ክቡራት ተኸታተልቲ!!

ንጉዳይ ባህሪያዊ ጸጋታትናን ምትእትታው ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ዝምልከት ዘዳለኹዎ ጽሑፍ ንግዚኡ ኣወንዚፈ፡ ከምቲ ልሙድ ገለ እዋናዊ ዛዕባታት ስለዘለው ንሎሚ ኣቐዲመ ክፍንወልኩም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት… ብዛዕባ ሕማም ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈለለዩ መዓኽናት ዜና ክቃላሕ ቀንዩ ኣሎ፡፡ ብርግጽ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ንዓመታት ብሕዱር ሕማማት ጸላም ከብድን ዋሕዲ ሽኮርን ክሳቐ ጸኒሑ’ዩ፡፡ ብሰንኪ እዘን ሕዱራት ሕማማቱ ኣብ ቀጻሊ ሰንከልከል ዝርከብ ኢሳይያስ፡ ኩሉ ግዜ ካብ ቤ/ጽሕፈቱ ምስ ዝተርፍ፡ ኣብ ኩብረራ ዓዲሃሎ ምስዘይረአ፡ ገለ ዑዶታት ምስዘይገብርን ኣብ ኤረ ቲቪ እንተዘይተረኣዩን፡ እቶም ብጀካ ውልቃዊ ገምጋምን ናይ ርሑቕ ሓበሬታን ካልእ ምንጪ ዘይብሎም ገለ ሚዲያታት አእግሩ እንዳሰዓቡ፡ ፈለማ ዜና ሕማሙ፡ ቀጺሎም “ኢሳይያስ ሞቱ” እንዳበሉ ክዛረቡ ምርኣይን ምስማዕን ዳርጋ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ’ሎ፡፡ ንኣባጓይላ ጥፍኣት ሞት ምምናይ ዋላ ነውሪ እንተዘይኮነ፡ ምስ ገለ እዋናዊ ትርእዮታት ኣሲኒኻ ዘይኮነ ሓበሬታ ንህዝቢ ምቅላሕ ግን ዘይሓላፍነታዊ እዩ፡፡ ስለዚ ትንፋስ ኢሳይያስ ክትሓልፍ ዘይተርፍ ስነሞጎታዊ ሓቂ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣድሂብኩም እትነጥፉ መዓክናት ሚዲያ ኢሳይያስ ካብ መዓክናት ዜና ህግደፍ ስለዝረሓቐ ኣብ ዓዲሃሎ ስለዘይተርኣየን መሰረት ብምግባር ሕማሙን ሞቱን ካብ ምእዋጅ እንተትቑጠቡ ዝሓሸ ‘ዩ፡፡ እቲ ምንታይሲ ዜናታት ሞት ኢሳይያስ፡ መናውሒ ዕድመ ጉጅለ ህግደፍን፡ ዘይተኣማንነት ሚዲያታት ደለይቲ ፍትሒን የስዕብ ስለዘሎ፡፡ ብዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ እውን ኢሳይያስ ጥዕና ኣይረኸበን፡፡ ብፍላይ ሕማም ጸላም ከብዲ ዚያዳ ስለዝሃሰየቶ ምክትታላት ሓካይም ኣይተፈለዮን፡፡

ጥዕና ኢሳይያስ ንክፉእ ዘብጽሕ ስለዘይኮነ ካብ ምድዋል ቴሌፎንን ትእዛዛት ምውራድን’ውን ኣይተፈለየን፡፡ መብዛሕትኡ ስርሓት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ድማ፡ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ጀነራል ስብሓትን የማነ ገብረኣብ (ማንኪን) ክዓይዎ ጸኒሖም፡፡ እምበኣር ከስ ንሎሚ “ብቐንዲ ወኪል” ፕረሲደንት ዝኾነ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ዝተዘርግሑ እዋናዊ ሰርኩላራትን መምርሒታትን ከምዚስዕብ ከቕርበልኩም፡፡

