ዝኸበርካ ሓው ተስፋጽዮን ወዲ ወዱ ንሃብተስሉስ!!
እቲ ብትብዓት ጀሚርካዮን ግንከኣ ከይተሓለልካ ከምቲ ኣመል እቦሓጎታትካ ብሓቦ ትቕጽሎ ዘሎኻ ኣግኣዝያዊ ኣስተምህሮ ኣዚና ነመስግነካ። ተዓወት! ንትዓወት! ዓወት ንህዝቢ ኣግኣዝያን ከኣንብል!! ከም ኣልፋን ኦሜጋን መጠን፣ ዓወት ድሕሪ ስቕይ ረኺቡ፣ ኣብቲ ኦሜጋ ምሉእ ፍጹም ክኾነሉ፣ ብስም ደቀባት ደቂ ኣግኣዝያን መጠን ብልቢ ንምነ። ርግጽዩ ንሕና ነገደ ኣግኣዝያን፣ ሕቡን ታሪኽን፣ መንነትን፣ ኦሪታዊ ሃይማኖትን ዘሎና፣ እኳድኣ ጀመርቲ ሃይማኖትን ምዕባሌን፣ ፍትሓዊ ዋንነት መሬትን፣ ሕጊንዳባን ዝኾና ህዝቢ ምዃንና፣ ማንም መጻሕፍቲ ታሪኽ ዝከታተል ግዱስ ሰብ፣ ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኣግኣዝያን ይባረኽ!! ሓያል ከኣ ይኸልክለሉ!!
ብፍላይ እኳድኣ እቶም ንሕና ኢና ጀመርቲ ምዕባሌን፣ ወነንቲ ሃይማኖትን ዝብሉ፣ ግንከኣ ዓመጽን ስርቂን ዝምታን ዝኾነ ባህሎም፣ነቲ ሕብሮም ከኣ ከም “ጻዕዳን ጽሩይን ብሉጽን” ገሮም ዘቕርቡዎ፣ብፍላይ ንኣፍሪቃዊ ሕብሪ ድማ ከም ፉንፉንን ርጉምን ገሮም፣ ንህዝቢ ዓለም ከእምኑ ገልዳሕ ዝብሉ ዘለው፣ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ጽቡቕ ገሮም እዮም ዝፈልጡዎ። መኽንያቱ ድማ፣ ካብ መዋእል ባርነት ጀሚሮም፣ ካብ ኩሎም ኣፍሪቃውያን መኸተ ኣጋጢሙዎም ዘይፈልጥ፣ ንመጀመርያ ግዜ ግና ኣብ ኲናት ዶጋሊ (ብ27 January 1887 ዓ.ም.ፈ.) ዓድዋን (21. Februar 1896 ዓ.ም.ፈ)፣ ንዘልኣለም ክርስዑዎ ዘይክእሉ ሃንደበታዊ መቕጻዕቲ እጓኒፉዎም። ካብኡ ኣትሒዞም ከኣ መን ምዃና ስለዝተረድኡና፣ ክሳብ ሎሚ ካብ ክሳድና ክወርዱ ኣይከኣሉን። እወ፣ ባዕሎም ድሎ ከይትዕሎ ኢሎም ክገጥሙና ስለዘይበቕዑ ግና፣ ውዲታውያን ስለዝኾኑ፣ገረብ ብሓኽላ ተጠቒሞም ኣላሽ መታን ከቡሉና፣ ንብዓል ክናናን ምናንን ህግደፍ ምሂዞም ትንፋስና የምሉቝና ኣለው። ብስለላን ኮለላን ንፍርቂ ዘመን ዝሰልጠነን (ማይንድ ኮንትሮልድ ወይ ክሎንድ) ዝኾነን ልኡኽ መላኺ “የኛ ሰው በደማስቆ” ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣሰልጢኖም ኣላሽ ከብሉና ይራባረቡና ኣለው። እወ፣ ሎሚስ ወረ ኣግሂዶሞ፣ ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ እንዳበሉ ገና ወርቅና ብነጻ ጓሕጒሖም ይዘምትዎ ኣለው። መንእሰይ ወለዶ ድማ፣ መመክሒ ኤውሮጳውያን ኮይኑ፣ ባህርያዊ ጸግኡ እንዳተጋሕተጠን ተዘምተን፣ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ተጸባዪ ትኳቦት ገንዘብ ኮይኑ ይሳቐ ኣሎ። ክሳብ ሎሚ ግና ኣስታት 200 ቢሊዮን ዶላር ሽያጥ ወርቂ ጥራይ ኣብ ባንክታት ስዊዘርላንድን ለንዶንን ንዮርክን ተኾሚሩ ኣሎ። ኣብታ ኮብላሊ መራሒ ዘለዋ ሃገርና ድማ፣ ማይ መጺኣ፣ ሉቸ ከኣ ጠፊኣ ክብል ይውዕል ኣሎ።
