ስለላን ኮለላን ኣብ ኤርትራ ምዓስ ተጀሚሩ?
እቶም ቀንዲ ዘወርቲ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ ትፈልጡዎምዶ?
POLETICAL_ANALY11th
እቶም ብዘይካ ንልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምሕላው፣ ንደቂ ሃገር ምእሳርን ምቕንጻልን ካልእ ስራሕ ዘይብሎም ጀነራላት “ሓዳስ ኤርትራ“፣ እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው እዮም። እዞም ጀነራላት ኢሰያስ ግንከእ ካብ ብኣእምርኦም ብሕንብርቶም ዝሓስቡ ተዛረብቲ ኣቑሑት፣ ምስቶም ክፍሊ ስለላን ኮለላን፣ ኣብርሃ ካሳን፣ ስምኦን ገብረድንግልን፣ ኮለኔል ጋይም ኮለኔል ወልደዝጊ ባህታን ወዘተ…ተላፊኖም ትእዛዛት ኢሰያስ ጥራይ ዝፍጽሙ ኣራዊት እዮም። እቲ ኩሉ ዝፍጽሙዎ ዘለው እከይ ፍጻሜታት ድማ፣ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን አርትራ ዘይኮነስ፣ መጀመርያ ወይ እልፋ፣ ዕድመ ልኡኽን ሰላዪን ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንምንዋሕ ክኸውን ከሎ፣ እወ ዕድመ ኢሰያስ እንተነውሐ ከኣ፣ ወለዶ ህዝቢ አርትራ ይጸንት ኣሎ ማለት እዩ። ድሕሪ ህልቀት ህዝቢ አርትራ ድማ እቲ ጅኦ-ስትራተጂካዊ ሕልሚ ባዕዳውያን፣ ብፍላይ እኳድኣ ሕልሚ ዓባይ ብሪጣንያ፣ እስራኤልን እሜሪካን ጥራይ እዩ። እዞም ባምቡላታት ጀነራላት ኢሰያስ ግና፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሙዎ ዘለው ኣረሜናዊ ተግባራት፣ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ እስራኤልን፣ ኣሜሪካን እንግሊዝን ብውዲታዊን ረቂቕ ሜላን፣ ተኣሊሙን ተሓንጺጹን ንኢሰያስ ከምዝቐርበሉ ኣይፈልጡን እዮም።
ስለዚ እዞም ክናናን ምናናን ሰብ ባሊቃ ጽሮራ እዚኦም ድማ፣ ግዳይ ድንቁርንኦም ኮይኖም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ረብሓ ባዕዳውያን በጃ ከምዘሕልፉዎ ዘለው ከይተሰቆሮም፣ ክሳብ ብምስማም ይኹን ብባርያዊ ሞት ዝዓርቡ፣ ትእዛዝ ሰላዪ ኢሰያስ ይስዕቡ ኣለው።
ክናናን ምናናን ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሕስቡ ጀነራላት ኢሰያስ
ብውዲት ኢሰያስ ዝተቐንጸሉ ሓርበኛታት ገዳይም ተጋደልቲ ደቂ ሃገር![]()

የማነ ኣሰገሄኝ መሸሻ (ማንኪ) ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፣ ልዕሊ ጀነራላት ኢሰያስ ኮይኑ ዝኽድም፣ ግንከኣ ዝልዓለ ስለላን ኮለላን ዘካይድ ሰላዪ መበል 21 ክፍለዘመን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ። እዚ ክፉእ ትርኢት ክናናን ምናናን ሰብዚ፣ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜሪክካ፣ ንእከይ ግብሪ ተመልሚሉ ዝተዳለወ ግንከኣ መንነቱ ክሒዱ መንነት ባዕዳውያን ዝመረጸ እዩ።
|
የማነ ኣሰርገሄኝ መሻሻ ሎሚ ብሓሶት ስሙ የማነ “ገብረኣብ” ሳጓኡ ከኣ “ህበይ” ወይ “ማንኪ” (ልክዕ ህበይ ስለዝመስል) ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብዚ እዋንዚ፣ ኣብ ወጻኢ ዘለው መንእሰያት እንዳመልመለ መተካእታ ሓዲሽ ወለዶ ህግደፍ ንኽትክእ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ሓደገኛ ጸላኢ ህዝቢ አርትራ እዩ።
|
እዚ ሰብዚ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብዚ እዋንዚ፣ ኣብ ወጻኢ ዘለው መንእሰያት እንዳመልመለ መተካእታ ወለዶ ህግደፍ ንኽትክእ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ሰባብ ሰላዪ እዩ። እዚ ህበይ እዚ እቲ ቀንዲ ሲ.ኣ.ይ.ኤ. ኤጀንት ኮይኑ፣ ካብ ኢሰያስ ንላዕሊ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ዘሎን፣ ሃገር ኣብ ዕዳጋ ዘውርድ ዘሎን ሰላዪ እዩ። የማነ ኣሰገሄኝ መሻሻ ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ገብሪኤላ፣ ዓደን ዓድዋ ኣብ ገጂሬት ኣስመራ ስዋ ጸሚቘን ድራር ዕለተን ዘእትዋ ዝነበራ፣ ብሞያ ጸማቚት ስዋ፣ እዩ ተወሊዱ። ኣብ 70ታት ንሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ተሰዲዱ። ብኢንጂነር ትምህርቲ ድሕሪ ምውዳእ፣ ኣባል ሚስዮን ጴንጠቖስጠ ኮይኑ ኣብ ከተማ ስያትል ኣሜሪካ ይዋሳእ ነበረ። ድሕሪኡ ጸኒሑ፣ ኣባል ስለላ መርበብ ሲኣይኤ ኮይኑ ተኸትበ። ብድሕሪኡ ኣባል ማሕበር ተምሃሮ ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኑ ተሰርዐ። ኣባል ማሕበር ተማሃሮ ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኑ ድማ፣ ካብቶም ቀንዲ ነታ ማሕበር ፋሕብትን ዘበሉን፣ ነቲ ፈላስፋ መንግስተኣብ ኢሳቕ ዓዱ ሕምብርቲ ሓማሴን ድማ፣ ምስ ብጻዩ ሓጎስ ገብረሂይወት፣ ተንቤናይ ሎሚ ዋና ሓላፊ ቍጠባ ህግደፍ ዘሎ፣ ተዛራርዮም ዘጽደፉዎ እዮም። ነዚ ቅንጸላ ድሕሪ ምፍጻም ድማ፣ ነቲ ብስለላ መርበብ ሲኣይኤ ዝረቐቐ መምርሒ ህግደፍ ተኾልኲሉ ብ1986 ዓ.ም.ፈ. ንሳሕል ኣተወ። ነቲ ብመሃንድሳት ሲኣይኤ ዝተሓንጸጸን ዝረቐቐን ስነሓሳብ ፕሮግራምን ህግደፍ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ኣብ ውድባዊ ጉባኤ 1987 ዓ.ም.ፈ. ዘቕረበ የማነ ኣሰገሄኝ መሻሻ (ማንኪ) እዩ። እዚ ፕሮግራም እዚ እዩ እምብኣር ሎሚ ጭፍራ ህግደፍ፣ ማለት ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ ዝምርሓሉ ዘሎ። ሎሚ ከኣ ይትግበ ኣሎ።
Recent Comments