  • ስርኩላር ወሰኽ ደሞዝ

ኣፈኛታት ህግደፍን እሙናት ኣልገልቱን ኣብዝሓለፈ ቅንያት ከምተዓዘብኩምዎ፡ ነጋሪት ወሰኽ ደሞዝን ምንካይ ዋጋታት ነዳድን ክሃርሙ ቀንዮም፡፡ ከምቲ ልሙድ “መንግስቲ መስተርሆት ህዝቢ ንምፍጣርን ከም ኣካል ቅርጡው መደባት ልምዓታዊ ፖሊሲታትን” እንዳተብሃለ፡ ክጉስገሶሉ ዝቐነየ ጉዳይ ወሰኽ ደሞዝ፡ ኢሳይያስ ንሓድሽ ዓመት 2016 ኣምለኪቱ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “2016 ልዕሊ ኩሉ ዋኒን ወሰኽ ደሞዝን ምጽፋፍ ሚዛን ብቕዓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝፍጸመላ ዓመት ክትኮውን ኢያ” ኢሉ ንዝተዛረቦ መጽብዓ ንምፍጻም ዝተተግበረ ሓደ ካብቶም ብሉያት መናውሒ ዕምሪ ስልጣን መምርሒታት ኢዩ፡፡ ያኢ ንኹሉ ዜጋ ብርትዓውነት፡ ዘርብሕ ወሰኽ ደሞዝ ክትግበር ዝጸልእ ዋላ ሓደ ዜጋ የለን፡፡ እንተኾነ “ካብያ ዘገልገለስ ሚሐ ዘቕበለ” ከምዝብሉዎ ለባማት ብዙሕ ዝተሃውተተሉ ብጀነራል ፍሊጶስ ዝወረደ እዋናዊ መምርሒ ወሰኽ ደሞዝ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ምስ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ዝስዕብ’ዩ፡፡

ርእሲ፡ ሓድሽ ወሰኽ ደሞዝን ዝርዝር ኣፈጻጽምኡን

ናብ፡ ኩለን ኣካላት መንግስትን ሓይልታት ምክልኻልን

መንግስቲ ኤርትራ ንዓመታት ተወንዚፉ ዝጸንሐ ጉዳይ ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምፍታሕ ልዑል ጠመተ ሂቡ ዘይተሓለለ ጻዕርታት ኣብ ምትግባር ይርከብ፡፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ብዘጽደቖ ውሳነ መሰረት እንሆ ካብ ወርሒ 7/2015 ጀሚሩ ዝሕሰብ ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምስ ዝርዝር ኣፈጻጽምኡ ዕላዊ ጌሩ ኣሎ፡፡” ብምባል ዝጅምር‘ዚ ሰርኩላር ኣብ ትሕዝቶታቱ ኣፈጸምቲ ኣካላት መምርሒ ወሰኽ ደሞዝ ኢሉ ዝረቑሖም ኣካላት መንግስቲ፡ ቤ/ጽ ፕረሲዳት ጨንፈር ምምዕባል ጸጋ ሰብ፡ ጨንፈር ምምሕዳር ሚኒስትሪ ፋይናንስን ስታፍ ምምሕዳር ሚ/ሪ ምክልኻል ‘ዮም፡፡

ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶታቱ እዚ ተገይሩ ዘሎ ወሰኽ ደሞዝ “ናይ መወዳእታ ዜኮነስ ክሳብ እኹል ምጽፋፍ ዝግበር ዝተኣታተወ” ምኻኑ ብምሕባር