ክቡር ሓው ተስፋጽዮን፣
ክሳብዛ ንስኻ ብትብዓት ንመንነት ህዝቢ ኣግኣዝያን ንኽትጣበቕ ዝተበገስካላ ስዓት፣ እቶም ”ንሕና ተቓወምቲ ኢና፣ ተሓለቕቲ ሽግር ህዝቢ ኣርትራ ከኣ ኢና፣ ኢሰያስ ድማ ዲክታቶር እዩ“ እንዳበሉ፣ ካብ ድሕሪ ነጻነት ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ 26 ዓመታት ገሮም ኣለው። እወ፣ ካብ 100 እቶት 100 ሓሶት እንዳወቀጡ ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም ዝኾኑ፣ ገና ይረባረቡና ኣለው። እወ፣ ነቲ ሓቂ ረሲዖም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኮነ ኢሎም ብመደብ ዝተላእኩ፣ ንሶምውን መሳርሒ ባዕዳውያን ኮይኖም፣ ሽርካ ድያብሎስ ኢሰያስ እዮም። ስለዚ ንስኻ ግና፣ ውርሻ ሓቦ ደቂ ኣግኣዝያን ኣቦታትካን ኣባኻጎታትካን፣ እወ፣ ብዓል ኣቦ ፍትሒ ሃብተስሉስ፣ ብዓል ጅግና ራእሲ ዓንደሃይማኖት፣ ብዓል ራእሲ ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካአልን፣ ከምታ በትሪ ሙሤ ኣጽኒዕካ ሒዝካ ብሓቂ ትብድህ ኣሎኻሞ፣ ዕድመ ይሃብካ። እሎና ከኣ ግዲ የብላን ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ ዘይኮነስ፣ ብሓይሊ ኣምላኽ ቅድሚ ማይ ኣብ ብዓቲ ዝብል መርሆ ሒዝና ኣንጻር ኩሎም ከድዓት ክንዓርድ ኢና። ኣምላኽ ኣቦሓጎታትካ ኣግኣዝያን ድማ ክሕግዘና ኢዩ።
ከም ኣሕዋትካን መቃልስትኻን መጠ፣ ነቲ ኩሉ ኣስተምህሮኻ ብዘይ ምቍራጽ ሓደ ብሓደ ንከታተሎ ስለዘሎና፣ ሓጋዚ ዝኾነ ሓውሲ ነቐፌታን ምኽርን ከነመሓላልፈልካ ግና ግድነት ኮይኑ። ቀዳማይ፣ ኣብ መላእ ትግራይን ምድረባሕርን (ሎሚ ኤርትራ) ክርስትያኑ ኣስላሙ ካብ ነገደ ኣግኣዝያን እዩ። ርግጽዩ ኣመጻጽኣ ኣግኣዝያን ካበይ ከምዝኾነ ንዓኻ ኣይጠፍኣካን እዩ። ኣብ ሃገረ እግኣዝያን ሃይማኖት ምስልምና ምኣስ ከምዝተኣታተወ ድማ ኣይትስሕቶን ኢኻ። ንመረዳእታ፣ ህዝቢ መንሳዕ፣ ህዝቢ ሰኒሒት፣ ህዝቢ ሳሕል፣ ህዝቢ ባርካን፣ እንተኾነውን፣ ብወራር ቱርክን ግብጽን እዩ መስሊሙ እምበር መበቆሉስ ሓደ ኣካል ህዝቢ ኣግኣዝያን እዩ። ጀበርቲ እንተኾይኖምውን ደቂ ኣግኣዝያን እዮም። ዓሳውርታ ድማ ደቂ ንጉስ ሳውር ሓው ንጉስ መሮኒ እዮም። ስለዚ ኣብ መንነትን ዓሌትነትን ገዲፍና፣ ከምኡውን ኲናት ምስ ኣስላም ከይከፈትና፣ ኣድህቦና ኣብቶም ዝምንቁሱና ዘለው ልኡኻት ሳጥናኤል፣ ወይከኣ ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፣ ብሰላሊ ኢሰያስ ዝምርሑ፣ ግንከኣ ብምሃንድሳት