ንሓይሊ ወይ ውድብን ሃገረ-ኣስላም (ኣይሲስ ISIS) መንዮም ምሂዞሞ? ብኣጽዋርን ስንቅን ዕጥቅን ወተሃደራዊ ስልጠናን ታዕሊምንከ ኣየኖት መንግስታት እየን ዝሕግዝኦን ዝምውልኦን? ሃገረ-ኣስላም (ኣይሲስ ISIS) ብሓቂ ንሓቀኛ ምስልምናን ንረብሓ ኣስላምን ዝቃለስ ውድብ ድዩ ወይስ ጸራጊ መንገዲ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት? ንምኻኑኸ ኣይሲስ ISIS ባዕሉ ዝሰርሖ ኣጽዋር ውግእ ኣሎዎ ድዩ? እቶም ንውድብን ሃገረ-ኣስላም (ኣይሲስ ISIS) ዝምውሉ ስዉራት ሓይልታትን መንግስታትከ ብሓፈሻ ሃይማኖት ክርስትና ብፍላይ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ካብ ሃገረ-ኣስላም ተኻላኺሉ ደው ክብልን ክጸንዕን ይደልዩ ድዮም? ኢትዮጵያን ኤርትራንከ ካብ ግዳይ ኣይሲስ ISIS ንኸይኮና እንታይ ውሕስነት ኣለወን? መራሕቲ ጭፍራ ወያንኔን ኢህግደፍንከ ካብ ፕሮጀክት ኣይሲስ ISIS ሓራ ድዮም?ወይስ ኣብቲ ፕሮጀክት እትዋት እዮም? እቲ ሙልቲ ሚልዮነር ኮይኑ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብኣማኢታት ዝቝጸር መስጊዳት ኣስላም ዘስርሕ ዘሎ ኣቡኡ ስዑዲ ዓረብ ኣዲኡ ድማ ኢትዮጵያዊት ዝኾነ ድቓላ-ዓረብ Mohammed Al Amoudi ዝብሃል ውልቀሰብ ብፍላይ ኣብታ ኣማኒት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝኾነት ሃገር ኢትዮጵያ ተዋፊሩ ዘሎ መንዮም ኣዋፊሮሞ? እዚ ሰብዚ ካብ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እስራኤልን ዓባይ ብሪጣንያን ሓራ ዘኾነ ሰብ ድዩ? ወይስ ብኣኣቶም ተመዚዙ ብባጀት መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝንቀሳቐስ ሰላዪን ኣባል ኣይሲስ ISISን እዩ?  

https://youtu.be/P-gtjaWeJGI

እቲ ካብ ሰማንያታት ጀሚሩ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብ“ኦዛማ ቢንላደን እንዳተመርሐ“፣ ግብረሽበራ ዘካይድ ዝነበረ ኣልቃሂዳ ዝብሃል “ኣኽራሪ ኣስላማዊ ሓይሊ“፣ ጸኒሑ መልክዑን ስሙን ቀዪሩ፣ ብሓዲሽ ሃገረ ኣስላም (ኣይሲስ ISIS) ዝብሃል ተጸውዖ ስም ተሰምዩ፣ ኣብታ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፕረሲደን ኣሳድ እትምራሕ ሶርያ እትብሃል ሃገር፣ ሽበራን ቅልውላውን ብምፍጻም ኣብ መንጎ 5 ዓመታት ጥራይ ክሳብ 4 ሚልዮን ህይቢ ሶርያ ክምንቊስ ከሎ፣ ካብ 2 ሚልዮን ንላዕሊ ህዝቢ ሶርያ ድማ ንስደት ኣምሪሑ። ብፍላይ ድማ ነታ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖት ክርስትያን ሶርያ፣ ምስ ቅዱስ ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያንን ኣዕንዩ። ማኣለያ ዘይብሎም ካህናታን ኣቡናታን ድያቆናትን ፈለስትን ድማ ቀንጺሉ ኣጽኒቱን። እዚ ኩሉ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ህዝበክርስትዛንን ሓርበኛ ህዝቢ ሶርያን እናተፈጸመ ከሎ ግና መንግስታት ኣሜሪካን እስራኤልን ዓባይብሪጣንያን ኤውሮጳ ሕብረትን ብየዝተኣደነ ኣጽዋር ክምውልኦ ጸኒሐን። ድሕሪ 5 ዓመታት ኣራባራብ ግና፣ እቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝኣምን መንግስቲ ሩስያ፣ ሕጂስ ይኣክል ብማለት ብነፈርቱን ከቢድ ብረት ኣጽዋሩን ጉልባብ እንዳገበረ ምስ እግረኛ ሰራዊት መንግስቲ ሶርያን ተላፊኑ፣ መኪቱ ሕቘኡ ስለዝደሰቖ ለሚሱ ተሪፉ። ኣብዚ ድማ  ብፍላይ ፕሮጀክት ጽዮናዊት ዓባይ እስራኤልን፣ ጽዮናዊት ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኤውሮጳ ሕብረትን ንግዜኡ ፈሺሉ። ኣይሲስ ከኣ ለሚሱ። ግን ከኣ ፕሮጀቱን ዓላምኡን ደው ኣየበለን። ሓይሊ ሩስያን ኢራንን ምስኣልመሶን ኣዳኸሞን፣ እቲ ተረፍመረፍ ነቲ ፕሮጀክት ምዕራባውያን ብቐጻሊ ንኽፍጽም፣ ካብ ሶርያ ሃዲሙ ንሰሜን ኣፍሪቃ ሊብያን ግብጽን ካባኡ ቀጺሉ ድማ ንናይጀርያን ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኽዓርድን ንሃይምኖት ኦርቶዶክስ ክዕኑን ተበጊሱ ኣሎ። ናይ ሞት ዘይኮነስ ናይ ሕልፈታት ብኸዩ! ከምይብሃል፣ መስኪን ክርስትያን ህዝቢ ኢትዞጵዛን ኤርትራን እምብኣር እቲ ቅድሚ ሎሚ ዘሕለፎ፣ ኲናት ግራኝን ቱርክን ወራር ግብጽን ማህድን ከይኣኽሎ ሎሚ ከኣ ሓዲሽ ወራር ተመዲቡሉ ኣሎ።