ሀ) ትሕዝቶታት ኣፈጻጽማ ወሰኽ ደሞዝ ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል

  • ሓድሽ ወሰኽ ደሞዝ ዝተፈቕደሎም ሕግን ስርዓትን ኣኽቢሮም ግቡኦም ኣብ ምፍጻም ዝርክቡ ካብ 1ይ – 29 ዙርያ ዝርከቡ ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት ቅድሚ ሕጂ መበገሲ ክሳብ 800 ናቕፋ ደሞዝ ዝወስዱ ንዝነበሩ ብማዕረ 1,800 ናቕፋ ክኾውን ተወሲኑ’ሎ፡፡

  • ቅድሚ ሕጂ መበገሲ ደሞዞም ካብ 1,156 ንላዕሊ ዝወስዱ ዝነበሩ ካብ ምክትል ተለንተ ክልተ (2) – ንታሕቲ ንዘለው ኣባላት እውን ክሳብ “ግድምንኦም፡ ሓላፍነቶምን መዓርጎምን ዝምጥን” መጠን ደሞዝ ዝውሰነሎም ከምቶም ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት መበገሲ ደሞዝ ብማዕረ ናብ 1,800 ናቕፋ ክብ ኢሉ ኣሎ፡፡

  • ካብ ምክትል ተለንተ ሓደ (1) ንላዕሊ – ናይ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ገዳይም ተጋደልትን ወሰኽ ደሞዞም፡ ኣብ መስርሕ ምጽፋፍ ስለ ዝርከብ፡ በቲ ዝጸንሐ መጠን ክቕጽል ተወሲኑ ኣሎ፡፡

  • ብተመሳሳሊ ብጻውዒት መንግስቲ ብምሕረት ዝተመልሱ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ጸብጻባቶም ብተመላለስቲ ዝተተሓዙ፡ ኩብሉላትን ስድራ ስውኣትን ዝምልከት መጠን ደሞዝ ግቡእ መጽናዕቲ ተገይሩ መዓልቦ ክሳብ ዝግበረሉ በቲ ዝጸንሐ መመርሒ ይቕጽል… ዝብሉ ዝርዝር መምርሒታትን ካልኦት ተለቀብቲ ሓሳባትን ዝሓዘ ብ6 ገጻት ዝተዳለወ ሰርኩላር ቤ/ጽ ፕረሲዳንት፡ ብተወሳኺ ካብ ወርሒ 9/2016 ጀሚሩ፡ ኣብ ሃገራዊ ግቡእ ንዝተሰውኡ ኣባላት ስድራቤት ክኸፈል ዝጸንሐ 5,000 ናቕፋ ናብ 10,000 ናቕፋ ክብ ክብል ከምዝተወሰነን እዚ ሓድሽ መምርሒ ዶብ ክሰግሩ ሞት ንዘጋጥሞም ከምዘይምልከት የነጽር፡፡

  • “ምምቕራሕ ወሰኽ ሓድሽ ደሞዝ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ክፋል ድማ፡ ዝርዝር ኣፈጻጽማ ወሰኽ ደሞዝ ብኣሃዛዊ መልክዕ የነጽር፡፡ ብመሰረት እዚ ከኣ እቶም ደሞዞም ናብ 1,800 ናቕፋ ክውስኽ ዝተፈቕደሎም ኣባላት ስርዓተ ክፍሊቶም ከምዚስዕብ ‘ዩ፡

