እታ ዓመተ 2016 ተወዲኣ፣ ኣብ ዓመተ 2017 ድማ ኣቲና።

እወ፣ እዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2016፣ ነቲ ብሰንኪ ባርባራዊ መግዛእቲ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተፈጥረ፣ ፍልልያትን፡ ጽልእን፡ ቅርሕንትን ህልኽን፡ ስደት ብምድረ-በዳን፡ ቀላያትን፣ ንሱ ዘስዓቦ ጓሂን፡ ሞትን፡ ካብ ህዝብና ቀንጢጣ ንሓዋሩ ተማሊኣቶ ክትከይድን፣እዛ ድሮ ጀሚርናያ ዘሎና ዓመተ 2017 ድማ፣ ዓመተ ለውጥን ሰላምን፣ ጽጋብን፣ ትምህርትን፣ ዓመተ ሕረስ ሓረስታይ ተምሃር ተምሃራይን፣ እወ፣ ኣቦታትን ኣዸታትን መሮር (ሳዋ) ሰፊሮም ዘለው ደቆም፣ ንሓዋሩ ገዲፎሞ ምስኦም ዝተሓቛቘፍሉን፣ እቶም ሕቡራት መንግስታት ድማ፣ ከምዚ ንገዛኢ እስራአል ነታንያሁ ጸሚዶሞ ዘለው፣ነዚ ድያብሎስ ኤርትራ ድማ ዝገንሑሉን ዝግስጹሉን፣ ከሲሶም  ንቤት ፍርዲ ኣንጠልጢሎም ዘቕርቡሉን ዓመት ይኹነልና።

እወ፤ ህዝቢ ኤርትራ ብጭፍራ ህግደፍ ተዳሂሉ ተስፋ ኣይቆርጽን እዩ እሞ፣ ዕርበተ ጽሓይ ጭፍራ ህግደፍ፣ንህዝቢ ኤርትራ ዓመተ ምትእኽኻብ፣ ዓመተ እልልታ፣ ዓመተ ስኒት፣ ዓመተ ኢሂን ምሂንን ከምዝኸውን ራእዪን ሕልምን ነፍሲወከፍ ኤርትራዊ እዩሞ፣ ነዚ ጋህዲ እተተገብር ዓመተ 2017 ድማ  ትኹነልና።

ክንደይኳ ንመን ኢሉዎ! ዕድመን ጥዕናን ይሃበና እንበር፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝወርድ  ኣርማጌዶንሲ ኣየርኤና! እዩ ዘብል። ውድቀት ህግደፍ ድማ ሓደ ምዓልቲ ብፍላይ ኣብዛ ዓመተ 2017 ብዓይንና ክንርእዮ ኢና። በትሪ ሙሴ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን እያሞ፣ እቲ ትእምርቲ በትሪ ኣግኣዝያን ብግብሪ ከነርክበሉ እቲ ኣምላኽ ምሴን ህዝቢ ኣግኣዝያን ግድነት ክሕግዘና እይ። እሜን ንብስራት ኢልና ከነበስረኩም እንደልዮ ነገር እንተሎ ድማ፣ ምምሕያሽ መርበብ ደቀባ-ደቂ ኣግኣዝያን ኢልና ከምዝቐየርናዮ ልንሕብረኩም ከሎና ባህ እንዳበለና እዩ።

መርበብ ደቀባት ድሕሪ ምምሕያሹ ኣብ ምሉእ ዓለም ብኣሽሓት  ዝቝጸሩ ተኻታተልቲ ይዓስሉዎ ከምዘለው ከነበስረኩም ንደሊ። ርግጽዩ ከምኡ ከምዝኸውን ድማ ዝተጸበናዮ ትጽቢት እዩ። መርገጽና ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መገዲ ባቡር ደቅስ ስለዝኾነ፣ ብዝከኣለና መጠን ኣብ ታሪኽን መርትዖን ዝተመስረተ ሓበሬታ ክንዝርግሕ መብጽዓ ንኣቱ። ሎሚ “ንስኻ ትግራዋይ” ንስኻ ኤርትራዊ” ንስኻ ኣስላማይ: ንስኻ ከኣ ክርስትያን” እንዳበልና ንፋላለየሉ መድረኽ ኣብቂዑ እዩ። እግኣዝያንን ክንብል ከሎና ኩሉ ትግሪኛን ትግረን ብሌን ይኹን ዓረብኛ ዝዛረብ ህዝቢ ምኻኑ  ኢና ንኣምን። ኣብ ህግደፍን ወያኔን ዘሎና መርገጽ ግና ካብቲ ማንም ደላይ ነጻነትን ሰላምን ዝጽበዮ ህዝቢ ኣይፍለን እዩ። ህግደፍን ወያኔን ደቂ ኣግኣዝያን ምኻኖም ይርድኣና እዩ። ንኣምነሉ እምንቶ ከኣ እዩ። ግንከኣ ነዚ ብዓል ታሪኽን ኣማኒ ኦሪታዊ ዝኾነ ህዝቦም ንኸይጠፍእ ልቢ ክገብሩን፣ እቲ ክልተ ህዝቢ ተሳንዩ ዝነብረሉ ፍጻሜታት ክፍጽሙ ንላበዎም።