ጽዮናውያን ዝጓስዩን ዝምዓዱን ህግደፍ፣ ኣስላምናን ክርስትያናን ደቂ ኣግኣዝያን ብሓባር ክንምክቶም ጥራይ ኣሎና። ካብኡ ሓሊፉ ውሑዳት ዓሌታት ይኹኑ ኣስላም ኢና ኩናማ ኢና እሞ ንበይንና ንህግደፍ ክንምክቶ ኢና ዝብሉ እንተድኣ ሃልዮም፣ ኣይሰልጦምን እዩ። ከምኡ ይሓይሽ ዝብሉ እንተድኣ ኮይኖም ግና፣ እንታይግድኻ ትምኢልካ ጥራይ ቀዳመይ ዕማምካ ኣሳልጥ። ምክልኻልን ምጥቃዕን ብኹሉ መኣዝን ንድያብሎሳዊ ልኡኽ ባዕዳውያን ህግደፍ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ነቶም ክሳብ ሎሚ ጸላኢኦም ዘየለለዩ ድማ ክሳብ ዝስቆሮም ኣይትገደሰሎም። ኤነርጂኻ ኣይተጥፍኣሎም።
ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበየና ስለዘሎ፣ ሓይልና (ኤነርጂና) ኣብ ማጆሪቲ ድኣንበር ኣብ ማይኖሪቲ ኣይነጥፍእ። ኣንጻር እዞም ወኻሩ መበል 21 ክፍለዘመን ህግድፍ ጥራይ ይኹን ኩሉ መኸቴና። ካብኡ ሓሊፍና እንገብሮ ቃልሲ፣ ከም ፍልልይ ስለዝርአ፣ ንዕድመ ህግደፍ ድማ መናውሒ ጥራይ እዩ ክሕግዝ ዝኽእ። ነቲ ባዕዳውያን ዝምሃዙዎ ኣይሲስን ኣልቃሂዳን ዝብል ወፍሪ፣ ንረብሓ ምስልምና ሃይማኖት ዘይኮነስ፣ ብሱሩ ንረብሓ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ምዃኑ ክንግንዘቦ ኣሎና። ደድሕሪ ምዕራባያን ዝምሃዙዎ ፍልስፍና፣ ዘብዘብ ንብል እንተድኣ ኮንና ግዳይ ቴሮሪዝም ብምዃን ኣገልገልትን መሳርሕን ባዕዳውያንን ጥራይ ኢና ክንክውን።
2ይ) ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ መንነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክትንትን ከሎኻ፣ “ኢሰያስ ሕሉፍ ጸጋማዊ እዩ“ ትሽዓተ ብሐራት መስሪቱ ኤርትራዊ መንነት ንኽምስርት ዝቃለስ ዘሎ ሕሉፍ ጸጋማዊ እዩ „ እናበልካ ብዙሕ ግዜ ትገልጾ ኢኻ። ስለዚ እስከ ብዓቕምና ንእሽቶ ምኽሪ ክንልግሰልካ። ከምቶም ካብ ኣፍንጭኦም እርሕቕ እቢሎም ዘይሓስቡ፣ ማለት ካብ ብቐልቦም፣ ብኸብዶም ዝሓስቡ ዝዘልፉኻን ዝጸርፉኻን ግና ኣይኮናን። ብጾትካ ኢና እጆኻ ጽኑዕ ርገጽ እምበር ንብለካ።
መልሲ፣ ክብር ተስፋጽዮን ምስ ይቕሬታ፣ ኢሰያስ ሕሉፍ ጸጋማዊ ኣይኮነን። ወሪዱዎ ፓፓጋሎ ጽዮናውያን ግና ክንደይዅኳ እዩ።እቲ ሕሉፍ ጸጋማዊ ዝብሃል ፍልስፍና በልዩ እዩ። እወ፣ ከም ሽዳ ተጋደልቲ እምበር ተሰንድዩ። ብብጊሓቱ ፍሹልን ስንዑን ፍልስፍና ኮይኑ፣ ግንከኣ ንመዳናገሪ ፍልስፍና ኣግኣዝያን ተባሂሉ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተማህዘ ብላሽ ፍልስፍና እዩ።
