ካብቲ መሰረታዊን፣ ጅግንነታዊን፣ ኩሩዕ መንነት ህዝቢ ኣግኣዝያንን ወጺኦም፣ ኣብ ባዕዳያውን ዝሓንጸጽሎም ፍሹል ፍልስፍና ስለ ዝኣመኑ፣ ኣብ መወዳእታ መላገጺ ባዕዳውያን ኮይኖም ከምዝተርፉ መጎታዊ እዩ።

ብሓልዮት ክፍሊ መጽናዕትን ምርምርን መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
23 ሓምለ 2017 ዓ.ም.ፈ.