እቲ ዝጽበየና ዘሎ ጥፍኣት ሌላን ጉሌላን ዘይብሉ፣ ብፍላይ እኳድኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣግኣዝያን እዩ ዝሃምምን ዝሰርብን ዘሎ እሞ፣ እንዳ ህግደፍ እኳ እንተዓንጀሉ እቶም ህውሓት ግና ክልብሙ ንላበዎም። ኣግኣዝያን እንተድኣ ጠፊaና ግና፣እቲ ረብሓ ንረብሓ ዓመጽትን ገዛእትን መዝመዝትን ቀተልትን እምበር፣ንረብሓና ከምዘይኮነ እዝዩ ብሩህ እዩ። ስለዚ መርበብና ንመጻኢ ንኹሉ ነገደ እግኣዝያን ንኣስላሙን ክርስትያኑን ዘኣንግድ ኮይኑ ንኵቕጽል ቆሪጽና ተበጊስናሉ ኢና፣ እንዳበልና ደጊምና ንተኻታተልቲ ንበስር ኣሎና።

ርግጽዩ፣ ንሕና ደቀባት ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ ዝብል መርገጽ ቅድሚ ሎሚውን ኣይነበረናን፣ ብሕጂውን ኣይክህልወናን እዩ። ህልኽን ቅርሕንትን ምፍልላይን ጎዳኢ እምበር ሓጋዚ ከምዘይኮነ ድማ በጺሕናዮ ኢና።እወ፣ ዘይክሓድ ሓቂ እንተሎ፣ቅድሚ ሎሚ ብጽሑፋት ጥራይ ኢና ሓበሬታ ከንዝርግሕ ጸኒሕና። ካብ ሎሚ ጀሚርና ግና፣ መብዛሕትኦም ተኻታተልቲ፣ ባህጊ ምንባቦም እንዳዛሕተሉ ክኸይድ ንዕዘብ ስለዘሎና፣ በቲ እዋናዊ ተክኖሎጂ ዝተሰነየ ኣውድዪ ቪዝዋል (Youtube Video) ኣቀራርባ ገርና ከወሃህድ ዝኽእል ሓበሬታ ክንዝርግሕ ኢና። እወ፣ ነቶም ካብ ብኣምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ፣ ኣብ ከምኒ መርበብ ባዶ 3 መስከረምን ካልኦት መርበባትን፣ ጠብሎቕ እንዳበሉ ብውሕሉል ትግሪኛ፣ሃጠቀጠው ዝሓናጥጡ ግንከኣ ብግርህነት ዘይኮነ ብንቕሓት እንተድኣ ተኻታቲልካዮ፣ ውሽጡ ግናይ ፈላላዪ ዝኾነ መልእኽቲ እህግደፍ  እዩ። እሞ ነቶም ነዚ ከንብቡ ዝህንጠዩ ገርሀኛታት፣ ሓቂ ዘለልዩሉ መንገዲ ክንከፍት ክንጽዕር ተዳሊና ኣሎና። ኣምላኽ ይሓግዘና።