እቲ ሓቂ ግና ዓሻ መሲልካ ድራሮም ወድኣሎም ከምዝብሃል፣ ኢሰያስ ካብ 1969 ዓ.ም.ፌ. ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ተመልሚሉ ዝሰልጠነን፣ ንዘርኢ ኣግእዝያን ንኸጥፍእ ንሜዳ ዝወፈረ እምበር፣ ሕሉፍ ጸጋማዊ ማለት ርእዪን ብንጹር ህዝባዊ ዓላማን ዘይነበሮ ኣይኮነን። ንሱ ልኡኽ ጽዮናውያን ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ፣ ልኡኽ ሓዲሽስ ዓለማዊ ስርዓት ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ማርዮነት እዩ። ካብቲ ጽዮናውያን ኣውጺኦምሉ ዘለው መደብ ዕዮ፣ ሓንቲ ሜትሮ ፈልከት እንተድኣ ኢሉ፣ ከምታ ንመለስ ዜናዊ ዘጋጠመቶ ጽዋእ ጥራ እዩ ክረክብ። ስለዚ ኢሰያስ ቅሉዕ ሰላዪ ጽዮናውያን ኮይኑ ንመንነትናን ባህልናን፣ ኦሪታዊ ሃይማኖትናን፣ ብፍላይ ንመንእሰይ ወሎዶና ንምጽናትን ብመደብ ባዕዳውያን ዝተላእከ ድያብሎስ እዩ ኢልካ ምስ ዝግለጽ እቲ ሓቂ ንሱ እዩ።
ክቡር ሓው ተስፋጽዮን፣
ንሓና ካብ 2000 ዓመተ ምሕረት ፈረንጂ ጀሚርና፣ ምእንቲ ጭቁን ህዝብና፣ ቅለቱና ከይበልና ጉልባብና ቀሊዕና ንኣካይዳ ህግደፍን ወያኔን ዘሌሌና፣ ኣዳልውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት-ኣግኣዝያን ኢና። ብዓምድታትን ቃለ ምሕታትን ብዓቕምና ብዙሕ ግዜ ኣብ መርበብ ደቀባት ዘርጊሕና ኢና። እተን ብባዶ 3 ዝምወላ መርበብ ሓባሬታታት፣ ከምኒ መርበብ ሓበሬታ መስከርምን፣ ብፍልስፍና ምስልምና ዝምወላ ከምኒ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተን፣ ከምኡውን ከምተን ኣገልገልቲ ፍሹላት ተቓወምቲ ዝኾና ከምኒ መርበብ ሓበሬታ ተጎርባን ግና ኣይኮናን። ከምኡውን ከምተን ብቕሎቱና ማሕፉዳአን ዘርጉዳ፣ ግንከኣ ብራድዮን ቪድዮን ውልዕ ጥፍእ ዜናታት ዘቃልሓ፣ መርገጸን ዘይፍለጥ ከም ብዓል መርበብ በሬት ኣሰና ከኣ ኣይኮናን። ከምቶም ኣብ ውሻጠ ተኸዊሎም ብፓልቶክ ቆየቛ ላልማየ ላሎ ክብሉ ዝሓድሩ ግዳይ ስለላ መርበብን ባዶ 3ን ድማ ኣይኮናን።
ከምቶም ንኣንባባይን፣ተኸታታላይ ቅኑዕ ሓበሬታ ኢንተርነት ንምድንጋርን ንምዝንባዕን፣ ተባሂሎም፣ ብባዶ 3 ዝተዋፈሩ ኣረገዊቲ ኣናብር ኢንተርነት፣ ኣብ ብዓል መስከረም ዕንክሊል ክብሉን ክኹብሉሉን ዝሓድሩን ዝውዕሉን ዘለው ድማ ኣይኮናን። ንሕና ድኻታት ከም ህዝብና ኢና። ህዝብና ብሓቅን ብቕንዕናን ክነቅሓን፣ ነቒሑ ድማ ጸላእቱ ክፈልጥን ግና፣ ገና ከይተሓለልና፣ ነቲ ዓላማ ኣግኣዝያን ኣብ ሾቶኡ ንምብጻሕ ክንቅጽል ኢና። ህዝቢ ኣግኣዝያን ሓንቲ መዓልቲ ጸላእቱ ኣለልዩ መኪቱ ከምዝቃለስ ድማ ዘይሕለል ራእዪና እዩ።