ኣስተብህል፣

ጭፍራ ህግደፍን ወያኔን ነዚ መደብ ዕዮ ግብረ ሽበራ ሃገረ ኣስላም (ISIS ኣይሲስ)፣ ብስዉር መላፍንቱ ኮይኖም እዮም ዝኽድሙ ዘለው። ንመረዳእታ፣ ኢሰያስ ንክርስትያን ደቂ ከበሳ እንዳጽነተ፣ ነስላም ግና ኣብ መታሕት ይኹን እእብ ስምሃርን ደንከልን ኩናማን ወዘተ. . . የማዕብሎም ኣሎ። ኩነታት ኣስላም ኣብ ኢትዮጵያን እንተተዓዪብናኦ ድማ ኣይከም ቀደሙን። ከመይ ከምዘሎ ብንቕሓት ምክትታሉ ናትና ግደ ይኸውን። እታ ብርኩታ ኣምኒ ላታ! ንኣብነት ሎሚ ቅነ ብፍላይ ኣስላም ኤርትራ፣ ከም ሰልፊ ኣልናህዳ ጀበርትን ካልኦት ኣኽረቲ ሃይማኖት ምስልምና ኤርትራን፣ ኣብ ኣዲስ እበባ ሰሚናር ከካይዱ ቀንዮም። ስለምንታይ ከምዝኾነ ትፈልጡዎዶ ይመስለኩም? እወ! ገርሀኛ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግና፣ ወያኔን ህግደፍን ፈላልዩ ስለዘደንቆሮም የሎ፣ እቲ ምዕራባውያን ዝምውሉዎ ግብረ ሽበራ (ISIS ኣይሲስ) ግና ካብ ሶርያ ብሓይሊ ሩስያ ተደምሲሱ፣ እቲ ተረፍመረፉ ግና፣ ንቅዲስቲ ኦርቶዲክሳዊት ቤተ ክርስትያን ንኸርክስን ክድምስስን፣ ንስሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ክልሕም ይሓልም ኣሎ። ስለዚ (ISIS ኣይሲስ) ኣብኦም ገጹ ክዋፈር ምዃኑን፣  ገና ኣይፈለጥዎን ኣለው። ጸረግቲ መንገዲ (ISIS ኣይሲስ) ድማ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን ምዃኖም ገና ኣይተሰቆሮምን ኣሎ። እቲ ካብ ኩሉ የስደምም ድማ እዞ ፕሮፌሶራትን ዶክቶራትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ነዚ ሕቡእ ምስጢራዊ ፕሮጀክት፣ ግንከኣ ጽባሕ ብጊሓት ይክሻሕ ኣጸቢቖም ይፈልጡዎ እዮም።

ክንበብ ዘለዎ ኣገዳሲ ዓምዲ

Nightmare Spreads From Syria To North Africa 

By Katherine Frink

ኣብ ዝመጽእ ግዜ ብቋንቋ ትግሪኛ ተርጉምና ክንዝርግሓ ክንፍትን ኢና። ንሎሚ ግና ነዛ ሊንክ እዚኣ ተኸቲልኩም ኣንብቡዋ ኢኹም። የቐንየልና።