እወ፣ ወጊድ፣ ዝንቡዕን ፈላልዪን ሓበሬታታት፣ እወ ንሓቅን ግንከኣ ስኒትን ውህደትን ክፈጥር ዝኽእል ሓበሬታ ኢልና ተበጊስና ኣሎና። ደጊምና ክንሕብሮ እንደሊ ድማ ኣብዛ ዓመተ 2017 እዚኣ ብፍላይ ብቪድዮን ዩትዪብን ኣስተምህሮ ክንህብ ክንጅምር ኢና።መኽንያቱ ድማ ኣብ ወጻኢ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ብዙሓት ተኸታተልቲ ከም ዘለዉና ስለንርዳእ ነዞም ግዱሳት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ ቅኑዓ ሓበሬታ ከነቕርበሎም ክንጽዕር ኢና። እወ፣ ሓንቲ ምዓልቲ ተኸታተልቲ ምርካብ ደቀባት ዝኾኑ ኣካል ህዝብና፣ ነቲ ብስም ሓበሬታ ብሓሰውቲ ዝዝርጋሕ ዘሎ መደናገሪን ዝንቡዕን ጽሑፋት ይኹን፣ ብኣውድዮ ቪዝዋል ዝቐርብ መርዛም ሓበሬታን ዓኽ ጡፍ ኢሎም፣ ኣብቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ክዓስሉ ከምዝኽእሉ ጥርጥር የብልናን። ዋላኳ ሎሚ እንተደኼና፣ ጽባሕ ብግሓት ግና ህዝብና እንተድኣ ሓቂ ፈሊጡን ነቒሑን፣ ብፍላይ እኳዳኣ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለው ጸላእቱን፣ ከምኡውን ንኣብ ወጻኢ ዘሎ ገርሀኛ ህዝቢ ንምድንጋር፣ ንሶም ዝልኣኹዎም ወይጦታት፣ ከለሊ እንተድኣ ክኢሉ፣ ንሱ እዩ ሃብትና።ሓደ ምዓልቲ ድማ  ከምኡ ከምዝኸውን ንኣምን ኢና።

 

እቲ ክሳብ ሎሚ ኣሸጊሩና ዘሎ፣ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ግዳም ዝነብር ህዝብና፣ ብዝንቡዕን ዘደናግርን ሓበሬታ ይጸምም ምህላዉ እዩ። እወ፣ እቲ ብእንዳ ህግደፍ ብድምጺ ሓፋሽን ቲቪ ኤሬን ዝዝርጋሕ፣ መርዛም ሓሶት ወይከኣ ኣእምሮ ዘእጉል (ማይንድ ኮንትሮ) ከይኣኽሎስ፣ በቶም ኣብ ወጻኢ ተዋፊሮም ዘለው ሚሊሽያ ኢህግደፍ ድማ ተወሪሩ እዩ ዘሎ። እወ፣ ኣብ ብዓል መርበብ መስከረም ዝዕንድሩ ኣረገውቲ ኣናብር ኢንተርነት፣ ከምኡውን መሃንድሳት ቆየቛ ፓልቶክ ዝዝርግሕዎ መደናገሪ ሓበሬታ፣ ዝ ከም ብብዓል ጉልቡብ ሰላዪ ፎር 12ን ቅሉዕ ሰላዪ ሓጎስን፣ ፓይሎትዶ ኣሚቸዶ ገበልዶ ፍትሒዶ ዝብሃሉ፣ ግዳይ ስለላ መርበብ ዝኾኑ ኣንቆራታትን  ኣብ ክንዲ ሓናትስ ጽግዕ ኮይኖሞ ኣለው።

ስለዚ ምዚኣቶም ምምካት ብዙሕ ኤነርጂ ዝውድእ እኳ እንተኾነ፣ ንመንነትና ክንብል ግና ብጥራይ ኢድና ግንክኣ ሓቂ ሒዝና፣ እቲ ሓቅን ጭብጥን ዘለዎ፣ ግንከእ ኣብ ታሪኽን መርትዖን ዝተሰረተ ሓበሬታ፣ ብጋህድን ብዘይ ፍርሕን ስኽፍታን ክንዝርግሕ ኢና። ኣምላኽ ንህዝብናን ንዓናን ይሓግዘና ከኣ ንብል። እወ፣እዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2016፣ ነቲ ብሰንኪ ባርባራዊ መግዛእቲ ዝተፈጥረ፣ ፍልልያትን፡
ጽልእን፡ ቅርሕንትን ህልኽን፡ብልሽውናን ተማሊኣትልና እንተከይዳ እኳ ዓቢ ሓገዝ እንድዩ።

ዓወት ነጻነትን ግቡእ ሰብኣዊ መሰልን ንህዝቢ ኣግኣዝያን!ስለዚ ምዚኣቶም ምምካት ብዙሕ ኤነርጂ ዝውድእ እኳ እንተኾነ፣ ንመንነትና ክንብል ግና ብጥራይ ኢድና ግንክኣ ሓቂ ሒዝና፣ እቲ ሓቅን ጭብጥን ዘለዎ፣ ግንከእ ኣብ ታሪኽን መርትዖን ዝተሰረተ ሓበሬታ፣ ብጋህድን ብዘይ ፍርሕን ስኽፍታን ክንዝርግሕ ኢና። ኣምላኽ ንህዝብናን ንዓናን ይሓግዘና ከኣ ንብል። እወ፣እዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2016፣ ነቲ ብሰንኪ ባርባራዊ መግዛእቲ ዝተፈጥረ፣ ፍልልያትን፡  

ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት-ኣግኣዝያን

07.01.2016 ዓ.ም.ፈ.