ዘሎናዮ እዋን፣ ዘመነ ምድንጋርን ማይንድ ኮንትሮልን ስለዘርከብና ግና፣ ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣጋጢሙና እዩ። ገናውን ከጋጥመን እዩ። ክሳብ ግዜ ሞትና ግና ህዝብና ከይቀሰነ ኣላሽ እይክንብልን ኢና። ዝኾነ ኮይኑ ግና፣ በትሪ ሓቂ (በትሪ ሙሴ፣በትሪ ኣግኣዝያ) ትቐጥን እንበር ኣይትስበርን እያ ኢልና ስለንኣምን፣ ምስቲ ጀሚርካዮ ዘሎኻ ራእዪ ኣግኣዝያን ተላፊንና፣ ምሳኻን ምስኩሎም ንቑሓትን ክነቕሑ ዝሃርፉ ደቂ ኣግኣዝያንን፣ ብፍላይከኣ ደለይቲ ነጻነት ዝኾኑ ኣሓትን ኣሕዋትን፣ ኢድን-ኢድ ተታሓሒዝና ግድነት ክሳብ፣ ግብኣተ መሬት ህግደፍ ብድሆና ክንቅጽል ኢና። ሓቂ ሒዝና ድማ ክንዕወት ምዃንና ኣይንጠራጠርን ኢና።
ካብ እሕዋትካን መቃልስትኻን፣ ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት-ኣግኣዝያን።
5 ጥሪ 2017 ዓ.ም.ፈ.
ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት-ኣግኣዝያን
ካብቲ ቅድም ክብል ሒዝክኩምዎ ዝነበርኩም ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝፈላሊ ኣካይዳ ተመሊስኩም ብዛዕባ ሓድነትን መንነትን ህዝበ ኣግኣዚያንን ምድረ ሃገረ ኣግኣዚያንን ምዝራብ ምጅማርኩም ሕጂውን ግርም ይብል። እወ ኣብ ኤርትራ ሎሚ ሰልሰተ ኣውራጃታት ኣብ ትግራይውን ሹድሸተ/ሾውዓተ ኣውራጃታት ትግርኛዊ ህዝቢ በቲንካ ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ ድማ ብዝተፈላለዩ ወራራት ሃይማኖቱ ቀይሩ ቀልቡ ናብ ዓረባውነትን ምስልምናን ኮይኑ ኣብ ዘለውሉ ኩነታት ንቲ ኣብ ዓለምና ኮነ ከባቢና ዘሎ ተጻብኦታት ኣብ መረብ ምላሽ ጥራሕ ዘሎ ህዝብና ይምክቶ ኢልካ ምሕሳብ ከንቱነት እዩ። ስለዚውን ፋሺዝም ጥልያንን ጥልመት ምኒሊክን ንዝበተኑዎ ናይ ሃይለስላሴን ደርግን ከይኣክል ድማ ካብ ራቢጣ ክስብ ጀብሃን ሻዕቢያን ወያነን ድማ መመሊሶም ኣብ ኩናት ዝሸመሙዎ ህዝብና ክብሪ መንነት ናይ ትውልዲ ቀጻልነትውን ክረጋገጽ እንተኾይኑ ቅድም ቀዳድም ሓድነት ክልቲኡ ትግርኛ ደድሕሪኡ ድማ ክስታን ይኹን ኣስላማይ ሓድነት ክልቲኡ ሳሆ ኩናማ ዓፋር ወዘተ ክረጋገጽ ናይ ግድን ይኸውን። ብድሕሪኡ ምስ ዝተረፉ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮነ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፌድረሽን ኮንፌድረሽን ዋላስ በይንና ከም ፍጹም ልዑላዊ መንነት ንንበር ዝብል ክሕሰበሉ ቀሊል ይኸውን። ኣይኮነን ግን ኣብቲ ሌጋሲ ዓረባውነትን ሌጋሲ ፋሺዝምን ዝሸመመና ኤርትራውነትን ናይ መረብ ስግር ትግራዋይነትን ንነበር እንተኾይንና ሓደውን ንሓደ ዘናሹ ምስ ዝኸውን ኣግኣዚያውነት ኣብ ሑጻ ዝፈስስ ማይ ካብ ምዃን ኣይድሕንን። ንዚ ዘብለኒ ድማ መሳፍንቲ ትግራይ ካብ ንብሎም መሳፍንቲ መረብ ምላሽ/ምድሪ ባሕሪ ክንብሎም ዝቐንዓና በዓል ሃጸይ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላን ኣናኢስካ ምቕራብ ነይሩ። እዞም ሰባትን ሰራዊቶምን ንትግራይ ወይ ንሽዋ ዘይኮነስ ንምድሪ ባሕሪ ንምብጃው ዚያዳ ከርተት ኢሎም።
ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ከረን/ኩፊት ፡ ክሳብ ከሰላውን ኣንጻር ባዕዳውያን ማህዲስታውያን ፡ኣብ ጉንደት ፡ኣብ ጉራዕ ኣንጻር ግብጻውያን ፡ኣብ ሰሓጢት ፡ኣብ ዶግዓሊ ኣንጻር ሰራዊት ጥልያን ብዘይምቁራጽ ብምውፋር ብፍላይ ንናይ መረብ ምላሽ ህዝቦም ብሓፈሻውን ንህዝበ ኣግኣዚያን ተበጂዮም ዝተዋደቑ ነበሩ። ንግስነት ኣኽሱም/ኣግኣዚ ብናይ ከሊፋውያን Islamic Empire/State ገማግም ባሕሩ ስኢኑ ድሕሪ ምድኻሙ ድሕሪ ብዙሕ ክፍለ ዘበናት ክብሪ ህዝበ ኣግኣዚያን ዝመለሱ እዚ ህዝቢውን ርእሱ ኣቕኒዑ ከም ካልኦት ኣህዛብ ክነብር ክመርሕውን ሓፍ ዘይብል ግደ ዝተጻወቱ ርእሰ ራእሲታት ደሓር ድማ ሃጸይ ንጉሰ ነገስት ዘ ጽዮን (ዮሃንስ ራብዓይ) ነበሩ።
ንዚ ንጎኒ ኢልካ ን ዮሃንስ ከም ንጉስ ትግራይ ጥራሕ እንዳዘንጠልካ ብዋጋ ሞቱውን ኤርትራ ከምዝተወረት እኳ ደኣ ገበንን ክሕደትን ምኒሊክን ከይተንከፍካ ምቕራብ ታሪኻዊ ክሕደት ከይከውን የፍርሕ። ስለዚውን ካብቲ ንዚ ኣግኣዚያዊ ህዝቢ ንምብታን ካብ ዝተገብረ ናይ 125 ዓመታት ውዲት ነብስና ሓራ ገይርና እዚ ህዝቢ ከም ጥንቲ መንነቱን ስርዓተ ክብርታቱን ከመይ ይምለስ ንዝብል ሕቶ ምምላስ ዚያዳ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ናይ ሓቂ ንናይ ተስፋጽዮንን ንምቅስቓስ ኣግኣዚያውንትን ትድግፉ እንተኾይንኩምውን ብዚ መዳይ እጃምኩም ክተወፍዩ ሓደራ ይብል።
ክቡር ሓው መኮነን፣
ርእይቶኻ ሃናጽን ገሳጽን ኮይኑ ረኺብናዮ፣ነዚ ተገዲስካ ዝልኣኽካልና ርእይቶ ድማ እዚና ኢና ነመስግነካ። በውገንና፣ ሓቀኛን ግንከኣ ሌላን ጉሌላን ዘይብሉ ታሪኽ እንተድኣ ኣቕሪብና ጥራይ ኢና ከዕውት ዝኽእል ቃልሲ ክንበጽሕ ኢልና ኢና እንኣምን።
„ካብቲ ቅድም ክብል ሒዝክኩምዎ ዝነበርኩም ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝፈላሊ ኣካይዳ ተመሊስኩም ብዛዕባ ሓድነትን መንነትን ህዝበ ኣግኣዚያንን ምድረ ሃገረ ኣግኣዚያንን ምዝራብ ምጅማርኩም ሕጂውን ግርም ይብል“። ክትብል ዘቕረብካልና ነቐፌታዊ ርእይቶ፣ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተዘይተቕበልናዮ፣ ብኸፊል ግና ግድነ ክንቅበሎ ክንግደድ ኢና። መኽንያት ከኣ፣ „ካብ እግሪ መልሓስ ይዕንቀፍ“ ከምዝብሃል፣ ዝሰርሕ ሰብ ድማ ክጋገ ግድነት ስለዝኾነ ኢልና ስለ እንኣምን። መርገጽና ነዞም ክልተ ከም ወከልቲ ህዝቢ ኣግኣዝያን ኮይኖም፣ከም ሰብ ሓቂ ኮይኖም