ኤርትራ  ካብተን 13 ሃገራት፣ ግንከኣ ህዝበን ግዳይ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ኮይኑ ዝሳቐን ዝሃልቕን ዘሎ ሓንቲ ሃገር እያ። ንመረዳእታ፣ ህዝባ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ነጻነት ሃገር ረኺቡ ከብቅዕ፣ እቶም ወነንቲ ወርቅን ባንክታትን፣ በልዚንን ስትራተጂካዊ ቦታታትን ዝኾኑ ጽዮናውያን ስለ ዘይፈቐዱ፣ ነቶም ንብረቶም ከደምቶምን ዝኾኑ ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምርሑ ጭፍራ ህግደፍ ትሳቐ ኣላ። መንእሰይ ወለዶ ሃገሩ ከየማዕብል ንስደት ኣንዳውሓዘ፣ወርቃን ሃብቲ ባሕራን ድማ ብጽዮናውያን ተዘሚቱ ንኤውሮጳን፣ ኣሜሪካን ይግዕዝ ኣሎ። እተን 13 ሃገራት ከኣ እዘን ዝስዕባ እየን። ብዝርዝር ድማ ኣብዚ ካርታ ተዘርጊሐን ስለዘለዋ፣ ንምፍላጠን ቀሊል እዩ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ እተን ብባህርያዊ ጸጋ ኣዝየን ዝበልጸጋን፣ ብጂኦ-ስትራተጂ ድማ  ብሉጻት ዝኾና ሃገራት እዘን ዝስዕባ እየን:-

1ይቲ) ሃገር ሊብያ ዝበዝሐ በልዚንን ሓይሊ ጽሓይን ጋዝን ሃብቲ ባሕርን

2ይቲ) ሃገር ኤርትራ፣ ብወርቅን፣ ሃብቲ ቀይሕ ባሕሪ፣ በልiን፣ ጋዝ፣ ብዙሕ ክቡር ማዕድንን

3ይቲ) ንእሽቶ ጂቡቲ ቀንዲ ስትራተጂካዊ ቦታ፣

4ይቲ) ኢትዮጵያ፣ቡን፣ወርቂ ፣ ገና ዘይተመዝመዘ ባህርያዊ ጸጋ፣ከም ጋዝ በልዚን ወዘተ…ዘለዋ ሃገር እያ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግና፣ ህዝባ ተጠቃሚ ሃብቱ ሃገሩ ከይከውን ኮነ ኢሎም፣ ጽዮናውያን፣ ጸረ ባህሉን፣ ሃይማኖቱን፣መንነቱን፣ማሕበራዊ ህይወቱን  ዝኾነ ወፍሪ ኣካይዶም የሳቕዩዎ ኣለዉ።

5ይቲ) ኬንያ፣ ባህርያዊ ሃብትን ስትራተጂካዊ ቦታን፣ ቱሪዝምን ዝተዓደለት ሃገር እያ።

6ይቲ) ሶማልያ ህዝባ ዓሳ ጥራይ ተመጊቡ ክነብር ዝኽእል ክነሱ፣ እየን ሓይሊ ባሕርን፣ ሃብቲ ባሕርን፣ ዘይትን ጋዝን በልዝንን ዘለዋ ሃገር እያ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ እተን ብባህርያዊ ጸጋ ኣዝየን ዝበልጸጋን፣ ብጂኦ-ስትራተጂ ብሉጻት ዝኾና ሃገራት ኣስያ ግንከኣ ግዳይ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ኮይነን ዘለዋ እዘን ዝስዕባ እየን:-

1ይቲ) ኣፍጋኒስታን  ሐሮይን ሓሺሽን፣ ክቡር ሚነራልን ጋዝን ኣለዋ፣

2ይቲ) ፍሊፒን ሃብቲ ባሕርን ወርቅን ክቡር ሚነራልን ኣለዋ።

3ይቲ) ቱርኪ ባህርያዊ ጸጋ ጽሩይ ማይ፣ ቱሪዝም ብበልዚን እዝያ ዝበልጸገት ሃገር እያ።

4ይቲ) ጆርጅያ ወርቅን ጋዝን ዘይትን

5ይቲ)ቺቺንየን ወርቅን ጋዝን በልዚንን

ካብ ሃገራት ኣዕራብ፣ እተን ብባህርያዊ ጸጋ ኣዝየን ዝበልጸጋን፣ ብጂኦ-ስትራተጂ ብሉጻት ዝኾና ሃገራት ኣስያ ግንከኣ ግዳይ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ኮይነን ዘለዋ እዘን ዝስዕባ እየን:-

1ይቲ) ዒራቕ ካብ ዓለም 5ይ ደረጃ ብበልዚን ዝሃብተመት ሃገር

2ይቲ) ኢራን ብጋዝን ብዘይትን ካልእ ባህርያዊ ሃብትን

3ይቲ) የመን ስትራተጂካዊ ቦታ፣ ሃብቲ ባሕሪ፣ በልዚን ጋዝ ወዘተ…

AUMF-Invoked-Map
እዘን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ሃገራት፣ ንመጻኢ ወለዶ ጽዮናውያን መታን ክኾና ጥራይ ተሓዚአን፣ህዝበን ድማ ሃብቲ ሃገሩ መታን ንኸይቆጻጸር፣ ግዳይ ውግእን ብጥሜት ኮይኑ ንኽሳቐ  ፈሪዶሞ ኣለው።
ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ዘመናዊ ኣጽዋር ውግእ ንህዝበን ምስኣህለቑ ክወርወን እዮም። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ውዲታዊ ወፍሮም ድማ፣ ብፍላይ ንሃገራት ኣፍሪቃ፣ ከም ብዓል ኤርትራ፣ኢትዮጵያ፣ ሶማልያ ኬንያ፣ ጅቡቲ፣ብረቂቕ ነቲ ህዝቢ ይምንቍሱዎ ኣለው። ነቶም መራሕቲ ኣፍሪቃ ድማ ጽባሕ ብጊሓት ከይበልዑዎ ዝሞቱ ማaለያ ዘይብሉ ጥረ ገንዘብ ኣብ ባንክታት ዓለም ኣዋህሊልናልኩም ኣሎና እንዳበሉዎም፣ ክሳብ ዝሞቱ ኢንሹራንስ ኣለዎም። ብስለላን ኮለላን ጽዮናውያን ድማ ይሕለው።
ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ 11 ሓምለ 2017 ዓ.ም.ፈ.