  • 610 ናቕፋ ብተቖራጺ ንስድራቤት ክተሓዝ፡ ስድራ ንዘይብሉ ኣብ ባንኪ ክውህለሉ

  • 300 ናቕፋ ብተቖራጺ ንሎጂስትክሳዊ መዓላ (ወትሃደራዊ ልባስን ወርሓዊ መቑነንን) ክተሓዝ

  • 224 ናቕፋ ንግብሪ መንግስቲ

  • 180 ናቕፋ ንመስርሒ መንበሪ ገዛ

  • 100 ናቕፋ ንመመቕርቲ

  • 90 ናቕፋ ንጥሮታ

  • 5 ናቕፋ ንደበስ ስውኣት

  • 10 ናቕፋ ንስፖርት

  • 3 ናቕፋ ንኣባልነት ህግደፍ ተቐናናሲ ኮይኑ ንነፍሰ ወከፍ ኣባል ወርሓዊ ኣብ ኢዱ 278 ናቕፋ ክወሃቦ ተወሲኑ ‘ሎ፡፡

ገና ብኣግኡ ምስ ወሰኽ ደሞዝ ብምትእስሳር ሕቶታት ሰራዊት ከምዚዛይድ ስለ ዝተገመተ ወኪል ፕረሲደንት ጀነራል ፍሊጶስ፡ ንኹሎም ኣዘዝቲ ግንባራት ንሕቶታት “ሰራዊት ብምኽንያት ወሰኽ ሓድሽ ደሞዝ” ክወሃቡ ዝግበኦም መልስታት ሓቢሩ ኢዩ፡፡ ብመሰረት እዚ ከኣ ኣዘዝቲ ግንባራት ብሰንሰለት ኣብ ትሕቲኦም ናብ ዝርከቡ ኣዛዘቲ ኣመሓላሊፎምዎ’ዮም፡፡ ጀነራል ፍሊጶስ ብዘውረዶ መምርሒ መሰረት

  • ምስ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክፍሊት ብምንጽጻር፡ ማለት ኣብ ኢዶም ካብ 669 ክሳብ 1,156 ናቕፋ ዝበጽሖም ዝነበሩ ኣባላት ምስቲ ሓድሽ ክፍሊት (278 ናቕፋ) ከልዕልዎ ንዝኽእሉ ሕቶታትን ስሚዒታትን ንምብዳህ “መንግስቲ ሓሻሺ ባህሪ ሰራዊት ብምርዳኡ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዓውደ ግንባር ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ካብ ንሳሙና ዝሓለፍ ወጻኢታት ስለይብሎም፡ ብሓልዮት መንግስቲ ማሕበራዊ ፍታሕ ንኽሰፍን ንዓመታት ዘይተመለሰሎም ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ንኽምልስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኻኑ ንኽኣምኑ ኣድላይ ጎስጓሳት ክካየደሎም” ኣዚዙ፡፡

  • እቶም ኣብ ሓድሽ ወሰኽ ደሞዝ ዘይኣተው፡ ካብ ተለንተ ሓደ (1) ንላዕሊ ዝርከቡ ሓለፍትን ገዳይም ተጋደልትን ምስ ክሕድርዎ ዝኽእሉ ጽልዋታትን ስምዒታትን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ቀረባ “ትር ጉም ዘለዎ ሞሳ” ከም ዝግበረሎም ክሕበሮም ብምግባር ከተሃዳድእዎም ከምዝግባእ መምርሒታት ኣውሪዱ ኣሎ፡፡

        ለ) ግብረ መልሲ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ንሓድሽ ወሰኽ ደሞዝ

ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ህዝባዊ ግንባር፡ ሓድሽ መምርሒታትን ውሳነታትን ንታሕቲ ከውርድ እንከሎ ብዛዕባ እቲ ዝወረደ ውሳነታት ኣምልኪቱ ዝሰዓበ ሕቶ፡ ርእይቶ፡ ምዕዝምዛማትን ስምዒታትን ብወግዓዊን ዘይውግዓዊን ኣገባባት የተኣኻኽብ እዩ፡፡ ንጉዳይ እዋናዊ ወሰኽ ደሞዝ ኣመልኪቱ ካብ ጸብጻባት ዝምልከቶም ሓለፍትን ተጸናጸንትን ዝተኣኻኸበ ግብረ መልሲ ብቐጥታ ናብ ጀነራል ፍሊጶስ ክብጽሕ ተገይሩ እዩ፡፡ ብሓፈሻ እቲ ብዙሕ ነጋሪት ዝተሃርመሉ ወሰኽ ደሞዝ ከምቲ ዝተደለየ ዓይነት ውጽኢት ከምዘይተረኸቦን፡ ብኣንጻሩ ኣብ ሰራዊት ሓያል ቁጠዐን ነድሪን ከምዘስዓበ ዝገልጹ ግብረ መልስታት ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻልን ቤ/ጽ ፕረሲደንትን ተላኢኾም ኣለው፡፡ ገለ ኣብነታትን ተርእዮታትን ዝስዕቡ ‘ዮም፡፡