ንህዝቢ ኣግኣዝያን ካብ ፋሺስታዊ ወተሃደርዊ ወራር ማለት ካብ 1991 ክሳብ 1998 እኳ ሓራ እንተውጽኡዎ፣ ካብ 2000 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም ግና ንህዝቢ ኣግኣዝያን ታሪኻዊ ዕንቅፋት ኮይኖሞ ዘለው ጭፍራታት ህግደፍን ኢህኣዴግን እምበር፣ ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ሓላው መንነቱን መሬቱን ሃይማኖቱን ኮይኑ፣ ክሳብ ዘመነ ህግደፍን ኢህኣዴግን ዝጸንሐ ጭዋ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራንሲ aይፋልናን፣ ብሓደ ኣዎንታዊ ኣረኣእያ ኢና እንርእዮ። እንበር ክንፈላልዮ ከቶ ኣይንሓልምን ኢና። ንመን ረብሓ እሞ? ኣብዘን ዝሓለፋ 17 ዓመታ ኣብ መርበብ ደቀባት ብዙሕ ጽሑፋት ይወጹ ስለዝነበሩ ብጸቢብ ኣርኣያ ዝቐረቡ ጽሑፋት ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ካብ ንቕሓት ዝተበገሱ እዮም ኢልና ግና ኣይንኣምንን። ዝኾነኮይኑ ግና ብሕጂ ኢድንኢድ ተታሓሒዝና ኣግኣዝያናዊ መንነትና ከይሓቅቕ ድርድሪት ትዓጢቕና ክንምክት ድሉዋት ኢና።
ንሕና ብዛዕባ ንጉስ ጽዮን እቲ ኣብ ሓያሎ መጻሓፍቲ ታሪኽ ዝረኸብናዮ፣ ሓበሬታ ኢና ኣቕሪብና እምበር „ምዝንጣል“ እኳ ክንብሎ ኣጸጋሚ እዩ። እንቶ ብዛዕባ ዙሉ ንጉስ ዳግማዊ መነሊክ ኣንተኾነ ግና፣ ብዝ( ዘዛርብ የብሉን፣ ልኡኽ ኮሎንያል እንግሊዝን ጣልያንን ድኣንበር ልኡኽ ህዝቢ ኣምሓራ ዝኹን ህዝቢ ኣግኣዝያን ኮይኑ ኣይፈልጥን ስለዝኾነ ኣየካትዓናን እዩ። ንምነሊክ ኣሞጊስና ንዮውህንስ ክንዝንጥል ግና ነውሪ ኢና ንብሎ። እይግብኣን ድማ። ንሞያታትን ንጉድለታቱ ንጉስ ጽዮን የውሃንስ ኣይንኽውሎን ኢና። እኳድኣ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ከነቕርቦ ባህ እዩ ዝብለና።
„ነዚ ኣግኣዚያዊ ህዝቢ ንምብታን ካብ ዝተገብረ ናይ 125 ዓመታት ውዲት፣ ንነብስና ሓራ ገይርና፣ እዚ ህዝቢ ከም ጥንቲ መንነቱን ስርዓተ ክብርታቱን ከመይ ይምለስ ንዝብል ሕቶ፣ ምምላስ ዚያዳ ኣገዳሲ ይመስለኒ“። ኢልካ ዘቕረብካዮ ምሉእ ብምሉእ ስለ ንድግፎ ዝወጾ የብሉን እሞ፣ ከምኡ ዝኣመሰለ ርእይቶታት ክትሰደልና ከሎኻ ክንደይኳ ባህ እዩ ዝብለና። ነቲ ዝባራዕ ዘሎ ኣግኣዝያናዊ ምቅስቓስ ሓው ተስፋጽዮንን ድማ ክንደይኳ ንድግፎ፣ ነቲ ክንበጽሖ እንደሊ ሾቶ ንምብጻሕ ግና ካብ ስምዒት ሓራ ዝኾነ ኣቀራርባ ኮይኑ ክኸርብ ህርፋና እዩ። ነዚ ትልሚ እዚ ደጊፍና ድማ ኣግኣዝያዊ እጃምና ከነበርክትን ክንውፍን ድሉዋት ኢና።
ካብ ኣዳለውቲ ደቀባት-ኣጋዝያን
ንሕና እዛ ጸግዒ ናይ ኣስላም ሒዝካ ንእስራኤላውያንን ንደቂ ሓማሴንን ምውንጃል ኣይተረዳኣትናን ኣላ ? እንታይ እዩ ነገራቱ ?
