እዚኮ ክውሕዶም!! እታ ሓለንጊ ተንቤናይ ግንከኣ ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሰያስ፣ ክሳብ ኣብ ርእሶም ትመጾምን ተረኻኺበሎምን፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ደቀባት ማእለያ ዘይብሉ ገበናት ክፍጽሙ ክሳብ ዝኣርጉ እኮ እዮም ጸኒሖም። ሓቂዶ ሓሶት? እወ፣ ብዓል መጀር ጀነራል ኣስመሮም ገረዝጊሀርስ እኮ ሎምስ ደቂ 80 እዮም ኮይኖም። ይኣይ ካብ ዝብእስ ዓጽሚ! ክብልዓለይ!

መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ። ሕጂ ግና እታ ኩርማጅ ወዲ ኣሉላ ጎይትኦም ተንቤናይ ኣብ ነብሶም ተንጾላሉ ኣላ። ነዚ ንኽፍጽም ከኣ እዩ እቲ ተንቤናይ ኣብ መበል 26 ብዓል እዮበልዩ ነጻነት ተጠሊዑ “ካብ ሎሚ ሓዲሽ ስርርዕን ውደባን ህግደፍ ክግበር እዩ”  ዝበለ። እወ፣ ነዚ መደብ ዕዮ እገዳ ኮራኹሩ ንምትግባር እምበር ካልእ ድኣ ካብ ኢሰያስ እንታይ ትጽበዩ? ካብ ዝብኢዶ ዓጽሚ?! ግድነት እምበር ከምቲ መደብ ጎትይቶቱ ንውድብ ህግደፍ ንምሕቃቕ! ሓቂዶ ሓሶት?  ሕጂዶ ይሕይሽ ! ተለኻኺምካ ዕርበት? ኢሰያስ ደኣ ፣ ንሰለሙን ወልደማርያም ወዲ ዓዲ ተኽላይ 7 ደቀተሽም 8ናዮም ሙሳ ሓማሴናይ፣ ዋና ሰውራ፣ ንኣብራሂም ዓፋ ክኢላ ቅዲ ኲናትን  ስትራተጂን፣ ነቲ ኣቡኡ ዘይፍለጥ ጸማቚት ስዋ ኣዲኡ ብዓልቲ ዓድዋ ግና “ናይዝጊ ወዲ ክፍሉ!” ኢላ ዘጠመቐቶ፣ ግንከኣ ብገበን ብጻዩ ንእሰያስ፣ እኳ ኣብ ኤርትራ ንኸይቅበር ዝኣገደስ፣ ንዓኹም ብዓል ክናናን ምናናን ክንሕፍ ኢልኩም ትሓልሙን ተስፋ ትገብሩን ኣንተሊኹምስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ምሕላፍ ማለት ጥራይ እዩ።

እዚኦም ክናናን ምናናን ድኣ ብዓል ጴጥሮስ ሰለሙን፣ ወዲ ለጎጭዋ ሓማሴን፣ በራኺ ገብረስላሴ ወዲ ሽማንጉስ ታሕታይ ድንበዛናይ፣ ሓማሴን፣ ሃይለ ገብረትንሳኤ (ድሩዕ) ወዲ መረታ ኣከለጉዛይን፣ ብርሃነ ገብረእግዚኣቢሔር ወዲ መራጉዝ ሰራየን፣ ቢትወደድ ኣብርሃ ወዲ ተኸላ ሰራየን፣ መሓመድ ሸሪፎ፣ ወዲ ዓሳውርታ ኣከለጉዛይን፣ ጀርማኖ ናቲ ወዲ እቲ ሎሚ ወርቂ ዝሕፈሶ ዘሎ መሬት ኩናማን ናራን፣ ጋሽ ሰቲት፣ ወዘተ. . .በቲ ተንቤናይ ተመናይ ክምቁሑ ከለው፣ እሞ ከኣ ብዘይ ፍርዲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዒራዒሮ ክምሽምሹ ከለው፣ ከጣቕዑ ከምዘይሓገዩን ከረሙን፣ ሎሚ ከኣ “ኢድ ጸናሒት ሸናሒት” ! ንርእሶም ኣርኪባቶም።

ሉኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ኣብቲ ኮብሊሉዎ ዘሎ ቊሸት ዓዲሃሎ ኮይኑ ጥራይ፣ ነቶም ክፍሊ ስለላን ኮለላን፣ ንኣብነት ነቲ ብዕራይ ስታላ ፍሊጶስን፣ ነቶም ላዕለዎት ሰበስልጣናት ኮራኹሩን፣ ከም ብዓል ኣብርሃ ካሳ ወደኽሱም፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት (ሓላፊ ሃገራዊ ቤት ማእሠርትን) ስምኦን ገብረድንግል ወለዶኡ ዘይተጻረየ፣ ሓላፊ ህዝባዊ ድሕንነትን  (ህዝባዊ ውድቀትን) ወይከኣ ሓላፊ ኣብያተ ማእሰርቲ ከተማ ኣስመራን፣ ንክፍሊታትን ጨናፍርን፣ ኢሚግረሽንን፣ ንማእከላይ ጽፍሒ ሚኒስትሪ ምክሌኻልንን፣ ንተንቤናይ ሓላፊ ቍጠባ ሓጎስ ግብረህየትን ንሓለፍትን ኣዘዝትን፣ ጽኑዕ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ይብሃል ኣሎ። “ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራ ትጽሕጽሕ” ከምዝብሃል፣ እቶም ንወጻኢ ከይገሹ ዝተኣገዱ ላዕለዎት ሰበስልጣን እንዳ ህግደፍ፣ ካብ ኣመሓደርቲ ዞባታት ጀሚሮም ክሳብ መጀር ጀነራላት ዘለው ሰበስልጣናይት እዮም።

እወ፣ እዞም ካብ ብኣእምርኦም በኽብዶም ክሓስቡ ዝጸንሑን፣ ገናውን ቀጺሎም ዝሓስቡ ዘለውን፣ ካብ ሃገር ንኸይወጹ ዝእግድ  ሚስጥራዊን ውዲታዊን ትእዛዝ ኣማሓላሊፉሎም። ዘስደምም እዩ!! ምስኦም ድማ ሓለፍቲ ዞባ ባይቶን፣ ንኡሳን ዝባታትን ኣለውዎም ይብሃል ኣሎ። ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ዞባታትውን ከኣ ኣለውዎም። ኣብ ሚኒስትሪታት ዲይረክተር ጀነራሊትን እውን ከም ብዓል ተኽለብርሃን ምሕረትኣብ ኣለውዎም ይብሃል ኣሎ። ወኪል ሚኒስትሪታት ጨናፍር ኣብ ዝባታት እውን ካብኣቶም ኣለው። ሞያውያን፣ ከም ሓካይም ዶክቶራን ኢንጂነራትን ወዘተ. . .ከኣ እምበር ምስኦም ኣለው። እወ፣ ብግስ ኢሎም ንወጻኢ ንከይወጹን ከይገሹን ምስኦም ተኣጊዶም ኣለው።  ዘኢትነገር!!  እዞም ክናን ምናናን፣ በትሪ ኣብ ኢዶም፣ ተመንከኣ ኣብ እግሮም ከሎ ወስ ከይበሉ በዚ ሓደ ነፋጥ ተንቤናይ፣ እሞ ከኣ  ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሰያስ ይዓርቡ ኣለው።

እወ፣ ደናቚር ተወሊዶም፣ ደናቚር ዓብዮም፣ ደናቚር ምኻኖም ከይተረድኦም ግና ብደናቚሮም ይመቱ ኣለው። ዘስደም ሕሱር ታሪኽ!! እቲ ዘስደምም ድማ ክሳብታ ዝሞቱላ ስዓት፣ እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ክናናን ምናናን  ተንጠልጢሉ ዘሎ ስዉር ምስጢራዊ ምክትታልን ውሳኔ ገና እይፈለጥዎን ኣለው።

ንብዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መራኸቢ (LINK)

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 28.08.2017 ዓ.ም.ፈ.