  • ዳርጋ ኣብ ኩለን ኣሃዱታት በቢጽፍሑ፡ ኣብ ዝተኻዱ ኣኼባታት ነቲ ሓድሽ ወሰኽ ደሞዝ ከም ዘይተቐበልዎን ብፍላይ ከኣ ኣብ ምምቕራሕ ዝተወስደ ውሳነታት ከቢድ ሕርቃን ከምዘስዓበ ብምግላጽ ዘይንጹር፡ ዘይቅርጥው፡ ርትዓውነት ዝጎደሎ ወሰኽ ደሞዝ ምኻኑ ብምሕባር ንዘገልገለን ዘውደልደለን ብማዕረ ዝጥምት ዝንቡዕ ውሳነ ምኻኑ ተገሊጹ፡፡

  • ንኩነታት ዕዳጋን ናህሪ ዋጋታትን ኣብ ግምት ዘይእተወን መሰልን ዋንነት ደሞዝ ሰራዊት ዝግህስን ካብቲ ዝነበረ ብዝኸፍኡ መምርሒታት ዝተቐየደ ምኻኑ ተገሊጹ፡፡

  • ካብ ማእከልነት ብርጌድ ንላዕሊ ዝርከቡ ሓለፍቲ ሰራዊት ከምዝዘይተቐበልዎን ነቲ ዝመርሕዎ ሰራዊት ጎስጊሶም ንምእማን ሞራልን ተበግሶን ከምዝሰኣኑ ብወግዒ ሓቢሮም፡፡

  • ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ማእከልነት ቦጦሎኒ ብዚያዳ ኣብ ሓደ ህርመት ክጥሕል ዝገበረ፡ እዝን ቁጽርን ዘዛብዕ፡ ንሰራዊት ካብ ምጥርናፍ ናብ ምብትታን ዘመርሕ ውሳነ ምኻኑ ተገሊጹ፡፡

  • ብደረጃ ግንባር ብፍላይ ከኣ፡ ካብ ማእከላይ እዚ ዝተልኣኸ ግብረ መልሲ ከምዘረጋግጾ፡ እቲ ሓድሽ ወሰኽ ደሞዝ ዘለዎ ጸገማትን ዘስዓቦ ስሚዒታትን ብምትንታን ብፍላይ ኣብ ትሕትኦም ኣብ ዝርከባ ክፍላተ ሰራዊታት ልዕሊ 50 ሚእታዊት ብምሕረት ዝተመልሰ፡ 10 ሚእታዊት ተመላላሲ፡ 9 ሚእታዊት ከኣ ካብ ተለንተ ሓደ (1) ንላዕሊ ዝተመዝኑ ምኻኖም ብምሕባር እቲ ዝወጸ መምርሒ ወሰኽ ደሞዝ፡ ኣብቲ ግንባር ካብ ዝርቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ነቶም 30 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝምልከት ብዝርዝር ገሊጾም፡፡ ብተወሳኺ እቶም ኣብ ወሰኽ ዝኣተው ኣባላት እውን፡ ክብ ኢሎም ዝተገልጹ ጸገማት ኣልዒሎም ብምባል ጠቒሶም፡፡ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ዝነበረ ሜ/ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል ቻይና ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣቢሉ ብኢደ ዋኒኑ ስርሑ ክሓድግ ካብ ዝገበሮ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ፡ ምስ ፕረሲደንት ዝነበሮ ምስሕሓብ ኮይኑ (ብዛዕባ እዚ ሓደ መዓልቲ ብዝርዝር ከቕርበልኩም እየ) ብተወሳኺ “መጽብዓታቱ ዝተጠልመን ደሞዝ ዘይብሉን ሰራዊት ኣይመርሕን” ኢሉ ብወግዒ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡

  • ብተወሳኺ መሬት ክወሃበኩምን መንበሪ ኣባይቲ ብመንግስቲ ክሰርሓልኩም፡ ብዝብልን ንዓመታት ክጽበዩ ዝጸንሑ ገዳይም ተጋደልቲ መጽብዕኦም ተጠሊሙ ምስተረፈ ሕጂ ከኣ ካባና (ካብ ተራ ኣባላት) ንመስርሒ ገዛ ብዝብል 180 ናቕፋ ክቑረጽ ምግባሩ ዘይቅኑዕ ምኻኑ ብምግላጽ 180 ናቕፋ ኣብ ክንደይ ዓመት ተዋህሊሉ እዩ ገዛ ዝሃንጽ; ብምባል ሕቶታት ከምዝተልዓለ ተገሊጹ፡፡

  • ተቖራጺ ንስድራ ቤት ብምባል ዝውሰድ 610 ናቕፋ እውን፡ ሰራዊት ከይፈለጠ ብላዕሊ ምውሳኑ ዘይፍትሓዊ ምኻኑ ብምጥቃስ ነቶም ስድራ ዘይብሎም ድማ ኣብ ባንኪ ክወሃለለሎም ምኻኑ ምግላጹ “ኣሽካዕላል” ምኻኑን ልክዕ ከምቲ ኣብ 1996 ካብ ነፍሰወከፍ ተጋዳላይ ኣብ ልምዓታዊ ብርክታት ክዋፈርልኩም ብዝብል ዝተመንዘዐ 2,000 ብር (ሽዑ ብብር ስለዝነበረ) ሕጂ ‘ውን ከም ትማል ዝድገም ዘሎ ውሳነ ምኻኑ ርእይቶ ዘቕረቡ ኣባላት ከምዘለው ተጸብጺቡ፡፡

  • ከም ፍሉይ ተርእዮ ኣብ ትሕቲ ምዕራባዊ እዚ ዝርከባ ገለ ኣሃዱታትን፡ ኣብ ማእከላይ እዚ ዝርከባ ሜካይዝድ ኣሃዱታት 42ን 49ን ከምኡ እውን ፍሉይ ሓይልታት 84 ንወሰኽ ደሞዝ ኣምልኪቱ ኣብ ዝተወሃበ መግለጽታት ተሳተፍቲ ብዝሓደሮም ቁጠዐ ማዕረ ዝኽረ ሰማእታት ከይገበሩ ከምዝተባታተኑ ኣብ ጸብጻባት ግብረ መልሲ ሰፊሩ ኣሎ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ከምቲ ባዕላቶም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝገለጽዎ እቲ ብዙሕ ዝተሃውተተሉ መሳርዕ ሰዓብቲ ህግደፍ ብውቅብ ቃላት ከጸባብቕዎ ዝቐነዩ “ጉዳይ ወሰኽ ደሞዝ” እውን ሓደ ካብቶም ን25 ዓመታት ዘይተተግበሩ ብሉያት ሜላታት መናውሒ ዕምሪ ስልጣን ህግደፍ መጽብዓታት ምኻኑ፡ ዛጊት ተጋሂዱ ኣሎ፡፡ ብዙሕ ከየስልክየኩም ምስ ወሰኽ ደሞዝ ለጊቦም ኣብዚ ቅንያት ዝተርኣዩ እዋናዊ ጉዳያት ወሲኸ ጽሑፈይ ክዛዝም፡፡