” ንዘርኢ ኣግእዝያን ንኸጥፍእ ንሜዳ ዝወፈረ እምበር፣ ሕሉፍ ጸጋማዊ ማለት ርእዪን ብንጹር ህዝባዊ ዓላማን ዘይነበሮ ኣይኮነን። ንሱ ልኡኽ ጽዮናውያን ኮይኑ፣ ” ( ንስኻትኩም ናብ ጽዮናውያን ክተድህቡ ዳዕሽ መጽይኣ ደቂስኩም እንከለኹም ከይትሓርደኩም እዩ ዘፍርህ! ኣብ ከባቢና እንታይ ይግበርን ይበሃልን ከም ዘሎ ኣይትፈልጡን ዲኹም ? )
“ጀበርቲ እንተኾይኖምውን ደቂ ኣግኣዝያን እዮም። ዓሳውርታ ድማ ደቂ ንጉስ ሳውር ሓው ንጉስ መሮኒ እዮም። ስለዚ ኣብ መንነትን ዓሌትነትን ገዲፍና፣ ከምኡውን ኲናት ምስ ኣስላም ከይከፈትና፣ ኣድህቦና ኣብቶም …….. ” ( እዚ ምስ መልእኽቲ ተስፋ-ጽዮን ዘኣግኣዚ ዝጻረር ኮይኑ ንህዝብና ድማ ዘደናግርን ዝሃስን እዩ ። ጸላኢኡን ፈታዊኡን ኣነጺሩ ዘይፈልጥ ሰብ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ። በጃኹም ሕሰብሉ ። ብጽልኢ ወዲ ኣፈወርቂ ዝኣክል ኣንጻር ህዝብኹምን ሃገርኩምን ኣይትስርሑ ። ኩሩዓትን ሕቡናትን ኣግኣዝያን ምዃንኩም ኣይትረስዑ ። )
ኵቡር ሓው የውሃንስ፣
ብንቍሓትን ብልቦናን ርእይቶኻ ከተቕርብ ድሉው ኩን። ካብኡ ሓሊፉ ንሕና ህዝብና ዝምሃረሉን ዝነቕሓሉን ዛዕባታት ከነቕርብ ኢና ንደሊ እምበር ኣብ ሃጠቀጠው ግዜና ከነጥፍእ ከምዘይንደሊ ብኣኽብሮት ክንሕብረካ ንደሊ። እወ፣ ኣርኪብናሉ ዘሎና እዋን እዋን ዕንክሊልን ሸንኮፕለልን ስለዝኾነ ብዝከኣለና መጠን ሓቂ ሕዝና ምሃርን ሓባርን መልእኽቲ ክንዝርግሕ ኢና ንደሊሞ፣ ሓደራ ክንብለካ እንደልዮ እነገር ንተድኣ ሃልዩ፣ ብድሕሪሕጂ ሃናጽን ምሃርን ርእይቶ እንተሰደካልና ጥራይ ኢና ክንዝርግሓልካን መልሲ ክንበካ እንኽእል እምበር፣ንኣያኻ ኢሰያስን ጭፍራ ህግደፍን ክትጣበቕ እንተድኣ ደሊኻ ከምዘይንግደሰልካ ደጊምና ክንሕብረካ ንፈቱ።
ኣሕዋትካ ኣዳላውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት-ኣጋእዝያን