ካብቶም ኣብዚ ዘመነ ውራውራ ዝትግበሩ ዘለው፡ ናይ ሃታ ሃታ መደባት ሓደ ዓቕሊ ጽበት ዘንቀሎ ተኽሊጥን ምቅይያራት ሓለፍትን ኮይኑ ኣብዚ ቅንያት ድማ ዘስደምም ምቅይያራት ሓለፍቲ ተኻይዱ ኣሎ፡፡ ሜ/ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል ቻይና ብኢደ ዋኒኑ ምስ ራሕረሖ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ብዘይ ኣዛዚ ዝጸንሐ እዚ ማእከል፡ ካብ ተወርዋሪ እዚ ብርጋዴር ጀነራል ሓድሽ ኢፍሬም ተሳሒቡ ኣዛዚ እዚ ማእከል ኮይኑ ተመዚዙ ኣሎ፡፡ ንቦትኡ ክትክእ ከኣ ስራሕ ፈቲሑ ፈቐዶ ባራት ክዛውን ዝጸንሐ፡ ብ/ጀነራል ፍጹም ገብሪሂወት (ወዲ መምህር) ተሳሒቡ’ሎ፡፡

ጉርሕን ሽርሕን ኢሳይያስ ንዘይርዳእ ሰብ ምናልባት፡ እዚ ጉዳይ ተራ ምቅይያር ሓለፍቲ ክመስሎ ይኽእል፡፡ እቲ ሓቂ ግን ብ/ጀነራል ሓድሽ ኢፍሬም ናብ እዚ ማእከል ክምደብ እንከሎ ኣብ ትሕቲኡ ካብ ዘመሓድሮም ሕዱር ጽልኢ ዘለዎምን፡ ብግድምና ወይ ብብቕዓት ካብ ዝበልጽዎ ሓለቓ ስታፍ ማእከላይ እዚ፡ ብ/ጀ ስምኦን ዕቕቡ (ርእሲ ምራኽን) ኣዛዚ ክ/ሰ 19 ብ/ጀ ጸሃየ ካሕሳይን (ሂላል) ንክጸናጸን ኮነ ተባሂሉ ዝተገብረ ውዲት ምኻኑ እዩ፡፡ ገና ብኣግኡ ከኣ ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ምስሕሓብ ተጓሃሂሩ ኣሎ፡፡ (ብዛዕባዚ ተኸታቲለ ከቕርበልኩም እየ)

ብተወሳኺ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈቱ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝደኮነ እዚ ምብራቕ፡ ንብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘስደመመን ዘስሓቐን ምቅይያራት ተኻይዱ ኣሎ፡፡ መዋእሉ ጫት ክበልዕን ትንባኾ ክሰፍፍን ዘሕለፈ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ዑሞር ካሪካረ፡ ኣብ መብል 79 ዓመቱ ተወሳኺ ስልጣን ተመጢውሉ ኣሎ፡፡ ካሪካረ ኣብ ሜዳ ዝነበሮ ኣበርክቶ ዘይናዓቕ ዋላ እንተነበረ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተመደበሉ ሓ/ባሕሪ ዝዕመሙ ስርሓት ብቐንዱ ምስኡ ብዝተመደቡ ሓላቓ ስታፋት ከም በዓል ብ/ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህርን) ኮ/ል መልኣከ ተስፋማርያም (ወዲ ፊውቶራሪን) ክዕመሙ ብምግባር ኮነ ተባሂሉ ስኒ ዘይብሉ ኣንበሳ ክኾውን ተገይሩ’ዩ፡፡

ዕለታዊ እቶቱን ጫቱን እምበር ካልእ ጉዳይ ዘይዓጦ ካሪካረ፡ ዕለታዊ ፒሲ 51 ተባሂላ ትጽዋዕ ጃልባ፡ ናብ የመንን ጁቡትን እንዳለኣኸ ማእለያ ዘይብሉ ጫት ዓዲጉ ንባዕሉን ንነብርቲ እቲ ከባቢን ክጸልውን ከማእዝኑን ንዝኽእሉ ገለ ዜጋታት (መካባና ወይ መራሕቲ ቀቢላታት ዓፋር) እንዳ ዓደለ ስማዊ ኣዛዚ ሓ/ባሕርን ኣባል ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ጸጋታት ባሕሪ ኮይኑ ብምጽናሕ፡ ኣብዚ ቅንያት ከኣ ኣብ ከባቢታት ዓሰብ ብምትእታው ኪዳን ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ህዝቢ ዓፋር ዝሰዓበ ምዕዝምዛማት ንምትህድዳእ፡ ብተወሳኺ ኣዛዚ እዚ ምብራቕ ኮይኑ ከም ዝተሾመ ዝገልጽ ደብዳቤ ኣብ ቤ/ጽሕፈቱ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ጫት መኣዲ እንከሎ በጺሑዎ ኣሎ፡፡ መስደመም ግብረ ተንኮል ዕሉል ኣባጓይላ ኢሳይያስ ዋላ ኣብ ዓራቱ እንከሎ ብኸምዚ ዓይነት መገድታት ኣብ ምቅጻል ይርከብ፡፡

ካልእ ጽሑፋት ኣወንዚፈ፡ ሎሚ ብእዋናዊ ዛዕባ ዝፈነውኩልኩም ሓበሬታ ከጠቓልል እንከለኹ፡ ንእዋናዊ ኣሽካዕላል “ወሰኽ ደሞዝ” ኢሳይያስ ኣመልኪተ፡ ምስ ሓደ ተዘክሮይ ኣተኣሳሲረ ጽሑፈይ ክዛዝም፡፡ ይዝከረኒ ብ20 ግንቦት 1993 “ባዶ ካዝና ስለዝተረከብና ተጋደላይ ን4 ዓመታት ብዘይደሞዝ ክጸንሕ ኢዩ” ዝብል ኢሳይያሳዊ መምርሒ ምስ ወረደ፡ ጅግና ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ ገና ብኣግኡ ነገር ነዚ ዕሉል ጸላኢ ህዝብና ዝኾነ ውልቀ ሰብ ተረዲእዎ ግዲ፡ ከካብ ኣሃዱታቱ ተኣኻኺቡ፡ ብእዝኑ ወጢጡ ናብ ችቸሮ ወሲዱ ከፋጥጦን ውሳንኡ ከቕይሮን ኪኢሉ፡፡ ተንኮለኛ ኢሳይያስ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብ ሞንጎ ኣብጋገስቲ ሕምብርጅሉ ኣእቲዩ፡ ፍርቆም ኣደስኪሉ፡ ንገሊኦም ሓዬሩን ኣሕቂቁን ነቲ ዘንጸላለዎ ሓደጋ ብዙሕ ከየድሃብናሉ ኣሊዩዎ፡፡ ሎሚ ከኣ ድሕሪ 23 ዓመታት ካብኡ ዝበኣሰ ጥልመት ተፈጺሙ፡ ህዝብና ወናኒ ታሪኽ ብርሰት፡ ስደት፡ ሞትን ውርደትን ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ንዓመታት ዝተደጎለ ሕቶ ደሞዝ ሰራዊት ብኸምዚ ዓይነት ብሉይ ኢሳይያሳዊ ኣሽካዕላል ክምለስ እንከሎ፡ ኣበይ ደኣ ኣለኻ ኣንታ መንእሰይ??? ውላድ ናይቶም ትማል ምእንተ ናጽነት ዘይንሶም መሲሎም ኣስመራ ዝኣተው፡ መሰሎም ክገሃስን ሕቶኦም ምስ ዘይምለስን ንኣባጓይላ ብትብዓት እዝኑ ወጢጦም ናብ ባይቶ ናይ ዘቕረቡ ውላድ ናይ’ቶም ጀጋኑ ደቂ ኤረ ‘ዶ ኣይኮንካን???